መደብ 6 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
6 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 20 ¶8-15፡ ኣብ ገጽ 161 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዮሃንስ 1-4 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዮሃንስ 3:22-36 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ‘ብመንፈስ ምምልላስ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧—ገላ. 5:16 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ “ኵሉ ኺድሕን እዩ” ዚብል ሓሳብ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን—td 39ሐ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ግንቦት መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ የሆዋ ንቤት እንተ ዘይሃነጻ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። (መዝ. 127:1) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2013፡ ኣብ ገጽ 149፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽሳዕ ገጽ 151፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 47ን ጸሎትን