መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ኣምላኽ ብዛዕባ ኣከባብያዊ ዕንወት ዚግደስዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ራእይ 11:18 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንምድሪ ኣብ መጻኢ ዜጋጥማ ነገራት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዘሉ እንኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ትህበና።” ኣብ ገጽ 18 እትርከብ ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! January
“ብዙሓት ሰባት ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ኣምላኽ ይቐጽዖም ከም ዘሎ ይመስሎም። ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምንጪ ጸገማትና እንታይ ምዃኑን መከራና ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ዜብቅዕ እንተኣማመነሉ ምኽንያትን ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት
“ኵለን ሃይማኖታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለወንዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እተዛረቦ ነገር እሞ ኣስተብህለሉ። [ማቴዎስ 15:8, 9 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ዚቕበሎ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 9 እትርከብ ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! February
“ኵሉ እቲ ምስ ምድሪ ዚተሓሓዝ ነገራት፡ ህያዋን ንኺነብሩላ ኸም እተፈጥረት እዩ ዚሕብር። እዚ ብሃንደበት ድዩ ዀይኑ፡ ወይስ ፈጣሪ ነዲፍዎ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ይሰማምዑላ እዮም። [መዝሙር 104:24 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚሕብር ስነ-ፍልጠታውን ቅዱስ ጽሑፋውን መርትዖታት እያ እተቕርብ።”