መደብ 24 ሰነ እትጅምር ሰሙን
24 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 42ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 22 ¶15-21 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ግብሪ ሃዋርያት 8-10 (10 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ “ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ገሊጽካ፡ ንኽልቲአን መጽሔታት ኣበርክተን።” መደረ። ድሕሪ እቲ መደረ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተዳለወ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ ኣብ ሓምለ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ዕዮና ኸንቱ ኣይኰነን። (እብ. 6:10) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2013፡ ኣብ ገጽ 113-115 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ዚዕደል ጽሑፋት። ምይይጥ። ትሕዝቶ ናይቲ ዚዕደል ብሮሹራት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ክልቲአን እተን ብሮሹራት ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዘለወን ዜርኢ መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ወይ ነቲ ኣብ መጋቢት 2013 ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ በታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ሓደ መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር።
መዝሙር 9ን ጸሎትን