12 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
12 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26 (212)
❑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 258 ሕ.ጽ. 17–ገጽ 260 ሕ.ጽ. 3 ከምኡውን ሳጹን
❑ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 4-6
ቍ. 1፦ ዘዳግም 4:15-28
ቍ. 2፦ ንየሆዋን ንወዱን ንዘክሮም (lr ምዕ. 37)
ቍ. 3፦ ሒደት ይሓይሽ ኪበሃል ዚከኣል መዓስ እዩ፧ (ምሳ. 15:16)
❑ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 1 (13)
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ምምራሕ። ኣብታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 98፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2፡ ክሳዕ ገጽ 99፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ሓቂ ብምምሃር ሓጐስ ንዝረኸቡ ኣስፋሕቲ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ጥቅምቲ ዚዕደል። ክልተ መርኣያታት ኣቕርብ። ኣብ ሓደ ኻብቲ መርኣያታት፡ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዚምለስ ሕቶ ኺለዓል ኣለዎ። ኣብቲ ኻልእ ከኣ፡ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከመይ ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጀምር ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ፡ ብዛዕባ እቲ እተረኽበ ትምህርቲ ምስ ሰማዕቲ ሕጽር ዝበለ ምይይጥ ግበር።
10 ደቒቕ፦ “ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ድሉው ዲኻ፧” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ።
መዝሙር 6 (45)