ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 29 ሚያዝያ 2013 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
1. የሱስ ከምቲ ኣብ ማርቆስ 10:6-9 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ እንታይ ንሓዳር ዚምልከት ረዚን መዘኻኸሪ እዩ ሂቡ፧ [4 መጋ.፡ w08 15/2 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 8]
2. ብምሉእ ነፍስኻ ንየሆዋ ምግልጋል ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ (ማር. 12:30) [4 መጋ.፡ w97 15/10 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 4]
3. እቲ ኣብ ማርቆስ 13:8 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ቕልውላው’ እንታይ እዩ፧ [11 መጋ.፡ w08 15/3 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 2]
4. ሉቃስ ነቲ ናይ ወንጌል ጸብጻቡ ኼዳሉ ኸሎ ንኣየናይ ምንጪ እዩ ተወኪሱ፧ (ሉቃ. 1:3) [18 መጋ.፡ w09 15/3 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 4]
5. ሰይጣን ንንጽህናና ንምፍታን “ምሹእ ግዜ” ኸም ዜናዲ ምፍላጥና፡ እንታይ ንኽንገብር እዩ ዚድርኸና፧ (ሉቃ. 4:13) [25 መጋ.፡ w11 15/1 ገጽ 23 ሕ.ጽ. 10]
6. ነቲ ኣብ ሉቃስ 6: 27, 28 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧ [25 መጋ.፡ w08 15/5 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 4]
7. የሱስ ከም መስዋእታዊ በጃ ዀይኑ ቕድሚ ሙማቱ፡ ንሓንቲ ሰበይቲ ሓጢኣታ ይቕረ ኺብለላ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (ሉቃ. 7:37, 48) [1 ሚያ.፡ w10 15/8 ገጽ 6-7]
8. ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኣዝማዶም ‘ዚጸልእዎም’ ብኸመይ እዮም፧ (ሉቃ. 14:26) [15 ሚያ.፡ w08 15/3 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 1፣ w92 15/7 ገጽ 1 ሕ.ጽ. 3-5 (ወይ፡ w92-E 15/7 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 3-5)]
9. እቲ ‘ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ዚርአ ትእምርቲ፡’ ኣብ ደቂ ሰብ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ እዩ፧ (ሉቃ. 21:25) [22 ሚያ.፡ w97 1/4 ገጽ 15 ሕ.ጽ. 8-9]
10. ብፍላይ ከቢድ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ የሱስ ዝጸለየሉ መገዲ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሉቃ. 22:44) [29 ሚያ.፡ w07 1/8 ገጽ 6 ሕ.ጽ. 2]