ምብጽጻሕ መጽሔት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ይሕግዝ
1. ውድብ የሆዋ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ንኣስፋሕቲ መጽሔት ኬበጻጽሑ ኼተባብዖም ዝጸንሐ ስለምንታይ እዩ፧
1 ሓያሎ ሰባት ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ፍቓደኛታት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ መጽሔታትና ኼንብቡ ግና ይደልዩ እዮም። ስለዚ፡ ውድብ የሆዋ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ንኣስፋሕቲ መጽሔት ኬበጻጽሑ ኼተባብዖም ጸኒሑ ኣሎ። ሰባት ኣዘውቲሮም ንመጽሔታትና ምስ ዜንብቡ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንቓል ኣምላኽ ድሌት ይሓድሮም እዩ። (1 ጴጥ. 2:2) ኣብ መወዳእታ፡ ካብቲ ዘንበብዎ እተወሰነ ዚትንክፎም ነገር ምስ ረኸቡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ይሰማምዑ እዮም።
2. ንተገዳስነት እቶም መጽሔታት እነብጽሓሎም ሰባት ክንኵስኵስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ንዘርኢ ሓቂ፡ ‘ማይ ምስታይ’፦ ንሓደ ብዓል ቤት መጽሔታት ገዲፍካሉ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትኸይድ፡ ምይይጥ ብምጅማር ምስኡ ዕርክነት ክትምስርት ጽዓር። እዚ ድማ ኣስተውዒልካ ምእንቲ ኽትዛረብ ኵነታቱን ተገዳስነቱን እምነቱን ንኽትፈልጥ ይሕግዘካ። (ምሳ. 16:23) ንነፍሲ ወከፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ ተዳሎ። ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብቲ መጽሔታት ሓደ ነጥብን ምስኡ ዚኸይድ ጥቕስን ኣሕጽር ኣቢልካ ኣጕልሓሉ፡ ኣብ ልቡ ዝዀነ ይኹን ዘርኢ ሓቂ ምእንቲ ኺበቍል ድማ ማይ ኣስትዮ። (1 ቈረ. 3:6) ንነፍሲ ወከፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝገበርካሉ ዕለትን ንዘበርከትካዮ ጽሑፍን ንእተመያየጥኩምሉ ርእሰ ነገርን ጥቕስታትን መዝግቦ።
3. ነቶም መጽሔታት እነብጽሓሎም ሰባት፡ ኣብ ከክንደይ ግዜ ኢና ኽንበጽሖም ዘሎና፧
3 ኣብ ከክንደይ ግዜ ኢኻ ኽትበጽሖም ዘሎካ፧ ነቶም መጽሔታት እተብጽሓሎም ሰባት፡ እዋናዊ መጽሔታት ንኽትህቦም ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ክትከዶም ኣሎካ። ይኹን እምበር፡ ኵነታትካን ተገዳስነቶምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሕ ሳዕ ኽትበጽሖም ትደሊ ትኸውን። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ መጽሔታት ምስ ኣብጻሕካሉ፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ተመሊስካ፡ “ካብተን ዝገደፍኩልካ መጽሔታት፡ እተወሰነ ነገር ኣሕጽር ኣቢለ ኽገልጸልካ እየ መጺአ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ምግባር፡ ነቲ ብዓል ቤት ሓንቲ እተፈልየት ዓንቀጽ ንኼንብብ ኬለዓዕሎ ይኽእል እዩ። ኣቐዲሙ ኣንቢብዋ እንተ ደኣ ዀይኑ ድማ፡ ብዛዕባ እታ ዓንቀጽ እንታይ ሓሳብ ከም ዘለዎ ትሓትቶ እሞ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ድማ ትመያየጥ። ወይ ከኣ እቲ ብዓል ቤት ጽሑፋትና ምንባብ ዚፈቱ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካልእ ግዜ ተመሊስካ፡ ኣብታ ወርሒ ዚዕደል ትራክት፡ ብሮሹር፡ ወይ መጽሓፍ ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ።
4. ሓሓሊፉ፡ እቶም መጽሔታት እነብጽሓሎም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ፍቓደኛታት እንተ ደኣ ዀይኖም ንምፍላጥ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
4 እቲ ብዓል ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ኽሳዕ ዚሓትተካ ኣይትጸበ። ኣቐዲምካ ንስኻ ተበግሶ ውሰድ። ዋላ እኳ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ እንተ ዘይተሰማምዐ፡ ሓሓሊፉ ኻብቲ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ ዓንቀጽ ከተርእዮን ምይይጥ ንምግባር ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ኽትሓትቶን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ኣብ ኣፍ ደገ ዄንካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር እንተ ዘይክኢልካ፡ ተገዳስነቱ ንምልዕዓል መጽሔታት ምሃብካ ኽትቅጽል ትኽእል ኢኻ።