ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሰነ ገጽ 20-25
  • ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ይዛረበና ኸም ዘሎ ንዘክር
  • ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • ተኣከብቲ ብኣቓልቦ ኺሰምዑ ንምሕጋዝ፡ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
  • ብዝሓሸ ንምስማዕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
  • ወትሩ ንየሆዋ ስምዓዮ
  • “ዘንቀዱ” ነቲ መልእኽቲ ኪቕበልዎ እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ኣብ ኣገልግሎት ‘ጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣመሓይሽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሰነ ገጽ 20-25

31 ነሓሰ–6 መስከረም 2026

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ

“ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ።”—ሉቃ. 8:18።

ኣትኵሮ

ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ካልእ መንፈሳዊ መደባትን ስለምንታይ ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ከም ዘሎናን ነዚ ብኸመይ ከም እንገብሮን።

1-2. (ሀ) የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ዜማልኣሎም ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 23:1, 2, 5) (ለ) ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

የሆዋ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ኣዳልዩልና ኣሎ። ስለዚ፡ ምስቲ ዳዊት፡ “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ። ዚጐድለኒ የብለይን” ኢሉ ዝዘመሮ ቓላት ንሰማማዕ ኢና።—መዝሙር 23:1, 2, 5 ኣንብብ።

2 ሓደ ኻብቲ የሆዋ መንፈሳዊ ምግቢ ዜቕርበሉ መገድታት፡ ብኣኼባታት ጉባኤ ኣቢሉ እዩ። ኣብቲ ኣኼባታት እቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እንፈልጦ ትምህርቲ ኢና እንምሃር። ‘ኣብ ሓቂ ብጽኑዕ ዝሰረትና’ እኳ እንተ ዀንና፡ እዚ መዘኻኸሪታት እዚ ግና የድልየና እዩ። (2 ጴጥ. 1:12) ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣኼባታት ብዙሕ ሳዕ ዝሰማዕካዮ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ ብኣቓልቦ ምስማዕ የጸግመካ ድዩ፧ ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዓኻ ኽትሕግዘካ ተባሂላ እያ ተዳልያ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ስለምንታይ ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ከም ዘሎና ኽንርኢ ኢና። ተኣከብቲ ብኣቓልቦ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ዚምህሩ መምህራን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ እውን ክንመያየጥ ኢና። ብዝሓሸ ንምስማዕ ኪሕግዘና ዚኽእል ምኽርታት እውን ክንርኢ ኢና። ፈለማ ግና፡ ኣብ ኣኼባታት መን ከም ዚዛረበና ንመርምር።

የሆዋ ይዛረበና ኸም ዘሎ ንዘክር

3. ብኸመይ እዩ የሆዋ ዚዛረበና፧ ኣገልገልቱ ንቓል ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሮም ዚጥቀሙሉኸ ብኸመይ እዮም፧

3 የሆዋ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይዛረበና እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) የሱስ ነዚ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ንቓል ኣምላኽ ብውሕሉል መገዲ ይጥቀመሉ ስለ ዝነበረ፡ ሰማዕቱ፡ “እዝስ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኸይተማህረ፡ ከመይ ገይሩ ቕዱሳት ጽሑፋት ይፈልጥ፧” ኢሎም ሓቲቶም እዮም። (ዮሃ. 7:15) የሱስ ንቓል ኣምላኽ ኬብርህ ከሎ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ተሓጒሶም ይሰምዕዎ ነይሮም እዮም። ከም ሃዋርያ ጳውሎስን ከም ኣጵሎስን ዝኣመሰሉ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣዘውቲሮም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጠቕሱ ነይሮም እዮም። (ግብ. 17:2, 3፣ 18:24, 28) ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ፡ ዓንቀጻትናን ፈነወታትናን ኣስተዋጽኦ መደረታትናን ቪድዮታትናን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተመስረተ ንፈልጥ ኢና። ናብ ኣኼባታትና ንፈለማ ግዜ ዚመጹ ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባታትና ኽሳዕ ክንደይ ከም እንጥቀመሉ ምስ ረኣዩ ይግረሙ እዮም። እቶም ኣብ ኣኼባታትና ዚምህሩ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ እዮም ዜቕርቡ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ የንብብዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣወዓዕላኡ እውን የብርሁ እዮም።—ሉቃ. 24:32።

4. እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ስማዕ” እትብል ቃልን ረባሕታኣን፡ እንታይ ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ፧

4 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ስማዕ” እትብል ቃልን ረባሕታኣን፡ እዙዝ ምዃን ዚብል ሓሳብ ተመሓላልፍ እያ። ስለዚ፡ የሆዋ ኣብ ኣኼባታትና ብቓሉ ኣቢሉ ምስ ዚዛረበና እሞ፡ ንሕና እውን ፍቓዱ ምስ እንፈልጥ፡ ንዕኡ እዙዛት ንምዃን ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና። እምበኣር፡ ንየሆዋ ኽንሰምዖን ከምቲ ዝበለና ኽንገብርን ከለና፡ ንሱ ባህ እዩ ዚብሎ።—ምሳ. 27:11።

ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5. ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እንታይ ክንገብር እያ እትድርኸና፧ (ዮሃንስ 4:23, 24፣ 1 ዮሃንስ 5:3)

5 ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ ኢና ኣብ ኣኼባታት እንሰምዕ። (ማቴ. 22:37) ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ብዝያዳ እያ እትዓቢ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ድማ ንዕኡ ንምስማዕ፡ ትእዛዛቱ ንምሕላው፡ ከምቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ጌርና እውን ንዕኡ ንምምላኽ ድሌት ተሕድረልና እያ።—ዮሃንስ 4:23, 24፣ 1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

6. ኣብ ኣኼባታትና፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ምሕጋዝ እንታይ ኢና እንምሃር፧

6 ንሰባት ስለ እነፍቅር ኢና ኣብ ኣኼባታት እንሰምዕ። (ማቴ. 22:39) የሆዋ ኣብ ኣኼባታትና ንክርስትያናት ብጾትናን ንዕኡ ንዘይፈልጥዎ ሰባትን ብኸመይ ከም እንሕግዞም ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ እታ ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ኣገልግሎት ዚጠቕመና ባህርያት ከነማዕብል ትሕግዘና እያ። እሞ ደኣ ምስ ሰባት ጽቡቕ ዝርርብ ምግባርሲ ይኸብደካዶ፧ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ምናዳ ነቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ናይ ተምሃራይ ክፍልታት ዜቕርቡሉ መገዲ ኣስተብህለሉ።

7. ሕጂ ንየሆዋ ብኣቓልቦ ኽንሰምዖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ህይወት ስለ እንፈቱ ኢና ኣብ ኣኼባታት እንሰምዕ። ከምቲ የሆዋ ጥንቲ ንዝነበሩ ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ዝበሎም፡ ቃል ኣምላኽ እንተ ሓሊና፡ ህይወት ንረክብ ኢና። (ዘዳ. 32:44-47) ኣብ ኣኼባታትና ንሰምዕ እንተ ዄንና፡ ንሓዳስ ዓለም ብተጻዋርነት ክንጽበ ዜኽእለና መተባብዒ ንረክብ ኢና። (ሮሜ 8:25) ሕጂ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ስለ እንነብር፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ንቑሓት ክንከውን ስለ ዘሎና፡ ንየሆዋ ብኣቓልቦ ኽንሰምዖ ኣሎና።—ማቴ. 24:42-44፣ ራእ. 1:3።

ተኣከብቲ ብኣቓልቦ ኺሰምዑ ንምሕጋዝ፡ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

8. ካብ መድረኽ ዚምህሩ ኣሕዋት፡ ናይ ምዝራብ ክእለቶም ብቐጻሊ ኼመሓይሹ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

8 ካብ መድረኽ ዚምህሩ ኣሕዋት፡ ምናዳ ኸኣ እቶም ህዝባዊ መደረ ዜቕርቡ ኣሕዋት፡ ናይ ምዝራብ ክእለቶም ብቐጻሊ ኼመሓይሹ ኣለዎም። ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ንሰባት ናብ ሓቂ ናይ ምስሓብ፡ ንክርስትያናት ብጾትና እውን ኣብ ሓቂ ኸም ዚጸንዑ ናይ ምግባር ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ። ስለዚ፡ እቶም ኣብ ኣኼባታት ክፍሊ ዜቕርቡ ዘበሉ፡ ነቲ ኼሕድርዎ ዚኽእሉ ጽልዋ ኣትሒቶም ኪርእይዎ የብሎምን። ከምዚ ዝበለ ሓላፍነት እንተ ተዋሂቡካ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ኣብ መደረታትካ ብኸመይ ከም እትትግብሮ ሕሰብ። እዚ ነጥብታት እዚ ብሕልፊ ነቶም ህዝባዊ መደረ ዜቕርቡ እተዋህበ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣኼባ ንዚቐርብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።—2 ጢሞ. 4:2፣ ቲቶ. 1:9።

9. ሓደ መደረ ንምክትታሉ ቐሊል ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

9 ንጹር መዋቕር ይሃሉኻ። መደረ ኸተቕርብ ከለኻ፡ ንምክትታሉ ቐሊል ኪኸውን ኢኻ እትደሊ። መደረኻ እተሓላለኸ እንተ ዀይኑ ግና፡ ሰማዕትኻ ኣቓልቦኦም ኪስረቕ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ጽቡቕ መዋቕር ዘለዎ መደረ ምእንቲ ኸተቕርብ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፦ (1) ቀንዲ ነጥብታትካ እንታይ ምዃኑ ኣብ መእተዊኻ ብንጹር ግለጽ። (2) ነቲ ነጥብታት በብሓደ ግለጾ፣ ካብ ሓደ ቐንዲ ነጥቢ ናብቲ ሓደ ኽትሰግር ከለኻ፡ ሓንሳእ ደው ብምባል ስዒቡ እንታይ ከም ዚመጽእ ብንጹር ግለጽ። (3) ኣብ መደምደምታኻ፡ ነቲ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢልካ ኸልሶ።

10. ነቲ እንምህሮ ትምህርቲ ኽንፈትዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ነቲ ትምህርቲ ፍተዎ። ብዛዕባ እትፈትዎ ነጥብታት ንምዝራብ እንተ ተዳሊኻ፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ክትዛረብ ኢኻ። (ምሳ. 2:4, 5፣ ግብ. 4:20) እትፈትዎ ነጥብታት ንምርካብ ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ትምህርትን ብዛዕባ እቲ ጥቕስታትን ከተስተንትን ኣሎካ። ኣብ 70ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሓው ብዛዕባ ሓደ ብንእስነቱ ዝሰምዖ መደረ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ተዛራባይ፡ ንቓል ኣምላኽ ብዕምቈት እናኣስተንተንና ኸነንብብ ከም ዘተባብዓና ኽሳዕ ሕጂ እዝክሮ እየ። ነቲ ዚብሎ ዝነበረ ኸም ዚኣምነሉ ይርአ ነይሩ እዩ፣ ብኸመይ ከምኡ ኸም እንገብር እውን ብንጹር ገሊጹልና እዩ። እቲ መደረ እቲ ንህይወተይ ቀዪርዎ እዩ፣ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱሰይን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብን ጸልይዎ እዩ።”

11. ኣብ መደረ ንጹር ግብራዊ ሓሳባት ምሃብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 4:13-16)

11 ብዛዕባ እቲ ንሰማዕትኻ ዜድልዮም ነገራት ሕሰብ፡ ግብራዊ ሓሳባት እውን ሃቦም። ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኣብ ክንዲ ምቕራብ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ንጹር መተባብዕን ሓሳባትን ሃብ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ኣብ ኤፌሶን ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል ኰይኑ ምእንቲ ኺመላለስ ኢሉ ንጹር ሓሳባት ሂብዎ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:13-16 ኣንብብ።) ንስኻ እውን፡ ንሰማዕትኻ እንታይ ከም ዜድልዮም ሕሰብ፣ ነቲ ትምህርቲ ኣብ ህይወቶም ንምትግባር እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም እውን ኣረድኣዮም።

12. መደረ ኸተቕርብ ከለኻ፡ ባህርያዊ ብዝዀነ መገዲ ምዝራብ ዚሓይሽ ስለምንታይ እዩ፧

12 መደረኻ ብዝርርባዊ መገዲ ምእንቲ ኸተቕርቦ፡ ዓው ኢልካ ተለማመዶ። ንመደረኻ ቓል ብቓል ጽሒፍካ ኣብ ክንዲ እተንብቦ፡ ብባህርያዊ መገዲ ኣቕርቦ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ሰማዕትኻ ብቐሊሉ ኺሰምዑኻን ኪርድኡኻን ይኽእሉ እዮም። እታ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ ዘርእስታ ብሮሹር፡ “ብዛዕባ ሓደ ጕዳይን ብዛዕባ ሰማዕትኻን ዘሎካ ስምዒት ንምግላጽ ባህርያውን ልባውን ብዝዀነ መገዲ ተዛረብ” ትብል። ካብ ልብኻ ትዛረብ እንተ ዄንካ፡ መደረኻ ንሰማዕትኻ ህያውን መሳጥን ዜለዓዕልን ኪዀነሎም እዩ።

13. ኣብ ጉባኤ ዚምህሩ መምህራን ካብ ምኩራት ተዛረብቲ ምኽሪ ኺሓትቱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ካብ ምኩር ተዛራባይ ምኽሪ ሕተት። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧ ነቲ እተዳሎኻሉ ነጥብታት ንሓደ ምኩር ተዛራባይ ኣቐዲምካ ኸተርእዮ እሞ፡ ንሱ ዚህበካ ሓሳብ ኣብ መደረኻ ኸተእትዎ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ኣመሃህራኻ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ ሓሳብ ምእንቲ ኺህበካ፡ ፈለማ ንመደረኻ ኺሰምዓልካ ሕተቶ። (ምሳ. 1:5) ገሊኡ ጕድለት ንዓና ኣይረኣየናን እዩ፣ ሓውና ግና ነቲ ኸነመሓላልፎ እንደልዮ ነጥብታት ንጹርን ቀሊልን ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ኸነመሓላልፍ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሰማዕትና ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መንፈሳዊ ሃብቲ ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ከም ተዛረብትን ከም መምህራንን መጠን ክንመሓየሽ ንደሊ ኢና።a

ሓደ ሓው ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሓደ ምኩር ሓው ቈይሙ መደረኡ ይለማመድ።

ከም መምህር ዘሎካ ኽእለት ንምምሕያሽ፡ ካብ ምኩር ተዛራባይ ሓገዝ ሕተት (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)


ብዝሓሸ ንምስማዕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

14. ከምቲ ጸሓፊ መዝሙር 119 ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (መዝሙር 119:24, 111, 167)

14 ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ዘሎና ሞሳ እንተ ኣዕዚዝና፡ ብዝሓሸ ኽንሰምዕ ንኽእል ኢና። ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” ዘሎ ጸገማት ንምጽዋር፡ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ የድልየና እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዚቐርበልና ትምህርቲ ብዙሕ ሳዕ ዝሰማዕናዮ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ብዛዕባ እቲ ጸሓፊ መዝሙር 119 ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸነስተንትን ኣሎና።—መዝሙር 119:24, 111, 167 ኣንብብ።

15. ነቲ ኣብ ኣኼባታትና ዚቐርበልና መንፈሳዊ ምግቢ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ኢና ኽንሕሉ እንኽእል፧

15 ከምቲ እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃቦም ማና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኼማዕብሉ ዜድልዮም ዝነበረ፡ ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ ዚውሃበና መንፈሳዊ ምግቢ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ኣሎና። (ዘጸ. 16:15, 31) ኣብ መጀመርታ፡ እስራኤላውያን ነቲ ማና የማስውሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለምንታይሲ፡ ካብ የሆዋ እተዋህቦም፡ ንምብላዑ ጥዑም፡ ንኸብዶም እውን ዚዕንግል እዩ ነይሩ። እናሓደሩ ግና መንዮምዎ። (ዘሁ. 21:5) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ንሕና እውን ገሊኡ መንፈሳዊ ምግቢ ብተደጋጋሚ ስለ ዝሰማዕናዮ፡ ከም ተራ ነገር ጌርና ኽንርእዮ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምንጩ ኻብ የሆዋ ኸም ዝዀነ ኽንዝክር ኣሎና። እዚ ምግቢ እዚ ተሓሲቡሉ ብውድብ የሆዋ ኸም ዚዳሎ ኽንርስዕ የብልናን። እቲ ኻብኡ እንረኽቦ ጥበብ ንህይወትና ኼድሕነልና ኸም ዚኽእል እውን ክንስሕቶ የብልናን።—ምሳ. 3:13, 16-18፣ ዮሃ. 17:3።

16. ገሊኦም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ንምስማዕ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ (“ጽቡቕ ጌርና ኽንሰምዕ ዚሕግዝ ምኽሪ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

16 ንዚውሃበና ሓሳባት ንትግብሮ እንተ ዄንና፡ ብዝሓሸ ኽንሰምዕ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ንምስማዕ እንታይ ከም ዝሓገዞም እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ ንልዕሊ 30 ዓመት ንየሆዋ ዘገልገለት ኣሽሊ፡ “እንተ ተዳልየ፡ ኣቓልቦ ኽገብር እኽእል እየ። እንተ ዘይተዳልየ ግና፡ ምምላስ እጽገም እየ፡ ኣእምሮይ እውን ይገይሽ እዩ” ትብል። ን52 ዓመት ንየሆዋ ዘገልገለ ዮዠፍ ከኣ፡ “ብዛዕባ ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ርእሰ ነገራት ምስማዕ የሐጕስኒ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ብዛዕባ ሓደ ትምህርቲ ኻብ እተፈላለየ ኣንፈት ምስማዕ፡ ንግንዛበይ የዕምቘለይ እዩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ሓደ ሓው ብሉጽ ተዛራባይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ኣዘራርባኡ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እየ ዘተኵር” ይብል።

ጽቡቕ ጌርና ኽንሰምዕ ዚሕግዝ ምኽሪ

ንነዊሕ ዓመታት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ንዘገልገሉ ሰባት፡ “ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ንምስማዕ እንታይ ሓጊዙካ፧” ዚብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፡ እዚ ዚስዕብ ምኽሪ ሂቦም ኣለዉ፦

  • ብ1986 እተጠምቀት ሱፎን፡ “ኣብቲ ተዛራባይን ኣብቲ ቪድዮታትን ምእንቲ ኸተተኵር፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚት ኮፍ በል” ትብል።

  • ብ1983 እተጠምቀ ዴቪድ፡ “ከተኵር ምእንቲ ክኽእል፡ ናብ የሆዋ ብዙሕ ሳዕ እጽሊ እየ። ኣብ ኣኼባ ምእካብን ምትኳርን ምስታፍን ክፍሊ ኣምልኾይ ምዃኑ እውን ንርእሰይ አዘኻኽር እየ” ይብል።

  • ብ1982 እተጠምቀ ኒኮላ፡ “ክፍሊ ንዝነበሮ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ኣብ ክፍሉ ዘቕረቦ ሓደ ኣብነት፡ ሓደ ሓሳብ፡ ወይ ሓደ ምሳሌ ፈሊኻ ብምጥቃስ ንምምስጋን ዕላማ ግበር” ይብል።

  • ብ1988 እተጠምቀ ኦጉስታን፡ “እቲ እሙን ባርያ ንሓደ ርእሰ ነገር ደጊሙ ኬቕርቦ እንተ መዲቡ፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ዚቐርብ መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዝዀነ እየ ወትሩ ንርእሰይ ዝነግር” ይብል።

17. ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ንምስማዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

17 ገለ ኻብቲ ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ኽትሰምዕ ዚሕግዘካ ነጥብታት፡ እዚ ስዒቡ ዘሎ ኺጥቀስ ይከኣል፦ (1) ቀቅድሚ ኣኼባ ኽትበልዕ እንተ ኣድልዩካ፡ ብንቕሓት ምክትታል ምእንቲ ኽትክእል፡ ፍዅስ ዝበለ ምግቢ ብላዕ። (2) ናብቲ ኣኼባ ኣቐዲምካ ብጻሕ፡ እቲ ኣኼባ ኸይተጀመረ ድማ ኮፍ በል። (3) ንኤለክትሮኒካዊ ናውትኻ ኣብ መንጎ ኣኼባ ኸም ዘይርብሸካ ግበሮ። (4) ብዛዕባ እቲ ኪቐርብ እተመደበ ትምህርቲ ሕሰብ። (5) ኣብቲ ተዛራባይ ኣተኵር። (6) ሓጺር መዘኻኸሪታት መዝግብ፡ ወይ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብስእሊ ኣስፍሮ። (7) ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ጥቕስታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ንሓድሕዱ ዘሎ ምትእስሳርን ሕሰብ። (8) ‘ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ጉባኤና ወይ ኣብ ክልና ንሰብ ንምሕጋዝ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (9) ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ዞባን፡ ንፍረ ነገር እታ መዓልትን ነቲ ዚቐርብ ርእሰ ነገራትን ነቲ ኣብ መመደረ ዘሎ ቐንዲ ጥቕስታትን ኣቐዲምካ ርኣዮ። (10) ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ኮፍ መበሊኻ ኾፍ ኢልካ ነቲ ኣብ መጀመርታ ዚቐርብ ሙዚቃን ቪድዮን ብጸጥታ ብምክትታል፡ ልብኻ ኣዳሉ።

ሓደ ሓው ኣብ መንጎ መጽናዕቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ንዓርኩ ተክስት ይሰድደሉ።

ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ብኣቓልቦ ደኣ ስማዕ እምበር፡ ብኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ኣቓልቦኻ ኺስረቕ ኣይትፍቀድ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)


ወትሩ ንየሆዋ ስምዓዮ

18. ወትሩ ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ኣብ ኣኼባታት ወትሩ ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ፡ “ብመገድታት ጽድቂ” ኣቢሉ ኺመርሓና ንፈቕደሉ ኢና። (መዝ. 23:3፣ 31:3) ብንፋስ ከም እትድፋእ ጃልባ ኻብ መገድና ምእንቲ ኸይንወጽእ፡ መአረምታ የድልየና እዩ። ስለዚ፡ ‘ከመይ ጌርና ኸም እንሰምዕ ነቕልብ፡’ ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚውሃበና መምርሒ እውን ንተግብሮ። (ሉቃ. 8:18) እቶም ንየሆዋ ዚሰምዕዎ ዘበሉ፡ ሕጂ ሕጉሳት ኪዀኑ፡ ኣብ መጻኢ እውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—መዝ. 119:2, 14።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ተኣከብቲ ብኣቓልቦ ምእንቲ ኺሰምዑ ንምሕጋዝ፡ ኣብ ኣኼባታት ዚምህሩ ኣሕዋት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

  • ብዝሓሸ ንምስማዕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

መዝሙር 87 ኣብ ኣኼባና ንተሓደስ

a ከም ተዛራባይን መምህርን መጠን ብኸመይ ከም እነመሓይሽ ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ፡ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ ዘርእስታ ብሮሹርን ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ