መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም
“ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ዛንታ ኣዳምን ሄዋንን ልቢ ወለድ ከም ዝዀነ ይስምዖም። ገሊኦም ከኣ፡ ኣዳምን ሄዋንን ናይ ሓቂ ሰባት ምንባሮም ይኣምኑ። እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ብኸመይ ከም ዝጠቐሶም ኣስተብህል። [ማርቆስ 10:6-9 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚምልከት መርትዖታት ተቕርብ፡ እንኣምኖ ነገር ዘለዎ ኣገዳስነት ድማ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 12 እትጅምር ዓንቀጽ ኣጕልሕ።
Awake! September
ቀዳማይ ዮሃንስ 4:8 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ከምዚ በል፦ “ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንእኩያት ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ከም ዜሳቕዮም ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ምስዚ ዘንበብናዮ ዘይሰማማዕ ይመስሎም። እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እንታይ ከም ዚምህር ተርኢ።” ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅምቲ
“ኵላትና ኣብ ህይወትና ጸገማት የጋጥመና እዩ። [ገለ ኻብቲ ኣብቲ ኽሊ ልሙድ ዝዀነ ጸገማት ጥቐስ።] ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣምላኽ ኪሕግዘና ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ንዓና ዚሕግዘሉ መገዲ ገሊጹ ኣሎ። [ሉቃስ 11:13 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ኪጠቕመና ኸም ዚኽእልን ትገልጽ።”
Awake! October
“ጸገማት ዘይብሉ ስድራ ቤት የልቦን። ስድራ ቤታት ዜተኣማምንን ግብራውን ምኽሪ ኻበይ ኪረኽባ ዚኽእላ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ መዝሙር 32:8 ኣንብብ።] እዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ ንስድራ ቤታት ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛ ኣላ።”