ካብ የሱስ ተምሃር
“ውግእ . . . ክትሰምዑ ኢኹም”
“ካብ 1960ታት ንነጀው፡ ከም ጋዜጠኛ መጠን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዘጋጠመ ልዕሊ 40 ውግኣት ጸብጺበ እየ። ዝሑል ውግእ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ኺበጽሕ ከሎ ርእየ እየ፡ ግናኸ ኸም ዘይነበረ ዀይኑ በኒኑ። ይኹን እምበር፡ ከም ዓመተ 2025 ኣዝዩ ዘጨንቕ ግዜ ፈጺመ ኣይረኣኹን። ምኽንያቱ እቲ ግጭታት ሰፊሕ ቦታ እዩ ዚሽፍን ነይሩ፡ ንፖለቲካ ዓለም ከኣ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ጸልይዎ እዩ።”—ጆን ሲምፕሰን፡ ቢ.ቢ.ሲ. ኣራታዒ ጕዳያት ዓለም፡ ዘጕላሕናዮ ንሕና ኢና።
ኣብ ዓለም ውግእ የስፋሕፍሕ ስለ ዘሎ ሰባት ይጭነቑ ኣለዉ። ብዙሓት ድማ፡ ‘መወዳእታ ይህልዎዶ ይኸውን፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። የሱስ እንታይ ኢሉ እዩ ምሂሩ፧
የሱስ እንታይ ምሂሩ፧
የሱስ ብዛዕባ እዚ እንርእዮ ዘለና ዅነታት ተነብዩ ነይሩ። ንሰዓብቱ ድማ፡ “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም” ብምባል ኣጠንቂቕዎም ነይሩ።—ማቴዎስ 24:6።
እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ውግእን ዓመጻን ዜጨንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ትስፉዋት እንዀነሉ እኹል ምኽንያት ግና ኣሎና። ስለምንታይሲ፡ የሱስ ንብዙሕ ህዝቢ ዚጸሉ ውግእን ሳዕቤናት ውግእን ከም ዜጋጥም፡ እዚ ድማ “ምልክት” “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ከም ዝዀነ ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:3፣ ሉቃስ 21:7) እወ፡ የሱስ ኣብ መጻኢ ንውግእ ፍታሕ ኪገብረሉ እዩ። ብኸመይ፧
የሱስ እንታይ ኪገብር እዩ፧
ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ” ኪገብረሉ እዩ።—መዝሙር 46:9።
ብዛዕባ እዚ ሰላማዊ መጻእን ብኸመይ ከም ዚሰፍንን ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎን ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ነታ “ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዜብቅዕ ብኸመይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።