ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሰነ ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዓና ትርጉም ዘለዎ ‘ምሳልያዊ ዛንታ’
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ዚጠቕመና “ኣምሳል”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • “መንግስቲ ኻህናት” ክትኰኑ ኢኹም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሰነ ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 4:24 ብዛዕባ እንታይ ክልተ ኺዳን እዩ ጽሒፉ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብርሃም ምስ ሳራን ምስ ኣጋርን ዝነበሮ ርክብ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ “እዚ ኸም ምሳልያዊ ዛንታ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዘን ኣንስቲ እዚአን ንኽልተ ኺዳን እየን ዜመልክታ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ገላ. 4:22-24) ኣቐዲምና፡ እዚ ኽልተ ኺዳን እዚ ንኺዳን ሕጊ ሙሴን ንሓድሽ ኪዳንን ከም ዜመልክት ኢና እንኣምን ኔርና። ተወሳኺ ምርምር ድሕሪ ምግባርና ግና፡ ምትዕርራይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣሚንና ኣለና። ጳውሎስ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኺዳን ኣብርሃም ዚዛረብ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ከምኡ እንብለሉ ምኽንያታት እስከ ንርአ።a

ጳውሎስ ነታ ገረድ ዝነበረት ኣጋር ምስ ከረን ሲና እዩ ኣተሓሒዝዋ። (ገላ. 4:25) ኣጋር ነቲ ብ1513 ቅ.ክ. ኣብ ከረን ሲና እተዋህበ ኺዳን ሕጊ ሙሴ እያ እተመልክት። (ዘጸ. 19:5, 6) ነቲ ሕጊ እቲ ዋላ ሓደ ዘይፍጹም ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኪሕልዎ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ እቲ ሕጊ እቲ ንኣይሁድ፡ ባሮት ሓጢኣት ምዃኖም እዩ ዜዘኻኽሮም ነይሩ። እዚ ኺዳን እዚ ድማ ንህዝቢ እስራኤል፡ ነቲ መሲሕ ኬለልይዎ የኽእሎም ነይሩ እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ ነቲ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ኪሕልዎ ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ ነይሩ። እቲ መሲሕ ፍጹም ህይወቱ ምስ ሰውአ፡ ንዘይፍጹማት ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። (ገላ. 3:19, 24, 25) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ዕላማ ኣምላኽ ምስ ፈጸመ፡ ድሕሪኡ እቲ ሕጊ ኣየድለየን።—ሮሜ 10:4።

ጳውሎስ ንኣጋር ምስታ “ብእተተስፈወ ተስፋ” ዝወለደት “ጭዋ” ዝነበረት ሳራ እዩ ኣነጻጺርዋ። (ገላ. 4:23) እቲ ተስፋ እቲ ኸኣ፡ ኪዳን ኣብርሃም እዩ ነይሩ። (ገላ. 3:29፣ 4:28, 30) ኣብ ዘፍጥረት 22:18 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ በረኸት ኪረኽቡ እዮም” በሎ።

እዚ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን እዚ ኸም መወሰኽታ እቲ የሆዋ ኣብ ኤደን ዘተስፈዎ ተስፋ እዩ። (ዘፍ. 3:15) እቲ ኣቐዲምካ እተነግረሉ “ዘርኢ” ኻብ ዘርኢ ኣብርሃም ከም ዚመጽእ ድማ ካብዚ ኺዳን እዚ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፡ እዚ “ዘርኢ” እዚ ብቐዳምነት ንየሱስ ክርስቶስ ከም ዜመልክት ገሊጹ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም “ናይ ክርስቶስ” ዘበሉ፡ ማለት እቶም ምስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ዚገዝኡ 144,000 መዋርስቱ፡ ኣብቲ ምሳልያዊ ዘርኢ ምስኡ ይጠቓለሉ እዮም። (ገላ. 3:16, 29፣ ራእ. 14:1-3) እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ነገር ምስ ተፈጸመ፡ እቶም ንየሱስ ዚቕበልዎን ዚእዘዝዎን ዘበሉ ብዙሕ በረኸት ኪረኽቡ እዮም።

እሞ ደኣ ጳውሎስ በዚ “ምሳልያዊ ዛንታ” እዚ ኣቢሉ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኼመሓላልፍ ደልዩ፧ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ ንሕጊ ሙሴ ምሕላው እንተ ቐጺሎም፡ ከም ኣጋር ባሮት ኰይኖም ከም ዚቕጽሉ እዩ ዚሕብሮም ነይሩ። ነቲ ቐንዲ “ዘርኢ” ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እንተ ተቐቢሎምዎ ግና፡ ከም ሳራ ጭዋ ኸም ዚዀኑ፡ ማለት ውጹኣት ሓራ ኸም ዚዀኑ እዩ ዚሕብሮም ነይሩ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናይ ሓቂ ሓርነት እዮም ዚረኽቡ። (ዮሃ. 8:32-34) ንየሱስ እንተ ዘይተቐቢሎምዎ፡ ነቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ዝቘመሉ ቐንዲ ዕላማ እዮም ዚስሕትዎ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ኺዳን እዚ፡ ናብ ክርስቶስ ንምምራሕ እዩ ነይሩ።

ሓያሎ ኻብቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ሰብ ገላትያ ኻብ ኣይሁድ ስለ ዘይነበሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኸቶ ኣይነበሩን። ገሊኦም ኣይሁድ ግና፡ እቶም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ክርስትያናት ንሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ፡ እንተላይ ንግዝረት ኪሕልዉ ይማጐቱ ነይሮም እዮም። ስለዚ ጳውሎስ ከምኡ እንተ ገይሮም ዕሽነት ከም ዝዀኖም እዩ ሓቢርዎም። ናይ ክርስቶስ “ሓርነት” ድሕሪ ምርካቦም፡ ናብ “ባርነት” እቲ ሕጊ ኺኣትዉ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ።—ገላ. 5:1, 10-14።

a እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ነቲ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2006 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 10-12 ዝወጸ ሓበሬታ ዚእርም እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ