ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሚያዝያ ገጽ 14-19
  • ንሓድሕድና ምቅርራብ ይሕሸና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓድሕድና ምቅርራብ ይሕሸና
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ ኢና ንሓድሕድና ብዝያዳ ኽንቃራረብ ዘሎና፧
  • ንሓድሕድና ንከባበር
  • ‘ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ኣይሃሉ’
  • “ብግብርን ብሓቅን” ንፋቐር
  • የሆዋ የፍቅረካ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ‘ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸና!’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሚያዝያ ገጽ 14-19

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 16

መዝሙር 87 ኣብ ኣኼባና ንተሓደስ

ንሓድሕድና ምቅርራብ ይሕሸና

“እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!”—መዝ. 133:1።

ኣትኵሮ

ንሓድሕድና ብኸመይ ከም እንቃራረብን ካብቲ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ዕርክነት እንታይ በረኸት ከም እንረክብን።

1-2. የሆዋ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚግደስ፧ ንዓናኸ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሰባት እንሕዘሉ መገዲ ኣዝዩ ይግደስ እዩ። የሱስ ንብጻይና ኸም ነፍስና ኸነፍቅሮ ኸም ዚግባእ ምሂሩ ኣሎ። (ማቴ. 22:37-39) እዚ ድማ ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት እውን ሰናይ ምግባር የጠቓልል። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኢና እንመስሎ፣ “ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ።”—ማቴ. 5:45።

2 የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዜፍቅሮም እኳ እንተ ዀነ፡ ብሕልፊ ነቶም ቅኑዕ ዚገብሩ ዘበሉ ግና ይፈትዎም እዩ። (ዮሃ. 14:21) ንዓና እውን ንዕኡ ኽንመስሎ እዩ ዚደልየና። ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዘሎና ርክብ፡ “ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም፡” ከምኡ እውን “ካብ ልቢ ተፋቐሩ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (1 ጴጥ. 4:8፣ ሮሜ 12:10) እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ፡ ከምቲ ንእንፈትዎ ቤተ ሰብና ወይ ንናይ ቀረባ ዓርክና ዘሎና ዓይነት ስምዒት እያ።

3. ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

3 ፍቕሪ ኸም ተኽሊ ስለ ዝዀነት፡ ምእንቲ ኽትዓቢ፡ ክንክን ኪግበረላ ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ” ኢሉ መኺርዎም ኣሎ። (እብ. 13:1) የሆዋ ነታ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ ብቐጻሊ ኽንኵስኵሳ ይደልየና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ስለምንታይ ብዝያዳ ኽንቃራረብ ከም ዘሎና፡ ነዚ ድማ ከመይ ጌርና ብቐጻሊ ኸም እንገብሮ ኽንመያየጥ ኢና።

ስለምንታይ ኢና ንሓድሕድና ብዝያዳ ኽንቃራረብ ዘሎና፧

4. ከምቲ ኣብ መዝሙር 133:1 ተገሊጹ ዘሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ኣብ መንጎ ሕውነትና ዘሎ ሓድነት ወትሩ ኣኽቢርና ኽንርእዮ እንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

4 መዝሙር 133:1 ኣንብብ። እዚ ዘማሪ እዚ፡ ንየሆዋ ምስ ዜፍቅሩ ሰባት ናይ ሓቂ ዕርክነት ምምስራት፡ “ሰናይን ባህ ዜብልን” ምዃኑ ጽሒፉ ኣሎ። ምስዚ ቓላቱ እዚ መሸም ንሰማማዕ ኢና። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ሓደ ሰብ ንሓንቲ ውቅብቲ ኦም መዓልቲ መዓልቲ ዚርእያ እንተ ዀይኑ ምህላዋ እኳ ዚርስዓ፡ ንሕና እውን ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ሓድነት ዘሎ ጽባቐ ኣቕሊልና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ሳዕ ኢና እንራኸብ፣ ምናልባት እውን ኣብ ሰሙን ብተደጋጋሚ ንራኸብ ንኸውን። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ወትሩ ኣኽቢርና ኽንርእዮም እንኽእል፧ ነፍሲ ወከፎም ንጉባኤና ዀነ ንዓና ኽሳዕ ክንደይ ዋጋ ኸም ዘለዎም ግዜ ወሲድና እንተ ሓሲብና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ኽትዓቢ ትኽእል እያ።

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ውቅብቲ ኦም ብኣድንቖት ትጥምታ። 2. ኣብ ካልእ ግዜ፡ ኣብ ኣኼባ ዞባ ንሓንቲ ሓብቲ ትሓቝፋ። ኣብቲ ኣኼባ ዘለዉ ኻልኦት ተኣከብቲ ብታሕጓስ የዕልሉ።

ነቲ ክርስትያናዊ ሓድነትና ዘለዎ ጽባቐ ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. ኣብ መንጎ ሕውነትና ዘላ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት እንታይ ጽልዋ ኸተሕድር ትኽእል፧

5 ገሊኦም ንፈለማ ግዜ ናብ ኣኼባና ዝመጹ ሰባት፡ በታ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዚርእይዋ ፍቕሪ ይግረሙ እዮም። በዚ ጥራይ ድማ፡ ሓቂ ኸም ዝረኸቡ ኺድምድሙ ይኽእሉ እዮም። የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 13:35) ንኣብነት፡ ቻይትራ ዝስማ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተጽንዕ ጀመረት። ኣብ ኣኼባ ዞባ ኽትእከብ ዝቐረበላ ዕድመ እውን ተቐበለት። ብኣካል ኣብቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ኣኼባ ምስ ተኣከበት፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ሓብቲ ኸምዚ በለታ፦ “ወለደይ ሓቚፎምኒ ኣይፈልጡን እዮም። ኣብዚ ኣኼባኹም ግና፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ 52 ሰባት እዮም ሓቚፎምኒ! በዞም መንፈሳውያን ስድራ ቤት ኣቢለ፡ ፍቕሪ የሆዋ ኽረክብ ክኢለ እየ። ኣባል እዚ ስድራ ቤት እዚ ክኸውን እደሊ እየ።” ቻይትራ ቐጻሊ ዕቤት ብምግባር ብ2024 ተጠምቀት። እወ፡ ሓደስቲ ንሰናይ ግብርና ምስ ዚርእይዎ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ፍቕሪ ምስ ረኣይዎ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ይልዓዓሉ እዮም።—ማቴ. 5:16።

6. ምስ ኣሕዋትና ኣሓትናን ምቅርራብ ንዓና ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

6 ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንቃራረብ እንተ ዄንና፡ እዚ ዕቝባ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብሓጢኣት ተታሊሉ ኸይተርር፡ . . . መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። (እብ. 3:13) ኣመና ተስፋ እንተ ቘሪጽና እሞ፡ ኣእጋርና ኻብ መገዲ ጽድቂ ኼላግሳ እንተ ጀሚረን፡ የሆዋ ብሓደ ክርስትያን ብጻይና ኣቢሉ ዜድልየና ሓገዝ ኪህበና ይኽእል እዩ። (መዝ. 73:2, 17, 23) ከምዚ ዝኣመሰለ መተባብዒ ብሓቂ ይጠቕመና እዩ።

7. ኣብ መንጎ ፍቕርን ሓድነትን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧ (ቈሎሴ 3:13, 14)

7 ካብቶም ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ ጕጅለ ብምዃንና፡ ብዙሕ በረኸት ንረክብ ኢና። (1 ዮሃ. 4:11) ንኣብነት፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ‘ንሓድሕድና ንተዓጋገስ’ ኢና፣ እዚ እውን ንክርስትያናዊ ሓድነትና ኣበርክቶ ይገብር እዩ። (ቈሎሴ 3:13, 14 ኣንብብ፣ ኤፌ. 4:2-6) ስለዚ፡ ኣብ ኣኼባታትና፡ ኣብ ካልእ ዘይርከብ ባህ ዜብል ሃዋህው ኣሎ።

ንሓድሕድና ንከባበር

8. የሆዋ ኣብ ሓድነትና እንታይ እጃም እዩ ዘለዎ፧

8 ዓለምለኻዊ ሓድነትና ብሓቂ ተኣምር እዩ። ዘይፍጹማት ክነስና፡ ሳላ የሆዋ ግና እዚ ሓድነት እዚ ኺህልወና ኽኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 12:25) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም” ይብለና። (1 ተሰ. 4:9) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኣቢሉ፡ ንሓድሕድና ምእንቲ ኽንቃራረብ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ይነግረና እዩ። ስለዚ፡ ንትምህርትታቱ ተጠንቂቕና ብምምርማርን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ካብ ኣምላኽ ክንምሃር ንኽእል ኢና። (እብ. 4:12፣ ያእ. 1:25) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ፡ ብልክዕ ከምኡ ኺገብሩ እዮም ዚጽዕሩ።

9. ንሓድሕድና ብዛዕባ ምክብባር ካብ ሮሜ 12:9-13 እንታይ ንምሃር፧

9 እሞ ደኣ ንሓድሕድና ምእንቲ ኽንቃራረብ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚምህረና፧ ጳውሎስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ሮሜ 12:9-13 እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። (ኣንብብ።) ምናዳ ነተን “ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ” ዚብላ ቓላት ነስተብህለለን። እዘን ቃላት እዚአን እንታይ ትርጉም እየን ሒዘን ዘለዋ፧ ይቕረ ብምብህሃል፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ብምዃን፡ ለጋሳት ብምዃን፡ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት እውን ብምግባር፡ ብተበግሶና ‘ኻብ ልቢ ኽንፋቐር’ ኣሎና። (ኤፌ. 4:32) ሓውና ወይ ሓብትና ኽሳዕ ዚቐርበና ኽንጽበ የብልናን። የግዳስ፡ ናብ ኣሕዋትና ንምቕራብ “ቀዳሞት” ክንከውን ኣሎና። ስለዚ ድማ እዩ የሱስ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ዝበለ።—ግብ. 20:35።

10. ‘ንሓድሕድና ኣብ ምክብባር’ ብኸመይ ኢና ትጉሃት ክንከውን እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ጳውሎስ፡ ንሓድሕድና ንምክብባር ቀዳሞት ክንከውን ከም ዘሎና ድሕሪ ምምዓዱ፡ “ትግሁ፡ ኣይትተሃከዩ” ኢሉ እውን ተማሕጺኑና ኣሎ። ትጉህ ሰብ ብቕንኣት የገልግል፡ ብዙሕ እውን ይጽዕር እዩ። ሓደ ዕዮ እንተ ተዋሂብዎ፡ ነቲ ዕዮ ብትግሃት እዩ ዚፍጽሞ። ምሳሌ 3:27, 28፡ “ክትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ትብለና። እምበኣር፡ ሓገዝ ዜድልዮ ሰብ እንተ ርኢና፡ ንምሕጋዙ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ሎሚ ጽባሕ እናበልና ኣይንደናጐን ኢና፣ ነቲ ነገር ካልእ ሰብ ኪዓይዮ እዩ ኢልና እውን ዕሽሽ ኣይንብሎን ኢና።—1 ዮሃ. 3:17, 18።

ሓደ መንእሰይ ሓው ናብ እንዳ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ብምኻድ፡ ኣብ መሳልል ደዪቡ ነቲ ኣብ መጀርበብ ዘሎ ኣቝጽልቲ የጽሪ።

ሓገዝ ንዜድልዮም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብተበግሶና ንሓግዞም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)


11. እንታይ እዩ ንሓድሕድና ኽንቃራረብ ዚሕግዘና፧

11 ንሰባት ኣኽብሮት እነርእየሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ኪብድሉና ኸለዉ ቐልጢፍና ይቕረ ብምባል እዩ። ኤፌሶን 4:26፡ “ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ትብል። ስለምንታይ፧ ፍቕዲ 27፡ “ንድያብሎስ እውን ኣጋጣሚ ኣይትሃብዎ” ብምባል፡ ቍጥዓ እንታይ ኬስዕብ ከም ዚኽእል ትገልጸልና። የሆዋ ኣብ ቃሉ ብተደጋጋሚ ይቕረ ኽንባሃሃል ምዒዱና ኣሎ። ንኣብነት፡ ቈሎሴ 3:13፡ “ንሓድሕድኩም . . . ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ” ትብለና። ጌጋታትን በደላትን ሓድሕድና ንተሓዳደግ እንተ ዄንና፡ ብዝያዳ ንቃራረብ ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ድማ፡ ‘ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ንሕልዎ’ ኢና። (ኤፌ. 4:3) ብሓጺሩ፡ ይቕረታ ምስ ሓድነትናን ሰላምናን ብቐጥታ ይተኣሳሰር እዩ።

12. የሆዋ ይቕረ ኽንብል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

12 ልክዕ እዩ፡ ነቶም ዝበደሉና ይቕረ ምባል ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ግና ክንዕወት ንኽእል ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ፡” ከምኡ እውን “ትግሁ” ዚብል ምሕጽንታ ድሕሪ ምሃቡ፡ “ብመንፈስ ተቓጸሉ” ኢሉ እውን ምዒዱና ኣሎ። ሓደ ብመንፈስ ‘እተቓጸለ’ ሰብ፡ ብምኽንያት እቲ መንፈስ ቅዱስ ዜሕድረሉ ጽልዋ ብቕንኣትን ብውዕዉዕ መንፈስን እዩ ዚንቀሳቐስ። ስለዚ፡ መንፈስ ኣምላኽ ንሓድሕድና ኻብ ልቢ ኽንፋቐርን ንሓድሕድና ብናጻ ይቕረ ኽንባሃሃልን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘና ልባዊ ልማኖ ነቕርብ።—ሉቃ. 11:13።

‘ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ኣይሃሉ’

13. እንታይ እዩ ኣብ መንጎና ፍልልይ ኪፈጥር ዚኽእል፧

13 ኣብ ጉባኤ ኻብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጸ “ዅሉ ዓይነት ሰብ” እዩ ዘሎ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ከም ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን፡ ክንክን ጥዕና፡ ወይ መዘናግዒ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ምርጫ፡ ኣብ መንጎና ፍልልይ ኪፈጥር ይኽእል እዩ። (ሮሜ 14:4፣ 1 ቈረ. 1:10) ንሓድሕድና ኽንፋቐር ካብ ኣምላኽ ስለ እተምሃርና ኸኣ፡ ብሕታዊ ምርጫና ኻብ ናይ ካልኦት ከም ዚበልጽ ጌርና ጸቕጢ ንዘይምግባር ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ፊል. 2:3።

14. እንታይ ንምዃን ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

14 ወትሩ ንኻልኦት እንሃንጽን ምንጪ ዕረፍትን ብምዃን፡ ኣብ ጉባኤ ኽፍፍል ከም ዘይፍጠር ክንገብር ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 5:11) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ብዙሓት ዘይንጡፋት ኰይኖም ዝነበሩ ሰባት ወይ ካብ ጉባኤ ተወጊዶም ዝነበሩ ሰባት ተመሊሶም ኣለዉ። ንዓታቶም ከኣ ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎም! (2 ቈረ. 2:8) ሓንቲ ሓብቲ ንዓሰርተ ዓመት ዘይንጥፍቲ ዀይና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተመልሰት እንታይ ከም ዘጋጠማ ኽትገልጽ ከላ፡ “ፍሽኽ እናበሉን ኢደይ እናጨበጡን እዮም ሰላም ኢሎምኒ” ትብል። (ግብ. 3:19) እሞ ደኣ እዚ ቐሊል ሕያውነት ብኸመይ ጸልይዋ፧ “ኢድ የሆዋ ናብ ሓጐስ ትመርሓኒ ኸም ዘላ እዩ ተሰሚዑኒ” ብምባል ባዕላ ትምልስ። ንዅሉ ሰብ እንሃንጽ እንተ ዄንና፡ ክርስቶስ ነቶም ‘ዚጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’ ዕረፍቲ ንምሃብ ኪጥቀመልና ይኽእል እዩ።—ማቴ. 11:28, 29።

15. ሓድነት ከነስፍነሉ እንኽእል ካልእ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ብዘረባና ኣቢልና እውን ሓድነት ከነስፍን ንኽእል ኢና። እዮብ 12:11፡ “ከምቲ ልሳን ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡ እዝኒዶ ንቓላት ኣይትፍትኖን እያ፧” ትብል። ከምቲ ንፉዕ ከሻኒ ምግቡ ንኻልኦት ቅድሚ ምቕራቡ መቐረቱ ንምፍላጥ ዚጥዕሞ፡ ሓደ ዘረባ ቕድሚ ምዝራብና እውን ብዛዕባ እቲ እንብሎ ተጠንቂቕና ኽንሓስብ ኣሎና። (መዝ. 141:3) ሸቶና ወትሩ ዚሃንጽን ዕረፍቲ ዚህብን ‘ንሰማዕቱ ዚጠቅምን ቃል’ ምዝራብ ኪኸውን ኣለዎ።—ኤፌ. 4:29።

ሓደ ሓው ነቲ ዝሰርሖ ምግቢ፡ ንኣጋይሹ ቕድሚ ምቕራቡ ይጥዕሞ።

ቅድሚ ምዝራብካ፡ ብዛዕባ እቲ እትብሎ ሕሰብ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


16. ምናዳ መን እዮም ዜተባብዕ ዘረባ ኺዛረቡ ዘለዎም፧

16 ምናዳ ሰብኡትን ወለድን ሃናጺ ዘረባ ኺዛረቡ ኣለዎም። (ቈሎ. 3:19, 21፣ ቲቶ. 2:4) ሽማግለታት እውን ጓሶት መጓሰ የሆዋ ስለ ዝዀኑ፡ ምንጪ ዕረፍትን ምጽንናዕን ኪዀኑ ኣለዎም። (ኢሳ. 32:1, 2፣ ገላ. 6:1) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓንቲ ምስላ፡ “ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል . . . ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!” ብምባል ተዘኻኽረና።—ምሳ. 15:23።

“ብግብርን ብሓቅን” ንፋቐር

17. ከመይ ጌርና ኢና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ካብ ልቢ ዝፈልፈለት ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል፧

17 ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” ኢሉ ኣተባቢዑና ኣሎ። (1 ዮሃ. 3:18) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ፡ ካብ ልቢ ኽትፍልፍል ኢና እንደልያ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፍና መጠን፡ ንሓድሕድና ብዝያዳ ኽንቃራረብ ኢና። ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ እውን ክትሕይል እያ። እምበኣር፡ ኣብ ኣኼባታት ኰነ ኣብ ኣገልግሎት ምስ ካልኦት ግዜ ንምሕላፍ ኣጋጣሚታት ንፍጠር። ግዜ ወሲድና ንሰባት ንብጽሓዮም። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ንሓድሕድና ኽንፋቐር ካብ ኣምላኽ ከም እተምሃርና’ ኸነርኢ ኢና። (1 ተሰ. 4:9) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!” ዚብል ቃላት ድማ ኣብ ህይወትና ኽንርእዮ ኢና።—መዝ. 133:1።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ንሓድሕድና ምቅርራብ ዚሕሸና ስለምንታይ እዩ፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ንሓድሕድና ኣብ ምክብባር ቀዳሞት እንኸውን፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ሓድነት እነስፍን፧

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ