ሓድሽ መደብ ኣኼባ ጉባኤ
1, 2. ካብ ጥሪ 2009 ኣትሒዙ፡ ኣብ ኣኼባታት እንታይ ለውጢ ኺግበር እዩ፧
1 ኣብታ 21-27 ሚያዝያ 2008 ዝነበረት ሰሙን፡ ኣብ መንጎ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዜሐጕስ ምልክታ ተሰሚዑ ነይሩ። “ካብ 1 ጥሪ 2009 ጀሚሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ምስ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ሓቢሩ ኺካየድ እዩ። እቲ ስም ካብ ‘መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ’ ናብ ‘መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ’ ኪቕየር እዩ።”
2 ነዚ ሰሙናዊ ኣኼባ ዚኸውን መደብ፦ እዚ ኣኼባታት እዚ፡ መዝሙርን ጸሎትን ሓዊስካ ዚወስዶ ጠቕላላ ግዜ፡ 1 ሰዓትን 45 ደቒቕን እዩ። እቲ ኣኼባ ብመዝሙርን ብጸሎትን (5 ደቒቕ) ይጅምር፡ ስዒቡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ (25 ደቒቕ) ይቐርብ። ደድሕሪኡ ብቐጥታ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (30 ደቒቕ) ይስዕብ። ቀጺሉ ዚህሉ መዝሙር (5 ደቒቕ) ንኣኼባ ኣገልግሎት (35 ደቒቕ) መእተዊ ይዀኖ። እቲ ኣኼባ ብመዝሙርን ብጸሎትን (5 ደቒቕ) ይዛዘም። ነዚ ኣኼባታት እዚ ንምድላው ምእንቲ ኺሕግዘኩም ተባሂሉ፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤን ንቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ንኣኼባ ኣገልግሎትን ዚኸውን መደብ ወርሓዊ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኺሕተም እዩ።
3. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ብኸመይ ኪምራሕ እዩ፧
3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ እዚ ኣኼባ እዚ ምስ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብዚመሳሰል መገዲ እዩ ኺምራሕ። ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ድግማ ምግባር ኣየድልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣዝዩ ሓጺር መእተዊ ጥራይ ኪግበረሉ ይግባእ። እዚ ኸኣ ንዅሎም ኣብቲ ኣኼባ ዚእከቡ ሓጺር ሓሳባት ንኺህቡ እኹል ግዜ ይህብ። ሽማግለታት ነዚ ኣኼባ እዚ በብተራ ንኺመርሕዎ፡ እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ኺምድቦም እዩ።
4. ኣኼባ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ኪቕየር እዩ፧
4 ኣኼባ ኣገልግሎት፦ እቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ከም ቀደሙ ዚቕጽል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብኡ ዚቐርብ ክፍልታት ግን ኪሓጽር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታታት ሓሙሽተ ደቒቕ ኪወስድ እዩ። ኣገዳሲ ምልክታታትን ካብ ጨንፈር እተላእከ ደብዳበታትን ንምንባብ፡ እዚ ግዜ እዚ እኹል ኪኸውን ኣለዎ። ከም መሰናድዎ ኣገልግሎት ወፍርን ጽሬትን ጸብጻብ ሕሳብን ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚለኣኽ ተደጋጋሚ ደብዳበታትን ዝኣመሰለ ምልክታታት፡ ካብ መድረኽ ኪንበብ ኣየድልን እዩ፣ የግዳስ፡ ኣሕዋት ንኼንብብዎ ኣብ ሰሌዳ ሓበሬታ ኺልጠፍ እዩ። እቶም ክፍልታት እተመደበሎም ብዚግባእ ኪዳለዉ፡ ነቲ እተመደበሎም ግዜ ዀነ ነቲ እተዋህቦም መምርሒ ኸኣ ጠቢቖም ኪስዕብዎ ኣለዎም።
5. ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ኣብ ዚህልወላ ሰሙን፡ መደብ ኣኼባ ጉባኤ እንታይ ኪኸውን እዩ፧
5 ምብጻሕ ሓላው ወረዳ፦ ሰሙናዊ መደብ ሓላው ወረዳ ኣይኪተዓራረን እዩ። ሰሉስ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ምስ ተገብረ፡ መዝሙር ኪዝመር እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ናይ 30 ደቒቕ መደረ ኬቕርብ እዩ። ከምቲ ሕጂ እንገብሮ ዘለና፡ ኣብ ካልእ ምሸት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኺገብር እዩ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ምስ ተዘመረ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ዜቕርቦ መደረ ኣገልግሎት ኪቐርብ እዩ። እቲ ኣኼባ ብመዝሙርን ብጸሎትን ኪዛዘም እዩ።
6. ሓላው ጕጅለ እንታይ ግደ ኣለዎ፧
6 ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ፦ ሓለውቲ ጕጅለ ንጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ንኺኣልዩን ነቶም ኣብቲ ጕጅለ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ንኺጓስዩን ብኣካል ሽማግለታት ኪምደቡ እዮም። ኣገልጋሊ ጉባኤ ነዚ ሓላፍነት እዚ ኺስከም እንተ ኣድልዩ፡ “ኣገልጋሊ ጕጅለ” ተባሂሉ ኺስመ ኣለዎ።
7. ካብቲ ሓድሽ መደብ ኣኼባ ጉባኤ እንታይ ክንጽበ ንኽእል፧
7 ከምዚ ኺግለጽ ዝጸንሐ፡ ኣስተምሃርን ሃናጽን መንፈሳዊ ድግስ እነስተማቕረሉ ኣጋጣሚ ኣሎና። እዚ ኸኣ ንዝያዳ ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ብምስልጣን፡ ውጽኢታውያን ሰበኽትን መምህራንን ንኽንከውን ኬኽእለና እዩ።—ኤፌ. 4:13, 14፣ 2 ጢሞ. 3:17
8. ኣቐዲምና በብውልቅና ምድላውና ንርእስናን ንኻልኦትን ዚጠቅም ብኸመይ እዩ፧
8 ነዚ ኣኼባታት እዚ ንምድላው ኣቐዲምና እንገብሮ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ዚጐልሕ ቀንዲ ነጥብታት ብንጹር ንኸነተኵር ኪሕግዘና እዩ። ኵላትና ሓሳብ ንኽንህብ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልና እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሓድሕድና ንኽንተባባዕ ኣበርክቶ ኺገብር እዩ። (ሮሜ 1:11, 12፣ እብ. 10:24) ሸቶና ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ብምምቓል፡’ ‘እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘሎና፡ ኣብ ኵሉ ኸም ዚግለጽ’ ምግባር ኪኸውን ኣለዎ።—2 ጢሞ. 2:15፣ 1 ጢሞ. 4:15
9. እንታይ እዩ ቘራጽነትና፧ ስለምንታይከ፧
9 በዚ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤና ተገይሩ ዘሎ ዓብዪ ለውጥታት ሕጉሳት ኢና። እምበኣር፡ ካብቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚህቦ መምርሒ ንጠቐም፣ እቲ ዓብዪ ጓሳና ነቲ ቐሪቡ ዘሎ ዓብዪ “መከራ” ወይ ብርቱዕ “ጸበባ” ኼዳልወና ኸሎ ኸኣ ካብኡ ኣይንርሓቕ።—ማቴ. 24:21, 45፣ እብ. 13:20, 21፣ ራእ. 7:14