ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/7 ገጽ 32
  • “ሓሳብ ልበይ ሰሚሩለይ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ሓሳብ ልበይ ሰሚሩለይ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኩባ ኣስታት 70 ዓመት ንየሆዋ ኣገልጊለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ካብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተላእከት ደብዳበ “ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/7 ገጽ 32

“ሓሳብ ልበይ ሰሚሩለይ”

ኤሚልያ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ይገብር፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። ኰይኑ ግና፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎታ ኸተቋርጽ ተገደደት። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ህይወታ ኣዝዩ ዜሐጕሳ ዝነበረ እዋን ትዝክሮ ነበረት። እንደገና ኣብ ኣገልግሎታ ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ከኣ ትደሊ ነበረ።

ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ብዙሕ ግዜ ተሕልፍ ስለ ዝነበረት ግና፡ ሓጐሳ ኣጥፍኣላ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መሳርሕታ፡ “ሒደት ሰዓታት ጥራይ ክሰርሕ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሃበ!” በለት። ሓለቓኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐት፡ እቲ ዝሰምዓቶ ሓቂ እንተ ዀይኑ ሓተተታ። ኤሚልያ ድማ ሓቂ ምዃኑ ነገራታ። ይኹን እምበር፡ ፖሊሲ እቲ ኩባንያ ንዅሎም ሰራሕተኛታት ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ኪሰርሑ እዩ ዚሓቶም። ስለዚ፡ ኤሚልያ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ንኽትሰርሕ፡ ካብቲ ሓላፊ ፍቓድ ክትሓትት ነበራ። ሓብትና ምስቲ ሓላፊ ንኽትራኸብ ተዳለወት፡ ሰላምን ትብዓትን ንኺወሃባ ኸኣ ጸለየት።

ምስቲ ሓላፊ ምስ ተራኸበት፡ እትሰርሓሉ ሰዓታት ንኽንከየላ፡ ብሜላን ብትብዓትን ሓተተት። ነቲ እዋን ዕረፍታ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ከም እትጥቀመሉ ኸምዚ ብምባል ገለጸት፦ “ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እየ፡ ንሰባት ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ እሕግዞም እየ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ስነ ምግባር ዘለዎም ኣመለኻኽታ ተዳኺሙ እዩ። ሎሚ ሰባት ንጹር ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የድልዮም እዩ፣ እቲ ኣነ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእዮም ጥበብ፡ ኣዝዩ ዚጠቕሞም እዩ። እቲ ኣብ ግዜ ዕረፍተይ ዝገብሮ ንጥፈታት፡ ነቲ ኣብዚ ኩባንያ እዚ ዚዓዮ ዕዮ ኼዳኽሞ ኣይደልን እየ፣ ንሰባት ንምሕጋዝ ዜኽእለኒ ዝያዳ ግዜ ኽረክብ ምደለኹ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እየ፡ ሰዓታት ስራሐይ ክንከየለይ ዝደሊ ዘለኹ።”

እቲ ሓላፊ ጽን ኢሉ ሰምዓ፡ ንሱ እውን ሓደ እዋን ኣብ ግብረ ሰናይ ኪዓዪ ሓሲቡ ኸም ዚፈልጥ ገለጸላ። ኣስዒቡ ድማ፡ “ብመሰረት እቲ ዝገለጽክለይ ምኽንያት፡ ንሕቶኺ እሰማምዓሉ እየ። ግናኸ፡ ደሞዝኪ ኸም ዚንኪ ትፈልጢ ዲኺ፧” በላ። ኤሚልያ ነዚ ትፈልጥ ምዃና፡ ናብራኣ ድማ ከም እተቕልል ነገረቶ። ኣስዒባ ኸኣ፡ “እቲ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ሸቶይ፡ ንሰባት ብሓቂ ዜዕግብ ነገር ንኽገብር እዩ” በለቶ። ሽዑ እቲ ሓላፊ፡ “ነቶም ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ግዜኦም ንኻልኦት ዚውፍዩ ሰባት አድንቖም እየ” በላ።

ኣብቲ ኩባንያ ኸምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ተዋሂቡ ኣይፈልጥን እዩ። ኤሚልያ ግና ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ክትሰርሕ ተፈቕደላ። እቲ ዜገርም ከኣ ኣብ ደሞዛ ወሰኽ ተገብረላ፡ ከምቲ ምሉእ ግዜ ኽትሰርሕ ከላ እትቕበሎ ዝነበረት ገንዘብ ድማ ትቕበል ኣላ። ኤሚልያ፡ “ሓሳብ ልበይ ሰሚሩለይ እዩ፣ ሕጂ እንደገና ስርዕቲ ፈላሚት ክኸውን እኽእል እየ” በለት።

ንስኻኸ፡ ኵነታትካ ኣተዓራሪኻ ፈላሚ ንኽትከውን ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ወይ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ፈላሚ ኔርካስ፡ ዘቋረጽካ እንተ ዄንካ፡ እንደገና ፈላሚ ኽትከውን ምኸኣልካዶ፧

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቲ ሓላፊ፡ “ነቶም ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ግዜኦም ንኻልኦት ዚውፍዩ ሰባት አድንቖም እየ” በላ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ