27 ሚያዝያ–3 ግንቦት 2026
መዝሙር 99 ኣእላፋት ኣሕዋት
ድሕሪ ጥምቀት ንዜጋጥመካ ብድሆታት ተዳሊኻ ዲኻ፧
“ስጕምትታተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽንዓ።”—መዝ. 17:5።
ኣትኵሮ
ሓደስቲ ጥሙቓት ኣብ ሓቂ ኼጋጥሞም ንዚኽእል ብድሆታት ብኸመይ ከም ዚዳለዉ።
1-2. ኣብ ሓቂ ኼጋጥመና ንዚኽእል ብድሆታት ንምድላው እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እዚኣ ጸገማት ዘይተርፍ ነገር እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መዐንቀፊታት እኳ ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 18:7) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዜጋጥመና ብድሆታት ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። እዚ ኸኣ ነቲ ኻብ ክርስትያናት ብጾትና ዜጋጥመና ጸገማት እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።
2 ቀጺልና፡ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ህዝቢ የሆዋ ንባህርያዊ ሓደጋታት ድሉዋት ኪዀኑ መተባብዒ ይውሃቦም እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና እንዳሎ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ኣብ ከባቢና እንታይ ሓደጋታት ኬጋጥም ከም ዚኽእል ኢና እነለሊ። ምናዳ ነቲ ኸባቢ ሓደስቲ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። እንታይ ሓደጋታት ኬጋጥም ከም ዚኽእል ምስ ኣለለና ድማ፡ ንዅሉ እቲ ሓደጋታት ድሉው ንምዃን ውጥን ክንገብር ኣሎና። (ምሳ. 21:5) ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ሓቂ ኼጋጥመና ዚኽእል ብድሆታት ከነለሊ፡ ካብ ሕጂ እውን ተዳሊና ኽንጸንሕ ኣሎና። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ብድሆታት ኣባና ብዙሕ ጽልዋ ኣየሕድርን፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እውን ኣየበላሽዎን። (መዝ. 17:5) እምበኣር፡ ኬጋጥመና ዚኽእል ሰለስተ ብድሆታትን ንሰለስቲኡ ብኸመይ ክንዳሎ ኸም እንኽእልን ንርአ።a
ሓደ ክርስትያን ምስ ዜጕህየካ
3. ኣብ ጉባኤ እንታይ ብድሆ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
3 ናብ ኣኼባ ንፈለማ ግዜ ምስ ከድካ እሞ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ፍቕሪ ምስ ረኣኻ እንታይ ከም እተሰምዓካዶ ትዝክሮ፧ እዚ መሸም ሓቂ ኸም ዝረኸብካ ኣእሚኑካ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃ. 13:35፣ ቈሎ. 3:12) ብላንካb ኸምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። ድሕሪ ጥምቀታ ግና ዘይተጸበየቶ ነገር እዩ ኣጓኒፍዋ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ትብል፦ “ሓንቲ ሓብቲ ሕማቕ ነገር ገይራትኒ። ብዛዕባ ሰብ ሕማቕ ወረ ኸም እተውሪ እውን ኣስተብሂለላ። ከምዚ ኣይተጸበኹን ነይረ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰላማውያንን ፈቃራትን ንምዃን ከም ዚጽዕሩ እየ ተማሂረ።” ልክዕ እዩ፡ ህዝቢ የሆዋ ክርስትያናዊ ባህርያት ንምምዕባል ይጽዕሩ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ፍጹማት ኣይኰኑን። (ኤፌ. 4:23, 24፣ 1 ዮሃ. 1:8) ስለዚ፡ ገሊኣቶም ዜጕህየካ ነገር ምዝራቦም ወይ ምግባሮም ዘይተርፍ ነገር እዩ። (ያእ. 3:8) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ እዚ ብድሆታት እዚ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ሓዲጎምዎ እዮም።
4. ሓደ ክርስትያን ኬጕህየና ኸሎ ኽንገብሮ ብዛዕባ ዚግባእ ነገር፡ ካብ ሕጂ ድሉዋት ክንከውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ኤፌሶን 4:32)
4 እሞ ደኣ ሓደ ክርስትያን ኬጕህየካ ኸሎ ኽትገብሮ ብዛዕባ ዚግባእ ነገር፡ ካብ ሕጂ ድሉው ክትከውን ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:32 ዚርከብ ምኽሪ ምትግባር ካብ ሕጂ ልመድ። (ኣንብብ።) ብለውሃትን ብርሕራሐን ንምምልላስ ዚከኣለካ እንተ ጽዒርካ፡ ምስ ካልኦት ብዘየድሊ ኣይክትጋጮን ኢኻ። ሰባት ኪጋገዩ ኸለዉ፡ ብናጻ ይቕረ ንምባል ሸቶ ግበር። እሞ ደኣ ኸምኡ ንምግባር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ንየሆዋ ኽንደይ ሳዕ ይቕረ ኺብለልካ ኸም እትሓትቶ፡ ንሱ እውን ብናጻ ይቕረ ኸም ዚብለልካ ሕሰብ። (ማቴ. 6:12) የሆዋ ብዙሕ ሳዕ ይቕረ ኸም ዝበለልካ ብሞሳ ተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ንሰብ ይቕረ ንምባል ኪቐልለካ እዩ።
5. ሓደ ሰብ ኬጕህየና ኸሎ እንታይ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧ (ምሳሌ 19:11) (ስእልታት እውን ርአ።)
5 ምሳሌ 19:11 ኣንብብ። ልቦናc እንተ ኣልዩና፡ ክንብደል ከለና ብቐሊሉ ኸም ዘይንቝጣዕ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ካብ እትጥመቕ ነዊሕ ንዘይገበረት ሪማ ጠቒምዋ እዩ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣሕዋትን ኣሓትን ዚገብርዎ ነገር ምስ ዚጐድኣኒ ወይ ምስ ዜጕህየኒ፡ ፈለማ ምሳሌ 19:11 እየ ዝዝክር። ብዛዕባ ዅነታቶምን ድሕረ ባይታኦምን እዝክር፣ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበሩ እውን እሓስብ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ድማ ምሳታቶም ከገልግል እፍትን። ከምኡ ምግባር ከኣ፡ ብዝሓሸ ኽፈልጦም ሓጊዙኒ እዩ።” እዚ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ። ገና ብኣጋኡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ክትፈልጦም ትኽእል ኢኻ። ብዝያዳ ብዝፈለጥካዮም መጠን ከኣ፡ ዜጕህየካ ነገር ኪገብሩ ኸለዉ ይቕረ ንምባል ዝቐለለ እዩ ዝዀነልካ።
ምስ ሓደ ክርስትያን ዘይምርድዳእ እንተ ተፈጢሩ፡ ምስኡ ናብ ኣገልግሎት ክትወፍር ፈትን (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)
6. ኣብ ጉባኤና ጽቡቕ ዕርክነት ንምምስራት እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
6 ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኽትምስርት፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን እናፈለጥካዮም ምስ ከድካ፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም ኣተኵር። (ምስ ምሳሌ 10:12 ኣረኣኢ፣ ሮሜ 12:10፣ ፊል. 2:2, 3) ከምኡ ምግባር፡ ማርክ ንዝስሙ ሓድሽ ጥሙቕ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንርአ። ኣብ ጉባኤኡ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝያዳ ግዜ እናኣሕለፈ ምስ ከደ፡ ዘይፍጽምናኦም እናተራእዮ ኸደ። እሞ ደኣ በቲ ዚርኣዮ ዝነበረ ጕድለታቶም ከይዕንቀፍ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ከምዚ ብምባል ይምልስ፦ “ኣብ ንኣሽቱ ጕድለታቶም አተኵር ምንባረይ፡ እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኽፉእ ተግባራት ኪወዳደር ከሎ ንእሽቶ ምዃኑ ተገንዚበ። ኣብ ዘይፍጽምና ክርስትያናት ብጾተይ ከተኵር ከም ዘይብለይ ንጹር ኰይኑለይ። ስለዚ፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም ከተኵር ጀሚረ።” ንስኻ እውን ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ጉባኤኻ ጽቡቕ ዕርክነት ክትምስርት ኢኻ።
ሓዲግካዮ ንዝመጻእካ ነገር ምስ እትናፍቕ
7. ሓዲግናዮ ንዝመጻእና ነገር ከም እንናፍቕ ኪገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
7 ሓቂ ምስ ፈለጥካ፡ ካብታ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ብምውጻእካ እፎይታ ተሰሚዑካ ኪኸውን ኣለዎ። ‘ነዚ እሞ መን ኪናፍቖ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ከቢድ ፈተናታት ምስ ኣሕለፍካ፡ ገለ ኻብቲ ንየሆዋ ምግልጋል ክትጅምር ከለኻ ዝሓደግካዮ ነገራት ቅጅል ኪብለካ፡ ወይ እውን ክትናፍቕ ትኽእል ኢኻ። (ምስ ዘሁልቍ 11:4-6 ኣረኣኢ።) ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣሕዋት ኣኽቢርካ ዚርአ ስራሕ እኳ እንተ ነበሮም፡ ንግዜኦም ዚበልዕ ብምዃኑ ግና ሓዲጎምዎ እዮም። ገሊኦም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ምስ ጀመሩ፡ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኾም ተረሓሒቖም እዮም። ገሊኦም ድማ ዘይንጹህ ክነሱ ባህታ የምጽኣሎም ንዝነበረ ወልፊ ኣሰኒፎም እዮም። ሓደ ክርስትያን ናብቲ ሓዲግዎ ዝመጸ ነገር ብምምላስ ካብ የሆዋ ምስ ዚርሕቕ መሸም ኣመና ዜጕሂ ምዀነ! እሞ ደኣ ዝመጸ እንተ መጸ፡ ናብቲ ሓዲግካዮ ዝመጻእካ ነገር ምእንቲ ኸይትምለስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
8. ካብ ኣብርሃምን ሳራን እንታይ ንምሃር፧
8 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዝሓደግዎ ነገራት ኪናፍቑ ዚኽእሉ ዝነበሩ እሙናት ኣምለኽቲ ተጠቒሶም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብርሃምን ሳራን ካብ የሆዋ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም፡ ካብታ ዕርድቲ ኸተማ ዝነበረት ኡር ብምውጻእ ኣብ ድንኳናት ሰፈሩ። (እብ. 11:8, 9) ሓሓሊፎም፡ ነቲ ኣብ ኡር ዝነበሮም ምሾት ይዝክሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብቐጻሊ ነዚ “ይዝክሩ ነይሮም እንተ ዚዀኑ” ወይ ንሕሉፍ ይናፍቑ ነይሮም እንተ ዚዀኑ ግና፡ ናብኡ ኺምለሱ ምተፈተኑ። የግዳስ፡ ኣብ መጻኢ ኣተኰሩ።—እብ. 11:15, 16።
9. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዝሓደጎ ነገራት ብኸመይ እዩ ዚርእዮ ነይሩ፧ (ፊልጲ 3:7, 8, 13)
9 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንየሆዋ ኼገልግል ኢሉ ህይወቱ ለዊጡ እዩ። ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽቢርካ ዚርአ መምህር ሕጊ ዝዀነ ገማልኤል እዩ ተማሂሩ። (ግብ. 22:3) ኣብ ኣይሁድነት ከኣ ኣብ ልዑል ቦታ ምበጽሐ ነይሩ። (ገላ. 1:13, 14) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተቐበለ ግና፡ ንዅሉ ሓደጎ። እሞ ደኣ ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ ህይወቱ ቐሊል ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። እኳ ደኣስ ተወቒዑን ተኣሲሩን ተጸሊኡን እዩ። (2 ቈረ. 11:23-26) ኣብቲ ፈተናታቱ እቲ ጥራይ እንተ ዜተኵር ነይሩ፡ ንህሉው ህይወቱ እውን ምስቲ ሕሉፍ ህይወቱ እንተ ዜነጻጽር ነይሩ፡ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወት ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ምደምደመ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ጳውሎስ ኣብቲ ንክርስቶስ የሱስ ብምግልጋል ዝረኸቦ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ኣተኲሩ። እቲ በረኸቱ ኻብቲ መስዋእቱ ኣጸቢቑ ኸም ዚበልጽ ይኣምን ነይሩ እዩ።—ፊልጲ 3:7, 8, 13 ኣንብብ።
10. ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኣዘውቲርካ ኸተስተንትን ዘሎካ፧ (ማርቆስ 10:29, 30) (ስእልታት እውን ርአ።)
10 ካብዚ እንታይ ትምሃር፧ ብዛዕባ እቲ ክርስትያን ክትከውን ከለኻ ዝሓደግካዮ ነገር ክትሓስብ እንተ ጀሚርካ፡ ነቲ ነገር እቲ ስለምንታይ ከም ዝሓደግካዮ ዘክር። (መክ. 7:10) ነቲ ዝሓደግካዮ ነገራት ምስቲ ናብ ሓቂ ብምምጻእካ ዝረኸብካዮ በረኸት ኣወዳድሮ። ሕጂ ምስቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ናይ ቀረባ ዕርክነት መስሪትካ ኢኻ። (ምሳ. 3:32) ፈቃራት ብዝዀኑ መንፈሳውያን ስድራ ቤት እውን ኢኻ ተኸቢብካ ዘለኻ። (ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።) ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ዜደንቕ መጻኢ ይጽበየካ ኣሎ! (ኢሳ. 65:21-23) ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዚርከብ በረኸት ኣዘውቲርካ ተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ሓዲግካዮ ንዝመጻእካ ነገር ኣይክትናፍቕን ኢኻ።
ነቲ ሓዲግካዮ ዝመጻእካ ኣብ ክንዲ እትናፍቕ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ኽቡር ኣገልግሎት ተሓጐስ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)e
11. ካብ ተመክሮ ሮዝሜሪ እንታይ ትምሃር፧
11 ሮዝሜሪ ዝስማ ሓብቲ ኣብ 50ታት ዕድሚኣ ኸላ ተጠምቀት። ንሳ ነቲ ዝሓደገቶ ነገራት ምእንቲ ኸይትናፍቕ ዝገበረቶ ነገራት ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ብድሆ ኽትገልጽ ከላ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ፈለማ፡ ልደተ ክርስቶስ ምብዓል እናፍቕ ነይረ፣ ስለምንታይሲ፡ ወትሩ ብስድራ ቤት ጽቡቕ ግዜ እነሕልፈሉ እዋን እዩ ነይሩ። ንቤተ ሰበይ ህያባት ምሃብ እፈቱ ነይረ እየ። ደቅና ኣብ ዙርያ ጽሕዲ ልደት ዓጒጎም ህያባቶም ኪኸፍቱ ኸለዉ ኣብ ገጾም ዚንበብ ዝነበረ ነገር የሐጕሰኒ ነይሩ እዩ።” እሞ ደኣ እንታይ ሓጊዝዋ፧ ነዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ንልደተ ክርስቶስ ብኻልእ ተኪአዮ። ኣብ ዓዓመት፡ ኣብ ካልእ መዓልቲ፡ ንቤተ ሰበይ ኣኪበ ህያባት እህቦም፡ ስለምንታይ ከም ዝፈትዎም እውን እነግሮም እየ።” ብዘይካዚ ግና፡ ካልእ ብድሆ እውን ኣጋጠማ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ሓቂ ምስ ፈለጥኩ፡ ናይ ቀደም መሓዙተይ ሓዲገናኒ። ሓድሓደ ግዜ፡ እናፍቐን እየ፡ ጽምዋ እውን ይስምዓኒ እዩ።”d እሞ ደኣ እንታይ ሓጊዝዋ፧ ምስ እተፈላለያ ኣሓት ናብ ስብከት ንምውጻእ መደባት ገበረት። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ድማ፡ “ከምኡ ብምግባረይ፡ ዝፈትወንን ዘኽብረንን ሓደስቲ መሓዙት ኣጥርየ እየ” ትብል። እሞ ደኣ ኻብኣ እንታይ ትምሃር፧ ናብ ሓቂ ቕድሚ ምምጻእካ ዜሐጕሰካ ዝነበረ ነገር ትናፍቕ ትኸውን። ነዚ ግና ብጥዑይ ነገራት ክትትክኦ ትኽእል ኢኻ። (ፊል. 4:8, 9) ሓደ ነገር ድማ ኣይትረስዕ፦ የሆዋ ወትሩ ሓለፋ እቲ ዝሓደግካዮ ነገራት ይህበካ እዩ።
ካልኦት ንየሆዋ ምስ ዚሓድግዎ
12. ብዝያዳ ኪኸብደና ዚኽእል እንታይ ብድሆ እዩ ኣብ ጉባኤ ኺፍጠር ዚኽእል፧
12 ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰንካ፡ ነታ ብልሽውቲ ዓለም ሓዲግካ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ራህዋ ናብ ዘለዎ ቦታ ብምምጻእካ እፎይታ ተሰሚዑካ ኪኸውን ኣለዎ። (ኢሳ. 65:14) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣብ ጉባኤ ኸቢድ ሓጢኣት ከም እተገብረ ትሰምዕ ትኸውን። ምናልባት ገሊኦም እውን ካብ ጉባኤ ይውገዱ ይዀኑ። (1 ቈረ. 5:13) ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሳማር ንዝስማ ሓብቲ ብኸመይ ከም ዝጸለዋ እስከ ንርአ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ካብ ዝጥመቕ ነዊሕ ከይገበርኩ፡ ሓደ ሽማግለ ኸቢድ ሓጢኣት ገይሩ፡ ካብ ጉባኤ እውን ተወጊዱ። ሽማግለ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ጉባኤን ይሓጥእ እዩ ኢለ ስለ ዘይተጸበኹ፡ ዳርጋ ተዓንቂፈ ነይረ።” ልክዕ እዩ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ናብኡ ኸም ዚለግቡን ወትሩ ኽንኣምን ኣሎና። (1 ቈረ. 13:4, 7) እንተዀነ ግና፡ ክውንነት ክንክሕድ የብልናን። ኣብ ዓዓመት፡ ገሊኦም ሰባት ካብ ጉባኤ ይውገዱ እዮም። እቲ ሕማቕ መገዲ ዝሓረየ ሰብ እትቐርቦ ወይ ኣኽቢርካ እትርእዮ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ብዝያዳ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ።
13. ቀረባና ዝዀነ ሰብ ንየሆዋ ኣብ ዚሓድገሉ እዋን ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ሕጂ ገዛእ ርእስና ኸነደልድል እንኽእል፧
13 ቀረባኻ ዝዀነ ሰብ ንየሆዋ ኣብ ዚሓድገሉ እዋን ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ ሕጂ ኽትዳሎ እትኽእል፧ ምስ የሆዋ ዘሎካ ብሕታዊ ርክብ ኣደልድል። (ያእ. 4:8) ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኣብቲ ኻልእ ሰብ ዘለዎ ተኣማንነት እምብዛ ኺምርኰስ የብሉን። ንኣብነት፡ ብዙሕ ሳዕ ብስድራ ቤትን ብጉባኤን ኣምልኾ ነቕርብ እኳ እንተ ዀንና፡ ናይ ብሕትና ልማድ ጸሎትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ግና ኪህልወና ኣለዎ።—መዝ. 1:2፣ 62:8።
14. ካብ ሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ንምሃር፧ (ዮሃንስ 6:66-68)
14 ካብቲ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሱ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝገበሮ ነገር እውን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጴጥሮስ ተደናጊሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ዮሃንስ 6:66-68 ተመዝጊቡ ዚርከብ ምላሹ ግና ዜደንቕ እዩ። (ኣንብብ።) ኣብ ናይ ካልኦት ተግባራት ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ኣብቲ ኻብ የሱስ ዝረኸቦ ቓል ሓቂ እዩ ኣተኲሩ። ስለዚ ድማ፡ ኣይተዓንቀፈን። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ካልኦት ዚገብርዎ ተግባራት ነቲ ብሓገዝ ውድብ ኣምላኽ ዝረኸብካዮ ኽቡር ሓቂ ኣይቅይሮን እዩ። እምበኣር፡ ናብ ሓቂ ልገብ! እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሳማር፡ “ሓደ ሰብ ዚገብሮ ግጉይ ተግባራት ንብዘላ ጉባኤ ዀነ ውድብ ከም ዘይውክል ወትሩ እዝክር እየ፣ ንባህርያት የሆዋ እውን ዚውክል ኣይኰነን” ትብል።
15. ካብ ተመክሮ ኤሚሊ እንታይ ትምሃር፧
15 ንኤሚሊ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ካብቲ እተጠምቀትሉ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ኣዲኣ ንስድራ ቤታ ራሕሪሓቶም ከደት፡ ካብ ጉባኤ እውን ተወገደት። ኤሚሊ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ከምዚ ኼጋጥም እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ልዕሊ ዅሉ ዝኸበደኒ ነገር እዚ እዩ ነይሩ፣ ንማማ እውን ኣዝየ እየ ዝናፍቓ።” እሞ ደኣ ንኤሚሊ እንታይ ሓጊዝዋ፧ ከምዚ ብምባል ትምልስ፦ “በይነይ ኣይኰንኩን። ካብ ባባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ስድራ ቤተይ ካብ ዝዀኑለይ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኻልኦት ሰባት እውን ደገፍ ረኺበ እየ። ኵሉ ሰብ ፈተና የሕልፍ እዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ ኢና ንሓድሕድና ኽንቀራረብን ክንተባባዕን ዘሎና።” (1 ጴጥ. 5:9) እወ፡ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘሎካ ቕርርብ ንምድልዳል፡ ጸገም ክሳዕ ዜጋጥመካ ኽትጽበ የብልካን። ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ኸምኡ ግበር። በዚ ኸምዚ፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ በይንኻ እተሓደግካ ዀይኑ ኣይኪስምዓካን እዩ።
16. እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
16 የሆዋ ንዜፍቅሮ ኸም ዚግስጽ እውን ኣይትረስዕ። (እብ. 12:6) ካብ ጉባኤ እተወገዱ ዘበሉ ዅሎም ኪምለሱ ይደሊ እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ስለዚ፡ ቀረባኻ ዝዀነ ሰብ ካብ ጉባኤ እንተ ተወጊዱ፡ ሽማግለታት ንዕኡ ናብ ጉባኤ ንምምላስ ዚከኣሎም ኵሉ ኸም ዚገብሩ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—2 ጢሞ. 2:24, 25።
ቀረባኻ ዝዀነ ሰብ ካብ ጉባኤ እንተ ተወጊዱ፡ ሽማግለታት ንዕኡ ናብ የሆዋ ኺመልስዎ ኸም ዚደልዩ ዘክር (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)f
17. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
17 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ሒደት ካብቲ ድሕሪ ጥምቀት ኬጋጥመካ ዚኽእል ብድሆታት ኢና ተመያይጥና። ልክዕ እዩ፡ ገሊኡ ኣመና ኸቢድ መሲሉ ይርኣየካ ይኸውን፣ ክትፈርህ ግና የብልካን። ድሉው ንምዃን ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ። ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሓጋዚ ኸም ዘሎካ እውን ኣይትረስዕ። እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ሓጋዚኻ። ንሱ ኽሳዕ ሕጂ ሓጊዙካ እዩ፣ ንዘለኣለም እውን ኪሕግዘካ ይደሊ እዩ! (1 ጴጥ. 5:10) ዝዀነ ዓይነት ፈተና ንምስጋር ዜኽእል ብርታዐን ተጻዋርነትን ወትሩ ይህበካ እዩ። ሓገዝ የሆዋ ኽሳዕ ዝረኸብካ ኸኣ፡ ካብኡ ኺፈልየካ ዚኽእል ዋላ ሓደ ብድሆ የልቦን!—መዝ. 119:165፣ ሮሜ 8:38, 39።
መዝሙር 154 ዘይተቋርጽ ፍቕሪ
a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብቶም ሓደስቲ ጥሙቓት ዘተኰረት እኳ እንተ ዀነት፡ ኵላትና ኻብዚ ሓበሬታ እዚ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።
b ስማት ተቐዪሩ እዩ።
c ልቦና ኺብሃል ከሎ፡ ስግር እቲ ግሁድ ዝዀነ ነገር ናይ ምርኣይ ክእለት የጠቓልል። እዚ ባህርይ እዚ ኸኣ፡ ንዘረባ ወይ ንተግባር ሓደ ሰብ ምኽንያት ዝዀኖ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይሕግዝና።
d እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ክርስትያናት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵላትና ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ንሓደስቲ ጥሙቓትን ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ክንገብር ኣሎና። ኣብታ ኣብ ናይ መጋቢት 2021 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣብ ጉባኤ ዘለኹም ኵላትኩም፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ ሓግዝዎም” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ሕጡብ ጽሑፍ 15ን 16ን ርአ።
e መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣገልግሎት ከላ፡ ኣባላት ሓንቲ ጋንታ ኺጻወታ ምስ ረኣየት፡ ንሳ እትጻወተሉ ዝነበረት እዋን ትዝክር። ድሕርዚ፡ እታ ሓብቲ እቲኣ ንሓንቲ ስፖርተኛ ትምስክረላ፣ ምናልባት እውን እታ ስፖርተኛ ምስኣ ኣብ ሓደ ጋንታ ዝነበረት ትኸውን።
f መግለጺ ስእሊ፦ ክልተ ሽማግለታት ንሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ይበጽሕዎ፡ ናብ የሆዋ ኺምለስ እውን የተባብዕዎ።