ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 16
  • ኣገልገልቲ ጉባኤ እንታይ ግደ ኣለዎም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣገልገልቲ ጉባኤ እንታይ ግደ ኣለዎም፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልገልቲ ጉባኤ ጠቓሚ ኣገልግሎት ይህቡ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣገልገልቲ ጉባኤ ጠቓሚ ኣገልግሎት የቕርቡ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ሽማግለታት ንኻልኦት ሓላፍነት ንኽስከሙ ኣለማምድዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ነቶም “ውህበት ሰባት” ዘሎካ ሞሳ ግለጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 16

ትምህርቲ 16

ኣገልገልቲ ጉባኤ እንታይ ግደ ኣለዎም፧

ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ጽሑፋት ኣብ ምዕዳል ይሕግዝ

ምያንማር

ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ መንፈሳዊ መደረ ይህብ

ኣብ ኣኼባ ዚቐርብ ክፍሊ

ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ኣኼባ ይመርሕ

ጕጀለ ኣገልግሎት

ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣብ ክንክን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሕግዝ

ክንክን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ዚስከሙ ኽልተ ጕጅለ ክርስትያን ሰብኡት እዩ ዚጠቅስ፣ ንሳቶም ከኣ፡ “ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን” እዮም። (ፊልጲ 1:1) ብሓፈሻኡ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዜገልግሉ ብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ኣለዉ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ንጥቕምና እንታይ ዕዮ እዮም ዚዓይዩ፧

ንኣካል ሽማግለታት ይድግፉ። ኣገልገልቲ ጉባኤ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን እሙናትን ጥንቁቓትን እዮም፣ ገሊኣቶም ብዕድመ መንእሰያት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኣቶም ከኣ ዓበይቲ እዮም። ኣብ ጉባኤ ኺዕየ ዘለዎ መብዛሕትኡ ግዜ ተደጋጋሚ ዝዀነ ውድባውን ጕልበት ዚሓትትን ኣገዳሲ ዕዮ ይዓይዩ እዮም። እዚ ድማ ንሽማግለታት፡ ኣብ ናይ ምምሃርን ምጕሳይን ሓላፍነት ኬተኵሩ ይሕግዞም።

ግብራዊ ኣገልግሎት ይህቡ። ገሊኦም ኣገልገልቲ ጉባኤ ንዅሎም እቶም ናብ ኣኼባታት ዚመጹ ሰባት ዚቕበሉ ኣአንገድቲ ዀይኖም ኪዓይዩ ይምደቡ እዮም። ገሊኦም ድማ መሳርሒ ድምጺ ኺቈጻጸሩ፡ ጽሑፋት ኪዕድሉ፡ ሕሳብ ጉባኤ ኺገብሩ፡ ኣባላት ጉባኤ ዚምስክሩሉ ኽልታት ኪምድቡ ሓላፍነት ይውሃቦም እዩ። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምክንኻን እውን ይሕግዙ እዮም። ብዕድመ ንዝደፍኡ ሓገዝ ኪህቡ እውን ብሽማግለታት ኪሕተቱ ይኽእሉ እዮም። ኣገልገልቲ ጉባኤ ዚውሃቦም ሓላፍነት ብዘየገድስ፡ ስለቲ ነዚ ንምፍጻም ዘለዎም ፍቓደኛነት፡ ካብ ኵሉ ኣኽብሮት ይግብኦም እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 3:13።

ከም ክርስትያን ሰብኡት መጠን ሰናይ ኣብነት ይዀኑ። ኣገልገልቲ ጉባኤ በቲ ሰናይ መንፈሳዊ ባህርያቶም እዮም ዚሕረዩ። ኣብ ኣኼባታት፡ ክፍልታት ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ንእምነትና የበርትዕዋ እዮም። ኣብ ንጥፈታት ስብከት ብምምራሕ ከኣ፡ ንቕንኣትና የለዓዕሉ እዮም። ተሓባበርቲ ስለ ዝዀኑ እውን፡ ሓጐስን ሓድነትን የደንፍዑ እዮም። (ኤፌሶን 4:16) ድሕሪ ግዜ፡ ንሳቶም እውን ሽማግለታት ኰይኖም ንምግልጋል ብቕዓት ኬጥርዩ ይኽእሉ እዮም።

  • ኣገልገልቲ ጉባኤ ኸመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧

  • እዞም ኣገልገልቲ እዚኦም፡ ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ይሕግዙ፧

ንተወሳኺ ሓበሬታ

ምስ ኵሎም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ስድራ ቤቶምን ክሳዕ እትፋለጥ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝኸድካ መጠን፡ ምስ ሓዲኦም ተላለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ