መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ
“ብዙሓት ሰባት፡ ኵሎም ጽቡቕ ዚገብሩ ሰባት ናብ ሰማይ ዚኸዱ ይመስሎም። ከምኡ ዲኻ እትኣምን፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ምድሪ እትብሎ እሞ ኣስተብህለሉ። [መዝሙር 37:11, 29 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ዘለዎም መጻኢ እንታይ ከም ዝመሃረ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 22 እትጅምር ዓንቀጽ ኣጕልሕ።
Awake! August
“ከም ሞት ወላዲ ገይሩ ዜሕዝን ነገር የለን። ሓቀይዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ብኸምዚኣ ዝኣመሰለት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጸናኒዖም እዮም። [ራእይ 21:4 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብፍላይ መንእሰያት ነቲ ሽዑ ዚስምዖም ሓዘን ብኸመይ ከም ዚኽእልዎ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም
“ገሊኦም ሰባት፡ ንኣምላኽ እሙን እንተ ዄንካ፡ ንሱ ሃብቲ ኸም ዚህበካ፡ ድኽነት ከኣ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘይረኸብካ ዚሕብር ምልክት ምዃኑ ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ከም ሓቂ፡ የሱስ ሃብታም ኣይነበረን። [ሉቃስ 9:58 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት በረኸት ኪጽበዩ ኸም ዚኽእሉ ትገልጽ።”
Awake! September
“ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ንላዕሊ ብድሆታት ዘለዎምዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንግዜና ብልክዕ ከም እትገልጾ ይሰማምዑሉ እዮም። [2 ጢሞቴዎስ 3:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንወለድን ንመንእሰያትን ዚሕግዝ እተወሰነ ግብራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”