ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 140
  • ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ናብ ፍርቂ ለይቲ ቐሪባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ናብ ፍርቂ ለይቲ ቐሪባ
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኪኸውን፧
  • ኣወንታዊ ኣረኣእያ
  • ስነ ፍልጠተኛታት ንሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ኣቐዲሞምዋ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ ወይስ ኣይፋልን፧
    ንቕሑ!—2017
  • መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • መወዳእታ ዓለም ይመጽእ ድዩ ዘሎ፧ ኣፖካሊፕስ እንታይ እዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 140
ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት፡ ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጐደል ኰይና ኣላ።

Courtesy Jamie Christiani/Bulletin of the Atomic Scientists

ንቕሑ!

ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ናብ ፍርቂ ለይቲ ቐሪባ

ብ27 ጥሪ 2026፡ ስነ ፍልጠተኛታት ንሰዓት መዓልቲ ጥፍኣትa ናብ ፍርቂ ለይቲ ኣቕሪቦምዋ። ፍርቂ ለይቲ ነቲ ብሰንኪ ደቂ ሰባት ዚመጽእ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት እዩ ዜመልክት።

  • “እቶም ንቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ዜሰናድዉ ቦርድ ስነ ፍልጠትን ጸጥታን፡ ሎሚ ንሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት፡ ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጐደል ገይሮምዋ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብ ጥፍኣት ከም እተጸጋዕና የመልክት።”—ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ።

  • “እቲ ብሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ኣቢልካ ኺመሓላለፍ እተደልየ መልእኽቲ ኣዝዩ ንጹር እዩ። ናብ ጥፍኣት ዚመርሕ ሓደጋታት ይውስኽ፡ ምትሕብባር ከኣ የንቈልቍል፡ ግዜ እውን ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ። ለውጢ ኺግበር የድሊ እዩ፣ ኪግበር እውን ይከኣል እዩ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ግና ካብ መራሕቱ ቕልጡፍ ለውጢ ኺጠልብ ኣለዎ።”—ኣሌክሳንድራ ቤል፡ ፕረዚደንትን ዋና ፈጻሚት ብዓል ስልጣን፡ ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ።

መወዳእታ ወዲ ሰብን ምድርናን ይቐርብ ድዩ ዘሎ፧ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ክንፈርህ ኣሎና ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኪኸውን፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትነብር” እዩ ዚብለና፣ ብዘይካዚ ድማ፡ ሰባት “ኣብኣ . . . ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብለና። (መክብብ 1:4፣ መዝሙር 37:29) ስለዚ፡ ሰባት ንምድሪ ኣይኬጥፍእዋን እዮም፣ ወይ ከኣ ንምልእቲ ፕላነትና፡ ህይወታውያን ኪነብሩላ ዘይክእሉ ኣይኪገብርዋን እዮም።

ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ብርግጽ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ “ዓለም . . . ትሓልፍ እያ ዘላ” ይብል እዩ።—1 ዮሃንስ 2:17።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ኪዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ “መወዳእታ ዓለም ይመጽእ ድዩ ዘሎ፧ ኣፖካሊፕስ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ዓለም ዚኸውን ነገራት እንታይ ከም ዚብል ንምፍላጥ፡ “መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ኣወንታዊ ኣረኣእያ

ኣብ ዓለምና ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህበና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ንኣብነት፡ ኣብ ህይወት ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ብኸመይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም እንሕዝ ንምፍላጥ፡ “ጭንቀት—ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተኣማምን ተስፋ ይህብ እዩ። (ሮሜ 15:4) ሕጅን ኣብ መጻእን እንታይ ክንጽበ ኸም እንኽእል ብልክዕ ይሕብረና እዩ፣ እዚ ኸኣ ነዚ ኣብ ዓለም ዚኸውን ዘሎ ነገራት እኳ እናረኣና፡ ከይተጨነቕና ኽንመላለስ የኽእለና።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ነቲ ብናጻ ዝቐረበ ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትፍትኖ ንዕድመካ።

a “ሰዓት መዓልቲ ጥፍኣት ብሓደገኛ ተክኖሎጂ ኣቢልና ንዓለምና ንምጥፋእ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቐረብና ንህዝቢ ንምጥንቃቕ ተባሂላ እያ ተነዲፋ። ኣብዛ ፕላነት ብህይወት ክንነብር እንተ ዄንና፡ እንታይ ሓደጋታት ከነወግድ ከም ዚግባእ እተዘኻኽር ተምሳል እያ።”—ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ