ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 መጋቢት ገጽ 2-7
  • ኣብ ኣገልግሎት ‘ጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣመሓይሽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ‘ጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣመሓይሽ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰማዕትኻ ሕለየሎም
  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኰስ
  • ኣብ የሆዋ ኣተኵር
  • ጥበብ ኣመሃህራኻ ወትሩ ኣመሓይሽ
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ኪቘሙ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ሓግዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • “ዘንቀዱ” ነቲ መልእኽቲ ኪቕበልዎ እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 መጋቢት ገጽ 2-7

4-10 ግንቦት 2026

መዝሙር 53 ንስብከት ንዳሎ

ኣብ ኣገልግሎት ‘ጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣመሓይሽ

“ነቲ ቓል ስበኽ፣ . . . ብዅሉ ዓቕልን ጥበብ ኣመሃህራን ከኣ . . . ምዓድ።”—2 ጢሞ. 4:2።

ኣትኵሮ

ኣብ ኣገልግሎት ክእለት ኣመሃህራና ኸነመሓይሸሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት።

1. እንታይ ክእለት ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (2 ጢሞቴዎስ 4:2) (ስእሊ እውን ርአ።)

የሱስ ንሰዓብቱ ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ “ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ኵሎም ክርስትያናት መምህራን ኪዀኑ ኸም ዚግባእ ይሕብር። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ እዩ ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ሰባት ዚስሕቦም፣ መላእኽቲ እውን ናብዞም ሰባት እዚኦም ይመርሑና እዮም። (ግብ. 13:48፣ ዮሃ. 6:44፣ ራእ. 14:6) ኰይኑ ግና፡ ንሕና እውን እጃምና ኸነበርክት ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ በርናባስን ዝሓደግዎ ኣብነት እሞ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ኬዘንቱ ኸሎ፡ ኣብ ኢቆንዩም ናብ ምኵራብ ኣትዮም “ጽቡቕ ገይሮም ብምዝራቦም፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ” ይብል። (ግብ. 14:1) ስለዚ፡ ጳውሎስን በርናባስን “ጥበብ ኣመሃህራ” ኣማዕቢሎም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (2 ጢሞቴዎስ 4:2 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ኵላትና ክርስትያናት ነዚ ጥበብ እዚ ኸነማዕብል ኣሎና።

ጳውሎስ ኣብ ምኵራብ ብጽኑዕ እምነት ኪዛረብ ከሎ፡ ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ብኣቓልቦ ይሰምዕዎ። ጳውሎስ ኪምሃር ከሎ፡ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ በርናባስ ብታሕጓስ ይዕዘቦ።

ካብ የሱስን ካብ ከም እኒ ጳውሎስን በርናባስን ዝኣመሰሉ ደቀ መዛሙርቱን ብዛዕባ “ጥበብ ኣመሃህራ” ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)


2. ገሊኦም ክርስትያናት ክእለት ኣመሃህራኦም ኬመሓይሹ ዘይክእሉ ዀይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዮም፧

2 ገሊኦም ክርስትያናት ብዙሕ ዓለማዊ ትምህርቲ ስለ ዘይብሎም ወይ ብተፈጥሮኦም ክእለት ኣመሃህራ ስለ ዘይብሎም፡ ክእለት ኣመሃህራኦም ኬመሓይሹ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ገሊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ሰባት እውን ብቕዓት ከም ዘይብሎም ኰይኑ ተሰሚዕዎም እዩ። (ዘጸ. 4:10፣ ኤር. 1:6) ገሊኦም ከኣ ከም ካልኦት ጽቡቕ ፍረ ይረኽቡ ስለ ዘየለዉ፡ ኪምህሩ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ልክዕ እዩ፡ ዘዘራረብናዮ ወይ ዝረኸብናዮ ዘበለ ሰብ ነቲ ብስራት ይቕበሎ ማለት ኣይኰነን። እቲ እንረኽቦ ፍረ እውን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጻዕርና ዚምርኰስ ኣይኰነን። ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ኣብ ምርካብ፡ የሆዋን መላእኽትን እጃም ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ንሕና እውን መልእኽትና ሰሓቢ ብዝዀነ መገዲ ንምቕራብ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት ክእለት ኣመሃህራና ኸነመሓይሸሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና።

ንሰማዕትኻ ሕለየሎም

3. የሱስ ልቢ ሰማዕቱ ኺትንኪ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ፡ ‘ኣብ ሰብ ዘሎ ይፈልጥ ነበረ’ ይብል እዩ። (ዮሃ. 2:25) እዚ ኸኣ ብኸመይ ከም ዚሓስቡን ውሽጣዊ ድራኸኦም እንታይ ምዃኑን ከም ዚፈልጥ ይሕብረና። የሱስ ንሰማዕቱ እንታይ ከም ዜድልዮም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ልቦም ኪትንክዮም ክኢሉ እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ብጥሜት ተወዲኦም ምንባሮም፡ ማእለያ ብዘይብሉ ስርዓታትን ሰብ ዝሰርዖ ሕግታትን እውን ተጨቊኖም ምንባሮም ኪርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ማቴ. 9:36፣ 23:4) ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እውን ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ እዩ ምሂሩ። ብዙሓት ሰባት ናብኡ እተሳሕቡ፡ ብዛዕባ እቲ ብብሕቲ ዚጸልዎም ጕዳያት ይምህር ስለ ዝነበረ እዩ።

4. ንሰባት ከም እንሓልየሎም ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

4 ንሕና እውን ንሰባት እንታይ ከም ዜተሓሳስቦም ክንርዳእ ብምጽዓር፡ ሓልዮትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ስብከትና እንረኽቦ ዘበለ ሰብ፡ በዚ ብልሹው ስርዓት ሰይጣን ተጸልዩ እዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና እንተ ሒዝና፡ ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ክንድንግጸሎም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ዘተሓሳሰቦም ኣብ ማዕከናት ዜና እተቓልሐ ነገርዶ ኣሎ፧ ወለዲ ብዛዕባ ድሕንነት እቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ዚኸዱ ደቆም ይሻቐሉ ድዮም፧ ኣብ ከባቢና፡ ሽቕለት ኣልቦነት ንብዙሓት ዚጸሉ ጸገም ድዩ፧ እዚ “ጽንኩር ግዜ” እዚ፡ ብዘይ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚኸብድ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ።—2 ጢሞ. 3:1፣ ኢሳ. 65:13, 14።

ስእልታት፦ ሓንቲ ሓብቲ ንኣገልግሎት ክትዳሎ ኸላ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ክላ ዚርከቡ ሰባት ትሓስብ። 1. ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይትን ወዳን ኢዱ ዓሚኹ ኺጥልቐሎም ከሎ፡ እታ ኣደ ንወዳ ሓቚፋ ኽትከላከለሉ ትፍትን። 2. ሓንቲ መንእሰይ ሽጋራ ተትክኽ። 3. ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ብዛዕባ ጥዕናኣ ኻብ ሓኪማ ሕማቕ ነገር ይንገራ።

ንተምሃሮኻ ኽትርድኣሎምን ክትሓልየሎምን ጽዓር (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. የሱስ ኣብ ኣመሃህራኡ ብኸመይ እዩ ኻብ ፈሪሳውያን እተፈልየ ዝነበረ፧ (ማቴዎስ 11:28-30)

5 የሱስ ንሰማዕቱ ይሓልየሎም ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሕዛኡ ይርአ ነይሩ እዩ። ካብ ፈሪሳውያን ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ንተራ ሰባት ይንዕቁ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 23:13፣ ዮሃ. 7:49) የሱስ ግና ንሰባት ብለውሃትን ብኣኽብሮትን እዩ ዚሕዞም ነይሩ። “ልኡምን ትሑት ዝልቡን” እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ንፉዕ መምህር ኪኸውን ኣኽኢልዎ እዩ። (ማቴዎስ 11:28-30 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንሕና እውን ንሰማዕትና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ክንሕዞም ኣሎና።

6. ነቶም ንመልእኽትና ዚነጽግዎ ወይ ዚጻረርዎ ሰባት ብኸመይ ኢና ለውሃትን ኣኽብሮትን ከነርእዮም እንኽእል፧

6 ገሊኦም ሰባት ንመልእኽትና ይነጽግዎ ወይ ይጻረርዎ እዮም። ሽዑ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧ የሱስ ንዚጻረሩና ዘበሉ ዕሽሽ ኢልና ኻብ ምኻድ ንላዕሊ ኽንገብር እዩ ምሂሩና። “ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፣ ንዚረግሙኹም መርቑ፣ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ” ኢሉ እዩ ምሂሩና። (ሉቃ. 6:27, 28) ከምኡ ንምግባር ምእንቲ ኪቐልለና ግና ነቶም ንመልእኽትና ዘይቅበልዎ ሰባት ምእንቲ ኽንርድኣሎም ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ጭው ዝበሉ ተጻረርቲ እዮም። ገሊኦም ግና ኣብ ስድራ ቤቶም ብዘጋጠሞም ጸገም ወይ ምሳና ብዘይተሓሓዝ ኵነታት ተጨኒቖም ይህልዉ ይዀኑ። ምናልባት ኣብ ሕማቕ ግዜ ስለ ዝኸድናዮም እዮም ዘይተቐበሉና። ዝዀነ ዀይኑ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን” ንዚብል ማዕዳ ወትሩ ኽንስዕብ ኣሎና። (ቈሎ. 4:6) ንሰባት እንተ ደንጊጽናሎም፡ እንታይ ከም ዜድልዮም እውን ክንርዳእ እንተ ጽዒርና፡ ብቐሊሉ ኣይክንቅየሞምን ኢና፡ ዝሓሽና መምህራን እውን ክንከውን ኢና።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኰስ

7. የሱስ፡ ትምህርቱ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዚምርኰስ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (ዮሃንስ 7:14-16)

7 የሱስ ኣብ ፍልጠቱ ኣይተመርኰሰን። ትምህርቱ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እዩ ነይሩ። ንሰማዕቱ ድማ ብቐሊሉ ኸም ዚርድእዎን ከም ዚዝክርዎን ገይሩ እዩ ምሂርዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ” ይብለና። ስለዚ፡ ሰባት “ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።” (ማር. 1:22) ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ንትምህርቶም ንምድጋፍ ልዑል ኣኽብሮት ካብ ዚውሃቦም መምህራን ይጠቕሱ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ብብዝሒ ዚጠቅስ ዝነበረ። ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ብምንባሩ፡ በቲ ሰፊሕ ጥበቡ ገይሩ ንሰማዕቱ ኺምስጦም ወይ ኬስተንክሮም ምኸኣለ ነይሩ። ከምኡ ግና ኣይገበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ትምህርቱ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽን ኣብ ቃል ኣምላኽን ዜተኵር እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 7:14-16 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ብሉጽ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም።

8. ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብነት የሱስ ዝሰዓበ ብኸመይ እዩ፧

8 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ኪምህሩ ኸለዉ ኣብ ቃል ኣምላኽ እዮም ዚምርኰሱ ነይሮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እተዛረቦ ዘረባ እሞ ሕሰብ። ጴጥሮስ ልዑል ትምህርቲ ዝነበሮ ሰብ ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ በቲ ኣብ የሱስ ብዛዕባ እተፈጸመ ትንቢታት ዝሃቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ መግለጺ ልቢ ሰማዕቱ ተንክዩ እዩ። (ግብ. 2:14-37) እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ “እቶም ነቲ ቓሉ ተሓጒሶም እተቐበልዎ ተጠምቁ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣስታት 3,000 ሰባት ተወሰኹ።”—ግብ. 2:41።

9. ክንምህር ከለና፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንምርኰስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ንልቢ ሰማዕትና ንምትንካይ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝሓሸ ነገር የልቦን። (እብ. 4:12) ስለዚ፡ ክንምህር ከለና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነተኵር ኣሎና። ‘ነቲ ቓል ደኣ ኢና ኽንሰብኽ’ ዘሎና እምበር፡ ሓሳባትና ኽንሰብኽ የብልናን። (2 ጢሞ. 4:2) ምሳሌ 2:6፡ “የሆዋስ ጥበብ ይህብ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ፍልጠትን ምስትውዓልን ይወጽእ” ትብል። ስለዚ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንምህር ከለና፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ንየሆዋ ኢና ዕድል እንህቦ ዘለና። (ሚል. 2:7) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰብኣዊ ጥበብ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር ከም ዝሓዘ ንሰባት ከነፍልጦም ንደሊ ኢና። ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ፣ ኣብኡ እውን ንፈጣሪና ባህ ዜብሎ፡ ንዓና ድማ ዜሐጕስ ህይወት ክንነብር ዜኽእለና ፍልጠት ይርከብ እዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17።

10. ከመይ ጌርና ኢና ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቃል ኣምላኽ ከም ዜተኵሩ እንገብሮም፧

10 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ተምሃራይካ ናብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜተኵር ክትገብረሉ እትኽእል መገድታት ርኸብ። ስእልታትን ቪድዮታትን ነቲ እንምህሮ ነገር ዜብርሆ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀንዲ መምሃሪ መጽሓፍና ግና መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ እቲ ተምሃራይ ኪርዳእ ኣለዎ። ስለዚ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልኩም ኣንብቡ፡ ንተምሃራይካ እውን ኣብቲ ጥቕስታት ተመርኲሱ ኺሓስብ ሓግዞ። ብዛዕባ ስእልታትን ቪድዮታትን ክትመያየጡ ኸለኹም፡ ነቲ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረድኣዮ። ከምኡ ንምግባር፡ ብዙሕ ክትዛረብ ወይ ብዙሕ ጥቕስታት ከተንብብ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጥቕሲ መምስ ኣንበብኩም፡ ነቲ ጥቕሲ ኺሓስበሉን ኪርድኦን ዜኽእሎ እኹል ግዜ ሃቦ፣ እንተ ኣድልዩ እውን ገሊኡ ጥቕስታት ዳግም ኣንብብዎ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ወይ መጽናዕቲ ስእሊ ወይ መጽናዕቲ ቪድዮ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ።—1 ቈረ. 2:13።

11-12. (ሀ) ከመይ ጌርካ ኢኻ ንተምሃሮኻ ብዓቕሊ ኽትሕዞም እትኽእል፧ (ግብሪ ሃዋርያት 17:1-4) (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ገሊኦም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዮም ዘይፈልጡ፧ ንዓታቶምከ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

11 ተምሃራይካ ነቲ ዚምሃሮ ትምህርቲ ምቕባሉ እንተ ኸቢድዎ፡ ኣብቲ “ነቲ ቓል ስበኽ” ዚብል መተባብዒ፡ “ብዅሉ ዓቕሊ” ኽትምህር ምሕጽንታ ኸም እተዋህበ ዘክር። ኵሉ ሰብ ብሕደ ፍጥነት ኣይኰነን ዕቤት ዚገብር። ገሊኦም ተምሃሮ ንገሊኡ ቐሊል ዚመስለና ሓቅታት ንምርዳእ ግዜ ይወስደሎም እዩ። ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ኣይሁድ ብተደጋጋሚ ምስ መስከረሎምን ብቕዱሳት ጸሑፋት ገይሩ ምስ ኣዛራረቦምን እዮም ገሊኦም ንትምህርቱ ኺርድእዎ ዝኸኣሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:1-4 ኣንብብ።

12 ዓቕሊ ኽንገብረሉ እንኽእል ካልእ መገዲ፡ ንተምሃሮና ብሕቶታት ጌርና ናይ ልቦም ከም ዚገልጹ ብምግባርን ብዙሕ ከይንዛረብ ልሳንና ብምግታእን እዩ። ጽቡቕ ጌርካ ኽትሰምዖምን ኣተሓሳስባኦም ክትርዳእን ጽዓር። ድሕሪኡ፡ ሓሳብ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኺርድኡ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንብቡ ግበር፡ ብእኡ ጌርካ እውን ኣመያይጦም። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ብዛዕባ ትሕዝቶኡ ዋላ ሓንቲ ፍልጠት የብሎምን። ስለዚ፡ ብወረቐት እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣርኢኻዮም፡ ዓብዪ መጽሓፍ ምዃኑ ኺርድኦም ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሓበሬታ ኸም ዘሎ ንምሕባር እውን፡ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚርከብ “መእተዊ ቓል ኣምላኽ” ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ሕቶ 15 ዚርከብ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓጐስና ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ክትሕብሮም፡ በዚ ኸምዚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኸተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ብሓጺሩ፡ ንተምሃሮኻ ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ እንተ ኣርኢኻዮም፡ ትምህርትኻ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እታ ኣብ ዝቐደመት ስእሊ ዘላ ሓብቲ ነታ ሽጋራ እተትክኽ ዝነበረት መንእሰይ ኣብ ግዳም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ። እታ መንእሰይ ሓሳባ ኽትገልጽ ከላ፡ እታ ሓብቲ ብኣቓልቦ ትሰምዓ።

ክኢላ መምህር ንፉዕ ሰማዒ ደኣ እዩ እምበር፡ ብዙሕ ኣይዛረብን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)


ኣብ የሆዋ ኣተኵር

13. ክንምህር ከለና፡ ኣብ መን ከም ዚትኰር ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

13 ሸቶና፡ ሰማዕትና ንየሆዋ ኸም ዚፈልጥዎን ከም ዚቐርብዎን ምግባር እዩ። (ያእ. 4:8) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ከምቲ ኣብ ትያትር መብራህቲ ዜብርህ ተክኒሻን ኢና ኺብሃል ይከኣል እዩ። ምርኢት ምስ ተጀመረ፡ ነቲ መብራህቲ ናብ ርእሱ ኣይኰነን ዜብርሆ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያት እዩ ዜብርሃሎም። ንሕና እውን ክንምህር ከለና፡ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ኸም ዚትኰር ክንገብር ኣሎና።

14. ተምሃራይና ኣብ የሆዋ ምእንቲ ኼተኵር ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞ እንኽእል፧

14 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ፡ ተምሃራይካ ንየሆዋ ባህ ንምባል ድሌት ከም ዚሓድሮ ግበር። (ምሳ. 27:11) ኣባል ሓደ ጕጅለ ንምዃን ኪገብሮ ዚግባእን ዘይግባእን ጥራይ ኣይኰንካን እትምህሮ ዘለኻ። ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኼብሎ፡ ካብ ውሽጡ ለውጥታት ኪገብር እዩ ድሌትካ። ንኣብነት፡ ተምሃራይካ ንሓደ ሕማቕ ኣመሉ ኼሰንፎ እንተ ዘይክኢሉ፡ ከምዚ ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፦ “የሆዋ ነዚ ተግባር እዚ ዚጸልኦ ስለምንታይ እዩ፧ ስለምንታይ እዩ ንስኻ እትፈትዎ ነገር ክትገብር ዘይደልየካ፧ እዚ ነገር እዚ፡ የሆዋ ኸም ዚፈትወካ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧” ተምሃራይካ ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ኸም ዚሓስብ እንተ ጌርካዮ፡ ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦኡ ገይሩ ኺርእዮ እዩ። እዚ ኸኣ ንተምሃራይካ፡ ንየሆዋ ባህ ንምባል ድሌት ኬሕድረሉ እዩ።

ጥበብ ኣመሃህራኻ ወትሩ ኣመሓይሽ

15. ጥበብ ኣመሃህራኻ ወትሩ ምእንቲ ኸተመሓይሽ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

15 ጥበብ ኣመሃህራኻ ወትሩ ንምምሕያሽ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ክትልምኖ ትኽእል ኢኻ። (1 ዮሃ. 5:14) ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ንምዕያይ ከኣ፡ ነቲ የሆዋ ብኣኼባታት ጉባኤ ኣቢሉ ዚህበካ ስልጠና ኣብ ልብኻ ኸተሕድሮ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ክኢላታት መምህራን ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዕድም ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ሓሳብ ኪህቡኻ ሕተቶም። ብተወሳኺ፡ ንስኻ ነቲ ትምህርቲ ትፈልጦ እኳ እንተ ዀንካ፡ ተምሃራይካ ግና ከም ዘይፈልጦ ዘክር። ነቲ ትምህርቲ ብኣዒንቱ ኽትርእዮ ጽዓር። መልእኽትና ብሓቂ ብስራት ከም ዝዀነ እውን ኪግንዘብ ሓግዞ። እዚ ድማ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ከም ዚምስርት ኪገብሮ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ እውን ኬምጽኣሉ ይኽእል እዩ።—መዝ. 1:1-3።

16. ጥበብ ኣመሃህራና ወትሩ እንተ ኣመሓይሽና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

16 ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ምምሃር፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ኣብ መጻኢ ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን፡ እዚ ንሰባት ናይ ምምሃር ዜሐጕስ ዕዮ ኼድሊ እዩ። እምበኣር፡ ብስራት ክንሰብኽ ከለና፡ ወትሩ ንሰማዕትና ንሕለየሎም፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ንመርኰስ፡ ኣብ የሆዋ እውን ነተኵር። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥበብ ኣመሃህራና ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ንሰማዕትኻ ኸም እትሓልየሎም ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም እትምርኰስ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

  • ኣብ የሆዋ ኸም እተተኵር ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

መዝሙር 65 ንገስግስ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ