ንኣምላኽ ዘኽብር ጽቡቕ ጠባይ ይሃልኹም
1 ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ጠባይና: ኣከዳድናና: ከምኡውን ኵለንትናዊ ኣቃውማና ብዛዕባናን ብዛዕባ እቲ እነምልኾ ኣምላኽን ምስክርነት ይህብ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ኣምላኽ ብብዝሒ ኣብ ዝእከብሉ ግዜ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝዕዘቡ እዚ ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ። ኣብነታውያን ምስ እንኸውን: ስም የሆዋ ይኸብር። (1 ጴጥ. 2:12) እንተዀነ ግን: ናይ ሒደት ሰባት ሕማቕ ጠባይን ብሸለልትነት ዝግበር ተግባራትን ኣብ ስም ኣምላኽ ከምኡውን ኣብ ህዝቡ ጸርፊ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። (መክ. 9:18ለ) ንጠባይና ብምርኣይ ካልኦት ሰባት ንማሕበርናን ነቲ እነምልኾ ኣምላኽናን ዝግምግምዎ ምዃኖም ምፍላጥና: ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ንምግባር’ ጥንቁቓት ከም እንኸውን ክገብረና ኣለዎ።—1 ቈረ. 10:31
2 ጽቡቕ ጠባይ:- መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝዛወሩ ሰባት ብስርዓት: ጽቡቕ ጠባይ: ከምኡውን ጽሬት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይምሰጡ ኢዮም። ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓንቲ ሆቴል ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ዘመሓድሮ ሆቴል ዝሓደሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራቤታት ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝረኣኹዎም ቈልዑ እቶም ዝበለጹ ኢዮም! ብኣከዳድናኦም ውርዙዋት ኢዮም፣ እሩማት: ትሑታት: ከምኡውን ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ኢዮም፣ ዋላ ሓደ ነገር ድማ ኣይጽይቑን ኢዮም። ብሓቂ ብደቅኹም ክትነኣዱ ይግብኣኩም ኢዩ። ደቅኹም ኣብዚ ግዜ ምሕላፎም ባህ ኢዩ ዝብለና።” ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ዝወሃብ: እቶም ብገለ መገዲ ምሳና ዝራኸቡ ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ፍቕርን ምክብባርን ክርእይዎ ስለ ዝኸኣሉ ኢዩ።
3 ግቡእ ኣከዳድና:- ናይ ጉባኤ ኣኼባ: ኣሰምብሊ: ወይ ኣውራጃዊ ኣኼባ እንገብረሉ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ከም ኣደራሽ መንግስቲ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ግቡእ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ክህልወና ኣለዎ። እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝካየደሉ እዋንን ደድሕሪኡን: ኣሕዋትን ኣሓትን መንፈስ ዓለም ዘንጸባርቕ ከምኡውን ምስ ዓለም ዘመሳስለና ዘይእዱብ ወይ ዘመን ኣምጽኦ ክዳውንቲ ክኽደኑ የብሎምን። ኣሓት ቅድን ቁመትን ናይቲ ዝኽደናኦ ቀምሽ ኰነ ክዳን ሕንኪ ዘለዎ ምእንቲ ክኸውን ጥንቃቐ ክገብራ ኣለወን። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ቈልዑ ጅንስ ወይ መጻወቲ ክዳውንቶም ክኽደኑ የብሎምን። ኣብ ዓቢ ኣኼባ ክንካፈል ከሎና: ኣብ ሆቴል ኣብ እነዕርፈሉ እዋን: ኣብ ቤት መግቢ ክንበልዕ ከሎና: ወይ ካብ ድኳናት ክንሽምት ከሎና ዘዐንቅፍ ነገር ብዘይምግባር ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃንና ኵሉ ሳዕ ከነርኢ ኣሎና።—2 ቈረ. 6:3
4 ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ኣብቲ እንገብሮ ዓበይቲ ኣኼባታት ቀዳም ንግሆ ጥምቀት ክህሉ ኢዩ። ናይ 1 ሚያዝያ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 30 ብዛዕባ ጥምቀት ክህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ ትገልጽ ኢያ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ጥምቀት ኣርዚንና ክንርእዮ ኣሎና። ስምዒታውያን እንዀነሉ ግዜ ኣይኰነን። እንቓዝነሉ ወይ እንጕህየሉ ግዜ እውን ኣይኰነን።” እቶም ተጠመቕቲ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ ብዘየገድስ ምስ ኣካላቶም ዝጠብቕ: ንኣካላቶም ብግቡእ ዘይሽፍን: ወይ ምስ ተርከሰ ንኣካላቶም ዘርኢ ክዳን ክገብሩ የብሎምን። ስለዚ: ኵሎም ንክርስትያናዊ ጥምቀት ኣርዚኖም ክርእይዎን ብእኡ ክሕጐሱን ኣለዎም።
5 ጴጥሮስ ‘ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽንከውን ከም ዝግብኣና’ ኣዘኻኺሩና ኢዩ። (2 ጴጥ. 3:11) ኣብ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ኣኼባታት እንዛረቦ ቃላት ኰነ እንገብሮ ተግባራት: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ተዓዘብቲ ነቲ ኵሉ ክብርን ውዳሰን ዝግብኦ ዓቢ ኣምላኽና ንኽፈልጡን ንኸምልኹን ዝሕግዞም ይኹን።—1 ቈረ. 14:24, 25