ኣዘውቲርካ ሰሌዳ ሓበሬታ ናይ ምርኣይ ልማድ ኣሎካዶ፧
ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ካልኦት ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባትን፡ መዓስ ክፍሊ ኸም ዘለዎም ንኺፈልጡ፡ ኣዘውቲሮም ሰሌዳ ሓበሬታ ናይ ምርኣይ ልማድ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተጽርየሉ እዋን መዓስ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ ሓላው ወረዳ ወይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንጉባኤ ዚኸውን ኣገዳሲ ደብዳበ ልኢኹዶ፧ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ ምእንቲ ኽትዕድሞ፡ ኣርእስቲ እቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዚቐርብ መደረ ትፈልጦዶ፧ ኣኼባ ጉባኤ ዚግበረሉ መደብ ወይ እቲ ንስኻ ዘለኻሉ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ምትዕርራይ ተገይሩሉዶ፧ መብዛሕትኡ እዚ ሓበሬታት እዚ፡ ኣብ እዋን ኣኼባ ብምልክታ ኣይንገርን እዩ፣ ሽማግለታት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ብብሕቲ ኺገልጹሉ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ ኣዘውቲርና ሰሌዳ ሓበሬታ ናይ ምርኣይ ልማድ ኪህልወና ይግባእ። ከምዚ ምስ እንገብር፡ ኵሉ ነገራት “ብኣገባብን ብስርዓትን” ኪፍጸም ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 14:40።