እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንመን እያ እተገድሶ፧
1. ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ከነንብብ ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
1 ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ንዓለምለኻዊ ኽሊ ኣብ ግምት ብምእታው እየን ዚዳለዋ። ስለዚ፡ እቲ ዓንቀጻት እተፈላለየ ኣርእስትታት ዝሓቘፈ እዩ። ናይ ርእስና ቕዳሕ ሒዝና ንነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ከነንብባ ኸለና፡ እታ ዓንቀጽ እቲኣ ብፍላይ ንመን ከም እተገድሶ ኽንሓስብ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዝሓሰብናዮ ሰብ ነበርክተሉ።
2. እንታይ ኣብ መጽሔታትና ዚወጽእ ርእሰ ነገራት እዩ ንገሊኦም ሰባት ኬገድሶም ዚኽእል፧
2 ኣብ ኢድካ ዘላ ናይ ቀረባ እዋን ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቐድም ኣቢልኩም ንስኻን መሳርሕትኻን እተመያየጥኩምሉ ርእሰ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ ድያ፧ ንዘመድካ ኺጠቕሞ ዚኽእል ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት ዚገልጽ ሓሳባት ኣብታ መጽሔት እቲኣ ወጺኡዶ ኣሎ፧ ናብ ሓንቲ ኣብ ንቕሑ! እተጠቕሰት ሃገር ኪገይሽ ዝሓሰበ እትፈልጦ ሰብ ኣሎዶ፧ ሓንቲ ኻብተን መጽሔታት ኣብ ክልኻ ንዘሎ ገሊኡ ዓይነት ንግዲ ወይ ትካል እትስሕብ ድያ፧ ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ንኣረጋውያን ዜጋጥሞም ብድሆታት እተጕልሕ መጽሔት፡ ኣብ መእለይ ኣረጋውያን ንዚዓይዩ ሰባት ከተገድሶም ትኽእል እያ። ብዛዕባ ገበን እትገልጽ መጽሔት፡ ንትካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ኸተገድሶም ትኽእል እያ።
3. ንገሊኡ ፍሉይ ሕታማት መጽሔታትና ነቶም ተገዳስነት ኬሕድሩ ዚኽእሉ ሰባት ምዕዳሎም ጠቓሚ ምዃኑ ዚሕብር ተመክሮ ኣዘንቱ።
3 እተረኽበ ውጽኢት፦ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ ነታ፡ “ሓላፍነት ዚስምዖም ቈልዑ ብኸመይ ከም እተዕቢ” ዘርእስታ ናይ ጥቅምቲ 2011 ንቕሑ! ምስ ተቐበልዋ፡ ኣብ ክሎም ናብ ዚርከባ 25 ኣብያተ ትምህርቲ ደወሉ። ዕስራን ክልተን ትካላት ቅዳሓት እታ ንቕሑ! ተቐቢለን ንተመሃሮአን ዘርጋሓኦ። ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኻልኦት ሰብ ሓዳር እውን፡ ኣብ ክሎም ናብ ዚርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ኸይዶም፡ ቅዳሓት እታ ንቕሑ! ዘርግሑ። መምህራን ሓንቲ ኻብተን ኣብያተ ትምህርቲ ኸኣ፡ ነታ መጽሔት እቲኣ ኣብቲ ሰሙናዊ ዚውሃብ ትምህርቲ ኺመያየጡላ ወሰኑ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ነዚ ተመክሮ እዚ ንሓላው ወረዳኦም ነገርዎ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ወረዳኡ ንዘለዋ ጉባኤታት፡ ኣብ ክልታተን ንዚርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንኺበጽሓ ኣተባብዐን። ተወሳኺ ሕታም እታ ንቕሑ! ዚደልዩ ሰባት ስለ ዝበዝሑ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ነታ መጽሔት እንደገና ሓተማ።
4. ንመጽሔታትና ብሰፊሑ ኸም ዚዝርጋሓ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 መጽሔታትና፡ ቀንዲ ትርጕም እዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት እንታይ ምዃኑ ይገልጻ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ድማ የተኵራ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፡ ‘ምድሓን ዜውርያ’ መጽሔታት፡ ንሳተን ጥራይ እየን። (ኢሳ. 52:7) ስለዚ፡ ብሰፊሑ ኽንዝርግሐን ኣሎና። ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ ኸኣ፡ ‘እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንመን እያ እተገድሶ፧’ ኢልና ምስ እንሓስብ ጥራይ እዩ።