ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ገሊጽካ፡ ንኽልቲአን መጽሔታት ኣበርክተን
ነፍሲ ወከፍ መጽሔታትና፡ እተፈላለየ ማራኺ ኣርእስትታት ዝሓዛ እየን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት፡ ብዛዕባ ሓያሎ ጕዳይ ክትመያየጥ ኣብ ክንዲ እትፍትን፡ ብዛዕባ ሓንቲ ኣርእስቲ ጥራይ እንተ ተመያየጥካ ዝሓሸ እዩ። መስተብሃልቲ ከምኡውን ንትሕዝቶ እተን መጽሔታት ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ እንተ ደኣ ዄንና፡ ነቲ ብዓል ቤት ኬገድሶ ዚኽእል ሓደ ኣርእስቲ ኻብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ወይ ኣብ ከባቢ እቲ ገዛ መጻወቲ ቘልዑ እንተ ደኣ ርኢና፡ ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት ዚገልጽ ዓንቀጽ ከነጕልሕ ንኽእል ኢና። ምስ ኳሕኳሕና ሰብኣይ እንተ ደኣ መጺኡ፡ ከም ጽቡቕ ምምሕዳር ዝኣመሰለ ንሓያሎ ሰብኡት ኬገድሶም ዚኽእል ኣርእስቲ ኸነመያይጦ ንውስን ንኸውን። ዋላ እኳ ኽንመያየጥ ዘሎና ብዛዕባ ሓንቲ ነጥቢ እንተ ዀነ፡ እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርእዩ፡ ክልቲአን መጽሔታት ከነበርክተሉ ንኽእል ኢና።