20-26 ሚያዝያ 2026
መዝሙር 49 ልቢ የሆዋ ነሐጕስ
ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ጽዓር
“እታ ኣዝያ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ።”—2 ቈረ. 6:2።
ኣትኵሮ
ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት እትምስርተሉን እትጥመቐሉን እዋን ሕጂ እዩ።
1. (ሀ) ገለ ኻብቲ ኻብ ጥምቀት ዚርከብ ጥቕምታት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
ርእስኻ ንየሆዋ ዝወፈኻን ብማይ እተጠመቕካን ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ካብ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ለሚንካ ኢኻ። (1 ጴጥ. 3:21) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ጉባኤኻ ንዚርከቡ ንኣሽቱ ዀኑ ሓደስቲ ሰናይ ኣብነት ትዀኖም ኢኻ። ስለዚ፡ ጽቡቕ ውሳነ ኢኻ ጌርካ! ገና ዘይተጠመቕካ እንተ ዄንካኸ፧ መሸም ንየሆዋ ኸም እተፍቅሮ፡ ፍቓዱ እውን ክትገብር ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ሓጢኣትካ ምእንቲ ኺሕደገልካን ሞገስ የሆዋ ምእንቲ ኽትረክብን፡ ክትጥመቕ ከም ዘሎካ ትፈልጥ ኢኻ። (ግብ. 2:38-40) ኰይኑ ግና፡ ካብ ጥምቀት ተድሓርሕር ትኸውን። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) ገሊኦም ስለምንታይ ካብ ጥምቀት ከም ዜድሓርሕሩ፡ (2) ንመወዳእታ ብሓሳብካ ምቕልጣፍ ስለምንታይ ጥበባዊ ኸም ዝዀነ፡ (3) ከይደንጐኻ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ እትገብሮ ጻዕሪ እንታይ ጥቕምታት ከም ዜምጽኣልካ ኽንርኢ ኢና።
ገሊኦም ስለምንታይ የድሓርሕሩ፧
2. ገሊኦም ካብ ጥምቀት ዜድሓርሕሩ ስለምንታይ እዮም፧
2 ገሊኦም ብሰንኪ ፍርሂ ኻብ ጥምቀት የድሓርሕሩ እዮም። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ኼገልግሉ እናደለዩ ኽነሶም፡ ንዕኡ ባህ ኬብልዎ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ኻባና ፍጽምና ኸም ዘይጽበ፡ ዚከኣለካ ዘበለ ኽትገብር ከለኻ ድማ ብኣምልኾኻ ባህ ከም ዚብሎ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። (መዝ. 103:13, 14፣ ቈሎ. 3:23) ተቓውሞ ትፈርህ እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ከምቲ ንሓደ ዘማሪ ዝነበሮ ዓይነት እምነት ምእንቲ ኺህልወካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። እቲ ዘማሪ እቲ፡ “የሆዋ ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—መዝ. 118:6።
3. እንታይ ኣተሓሳስባ እዩ ንገሊኦም ካብ ጥምቀት ከም ዜድሓርሕሩ ዚገብሮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
3 ገሊኦም ሰባት ንየሆዋ እናኣፍቀርዎ ኽነሶም፡ እኹል ፍልጠት ከም ዘይብሎም ስለ ዚመስሎም ካብ ጥምቀት የድሓርሕሩ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ክንደይ ዚኣክል ፍልጠት እዩ ዜድልየካ፧ መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ንርአ። እታ ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ተኣሲሮምላ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ተናወጸት፡ ንሳቶም ነቲ ሓላው እሱራትን ንስድራ ቤቱን መስከሩሉ። እቲ ሰብኣይን ስድራ ቤቱን ካብ ኣምላኽ ተኣምር ከም እተገብረ ተረዲእዎም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። በታ ለይቲ እቲኣ እውን፡ ብዙሕ እዮም ተማሂሮም። ስለዚ፡ “ቀልጢፎም ተጠምቁ።” (ግብ. 16:25-33) ንስኻ እውን ንየሆዋ እንተ ፈሊጥካዮ፡ ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣፍቂርካዮ፡ ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ፍልጠት እንተ ኣልዩካ፡ ካብ ሓጢኣትካ እንተ ተነሲሕካ፡ ብመለክዒታቱ እውን ክትመላለስ እንተ ቘሪጽካ፡ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ።—ማር. 12:30።
ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ሓላው እሱራትን ንስድራ ቤቱን መስከሩሎም፣ ድሕርዚ፡ እቲ ሓላው እሱራትን ስድራ ቤቱን “ቀልጢፎም ተጠምቁ” (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)
4. ገሊኦም ኣብ ምንታይ ስለ ዜተኵሩ እዮም ካብ ጥምቀት ዜድሓርሕሩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
4 ገሊኦም ሰባት ንኣምላኽ ባህ ኬብሉ እናደለዩ፡ ኣብቲ እቲ ውሳነኦም ዜኽፍሎም ዋጋ የተኵሩ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ውሳነኻ ብዛዕባ ዜኽፍለካ ዋጋ ምሕሳብ፡ ጌጋ ኣይኰነን። (ሉቃ. 14:27-30) ገሊኦም ግና ንኣምላኽ ንምግልጋል ብዛዕባ ዚኸፍልዎ መስዋእቲ ይጭነቑ እዮም። ኣብ ሓቂ ዝዓበየት ካንዲስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዕድመ ምስ ቀረበላ፡ ከምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ንየሆዋ ንምግልጋል እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ኣይጠፍኣንን፣ ነቲ ኣብ ዓለም ዝገብሮ ዝነበርኩ ነገራት እፈትዎ ስለ ዝነበርኩ ግና፡ ካብ ውሳነ ድሕር ኢለ። ነቲ ነገራት እቲ ምሕዳጉ ቐሊል ከም ዘይኰነ እፈልጥ ነይረ እየ።” ገሊኦም ድማ በቲ እተጠምቁ ሰባት ኬማልእዎ ዚግባእ ልዑል መለክዒታት ይጭነቑ እዮም። ድሕሪ ጥምቀት ከቢድ ሓጢኣት ከይገብሩ እሞ ኻብ ጉባኤ ኸይውገዱ የተሓሳስቦም እዩ። ከምዚ ዓይነት ስግኣት ካብ ጥምቀት ከም እተድሓርሕር እንተ ገይሩካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧
ንኣምላኽ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዚኸፍልዎ መስዋእቲ ይጭነቑ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)
5. ብዛዕባ ጥምቀት ክንሓስብ ከለና፡ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧ (ማቴዎስ 13:44-46)
5 ሓደ ነገር ክንዕድግ ምስ ደለና፡ ብዛዕባ እቲ እንኸፍሎ ዋጋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብቲ ኣቕሓ እንረኽቦ ጥቕሚ እውን ንሓስብ ኢና። እቲ ኣቕሓ ዚህቦ ኣገልግሎት ካብቲ እንኸፍሎ ዋጋ ኣጸቢቑ ዚበልጽ እንተ ዀይኑ፡ ብኡብኡ ኢና እንዕድጎ። ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ ጥምቀት ክንሓስብ ከለና፡ ኣብቲ እቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ለውጢ ዜኽፍለና ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ እንምስርቶ ጽቡቕ ርክብ ዜምጽኣልና ዓብዪ ጥቕሚ ኸነተኵር ኣሎና። የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ንምጕላሕ ክልተ ምሳሌታት መሲሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 13:44-46 ኣንብብ።) ኣብ ክልቲኡ እቲ ምሳሌታት፡ ሓደ ሰብ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ኽቡር ነገር ከም ዝዓደገ ተሓቢሩ ኣሎ። ንስኻ እውን ኣዝዩ ኽቡር ነገር ኢኻ ረኺብካ፣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቂ ኢኻ ፈሊጥካ። ‘ብመገዲ ሓቂ ምምልላስ የዋጽእዶ፧’ ዚብል ሕቶ እንተ ተላዒሉካ፡ ብዛዕባ እዚ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት ኣስተንትን። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ ‘እቲ ዝረኸብክዎ ነገር ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ ብሓቂዶ እኣምን እየ፧ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብን ነቲ ንሱ ዝሃበኒ ተስፋን ነቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ሕውነትናን ኣኽቢረ እርእዮ ድየ፧’ ኣብቲ ነዚ ሕቶታት እዚ እትህቦ መልሲ ተመስሪትካ፡ ንሓቂ ዘሎካ ልዑል ግምት ኣብ ምህናጽ ወይ እንታይ ዕንቅፋት ይዀነካ ኸም ዘሎ ኣብ ምልላይ ከተተኵር ትኽእል ኢኻ።
6. ብኸመይ ኢኻ ጽቡቕ ልቢ ኸተማዕብል እትኽእል፧
6 የሱስ ኣብ ምሳሌ እቲ ዘራኢ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ካብ ምግባር ኪዓግት ዚኽእል ኵነታት ልቢ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ ገሊኦም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ብቕኑዕን ብጽቡቕን ልቢ” ኸም ዚሰምዕዎ፡ ፍረ እውን ከም ዚፈርዩ ሓቢሩ ኣሎ። (ሉቃ. 8:5-15) ልብኻ ተኸፊሉ ኸይከውን እንተ ኣተሓሳሲቡካ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብሓገዝ ኣምላኽ፡ እዙዝ ዝዀነ ‘ሓድሽ ልቢ ኸተጥሪ’ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር፡ ልብኻ ምእንቲ ኺልስልስ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ለምኖ፣ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኣባኻ ፍሪኡ ኺፈሪ እዩ።—ህዝ. 18:31፣ 36:26።
7-8. ገሊኦም መንእሰያት ናብ ጥምቀት ዕቤት ዘይገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
7 ገሊኦም መንእሰያት ብሰንኪ ናይ ካልኦት ጽልዋ ናብ ጥምቀት ኣይዓብዩን እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርቲ ንተምሃሮኦም፡ ብዛዕባ እቲ ንመለክዒታት ኣምላኽ ዚጥሕስ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት “ክፉት ኣእምሮ ይሃሉኻ” ዚብል ምኽሪ ይህብዎም እዮም። ከምዚ ዓይነት ምኽሪ ግና ናብ ጥፍኣት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። (መዝ. 1:1, 2፣ ምሳ. 7:1-5) ንስኻ ግና ኣብነት ሓደ ዘማሪ ብምስዓብ፡ ካብቲ ሓደጋ እቲ ኸተምልጥ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዘማሪ እቲ ንየሆዋ፡ “ንመዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ እሓስበሉ እየ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ልቦና ኣሎኒ” ኢልዎ እዩ።—መዝ. 119:99።
8 ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ ንደቆም ናብ ጥምቀት ዕቤት ከይገብሩ ይዓግትዎም እዮም። እቶም ወለዲ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ደቆም እምብዛ የተኵሩ እዮም፣ ወይ ድማ ንደቆም መንፈሳዊ ሸቶታት ኬውጽኡ ኣይሕግዝዎምን እዮም። እሞ ደኣ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ወለድኻ ብዙሕ ይሕግዙኻ ኸም ዘየለዉ እንተ ተሰሚዑካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ስለምንታይ ዘይተመያይጦም፧ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምህናጽ ዕድመኻ ኺዓግተካ ኸም ዘይክእል ከነረጋግጸልካ ንፈቱ።—ምሳ. 20:11።
ብዛዕባ ጥምቀት ስለምንታይ ንወለድኻ ዘይተመያይጦም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)
9. ገሊኦም ከይጥመቑ ዚደናጐዩ ስለምንታይ እዮም፧
9 ገሊኦም ንጥምቀት ዚበቕዑ ሰባት ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑ ይደናጐዩ እዮም፣ ምናልባት ንኻልእ ሰብ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ኪጽበይዎ ኢሎም ነዚ ስጕምቲ እዚ ኻብ ምውሳድ ይደናጐዩ ይዀኑ። ንኣብነት፡ ምስ ፈታዊኦም ወይ ምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኺጥመቑ ይደልዩ ይዀኑ። ልክዕ እዩ፡ ምስ እትፈትዎም ሰባት ብሓንሳእ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝበለ ረቛሒታት ግና ኬደናጕየካ ይግባእዶ፧ ወፈያኻ ብብሕቲ ንኣምላኽ እትመባጽዖ መብጽዓ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ጥምቀትካ ኣብቲ ኻልእ ሰብ ዚገብሮ ነገር ኪምርኰስ የብሉን።—ሮሜ 14:12።
ንመወዳእታ ብሓሳብካ ኸተቐልጥፎ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
10. ገሊኦም መንፈሳዊ ዕቤት ካብ ምግባር ዚደናጐዩ ስለምንታይ እዮም፧
10 ብዘይካ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያታት፡ ገሊኦም ሰባት መወዳእታ ገና ኸም ዝዀነ ስለ ዚሓስቡ መንፈሳዊ ዕቤት ካብ ምግባር ይደናጐዩ እዮም። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግና ቅኑዕ ድዩ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ” ኢሉ እዩ ኣጠንቂቕዎም።—ሉቃ. 12:40።
11. ብመሰረት መዝሙር 119:60፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን፡ ብዛዕባ ትእዛዛቱ እንታይ እዩ ዚስምዓና፧
11 ርእስና ንየሆዋ ንምውፋይ ዜለዓዕለና ነገር፡ ፍቕሪ ኪኸውን ይግባእ። ነቲ ፈቃር ኣምላኽና ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን፡ ንትእዛዛቱ ብዝያዳ ንፈትዎ፡ ብኡብኡ እውን ንስዕቦ ኢና። (መዝሙር 119:60 ኣንብብ።) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ ንትእዛዛት የሆዋ ብቕልጡፍ እንስዕበሉ ኻልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣጕሊሑልና ኣሎ፦ ጽባሕ እንታይ ከም ዚኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። ‘ቅኑዕ ንምግባር’ ተወሳኺ መዓልቲ ኣይንረክብን ንኸውን፣ ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ ዝፈለጥናዮ፡ ሕጂ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።—ያእ. 4:13-17።
12. ካብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ንምሃር፧
12 ብዛዕባ እታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እሞ ንሕሰብ። ኣብታ ምሳሌ እቲኣ፡ ገሊኦም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝሰርሑ ዓየይቲ ማዕረ እቶም ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ደይኰኑን ዓስቦም ረኺቦም፧ እዚ ሓቂ እዩ። እቶም ሓንቲ ሰዓት ዝሰርሑ ዓየይቲ ኣብቲ ስራሕ ኣቐዲሞም ዘይተጸምበሩ ግና ስለምንታይ እዮም፧ “ዋላ ሓደ ስለ ዘይቈጸረና” ኢሎም እዮም መሊሶም። ስለዚ፡ እዞም ዓየይቲ እዚኦም ምሉእ መዓልቲ ምስራሕ ኣይኰኑን ኣብዮም፣ የግዳስ፡ ዚቘጽሮም ኣይረኸቡን። ስራሕ ምስ ረኸቡ ግና፡ ብኡብኡ እዮም ኪሰርሑ ጀሚሮም። (ማቴ. 20:1-16) ሎሚ እውን የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኽንከውንን ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሳተፍን ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። ነቲ ጻውዒት እቲ ምስ ሰማዕና፡ ከይተደናጐና ምላሽ ክንህብ ኣሎና።
13. ካብ ሰበይቲ ሎጥ እንታይ ንምሃር፧
13 መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ዚደናጐዩ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ንኣምላኽ ባህ ንምባል ዚግበር ፈተነ ኣመና ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። የሱስ ነዚ ስለ ዚፈልጥ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ሉቃ. 17:31-35) ሰበይቲ ሎጥ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን ዜውርዶ ፍርዲ ኣመና ቐሪቡ ምንባሩ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ንጥሪታ ፍቕሪ ዝነበራ እዩ ዚመስል። (ዘፍ. 19:23-26) ብዘይካዚ፡ ማዕጾ ድሕነት ንሓዋሩ ተኸፊታ ኸም ዘይትጸንሕ ካብ ተመክሮኣ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ፡ እታ ማዕጾ እቲኣ ኽትዕጾ፡ ንሓዋሩ እውን ክትሽጐር እያ።—ሉቃ. 13:24, 25።
14. ብዛዕባ መወዳእታ እተነግረ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድረልካ ዘለዎ፧
14 መዓልቲ ሓሊፋ ብመዓልቲ ኽትትካእ ከላ፡ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እተነግረ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ኣሎ። ብገሊኡ ኻብዚ ኣብ ዓለም ዚኸውን ዘሎ ነገራት ክሳዕ ሕጂ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተጸሎኻ፡ ኣብ በቦታኡ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምፍላጥካ ግና ናብ ጥምቀት ብህጹጽ ዕቤት ንምግባር ኬለዓዕለካ ኣለዎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዘጋጠመ እስከ ንርአ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ “ንቕሑ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ” በሎም። (1 ጴጥ. 4:7) እቲ ኣብዚ “መወዳእታ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንመወዳእታ ስርዓት ኣይሁድ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ጴጥሮስ ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት ካብ የሩሳሌም ርሒቖም ይነብሩ ብምንባሮም፡ በቲ ኣብታ ኸተማ ዚወርድ ጥፍኣት ብቐጥታ ኣይጽለዉን እዮም ነይሮም። (1 ጴጥ. 1:1) እንተዀነ ግና፡ እቲ ትንቢት ኪፍጸም ምስ ረኣዩ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበሎ ኸም ዚፍጸም እምነቶም ደልዲሉ ኪኸውን ኣለዎ። ንስኻ እውን ምስ መወዳእታ እተኣሳሰረ ትንቢታት ኪፍጸም ምስ ረኣኻ፡ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ብዝያዳ ንቑሕ ክትከውን ኢኻ።
15. ንመዓልቲ የሆዋ ብኸመይ ኢና ኽንዳሎ እንኽእል፧ (2 ጴጥሮስ 3:10-13)
15 ጴጥሮስ ኣብታ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ነታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ብኸመይ ድሉዋት ኴንና ኸም እንጸንሕ ገሊጹ ኣሎ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ገና ርሑቕ እያ ነይራ። ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ንዓታቶም፡ ‘ብሓሳቦም ኬቐልጥፍዋ’ ወይ ‘ሃረር ኪብልዋ’ ተላብይዎም እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:10-13ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) ንሕና ድማ ነታ መዓልቲ እቲኣ ድሉዋት ብምዃንን ክትመጽእ ሃረር ኢልና ብምጽባይን፡ ብሓሳብና ኸነቐልጥፋ ንኽእል ኢና። ‘ብቕዱስ ኣነባብራን በቲ ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነት ዚርአ ግብርታትን’ ብምምልላስ እውን፡ ሃረር ኢልና ኸም እንጽበ ነርኢ ኢና። ‘ንኣምላኽ ብዘሎካ ተወፋይነት ዚርአ ግብርታት’ ክትገብር ከለኻ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ከም ዜብሎ እሞ ሕሰብ! ርእስኻ ወፊኻ ኽትጥመቕ ከለኻ፡ ብርግጽ ደስ ይብሎ እዩ።
ሕጂ ስጕምቲ ብምውሳድካ እትረኽቦ ጥቕምታት
16. ናብ ጥምቀት ዕቤት ክትገብረሉ እትኽእል ብሉጽ እዋን መዓስ እዩ፧ (2 ቈረንቶስ 6:1, 2) (ስእልታት እውን ርአ።)
16 ናብ ጥምቀት ዕቤት ክትገብረሉ እትኽእል ብሉጽ እዋን ሕጂ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:1, 2 ኣንብብ።) እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ምስ ፊልጶስ ምስ ተራኸበ፡ ብህጹጽ ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዘለዎ ተገንዚቡ እዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተረድኦ፡ ኪጥመቕ እውን ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ፡ ‘ብዛዕባ እዚ ብስራት እዚ ተወሳኺ ፍልጠት ክረክብ ምደለኹ። ኣብቲ ገና ኣብ ቅድመይ ዘሎ መገዲ፡ ካልእ ማይ ክረክብ እኽእል እየ’ ኢሉ ኣይሓሰበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ኢሉ እዩ ንፊልጶስ ሓቲትዎ። (ግብ. 8:26, 27, 35-39) እዚ ሰናይ ኣብነት እዩ። ኣብቲ ዛንታ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ ኸኣ፡ እቲ ስሉብ ምስ ተጠምቀ፡ “ተሓጒሱ መገዱ ኸደ።”
ካብቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተምሃር፦ ናብ ጥምቀት ዕቤት ክትገብረሉ እትኽእል ብሉጽ እዋን ሕጂ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)a
17. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
17 ከይትጥመቕ ተድሓርሕር እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ክትምስርት ከም ዚደልየካ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ። (ሮሜ 2:4) ንዕቤትካ ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ፍርሂ ዀነ፡ ስግኣት ኰነ፡ ወይ ደጋዊ ጽልዋ ንምስጋር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ምስ ተጠመቕካ እሞ ሰናይ ሕልና ምስ ረኸብካ፡ እቲ ‘ብድሕሬኻ’ ዝሓደግካዮ ኽሳዕ ክንድቲ ዜገድስ ዘይምዃኑ ኽትግንዘብ ኢኻ። (ፊል. 3:8, 13) ድሕሪኡ፡ ናብቲ ‘ብቕድሜኻ’ ዘሎ ኸተማዕዱ፡ ማለት ነቲ ርእሶም ንዕኡ ወፍዮም ንዚጥመቑ ዘበሉ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብሃንቀውታ ኽትጽበ ትኽእል ኢኻ።—ግብ. 3:19።
መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ
a መግለጺ ስእሊ፦ ከምቲ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኺጥመቕ ከም ዚደሊ ንፊልጶስ ዝነገሮ፡ ሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክትጥመቕ ከም እትደሊ ንሽማግለታት ትነግሮም።