ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሰነ ገጽ 26-30
  • ኣብ ኩባ ኣስታት 70 ዓመት ንየሆዋ ኣገልጊለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኩባ ኣስታት 70 ዓመት ንየሆዋ ኣገልጊለ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዋን ጸበባ መጸ
  • ፈለምትን ወለድን ኰንና
  • ኣብ ትሕቲ እገዳ ዚዕየ ዝነበረ ዕዮ ወረዳ
  • ለውጢ ምስ መጸ፡ ሓጐሰይ ኣይሰኣንኩን
  • “ሓሳብ ልበይ ሰሚሩለይ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ቲኦክራቲካዊ ዜና
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • የሆዋ ንጸሎተይ ኣቕሊቡሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • “ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሰነ ገጽ 26-30
ጉስታቮ ጆሰፍን ኤሚልያ ጆሰፍን።

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ኩባ ኣስታት 70 ዓመት ንየሆዋ ኣገልጊለ

ጉስታቮ ጆሰፍ ዘዘንተዎ

ብ1947 ኣብታ ሓንቲ ኻብተን ደሴታት ካሪበያ ዝዀነት ኩባ እየ ተወሊደ። እታ ደሴት ኣብቲ ማያት ሰሜናዊ ባሕሪ ካሪበያን ውቅያኖስ ኣትላንቲክን ዚራኸበሉ ቦታ እያ እትርከብ። ወለደይ ድሕረይ ክልተ ኣዋልድ ወሊዶም እዮም። ሓሙሽቴና ድማ ኤስመራልዳ ኣብ እትብሃል ቍሸት ንነብር ነበርና።

ኣብታ ንእሽቶ ቝሸትና ዝነበረና ህይወት ሰላማዊ ምንባሩ ትዝ ይብለኒ። ኣዝማድና እውን ኣብ ጥቓና እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እኹል ዚብላዕ ነይሩና፣ ተሓጒስና እውን ንነብር ኔርና።

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ፡ ወለደይ ምስ ዎልተን ጆንስ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ። ንሱ ብቕንኣት ዜገልግል ወንጌላዊ እዩ ነይሩ፣ ናብ ቍሸትና ንምምጻእ እኳ ኣስታት ዓሰርተ ሰዓት ብእግሩ ይጐዓዝ ነይሩ እዩ። ንሱ መምስ መጸ ኸኣ፡ ብዙሓት ካብ ቤተ ሰብና ኣብ እንዳ ኣቦሓጎና ተኣኪብና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰዓታት ንመያየጥ ነበርና። ወለደይን ሓው ኣቦይ ፔድሮን ኣሞይ ኤላን ነቲ እተማህርዎ ስለ ዝፈተውዎ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተጠምቁ። ሕጂ ኤላ ዳርጋ 100 ዓመት ዝዕድሚኣ ዀይና ኣላ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ኣብ ኩባ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኩባ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጽነት ኬምልኹ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ዝመልአ ቦርሳታት ተሰኪምና ኣብ በቤት እናኸድና ብምስባኽ ፍሉጣት ኢና ኔርና። ብእግርና እውን ብዙሕ ንጐዓዝ ኔርና ኢና። ኣብቲ ብንእስነተይ ዘሕለፍክዎ “እዋን ራህዋ” ንየሆዋ ዘገልገልኩሉ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣሎኒ። ድሕሪኡ ግና “እዋን ጸበባ” መጸ።—2 ጢሞ. 4:2።

እዋን ጸበባ መጸ

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢለ ኸለኹ፡ ኣቦይን ሓው ኣቦይን ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ንምእካብ ናብ ካልእ ክፋል እታ ደሴት ከዱ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብቲ ጕዕዞ እቲ እተበከለ ማይ ብምስታዮም፡ ብሕማም ፌራ ተለብዑ። ምስ ተመልሱ፡ ሓው ኣቦይ ኵሉ ጸጕሩ እኳ እንተ ረገፈ፡ ብህይወት ተረፈ። ኣቦይ ግና ሞተ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገና ወዲ 32 ዓመት እዩ ነይሩ።

ኣቦይ ምስ ሞተ፡ ኣደይ ንስድራና ሒዛ ኣብ ቍሸት ሎምቢዮ ናብ ዚርከብ ሓዋ ኽትግዕዝ ወሰነት። ስለዚ፡ ነቶም እንፈትዎም ኣዝማድና፡ እንተላይ ንእንዳ ኣቦሓጎና ሓዲግና ኽንከይድ ተገደድና። ብስድራ ቤት ንየሆዋ እነቕርቦ ዝነበርና ኣምልኾ ግና ኣየቋረጸን።

ብ26 ነሓሰ 1957፡ ኣብ ጥቓ ሎምቢዮ ኣብ ዚርከብ ሓጽቢ ተጠመቕኩ። ሽዑ ወዲ ዓሰርተ ዓመት እየ ነይረ። ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ህይወት እቶም ኣብ ኩባ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚቀያየር ኣይፈለጥኩን ነይረ። ብ1959፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ ተገልበጠ፡ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ድማ ስልጣን ሓዘ።

እቲ ሓድሽ መንግስቲ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት የተኵረሉ ነበረ። ህዝቢ የሆዋ ግና ኣብ ኵለን ሃገራት ካብ ፖለቲካዊ ዀነ ወተሃደራዊ ጕዳያት ገለልትነቶም ስለ ዚሕልዉ፡ እዚ ለውጢ እዚ ኺጸልዎም ጀመረ። ብሰሪ እዚ ድማ ነቲ ዝነበረና ኣምልኾ ናጽነት በብቝሩብ ሰኣንናዮ። እቲ መንግስቲ ውዒሉ ሓዲሩ ንክርስትያናዊ ንጥፈታትና ኣገዶ። ብኣማእታት ዚቝጸሩ እሙናት ኣሕዋት እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። ገሊኦም ብዙሕ ይውቅዑን ምግቢ ይኽልከሉን ነይሮም እዮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ እቲ ዚቐርበሎም ዝነበረ ምግቢ ደም እተሓወሶ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኽልክሎ እዩ።

እዚ ጸገማት እዚ እናሃለወ ኽነሱ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ እንገብሮ ዝነበርና ኣኼባታት ኣይሓደግናን። (እብ. 10:25) ሕሉፍ ሓሊፍና፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል እታ ሃገር፡ ኣብ ሕርሻታት ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓበይቲ ኣኼባታት ንገብር ነበርና። ትዝ ይብለኒ ሓደ ግዜ፡ ሓደ ሓው ሰፊሕ ደምበ ኣባጊዕ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብኡ ዓብዪ ኣኼባ ኽንገብር ፈቐደልና። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ደምበ ኸነጽርዮ፡ ወይ ነተን ኣባጊዕ ካብኡ ኸነውጽአን ኣይከኣልናን። ስለዚ፡ ቃል ብቓሉ ኣባጊዕን ምሳልያውያን ኣባጊዕን ብሓባር ኴንና ዓብዪ ኣኼባ ገበርና።—ሚክ. 2:12።

ነቶም ሽዑ መንፈሳዊ ምግቢ ኽንረክብ ኢሎም ብዙሕ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣዚና ኢና እነመስግኖም። ንኣብነት፡ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ዚቐርብ ትምህርቲ ኣብ ካሴት ይቕዳሕ እሞ፡ ኣብ ኵላ እታ ሃገር ይዘውር ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንዅሉ እቲ መደረታት ኪዳለዉን ኬቕርቡን ኪቐድሑን ዚምደቡ ኽልተ ኣሕዋት ጥራይ እዮም ነይሮም። ኣሕዋት ከኣ ነቲ ካሴታት ኣብ ስቱር ቦታታት ይቐድሕዎ ብምንባሮም፡ ኣብቲ ካሴታት ናቛ ደርሆ ወይ ካልእ ደሃይ ንሰምዕ ኔርና ኢና። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ እንገብረሉ ቦታ ኤለክትሪክ እንተ ዘየልዩ፡ ኤለክትሪክ ንምምንጫው ሓደ ሓው ንሓንቲ ዲናሞ እተገጥመላ ብሽክለታ ይዝውር ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ካሴት ንምውላዕ ዜኽእል ኤለክትሪክ ስለ እንረክብ፡ ክንምሃር ንኽእል ኔርና። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋት ዘለዎም ምሹእ ኵነታት ወይ ብዙሕ ጽሑፋት እኳ እንተ ዘይነበረና፡ መንፈሳዊ ምግቢ ግና ኣይጐደለናን። ንየሆዋ ብሓባር ምግልጋል ድማ የሐጕሰና ነበረ።—ነህ. 8:10።

ፈለምትን ወለድን ኰንና

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ከተማ ፍሎሪዳ ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ፡ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኣውራጃ ዝነበረት ከተማ ካማጕዌ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። ኣብኡ ድማ ካብ ሳንቲያጎ ደ ኩባ ምስ ዝመጸት ኤሚልያ ዝስማ ውቅብቲ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ። ምስኣ ኸኣ ዕርክነት ጀመርኩ፣ ኣብ ውሽጢ ዓመት ድማ ተመራዓውና።

ስእልታት፦ 1. ጉስታቮን ደቂ ኽፍሉን። 2. ጉስታቮን ኤሚልያን ኣብ መዓልቲ መርዓኦም።

(ጸጋም) ንሽማግለታት ዝቐረበ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ—ብ1966 ኣብ ካማጕዌ፡ ኩባ

(የማን) ብ1967 ኣብ መዓልቲ መርዓና

ኣብ ሓደ ኻብቲ ብመንግስቲ ዚውነን ፋብሪካ ሽኮር፡ ናይ ምሉእ ግዜ ሰራሕተኛ ዀይነ ኽሰርሕ ጀመርኩ። ስለዚ፡ ኣነን ኤሚልያን ፈለምቲ ዄንና ኽንቅጽል ኣይከኣልናን። ኰይኑ ግና፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ብእተኻእለና መጠን ብዙሕ ግዜ ኽንውፊ ንደሊ ነበርና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ባዕለይ ብዘቕረብክዎ ሕቶ፡ ኣብቲ ኻብ ሰዓት 3:00 ናይ ለይቲ ኽሳዕ ሰዓት 11:00 ናይ ረፍዲ ዝነበረ እብረ ኽሰርሕ ከኣልኩ። ለይቲ ገና ኸይወግሐ ኻብ ድቃስ ምትንሳእ እፈትዎ እኳ እንተ ዘይነበርኩ፡ እዚ ሰዓታት ስራሕ እዚ ግና ኣብ ኣገልግሎት ንጡፍ ክኸውንን ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ምስ ኤሚልያ ሓቢረ ኽእከብን ኣኽኢሉኒ እዩ።

ብ1969 ጉስታቮ ዚብሃል በዅሪ ወድና ወለድና። ሽዑ ድማ፡ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣቱ ሕቶ ቐረበለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኩባ ንስድራ ቤትካ እናናበኻ ሓላዊ ወረዳ ዄንካ ምግልጋል ልሙድ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ እተሓጐስናሉን ብስራሕ ኣመና ትሑዝ ዝዀንናሉን ግዜ ጀመረ። ኣነን ኤሚልያን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን በዚ ኸምዚ ኸነገልግል ኣጋጣሚ ስለ እተዋህበና፡ የሆዋ ኸም ዝባረኸና እዩ ተሰሚዑና። ኣብ ዕዮ ወረዳ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ከኣ፡ ፈለማ ኦቤድ ዚብሃል ወዲ፡ ድሕሪኡ ኣብኔር ዚብሃል ወዲ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ማህሊ ዝስማ ጓል ወለድና።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕዮ ወረዳ ዘሕለፍክዎ ዓመታት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ የሆዋ ኣብ ኩባ ንዝነበሩ ህዝቡ ብኸመይ ከም ዝባረኾም ብምርኣየይ ሓጐስ እዩ ዚስምዓኒ። ነቲ ኸም ወለዲ ኣብ ልቢ ደቅና ፍቕሪ የሆዋ ንምሕዳር ዝገበርናዮ ጻዕሪ እውን ባሪኽዎ እዩ። ኣብ ዕዮ ወረዳ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ናተይን ናይ ኤሚልያን ህይወት ከመይ ከም ዝነበረ እስከ ኽገልጸልኩም።

ኣብ ትሕቲ እገዳ ዚዕየ ዝነበረ ዕዮ ወረዳ

ኣብ 60ታትን 70ታትን፡ እቲ ኣብ ዕዮና እተገብረ እገዳ ዘሕደሮ ጽልዋ ኽንርኢ ጀመርና። ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተዓጽወ። ሚስዮናውያን ከኣ ካብታ ሃገር ተሰጕጉ። ብዙሓት መንእሰያት ኣሕዋት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። ኣብ ሃቫና ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና እውን ተዓጽወ።

ጉስታቮን ኤሚልያን ናይ ስጳንኛ መጽሔታት “ንቕሑ!” ሒዞም እተሳእልዎ ስእሊ።

ብ1990ታት ኣብ ዕዮ ወረዳ

ብሰንኪ እቲ እገዳ፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ጥራይ ኢና ንጉባኤታት ክንበጽሐን እንኽእል ዝነበርና። ስለዚ፡ ንሓንቲ ጉባኤ ኽልተ ናይ መወዳእታ ሰሙን ምብጻሕ ኢና እንገብር ኔርና። ብጥበብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ፡ ሒደት ነገራት ጥራይ ሒዝና መብዛሕትኡ ግዜ ብብሽክለታ ኢና እንጐዓዝ ዝነበረና። ምብጻሓትና እውን ብሰብ ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ። ንቤተ ሰብና ንበጽሕ ከም ዘለና ኢና እነምስል ኔርና። ከምኡ ምግባር ቀሊል እዩ ነይሩ። ከም ሓቂ፡ ቤተ ሰብ ከም ዝዀንና ስለ ዚስምዓና፡ ምብጻሕ እንገብረሉ መንፈሳዊ ዕላማ ኸይንስሕት ክንጥንቀቕ ነይሩና እዩ። (ማር. 10:29, 30) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና፡ ጥንቁቓት ክንከውን እውን ነይሩና እዩ። ስለምንታይሲ፡ ብዙሕ ግዜ ብፖሊስ ክትትልን ምርመራን ይግበረልና ነይሩ እዩ። እቶም ብግሽነት ዚቕበሉና እውን፡ እንተ ተፈሊጦም ኪእሰሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—ሮሜ 16:4።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብስጋዊ መዳይ ብዙሕ ዘይብሎም ክነሶም፡ ኣዝዮም ለጋሳት ምስ ዝዀኑ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ተራኺብና ኢና። ኣብ ገሊኡ ዓድታት ብዙሓት ጣንጡ እየን ነይረን። ለይቲ ጽቡቕ ምእንቲ ኽንድቅስ ግና፡ ገሊኦም ኣሕዋት ነታ ዘላቶም መከላኸሊ ጣንጡ ዝዀነት ላምስያ ንዓና ይህቡና ነበሩ። ገሊኦም ከኣ ኬካፍሉና ዚኽእሉ ብዙሕ ምግቢ እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ብግሽነት ግና ይቕበሉና ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ምስቶም እተቐበሉና ስድራ ቤት እንማቐሎ ምግቢ ሒዝና ንኸይድ ነበርና።

ንጉባኤታት ክንበጽሕ ከለና፡ ንዅሎም ደቅና ኽንማልኦም ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ስለዚ፡ ንሕና ንሓደ ኻብ ደቅና ጥራይ ሒዝና ኽንከይድ ከለና፡ ኣደይን ሓብተይን ከኣ ኣብ ገዛና ንዝተረፉ ደቅና ይከናኸናኦም ነበራ። ከም ሓቂ፡ ሕጻን ሒዝና እንገብሮ ጕዕዞ፡ ዕቝባ እዩ ዚዀነና ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ፖሊስ ይፍትሹና ነይሮም እዮም። ንጽሑፋትና ግና ኣብታ ዝረስሐ ጨርቂ ሽንቲ እንገብረላ ቦርሳ ኢና እንሓብኦ ኔርና፣ ንዓኣ ኸኣ ኣይፍትሽዋን እዮም ነይሮም።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበርናሉ ዓመታት፡ ኤሚልያ ንዓይ እናደገፈትኒ ንደቅና ስለ እተኸናኸነቶም ኣዝየ እየ ዘድንቓ። ኣነ ድማ ኣብ ፋብሪካ እናሰራሕኩ ነቲ ኸም ሓላው ወረዳ ዝነበረኒ ሓላፍነት ክስከም ክኢለ እየ። ብኸመይ እየ ነዚ ኽገብሮ ኽኢለ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ቀዳመ ሰንበት ናጻ ምእንቲ ክኸውን፡ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ዕጽፊ እብረ እሰርሕ ነይረ እየ። ደሓር ግና፡ ናይ ስራሕ ምድበይ ተለዊጡ። ሓላፊ ሓደ ጕጀለ ስለ ዝዀንኩ፡ ኣብ ሰሙን ሸውዓተ መዓልቲ ኽሰርሕ ትጽቢት ተገብረለይ። ነዚ ኽኣብዮ ኣይክእልን እየ ነይረ። ነቶም ኣብ ትሕተይ ዚሰርሑ ሰራሕተኛታት ቀዳመ ሰንበት ዚሰርሕዎ ስራሕ ክሳዕ ዝሓደግኩሎም ግና፡ ኣነ ንጉባኤታት ኪበጽሕ ከለኹ፡ ንሳቶም ንዓይ ሸፊኖምለይ ይሰርሑ ነበሩ። ኣሕሉቐይ እውን ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ስራሕ እኣቱ ዘይምንባረይ ዚፈልጡ ኣይመስለንን።

ለውጢ ምስ መጸ፡ ሓጐሰይ ኣይሰኣንኩን

ጉስታቮ ብ1994 ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዞባ መደረ እናኣቕረበ።

ብ1994 እቲ እገዳ ምስ ተላዕለ እተገብረ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ኣኼባ

ሓደ መዓልቲ ብ1994፡ ኣብ ኩባ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ንዅላትና 80 ገየሽቲ ሓለውቲ ኣብ ሃቫና ናብ ዚግበር ፍሉይ ኣኼባ ዓደሙና። ድሕሪ እዚ ዅሉ ዓመታት ንሓድሕድና ብምርኻብና ኣዚና ኢና ተሓጒስና! ኣብቲ ኣኼባ እቲ ኸኣ፡ ፈለማ ብዛዕባ ውድባዊ ምትዕርራያት ተመያየጥና። ድሕሪኡ፡ ሓደ ዜሰምብድ ምልክታ ተነግረና። እቶም ኣሕዋት፡ ስምና ንሰበ ስልጣን ኪሕብርዎም ከም ዝመደቡ ነገሩና! ስለምንታይ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ደልዮም፧

እቶም ኣሕዋት ነቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዘሎ ርክብ ኬመሓይሹ ኢሎም ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኺራኸቡ ኸም ዝጸንሑ ሓበሩና። እቶም ሰበ ስልጣን ከኣ ስማት ኵሎም ሓለውቲ ወረዳ ኺንገሮም ደለዩ። ሽዑ፡ ኵላትና ስማትና ኺውሃቦም ተሰማማዕና። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ እቲ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዚግበር ዝነበረ ምይይጣት ጸቡቕ ፍረ ኣፍረየ።

ኣብ መወዳእታኡ፡ ሃይማኖትና ብሕጋዊ መገዲ እኳ እንተ ዘይተመዝገበ፡ ብግህዶ ኽንእከብን ክንሰብኽን ከኣልና። ጸኒሕና ኸኣ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ንስማት ገሊኦም ሓለውቲ ወረዳ ይፈልጥዎ ኸም ዝነበሩ፡ ነዚ ኼረጋግጹ ጥራይ ደልዮም ከም ዝነበሩ ፈለጥና።

ኣብ መስከረም 1994፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዳግም ክንከፍት ተፈቕደልና። ኣብቲ 20 ዓመት ኣቐዲሙ ተዓጽዩ ዝነበረ ህንጻ ድማ፡ ቤት ጽሕፈትና ኸፈትና።

ድሕሪኡ ብ1996፡ ተሌፎን ተደዊሉ ኣነን ኤሚልያን ናብ ቤት-ኤል ክንኣቱ ጻውዒት ቀረበልና። እዚ ዘይተጸበኽዎ እዩ ነይሩ። ንኣሕዋት ከኣ ገና ኽልተ ቘልዑ ኸም ዘለዉኒ፡ ንዓታቶም ምክንኻን እውን ቀዳምነት ክህቦ ኸም ዘሎኒ ነገርክዎም። እቶም ኣሕዋት ድማ ንዅነታተይ ኣብ ግምት ከም ዜእትዉ ሓበሩኒ፣ ደሓር ግና ናብ ቤት-ኤል ክኣቱ ኸም ዚደልዩኒ ኣረጋገጹለይ። ስለዚ፡ ነዚ ጻውዒት ተቐቢልና ብስድራ ቤት ናብ ሃቫና ንምግዓዝ ክንምድብ ጀመርና።

ስእልታት፦ 1. ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ዚርከብ ክፍሊ ስፌት ዜገልግላ ኤሚልያን ካልኦት ኣሓትን። 2. ጉስታቮ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ መደረ እናኣቕረበ።

(ጸጋም) ኣብ መጀመርታ ዓመታት 2000፡ ኤሚልያ ኣብ ጨንፈር ኩባ ኣብ ዚርከብ ክፍሊ ስፌት

(የማን) ብ2012 እተገብረ ወፈያ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ

ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣብ መጀመርታ ንቤት-ኤል ኣይፈቶኽዎን። ኣብ ዕዮ መገሻ ብዙሕ ዓመታት ስለ ዘሕለፍኩ፡ ኣእምሮይን ልበይን ኣብኡ እዩ ነይሩ። ኮፍ ኢለ ኣብ ሰደቓ ኽሰርሕ ምውዓል ከቢዱኒ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ብጾተይ ቤት-ኤላውያን፡ ምናዳ ኸኣ ሰበይተይ ኤሚልያ ኣረኣእያይ ከዐሪ ሓገዙኒ። ድሕሪ ግዜ፡ ሓጐስ ክረክብ ጀመርኩ፣ ሕጂ ድማ ተሓጒሰ ኣብ ቤት-ኤል አገልግል ኣለኹ።

ስእልታት፦ 1. ጉስታቮ ኣብ መድረኽ ደው ኢሉ ነቶም ብድሕሪኡ ቘይሞም ዘለዉ ኻብቲ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምረቑ ተመረቕቲ ይዛረቦም። 2. ጉስታቮን ኣርባዕተ ኻልኦት ኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን።

(ጸጋም) ብ2013 ኣብ ምረቓ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

(የማን) ብ2013 ዝነበረ ኮሚተ ጨንፈር ኩባ

ጉስታቮን ኤሚልያን ምስ ጓሎምን ሰብኣይ ጓሎምን።

ኣብ ኣኼባ ወረዳ ምስ ጓልናን ሰብኣያን

ኣነን ኤሚልያን እርጋን ኣርኪቡና ኣሎ። ብዛዕባ ዅሎም እቶም ኣብቲ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ዝፈለጥናዮምን ምሳና ሓቢሮም ዘገልገሉን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሓስብ ከለና ግና፡ ልብና ብሓጐስ እዩ ዚምላእ። ምናዳ ኸኣ ደቅናን ደቂ ደቅናን ንየሆዋ ኼገልግሉ ምርኣይ የሐጕሰና እዩ። ከምቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት እዩ ዚስምዓና።—3 ዮሃ. 4።

ሕጂ ኣነን ኤሚልያን ንዳርጋ 30 ዓመት ኣብ ቤት-ኤል ድሕሪ ምግልጋልና፡ ምስ ሕማም መንሽሮን ምስ እርጋንን መዓልቲ መዓልቲ እናተቓለስና ዕዮና ንምዕያይ ዚከኣለና ንገብር ኣለና። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ዘሕለፍናዮ ዓመታት፡ እተወሰነ ጸገማት ኣጋጢሙና እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ደሴት ኩባ ንኣስታት 70 ዓመት ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ከነገልግሎ ብምኽኣልና፡ ሕጉሳት ኢና።—1 ጢሞ. 1:11፣ መዝ. 97:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ