ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 24 ሰነ 2013 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
1. ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 3:14, 15 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ የሱስ፡ “ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ ኪስቀል ኣለዎ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ [6 ግን.፡ it-1-E ገጽ 505]
2. ሰዓብቲ ክርስቶስ ብርእሶም ህይወት እትህልዎም ወይ ምሉእ ህይወት ዚረኽቡ መዓስ እዮም፧ (ዮሃ. 6:53) [13 ግን.፡ w03 15/9 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 3]
3. የሱስ ንዘይፍጹማት ሰባት ብዛዕባ ኣቦኡ ብኸመይ ከም ዝገለጸሎም፡ ብምሳሌ ኣረድእ። (ዮሃ. 8:28) [20 ግን.፡ w11 1/4 ገጽ 7 ሕ.ጽ. 3]
4. የሱስ፡ ኣልኣዛር ፈታዊኡ ምስ ሞተ ‘ምንባዑ’ እንታይ ይምህረና፧ (ዮሃ. 11:35) [20 ግን.፡ w08 1/5 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 3-5]
5. የሱስ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ፡ ከመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ እዩ ምሂሩ፧ (ዮሃ. 13:4, 5) [27 ግን.፡ w99 1/3 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 1]
6. መንፈስ ኣምላኽ ብዜተኣማምን መገዲ ኺመርሓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዮሃ. 14:26) [27 ግን.፡ w11 15/12 ገጽ 14- 15 ሕ.ጽ. 9]
7. ኣብ ዮሃንስ 21:15፡ እቲ “ኻብዚኣቶም” ዚብል መግለጺ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [3 ሰነ፡ w08 15/4 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 11]
8. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 2:44-47 ከምኡውን ግብሪ ሃዋርያት 4:34, 35፡ ክርስትያናት ነየናይ መንፈስ እዮም ኪቐድሕዎ ዘለዎም፧ [10 ሰነ፡ w08 15/5 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 5]
9. ብመሰረት እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:59 ዚርከብ ጸብጻብ፡ እስጢፋኖስ ናብ የሱስ ድዩ ዚጽሊ ነይሩ፧ [17 ሰነ፡ w08 15/5 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 2]
10. ነቲ ሰናይ ኣብነት በርናባስ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ብምግባርናኸ እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧ (ግብ. 9:26, 27) [24 ሰነ፡ bt ገጽ 65 ሕ.ጽ. 19]