“ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም”
“ርስቲ” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ፡ እንታይ እዩ ናብ ኣእምሮኻ ዚመጸካ፧ ካብ እትፈትዎ ኣባል ቤተ ሰብካ ንእትወርሶ መሬት ወይ ጥሪት ትሓስብ ትኸውን። እቲ እትርስተዮ ሃብቲ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣዝዩ ኽቡር ነገር እዩ፣ ንስኻ እውን ብጽቡቕ ክትሕዞ ኸም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳት፡ “ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ” ኢሉ ይጽውዖም እዩ። (መዝ. 127:3) ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ካብ ሰማያዊ ኣቦኦም እተዋህቡ ኽቡር ውህበት ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። ስለዚ፡ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ሓለዋ ዀነ ኽንክን ንምግባር ዚከኣሎም ዘበለ ዅሉ ኺገብሩ ይደልዩ እዮም።
እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሎሚ ገሊኦም ወለዲ ንደቆም፡ ካብ ኣምላኽ ከም እተዋህቡ ዓስቢ ገይሮም ኣይኰኑን ዚርእይዎም። (ኢሳ. 49:15፣ 2 ጢሞ. 3:1-3) ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ ውሉዳቶም ብሓቂ እናሓለዩ ኽነሶም፡ ብሰንኪ እተፈላለየ ጸገማት ምክንኻኖም ቃልሲ ይዀኖም እዩ። እሞ ደኣ ገለ ኻብቲ ወለዲ ንውሉዳቶም ከም ዘይከናኸኑ ዚገብሮም ጸገማት እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንወለዲ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚጽበዮም፧ ክርስትያን ወለዲኸ ኣብ ኣተዓባብያ ደቆም ዕዉታት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ጸገማት
ጸቕጢ ማሕበረ ሰብን ቤተ ሰብን። ኣብ ገሊኡ ዓድታት፡ ብዙሓት ውሉዳት ዝወለዱ ወለዲ ኻብ ማሕበረ ሰቦም ዝያዳ ኣኽብሮት ይረኽቡ እዮም። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ብዙሓት ውሉዳት ኪወልዱ፡ ምናልባት እውን ልዕሊ ዓቕሞም ኪወልዱ፡ ካብ ቤተ ሰቦም ወይ ካብ ጐረባብቶም ጸቕጢ ይግበረሎም እዩ።
ብዛዕባ መጻኢ ዘሎ ስግኣት። ብሰንኪ ጕድለት ምግብን ብሰንኪ ሕማምን ብሰንኪ ሕጽረት ኣገልግሎት ጥዕናን መጠን ሞት ሕጻናት ልዑል ኣብ ዝዀነሉ ዓድታት፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር እንተ ወሓደ ገሊኦም ውሉዳቶም ምእንቲ ኺዓብዩሎም ኢሎም ብዙሓት ቈልዑ ይወልዱ እዮም። ገሊኦም ሰብ ሓዳር ከኣ ብዕድመ ምስ ደፍኡ ዚጥውሮም ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ብዙሓት ውሉዳት ይወልዱ እዮም። ምናዳ ንኣረጋውያን ዚግበር መንግስታዊ ደገፍ ኣብ ዘይብለን ሃገራት ከምኡ ይግበር እዩ።
ውጥን ስድራ ቤት። ኣብ ገሊኡ ዓድታት፡ መከላኸሊ ጥንሲ ብቐሊሉ ኣይርከብን እዩ። ገሊኦም ከኣ ብቕዓቱ ዘይሓለወ መከላኸሊ ጥንሲ ኼስዕቦ ብዚኽእል ጐድናዊ ሳዕቤናት ይሰግኡ እዮም። ገሊኦም ድማ ዋጋኡ ይኸብሮም እዩ።a
የሆዋ ንወለዲ እንታይ ኪገብሩ ይጽበዮም፧
ምስ ነፍሲ ወከፍ ውሉድካ ግዜ ኣሕልፍ
ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ኣማልኣሎም። የሆዋ ንወለዲ፡ ንደቆም ዜድልዮም ዘበለ ስጋዊ ነገራት ኬማልኡሎም ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። ንውሉዶም ዜድልዮ ዘበለ ምግብን ክዳንን መጽለልን ንምምላእ ብትግሃት ኪዓይዩ ይጽበዮም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንደቆም ኪምህርዎም ይጽበዮም እዩ። ስለዚ፡ ክርስትያን ወለዲ ኻብ ሓላፍነቶም ምእንቲ ኺገላገሉ ኢሎም ንውሉዳቶም ናብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣየእትዉን እዮም። የግዳስ፡ ግቡእ ትምህርትን ብሕታዊ ቘላሕታን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ክሳዕ ዚዓብዩ ምሳታቶም የንብርዎም እዮም። በዚ ኸምዚ እውን፡ ዕቝባን ውሕስነትን ፍቕርን ይረኽቡ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ሚዛናዊ እዩ፣ ንወለዲ፡ ሃብታማት ኪዀኑ ኣይጽበዮምን እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እቶም ነቲ ፍቑር ወዱ ኼዕብይዎ ዝሓረዮም ወለዲ ትጉሃት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብስጋዊ መዳይ ግና ድኻታት እዮም ነይሮም።—ማቴ. 13:55, 56፣ ሉቃ. 2:24።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ኸኣ ንቤተ ሰቡ ዘይናቢ እንተ ዀይኑ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብቲ ዘይኣምን እውን ዝገደደ እዩ።”—1 ጢሞ. 5:8።
ወለዲ ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ ደገፍ ከም ዜድልዮም የሆዋ ይርድኦ እዩ። ሓደ ኻብቲ ውሉዳት ንወለዶም ዜኽብሩሉ መገዲ እኳ፡ ብግዜ እርጋኖም ምክንኻን እዩ። (ዘጸ. 20:12፣ 1 ጢሞ. 5:4) ይኹን እምበር፡ ወለዲ ኻብ ውሉዳቶም ብኸመይ ደገፍ ከም ዚረኽቡ ኺሓስቡ ኸለዉ ዘይኰነስ፡ ብቐዳምነት ንሳቶም ንውሉዳቶም ብኸመይ ከም ዚከናኸንዎም ኪሓስቡ ኸለዉ እዩ የሆዋ ባህ ዚብሎ።—2 ቈረ. 12:14።
ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ኣማልኣሎም። ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎን ኬምልኽዎን ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ኣለዎም። የሆዋ ነዚ ብወለዲ ዚውሃብ ስልጠና፡ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣተዓባብያ ቘልዑ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—ዘዳ. 6:6, 7።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ . . . ኣዕብይዎም።”—ኤፌ. 6:4።
የሆዋ ኽትዕወት ይደልየካ
ክንደይ ውሉዳት ክትወልዱ ኸም እትደልዩ ኣቐዲምኩም ተመያየጡ
ኣቐዲምካ መድብ። ውሉዳት ኪህልዉኻ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንዅነታትካ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ውሉዳት እንተ ወሊድካ፡ ምግቦምን ክዳኖምን ትምህርቶምን ክትክእሎም ዲኻ፧ ዘይትኽእሎም እንተ ዄንካ፡ ከምቲ የሆዋ ዚጽበዮ ደረጃ ጌርካ ኽንደይ ቈልዑ ኸተዕቢ ኸም እትኽእል ምስ መጻምድትኻ ተመያየጠሉ። ኵሉ እተገብረ ውጥን ይሰልጥ ማለት ከም ዘይኰነ፡ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። (መክ. 9:11) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዕዉታት ወለዲ ንምዃን እትገብርዎ ልባዊ ጻዕሪ ይባርኾ እዩ።
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣ ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።”—ምሳ. 21:5።
“መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧”—ሉቃ. 14:28።
ኣብ ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ኣቐድም። ኣብ ስድራ ቤትካ ንኣምልኾ የሆዋ ቐዳምነት ሃቦ። ውሉዳት ዘለዉኻ እንተ ዄንካ፡ ንነፍሲ ወከፎም ፍቕሪ የሆዋ ኸም ዜሕድሩ ንምግባር ምሃሮም። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብኣቓልቦ ኺሰምዑን ኪምሃሩን ሓግዞም። ሰሙናዊ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከም ዚሕሎ ግበር። ንደቅኻ ኣብ ኣገልግሎት ኣሰልጥኖም። ነቲ ኸም ወላዲ መጠን ዘሎካ ሓላፍነታት ናብ ዓበይቲ ደቅኻ ወይ ናብ ካልእ ኣባል ቤተ ሰብካ ኣይተመሓላልፎ። ውሉዳት ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሩ ጌርካ ምዕባይ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግና ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን።”—3 ዮሃ. 4።b
ብየሆዋ ተኣመን። ስድራ ኽትገብር እትሓስብ ዘለኻ ኹን ወይ ድሮ ዝሰደርካ፡ መለክዒታት የሆዋ ኻብ ናይ ዓድኻ ልምዲ ወይ ባህሊ ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ እመን።
ንውሉዳት ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ምምላእ፡ ግዜን ጻዕርን ይሓትት
ብዝሒ እቶም እትወልዶም ውሉዳት ክትድርት እንተ ወሲንካ፡ የሆዋ ብግዜ እርጋንካ ኸም ዚከናኸነካ እመን። ጠዋሪ ኸይስእን ኢልካ ውሉዳት ኣይትውለድ። ከይትድርበ ኣይትፍራህ። የሆዋ ኸም ዚከናኸነካ ቓል ኣትዩ ኣሎ፣ ንሱ እውን ወትሩ ቓሉ ይፍጽም እዩ።—እያ. 23:14።
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።”—ምሳ. 3:5, 6።
“ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን።”—መዝ. 37:25።
“ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።”—ማቴ. 6:33።
ውሉዳት ካብ የሆዋ ንወለዲ ብሕድሪ እተዋህቡ ኽቡር ውህበት እዮም። ስለዚ፡ ወለዲ ነዚ ሕድሪ እዚ ኣኽቢሮም ኪመላለሱ ኸለዉ፡ የሆዋ ኣዝዩ ይሕጐስ እዩ። እምበኣር፡ ብፍቕሪ ተደሪኾም ንደቆም ብስጋውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድልዮም ዘበለ የማልኡሎም እዮም። ክርስትያን ሰብ ሓዳር ክንደይ ውሉዳት ከም ዚወልዱ ይውጥኑ፡ ካብ ባህልን ልምድን ዓዶም ንላዕሊ ኸኣ ንስርዓታት ኣምላኽ የቐድሙ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ወለዲ ንደቆም ከም ክቡር ውህበት ገይሮም ከም ዚቘጽርዎም የርእዩ፣ እወ፡ “ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም።”
a ሰብኣይን ሰበይትን እዮም ክንደይ ውሉዳት ከም ዚወልዱ፡ መዓስ ከም ዚወልዱ፡ ምንጻል ጥንሲ ዘየስዕብ መከላኸሊ ጥንሲ ንምጥቃም ወይ ንዘይምጥቃም ኪውስኑ ዘለዎም። በዚ ብሕታዊ ውሳነኦም እዚ፡ ዋላ ሓደ ኺፈርዶም የብሉን። (ሮሜ 14:4, 10-13) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ምርዑዋት ክርስትያናት ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:3-5 ዚርከብ ምኽሪ ኺዝክሩ ኣለዎም።
b ዮሃንስ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ “ደቀይ” ኪብል ከሎ ብዛዕባ እቶም ንሱ ዝመሃሮም ደቀ መዛሙርቲ ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ፡ ወላዲ እውን ብዛዕባ ውሉዳቱ ተመሳሳሊ ስምዒት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።