ንዓይነ ስዉራን ዚኸውን ሓገዝ
ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ 43 ሚልዮን ዚዀኑ ዓይነ ስዉራንን 295 ሚልዮን ዚዀኑ ናይ ምርኣይ ጸገምa ዘለዎምን ሰባት ኣለው። እቲ ዜሕዝን፡ መብዛሕትኦም ብሕማቕ መገዲ፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ብዘይ ፍትሓዊ መገዲ እዮም ዚተሓዙ።
ኣምላኽ ብዛዕባ ዓይነ ስዉራን እንታይ ይስምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም እንታይ ይብል፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ብኸመይ እዮም ዚሕግዝዎም ዘለዉ፧
ኣምላኽ ብዛዕባ ዓይነ ስዉራን እንታይ ይስምዖ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋb ንዓይነ ስዉራን ኣዝዩ ኸም ዚሓልየሎም ይገልጽ። ብፍትሓዊ መገዲ ኺትሓዙን ካብቲ ንሱ ዜዳልዎ ትምህርቲ ኺጥቀሙን ይደሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዜደንቕ ተስፋ መጻኢ ሂብዎም ኣሎ።
ጥቕሲ፦ “ንዕዉር መገዲ ዜጋግዮ ርጉም ይኹን።”—ዘዳግም 27:18።
ትርጉሙ፦ ብግዜ ጥንቲ፡ እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዝሃቦም ሕጊ ንዓይነ ስዉራን ካብ ግፍዒ ዜዕቍብ እዩ ነይሩ።
ጥቕሲ፦ ‘ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 10:34።
ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ንዓይነ ስዉራን፡ ማዕረ እቶም ዚርእዩ ሰባት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም።
ጥቕሲ፦ የሱስ “ንብዙሓት ዕዉራት . . . ከም ዚርእዩ ገበሮም።”—ሉቃስ 7:21።
ትርጉሙ፦ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንገሊኦም ዓይነ ስዉራን ኣሕውይዎም እዩ፣ እዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም እትዓምም ዜርኢ እዩ።
ጥቕሲ፦ “ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ . . . እየን።”—ኢሳይያስ 35:5።
ትርጉሙ፦ የሆዋ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኽትገዝእ ምስ ጀመረት፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ከም ዚኽፈታ ኣተስፍዩ ኣሎ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሕግዙ ብኸመይ እዮም፧
ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዓይነ ስዉራን ተስፋ ዚህብ መልእኽቲ ኣምላኽ ነካፍሎም ኣለና። እሞ ደኣ፡ ነዚ ብኸመይ ንገብሮ ኣለና፧
ንዓይነ ስዉራንን ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎምን ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ከም ብብረይል፡ ብድምጺ እተቐድሐ፡ ብፍሩይ ፊደላት እተዳለወ ጽሑፋት ዝኣመሰለ ሕታማትን ቪድዮታትን ብእተፈላለየ መገዲ ነዳሉ ኢና።
ኵሉ ሰብ፡ እንተላይ ዓይነ ስዉራን ዚእከብሉ ስሩዕ ዝዀነ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣሎና።
ብውልቂ ብዚምህረካ መምህርc እናተሓገዝካ ዚግበር ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና።
እዚ ዅሉ ብናጻ እዩ ዚቐርብ። ከመይሲ፡ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣዚዙና እዩ፦ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ።”—ማቴዎስ 10:8።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓይነ ስዉራን ብሓቂ ይሓልዩሎም እዮም። እቶም ምሳና ንኣምላኽ ኬምልኹ ዚደልዩ፡ ሕያዎትን ሓገዝትን ፈተውቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ናይ ገሊኦም ዓይነ ስዉራን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ታሪኽ ህይወት ርአ።
ታሊታ ኣልናሺ፡ ኣብ ሽወደን እትነብር ኰይና፡ ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ናይ ምርኣይ ጸገም ኣለዋ። ወለዳ ብኸመይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመሃርዋ፡ ንሳን ስድራ ቤታን ከኣ ካብ ፈተውቶም ብኸመይ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ፍለጥ።
ጄምስ ርያን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እዩ ዚነብር፣ ጽሙም ኰይኑ እተወልደ፡ ጸኒሑ ኸኣ ዓይነ ስዉር ዝዀነ እዩ። ኣብ ህይወቱ ሓጐስን ዕግበትን ዝረኸበ ብኸመይ ምዃኑ ርአ።
ሲንቲያ ፓብሎ፡ ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ኰይና፡ ጸማምን ዓይነ ስዉርትን እያ። ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ክርስትያናት ብጾታ ብኸመይ ከም ዝደገፍዋ ኣብታ “Congregation Supports Deaf and Blind Sister During Pandemic” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዜግልግል እንታይ ናውቲ ኢና ኣዳሊና ዘለና፧
ብብረይል እተዳለወ ሕታማት። ብእተፈላለየ ቛንቋታት ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብብረይል እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓትም ኢና። (ኣብታ “ብብረይል እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም” ዘርእስታ ሳጹን ዝርዝር ቋንቋታት ርአ።) ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብዙሕ ሕታማት እውን ብብረይል ነዳሉ ኢና። ነቶም ብረይል ኪምሃሩ ዚደልዩ፡ ብረይል ምንባብ ተምሃር ዘርእስታ ደብተር ኣዳሊና ኣለና። እዛ ንዋት ዓይነ ስዉር ዝዀነ ሰብ ኪርኢ ብዚኽእል ሰብ እናተሓገዘ፡ ብረይል ምንባብ ንኪምሃር ተባሂላ እያ ተዳልያ።
ብብረይል እተሓትመ ጽሑፍ ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣዛርቦ ወይ ክትብጻሕ ሕተት።
ካብ jw.org ንመሳርሒ ኖትቴከርd ዚኸውን ፋይላት ኣራግፍ።
ብፍሩይ ፊደላት እተጻሕፈ ሕታማትን ኪጐልሕ ዚኽእል ዲጂታዊ ሕታማትን። ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ብዙሕ ካብ ጽሑፋትና ብፍሩይ ፊደላት ብእተጻሕፈ ሕታም ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና፡ ዋላ እውን ነቲ ገጽ ከተጕልሖ ኸለኻ ብግቡእ ከም ዜርኢ ተገይሩ እዩ ተዳልዩ። ኣፕሊኬሽን JW Library እውን ናይ ሓደ ሕታም መጠን ፊደላት ኪተዓራረ ኸም ዚከኣል ተገይሩ እዩ ተዳልዩ።
ብፍሩይ ፊደላት እተጻሕፈ ሕታማት ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣዛርቦ ወይ ክትብጻሕ ሕተት።
ካብ jw.org ብፍሩይ ፊደላት እተጻሕፈ ዲጂታዊ ሕታም ኣራግፍ።
ብድምጺ እተቐድሐ ሕታማት። ብልዕሊ 200 ቛንቋታት ዚኸውን ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣዳሊና ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ብዙሕ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና፡ ብድምጺ ተቐዲሑ ኣሎ። መብዛሕትኡ እዚ ቕዳሓት ድማ መግለጺ ስእሊ እውን ኣለዎ።
ኣብ jw.orgን ኣብ ኣፕሊኬሽን JW Libraryን ብድምጺ እተቐድሐ ሕታማት ብቐጥታ ወይ ኣራጊፍካ ኽትሰምዕ ትኽእል ኢኻ።
ካብ jw.org፡ ብኸም ስክሪን ሪደርስ ከምኡ እውን ብዲጂታል ቶኪንግ ቡክ ፕለየርስe ኪንበብ ዚኽእል ፋይላት ኣራግፍ።
ብድምጺ እተቐድሐ መግለጺታትf ዘለዎ ቪድዮታት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልዕሊ 100 ቛንቋታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብድምጺ እተቐድሐ መግለጺታት ዘለዎ ቪድዮታት ኣዳልዮም እዮም። እዚ ቪድዮታት እዚ ድማ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ኺርድእዎን ኪትግብርዎን ዚሕግዝ እዩ።
ኣኼባታትን ፍጻመታትን። ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሰሰሙን እንምሃረሉን እነምልኸሉን ኣኼባታት ንገብር ኢና። በብዓመቱ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ዚካየደሉ ዓበይቲ ፍጻመታት እውን ንውድብ ኢና። ኣብዚ ዓበይቲ ፍጻመታት፡ ኪሰምዑ ጥራይ ንዚኽእሉ ሰባት ንምሕጋዝ ብድምጺ እተቐድሐ መግለጺ ንጥቀም ኢና። ናይ ምርኣይን ናይ ምስማዕን ጸገም ንዘለዎ ሰብ እውን፡ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዚካየድ ፍጻመታት፡ ከከም ኵነታቱ ብምድህሳስ ከም ዚመሓላለፈሉ ይግበር እዩ። ንዅሉ ሰብ ብማዕረ ደኣ ኢና እንርእዮ እምበር፡ ሌላን ጕሌላን ኣይንገብርን ኢና።
ኣኼባ ጉባኤ ዚግበረሉ ቦታ ድለ።
ብዛዕባ ዓመታዊ ኣኼባታትና ፍለጥ።
ኣብቲ ኣብ ዓመት ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ዝዀነ ዝኽሪ ሞት የሱስ ተኣከብ።
ሆሴ ሉዪስ ኣያላ ኣብ መክሲኮ እዩ ዚነብር። ጸማም ኰይኑ እዩ ተወሊዱ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ 29 ዓመት ዕድሚኡ ዓይነ ስዉር ኰይኑ። ኣኼባታትና ኣብ ህይወቱ እንታይ ጽልዋ ኸም ዘሕደረሉን ብኸመይ ውጽኢታዊ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነን ርአ።
a “ናይ ምርኣይ ጸገም” ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ብንጹር ናይ ዘይምርኣይ ጸገም እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ዓይነ ስዉር” እትብል ቃል፡ ምሉእ ብምሉእ ዓይኑ ንዝዓወረ ወይ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎ ሰብ ተመልክት።
b የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
c ብናጻ ዚግበር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረልካ ሕተት።
d ኖትቴከር፡ ንጽሑፍ ናብ ዘረባ ኸምኡ እውን ንጽሑፍ ናብ ብረይል ዚቕይር ናይ ኮምፕዩተር ድምጺ ዘለዎ ተንቀሳቓሲ መሳርሒ እዩ። ኣብቲ መሳርሒ ዘሎ መጠወቒታት ብምጥቃም ብረይል ንምስማዕ ወይ ንምጽሓፍ ዜኽእል እዩ። ሓደ ሰብ እዛ መሳርሒት ምስ እትህልዎ፡ ብዙሕ ብወረቐት እተሓተመ ብረይል ኪሕዝ ኣየድልዮን እዩ።
e ስክሪን ሪደርን ቶኪንግ ቡክ ፕለየርስን፡ ብኮምፕዩተር ብእተፈጥረ ድምጺ ወይ ኣቐዲሙ ብእተቐድሐ ድምጺ ንጽሑፍ ዓው ኢሉ ዜንብብ መሳርሒ እዩ። እዚ ቴክኖሎጂ፡ ንተጠቀምቲ ኣብ ሓደ ሕታም ዝደለይዎ ኽፋል ኪሰምዑ የኽእሎም እዩ።
f ብድምጺ እተቐድሐ መግለጺታት፡ ኣብ ስክሪን ንዚርአ ነገራት ብድምጺ መግለጺ ይህብ።