ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 መጋቢት ገጽ 7
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንዓይነ ስዉራን ምምስካር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንዓይነ ስዉራን ምምስካር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዓይነ ስዉራን ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃሩ ሓግዞም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ንዓይነ ስዉራን ዚኸውን ሓገዝ
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ህይወት ዚቕይር ነጠብጣብ
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ከይረኣኻ ምንባር
    ንቕሑ!—2015
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 መጋቢት ገጽ 7
ሓንቲ ዓይነ ስዉር ሓብቲ ብኢዳ ገይራ ሕታም ብረይል ተንብብ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ​—ንዓይነ ስዉራን ምምስካር

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መብዛሕትኦም ዓይነ ስዉራን ንዘይፈልጥዎ ሰብ ምዝርራብ ይኸብዶም እዩ። ስለዚ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ምስክርነት ንምሃብ ክእለት ይሓትት። የሆዋ ንዓይነ ስዉራን ይሓልየሎም እዩ። (ዘሌ 19:14) ንሕና እውን ኣብነቱ ብምስዓብ ተበግሶ ወሲድና ንዓይነ ስዉራን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ንዓይነ ስዉራን ‘ድለዮም።’ (ማቴ 10:11) ዓይነ ስዉር ኣባል ስድራ ቤት ዘለዎ ሰብ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ክልኹም ዓይነ ስዉራን ዚምሃሩሉ ቤት ትምህርቲ፡ ዓይነ ስዉራን ዚነብሩሉ መናበዪ ወይ ትካል ኣሎዶ፧ ንዓይነ ስዉራን እተዳለወ ሕታማትከ ይደልዩዶ፧

  • ተገዳስነት ኣርእዮም። እቲ ናይ ሓቂ ምሕዝነታዊ ኣቀራርባኻን ልባዊ ተገዳስነትካን ፍዅስ ከም ዚብሎም ኪገብር ይኽእል እዩ። ነቶም ዓይነ ስዉራን ብዜገድሶም ፍረ ነገር ዝርርብ ጀምር

  • ብመንፈሳዊ መዳይ ሓግዞም። ንዓይነ ስዉራንን ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎምን ሰባት ንምሕጋዝ ውድብ ኣምላኽ ብእተፈላለየ ፎርማት ሕታማት ኣዳልያ እያ። ነቲ ዓይነ ስዉር ብኸመይ ኪምሃር ከም ዚደሊ ሕተቶ። ኣገልጋሊ ጽሑፍ ዓይነ ስዉራን ብዝመረጽዎ ፎርማት ፎርም ምምላኡ፡ ሓላው ኣገልግሎት ኬረጋግጽ ኣለዎ። ሽማግለታት ንዓይነ ስዉራን ኣብ jw.org ንዚርከብ ሕታማት ኪረኽቡ ኺሕግዝዎም ኣለዎም

ነቶም ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት ብእተወሰነ ቛንቋታት በዚ ዚስዕብ ፎርማት ተዳልዩ ኣሎ፦

  • ኣብ ኣፕሊኬሽንናን ወብ ሳይትናን ዘሎ ብኣውድዮ እተዳለወ ሕታማት

  • ብፍሩይ ሕታም

  • ብብረይል

  • ኤለክትሮኒክ ፋይልስ ፎር ኖትቴከርስ (ንጽሑፍ ናብ ዘረባ ኸምኡ እውን ንጽሑፍ ናብ ብረይል ዚቕይር ተንቀሳቓሲ መሳርሒ)

  • ኤለክትሮኒክ ፋይልስ ፎር ስክሪን ሪደርስ (ንዅሉ እቲ ኣብ ስክሪን ዘሎ ጽሑፍ ናብ ድምጺ ዚቕይር ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም)

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ሓብቲ ሕታም ብራይል ተንብብ። 2. ሓንቲ ሓብቲ ብራይል ኖትቴከር ትጥቀም።

ብብረይል እተዳለወ ሕታምን ናይ ብረይል ኖትቴከር ይጥቀማ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ