24-30 ነሓሰ 2026
መዝሙር 65 ንገስግስ!
ካብ መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ተጠቐም
“ብምሉእ ልበይ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ፣ ኣብ ኣኼባ ጕጅለ ቕኑዓት . . . ክውድሶ እየ።”—መዝ. 111:1።
ኣትኵሮ
ካብ መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ከም እንጥቀም።
1-2. ብዙሓት ብዛዕባ መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸመይ ይስምዖም፧
ኣስፋሒ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀንካሉ ግዜዶ ትዝክሮ፧ ኣብታ እተሐጕስ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓደ ኻብቶም ንስም የሆዋ ዚውድሱ ብዙሓት ኣምለኽቱ ዄንካ ኢኻ። (መዝ. 148:1, 2, 12, 13) ብዘይካዚ ግና ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓደ ኻብቶም ሒደት ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ኴንካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ‘ኣብ ኵላ ዓለም ክንሰብኽ’ እተዋህበና መዝነት ኣብ ምፍጻም ኣገዳሲ እጃም ኣለወን።—ማቴ. 24:14።
2 ብዛዕባ መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸመይ ይስምዓካ፧ ወንዲa ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ኣገልግሎተይ ከመሓይሽ ሓጊዙኒ እዩ። ሳላ እዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ፡ ክእለታት ስብከትን ኣመሃህራን ከማዕብል፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ከውጽእን ክበጽሖን፡ ምስቶም ኣብ ጕጅለይ ዘለዉ እውን ነባሪ ዕርክነት ክምስርት ክኢለ እየ።” ሪች ዝስሙ ሓው ድማ ከምዚ ይብል፦ “ሓላው ጕጅለ ዄንካ ምግልጋል ከም ፍሉይ መሰል ገይረ እየ ዝርእዮ። ኣስፋሕቲ ንሓደ ሰብ ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ይሕግዝዎ እዮም፣ ሓላው ጕጅለ ድማ ቀጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር ንዓመታት ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎ።” ዲና ዝስማ ሓብቲ እውን ከምዚ ትብል፦ “መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ዜደንቕ እዩ። ንጕጅለይ ከም ስድራይ ገይረ እየ ዝርእያ።”
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ ሓላው ጕጅለን ሓጋዚኡን እንታይ ግደ ኸም ዘለዎም፡ ነቶም ኣብታ ጕጅለ ዘለዉ ኸኣ ብኸመይ ከም ዚሓልዩሎም ክንርኢ ኢና። ቀጺልና፡ ኣብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣሳልጦ ምእንቲ ኽንረክብ ብውልቅና እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ካብዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።
ሓላው ጕጅለን ሓጋዚኡን
4. (ሀ) ቀንዲ ሓላፍነት ሓላው ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓላው ጕጅለ ነቶም ኣብ ጕጅለኡ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ዚሓልየሎም ብኸመይ እዩ፧ (“ንሓላው ጕጅለ ዚኸውን ምኽሪ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
4 ሓላው ጕጅለ ኣገልግሎት ኣብታ ጕጅለ ንዘለዉ ኣስፋሕቲ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ ንምሕጋዝ ብኣካል ሽማግለታት እተሓርየ ሽማግለb እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ እዩ ዚዓይዮ፧ ቀዳማይ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ዘሎ ኣስፋሒ ብሕታዊ ተገዳስነት የርኢ። (ምሳ. 27:23) ንቑሕን ሓላይን ጓሳ ብምዃን ምሳታቶም ቀጻሊ ርክብ ይህልዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ የተባብዖም፡ ብስምዒታውን ብግብራውን መዳይ እውን ይድግፎም። (ምሳ. 12:25፣ ኢሳ. 32:2፣ ያእ. 2:15-17) ካልኣይ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ዘሎ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ ምእንቲ ኺህልዎ ይሕግዝ። ኣብ ኣገልግሎት ብፍላይ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ መሪሕ ግደ ይህልዎ። ብብሕቲ ምእንቲ ኼተባብዕን ኬሰልጥንን፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣዘውቲሩ የገልግል። ሳሕቲ ንሱ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ ሓጋዚኡ ወይ ካልእ ብቑዕ ኣስፋሒ ነቲ ወፍሪ ኺመርሕ ይምድብ። ሳልሳይ፡ ንጥሙቓት ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ንሓላፍነት ምእንቲ ኺበቕዑ የሰልጥን። (1 ጢሞ. 3:1) ኣሕዋት ዕቤት ብምግባር ብቑዓት ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ሽማግለታት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ካብ ልቡ ይንእዶም፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ይህቦም፡ ብቐጻሊ ድማ የሰልጥኖም። ሓላፍነት ሓላው ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣርዚንካ ስለ ዚርአ፡ ነዚ ዕዮታት ኪፍጽሙ ዚኽእሉ ዝሓሸ ብቕዓት ዘለዎም ሽማግለታት እዮም ብኣካል ሽማግለታት ዚሕረዩ።
5. ገሊኦም ሓለውቲ ጕጅለ እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧
5 ሓላው ጕጅለ ነቶም ኣብ ጕጅለኡ ዘለዉ ኺሕግዝ ከሎ፡ ብዙሕ ብድሆታት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። ሓያሎ ሽማግለታት ኣብ ጉባኤኦም ብዙሕ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም። ንኣብነት፡ ዮርክ ብዛዕባ ዝስሙ ኣብ ጀርመን ዚነብር ሓላው ጕጀለ እስከ ንርአ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ንብዙሕ ሓላፍነታት ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ምሓዝ ቀሊል ኣይኰነን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኽራኸብ ዘሎኒ ሸቶ ኽወቕዖ የጸግመኒ እዩ።” ኣቤል ዝስሙ 70 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣብ ኡጋንዳ ዚነብር ሓው ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ጉባኤና ሒደት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን እዮም ዘለዉ። ስለዚ፡ ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ዝሓዛ እየን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኸምቲ ኣነ ዝደልዮ ደጋጊመ ጕስነት ክገብረሉ የጸግመኒ እዩ።” ኦቤድ ዝስሙ ኣብ ሱሪናም ዚነብር ሓው ድማ ከምዚ ብምባል ይእመን፦ “ንኻልኦት ምስልጣን ባህ ይብለኒ እዩ። ስልጠና ግዜን ጕልበትን ዚሓትትን ውጽኢቱ ብኡብኡ ዘይርአን ስለ ዝዀነ ግና፡ ብተደጋጋሚ ሸለል ይብሃል እዩ።” እሞ ደኣ ሽማግለታት ተመሳሳሊ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
6. ሓላው ጕጅለ ንሓላፍነቱ ብግቡእ ምእንቲ ኺዋጽኣሉ፡ ኣብ ሓንቲ ጕጅለ ዚህልዉ ኣስፋሕቲ ሒደት ምዃኖም ዚጠቕሞ ብኸመይ እዩ፧
6 ሓላው ጕጅለ ንዅሎም ምእንቲ ኺፈልጦምን ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺሕግዞምን፡ እንተ ተኻኢሉ ኣብታ ጕጅለ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣስፋሕቲ ሒደት ኪዀኑ ኣለዎም። ግናኸ፡ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ሒደት እንተ ዀይኖምከ፧ ቍጽሪ እቶም ኣብ ሓደ ጕጅለ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኣመና እንተ በዚሑ፡ ሓላው ጕጅለ ሓላፍነቱ ብግቡእ ኪዋጽኣሉ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ኣካል ሽማግለታት ንግዜኡ ንሓንቲ ጕጅለ ዚከናኸን ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺምድቡ ይኽእሉ እዮም። ሓላው ጕጅለ ኣብቲ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ናይ ምሕላይ ቀንዲ ዕዮኡ ምእንቲ ኼተኵር፡ ኣብ ሓንቲ ጕጅለ ዚህልዉ ኣስፋሕቲ ሒደት ኪዀኑ ኣለዎም።
7. ሒደት ሽማግለታት ኣብ ዘለውዋ ጉባኤ፡ ሓለውቲ ጕጅለታት ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ዘለዉ ንምክንኻን እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ (1 ጴጥሮስ 5:2) (ስእሊ እውን ርአ።)
7 ሒደት ሽማግለታት ኣብ ዘለውዋ ጉባኤ፡ ሓላው ጕጅለ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ መጓሰ ኣምላኽ ብግቡእ ምእንቲ ኽትከናኸን ንሓጋዚኻ ኣብ ምስልጣን ኣተኵር። (1 ጴጥሮስ 5:2 ኣንብብ።) ንሓጋዚኻ ዕዮታት ሃቦ። ንኣብነት፡ በብእዋኑ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺመርሕ መድቦ። ብሓባር ኴንኩም ንንጥፈታት ኣስፋሕቲ ብጸሎት ተመያየጡሉ። ናብ ጕስነታዊ ምብጻሕ ብስሩዕ ውሰዶ፡ ቅድሚ ምብጻሕኩምን ድሕሪኡን ድማ መምርሒ ሃቦ። ድሕሪ ግዜ፡ ሓጋዚኻ ብቑዕ ሓላው ጕጅለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 2:2) ብተወሳኺ፡ ንብሱላት ክርስትያናት ኣብ ምስልጣን ኪሕግዙኻ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ። ፈለምቲ ወይ ምኩራት ኣስፋሕቲ ምስ ሓደስቲ ወይ ተመክሮ ምስ ዘይብሎም ኪዓይዩ ይኽእሉ እዮም። ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝርርብ ምጅማር፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዚኸብዶም ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ሕጂ እምበኣር፡ ኣብ ኣሳልጦ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ እጃምና ኸነበርክተሉ እንኽእል ሰለስተ ነገራት ክንርኢ ኢና።
ሓደ ሽማግለ ኣብታ ጕጅለ ኣገልግሎት ንዘሎ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺመርሕ የሰልጥኖ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)
ንኣሳልጦ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ እጃምካ ኣበርክት
8. ንጕጅለኻ ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ሮሜ 1:12)
8 ምስ ጕጅለኻ ብሓባር ኣገልግል። ምስ ካልኦት ብሓባር ከተገልግል ከለኻ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ‘ንምትብባዕ’ ኣጋጣሚ ትረክብ ኢኻ። (ሮሜ 1:12 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ድሕንነት ይስምዓካ፡ ርእሰ ምትእምማንካ ድማ ይዓዝዝ እዩ። ዓለማዊ ስራሕካ ምስ ጕጅለኻ ኻብ ምግልጋል ዚዓግተካ እንተ ዀይኑ፡ መደባትካ ምእንቲ ኼተዓራርየልካ ንኣስራሒኻ ኸተዛርቦ ትኽእልዶ፧ መን ይፈልጥ፡ ይፈቕደልካ ይኸውን። (ነህ. 2:4-6) ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ወይ እርጋን ምስ ጕጅለኻ ብኣካል ምግልጋል እንተ ኸቢዱካ፡ ንሓላው ጕጅለኻ ኣዛርቦ። ብቪድዮ ኮንፈረንስ፡ ብተሌፎን፡ ወይ ብደብዳበ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ምእንቲ ኽትሳተፍ ምድላዋት ኪገብረልካ ይኽእል ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ጽቡቕ ጥዕና ዘሎካ መንእሰይ ክነስኻ ኣብ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ምስታፍ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑኸ፧ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ምስ ሓደ ኻብ ጕጅለኻ ንምግልጋል፡ ግዜ ኽትምድብ ትኽእል ኢኻ። ቀዳምነታትካ ዳግም ክትግምግም፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜ ድማ ምትዕርራያት ክትገብር የድልየካ ይኸውን። (ሮሜ 12:11፣ ቈሎ. 4:5) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ፍረ ጻዕርኻ ኽትረክብ ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ። ንሱ፡ “ድሌትን ንምግባር ዓቕምን” ኪህበካ እዩ።—ፊል. 2:13።
9. ኣብ ጕጅለና ፍቕሪ ምእንቲ ኺዓስልን ውዕዉዕ መንፈስ ምእንቲ ኺህሉን እንታይ ኣበርክቶ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (ሮሜ 12:13)
9 ተቐባል ጋሻ ኹን። “ተቐበልቲ ጋሻ” እንተ ዄንና፡ ኣብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ውዕዉዕ መንፈስን ፍቕርን ምእንቲ ኺህሉ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:13 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኣኼባ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ገዛና ምእንቲ ኺግበር ምድላዋት ክንገብር ንኽእልዶ፧ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብ ገሊአን ጉባኤታት ዘለዋ ጕጅለታት በብተራ ነቲ በጻሒ ተዛራባይ ይዕድማኦ እየን። እቲ ተዛራባይ ናብቲ ምትእኽኻብ ዋላ እኳ ኺመጽእ እንተ ዘይከኣለ፡ ገሊኦም ኣብታ ጕጅለ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኣብቲ እተመደበሎም ሰሙን ዕድመ ይገብሩን ንሓድሕዶም ይተባብዑን እዮም። ሳራ ዝስማ ፍልይቲ ፈላሚት ከምዚ ትብል፦ “ኣጋይሽ ክዕድም ከለኹ ኣዝየ እየ ዝጭነቕ። ስለዚ፡ ነቲ ዕድመ ቐሊል እየ ዝገብሮ። ንሰባት ደኣ እየ ኽፈልጦም ዝጽዕር እምበር፡ ብዙሕ ምግቢ ኣብ ምድላው ኣይኰንኩን ዘተኵር።” ኣብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ፍቕሪ ኸም ዚዓስልን ስድራ ቤታዊ ቕርርብ ከም ዚህሉን ምስ እንገብር፡ ናብ የሆዋን ናብ ካልኦትን ብዝያዳ ኢና እንቐርብ።—ነህ. 8:10፣ ግብ. 20:35።
10. ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣገልግሎት ከነመሓይሽ እንተ ደሊና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (ምሳሌ 1:5፣ 27:17) (ስእሊ እውን ርአ።)
10 ተበግሶ ውሰድ። ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ክኢላታት ምስ እንኸውን፡ ምስ ጕጅለና ምግልጋል ባህ ዜብል እዩ ዚዀነልና። ከተመሓይሾ እትደሊ መዳይ ኣገልግሎት ኣሎዶ፧ ንሓደ ፈላሚ ወይ ምኩር ኣስፋሒ ምእንቲ ኺሕግዘካ ስለምንታይ ብተበግሶኻ ዘይትሓትቶ፧ (ምሳሌ 1:5፣ 27:17 ኣንብብ።) ንሓላው ጕጅለኻ ብዛዕባ ሸቶኻ ንገሮ። ሸቶኻ ምእንቲ ኽትወቅዕ ኪሕግዘካ ይኽእል ይኸውን። ካብ ካልኦት እውን ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ሄዘር ዝስማ ሓፋር ሓብቲ ኸምኡ እያ ገይራ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ንሓንቲ ፈላሚት ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ክትሕግዘኒ ሓቲተያ። ፈቃርን ለዋህን ስለ ዝዀነት ድማ፡ ምሳይ ንምግልጋል ስሩዕ ዝዀነ መደብ ገይራ። ንሓንቲ ኻብተን ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝገብረለን ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከጀምራ ሓጊዛትኒ። እንቋዕ ክትሕግዘኒ ሓተትክዋ፣ ስለምንታይሲ፡ ናብ ኣገልግሎት ምውጻእ ከም ብሓድሽ ክፈትዎ ኽኢለ እየ።” እምበኣር፡ ንኣሳልጦ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ እጃምና ኸነበርክተሉ እንኽእል ብዙሕ መዳያት ኣሎ።
ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ሒደት ኣስፋሕቲ ዝሓዘት ምዃና፡ ንሓድሕድና ኽንፋለጥን ብሓባር ከነገልግልን የኽእለና (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)
ካብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
11-12. ካብ መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ መንፈሳዊ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል፧ ተመክሮ ኣዘንቱ።
11 መንፈሳዊ ጥቕሚ። ነፍሲ ወከፍና ኻብ መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ መንፈሳዊ ጥቕሚ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ እቶም ከም መበለታትን ዘኽታማትን ኣረጋውያንን ዝኣመሰሉ ኻብ የሆዋ ፍሉይ ቈላሕታ ዚደልዩ ሰባት፡ እዋናውን ዜተባብዕን ጕስነት ይግበረሎም እዩ። (1 ተሰ. 2:8፣ ያእ. 1:27) ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብበበይኑ መዳያት ንምስባኽን ንምምሃርን፡ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስልጠና ንረክብ ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብነታውያን ጥሙቓት ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነታት ንምቕባል ብቑዓት ምእንቲ ኪዀኑ ይስልጥኑ እዮም።—1 ጢሞ. 3:10።
12 እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ወንዲ፡ ካብ መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ከም እተጠቕመት እስከ ንርአ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣቦይ ንሓቂ ዚጻረር እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ኣደይ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ጕጅለኣ ንምግልጋል ትጽገም ነይራ። ኣነ ግና ከገልግል ስለ እተፈቕደለይ፡ አገልግል ነይረ እየ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ፈላሚት ሓብቲ መገላግልታ ገይራትኒ፡ ኣብ ኣገልግሎትን ጉባኤን ዚጠቕመኒ ኽእለታት ከማዕብል ድማ ሓጊዛትኒ። ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዚጠቕመኒ ዘሎ ብሓላው ጕጅለይ እተዋህበኒ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እዝክሮ እየ።”
13. ካብ ጕጅለና እንታይ ስምዒታዊ ደገፍ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
13 ስምዒታዊ ደገፍ። ኣብ ጕጅለና ምስ ዘለዉ ኣስፋሕቲ “ብሓባር” ከነገልግል ከለና፡ ጥቡቕ ዕርክነት ክንምስርት ንኽእል ኢና። (ፊል. 1:27) ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ሒደት ኣስፋሕቲ ስለ ዚሕዛ፡ ስቕተኛታት ወይ ሓፋራት እኳ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምስራት ይቐልሎም እዩ። (2 ቈረ. 6:13) ከም ሕማም፡ ጭንቀት፡ ወይ ሞት ሰብና ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣዕሩኽና ኸም ዚድግፉና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 5:14) ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እውን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከም ዜድልዩና ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴ. 24:21) ዋላ እኳ ጸገማትና እንተ ዘይተወገደ፡ ዜፍቅሩናን ዚድግፉናን ኣዕሩኽ ከም ዘለዉና ምፍላጥና ግና ንጸገማትና የፍኵሰልና እዩ።—ምሳ. 17:17።
ኣብ ሓደ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝዀና ኽልተ ኣሓት ብሓባር ናብ ኣገልግሎት ይወጻ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)
14. ሓደጋ ወይ ህጹጽ ሕክምናዊ ጕዳይ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካብ ጕጅለና ብኸመይ ኢና ደገፍ እንረክብ፧
14 ግብራዊ ሓገዝ። ለበዳ፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ህጹጽ ጕዳይ ሕክምና፡ መስጐጕቲ፡ ወይ ቍጠባዊ ጸገም ምስ ዜጋጥመና፡ ካብ ጕጅለና እዋናዊ ሓገዝ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ገጉባኤ ዘለዉ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ምስ ሓለውቲ ጕጅለ ዀይኖም ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዜድልዮም ኣስፋሕቲ ንምሕጋዝ መደባት ይሕንጽጹ እዮም። ኣብ እዋን ጸገም፡ ሓለውቲ ጕጅለ ደሃይ ኵለን ስድራ ቤታት ይገብሩ፡ ረድኤት ምእንቲ ኺረኽባ ኸኣ ከም ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ምግቢ፡ ማይ፡ መጽለሊ፡ ክዳን ዝኣመሰለ ህጹጽ ነገር ዜድልየን እንተ ዀይኑ የጻርዩ እዮም። ብሓቂ እምበኣር ካብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ግብራዊ ሓገዝን ፍቕራዊ ሓልዮትን ንረክብ ኢና።
15. ኣብ ውድብ የሆዋ ዅላትና ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር እንታይ እዩ፧
15 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ውድብ የሆዋ ዓባይ እያ። እቲ ሰማያዊ ኽፋላ ጥራይ፡ ብኣማእታት ሚልዮናት፡ ምናልባት እውን ብቢልዮናት ዚቝጸሩ እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝሓዘ እዩ። እዚ ምድራዊ ኽፋላ ድማ፡ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣምለኽቲ የሆዋ ኣለውዎ፣ እዚ ቝጽሪ እዚ ኸኣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይውስኽ ኣሎ። (ዘካ. 8:23፣ ራእ. 5:11) ኵላቶም ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብ ምእዋጅ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓድነት ይዓይዩ ኣለዉ። (ራእ. 14:6, 7) እምበኣር፡ ካብቲ ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ንምውዳስ ዚሕግዘና መሰናድዎ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ንጠቐም።—መዝ. 111:1።
መዝሙር 61 ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ሓላው ጕጅለ ዚኸውን ሽማግለ ኽሳዕ ዚርከብ፡ ሓደ ብቑዕ ኣገልጋሊ ጉባኤ ነቲ ሓላፍነት ኪስከሞ ይኽእል እዩ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ተሰኪሙ ዚዓዪ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ኣብታ ጉባኤ ሓላዊ ዀይኑ ስለ ዘየገልግል፡ ኣገልጋሊ ጕጅለ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓላፍነቱ ኣብ ዚስከመሉ መገዲ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቶም ሽማግለታት ይዓዪ።