ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/14 ገጽ 2-5
  • “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ንኣምላኽ ዜኽብር ጽቡቕ ጠባይ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ኣኼባ ኣውራጃና—ብዛዕባ ሓቂ ሓያል ምስክርነት ዚህብ መሰናድዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • መንፈሳዊ በረኸት ዚርከበለን ሰለስተ መዓልትታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 4/14 ገጽ 2-5

“ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”

1. ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃ ወይ ኣህጕራዊ ኣኼባ፡ ጽቡቕ ኣካይዳ ኺህልወና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ዓመት ዓመት ኣኼባ ኣውራጃ ኽንገብር ከለና፡ ኣቕልቦ ሰባት ንስሕብ ስለ ዝዀንና፡ ኣካይዳና ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ ብግቡእ ዚውክል ኪኸውን ኣገዳሲ እዩ። (ዘሌ. 20:26) ጽቡቕ ጠባይናን ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓናን ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዝዀንና ብንጹር ኬፍልጠና ኣለዎ። ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃ ወይ ኣህጕራዊ ኣኼባ ኽንእከብ ከለና፡ ‘ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳና ብምጽባቕ’ ንሰማያዊ ኣቦና ኸነኽብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—1 ጴጥ. 2:12።

2. ኣብ እዋን ኣኼባ ኣውራጃ፡ ክርስትያናዊ ባህርይ እነርእየሉ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧

2 ክርስትያናዊ ባህርያት ኣርኢ፦ እቲ ኣብ ንሓድሕድና እነርእዮ ፍቕሪ ዀነ፡ “ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ” እንገብሮ ርክብ፡ ምስቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ዓብላሊ መንፈስ ኪነጻጸር ከሎ ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘለዎ። (ቈሎ. 3:10፣ 4:5፣ 2 ጢሞ. 3:1-5) ምስ ሰራሕተኛታት ሆቴልን ቤት ምግብን ኣብ እንገብሮ ርክብ፡ ጸገማት ኬጋጥም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ለዋሃትን ዕጉሳትን ክንከውን ኣሎና። ነቶም ኣገልግሎት ዚህቡ ሰራሕተኛታት እተወሰነ መቝሽሽ ብምሃብ እውን ጽቡቕ ጠባይ ከም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

3. ንወለዲ እንታይ መዘኻኸሪ እዩ ተዋሂብዎም፧ ስለምንታይከ፧

3 ወለዲ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታን ኣብ ቤት ምግብን ኣብ ሆቴልን ንደቆም ኣጸቢቖም ኪቈጻጸርዎም ኣለዎም። (ምሳ. 29:15) ሓላፊት ሓደ ሆቴል ንሰብ ሓዳር ከምዚ በለቶም፦ “[ንናይ የሆዋ መሰኻኽር] ንፈትውኩም ኢና። ስድራ ቤትኩምን ደቅኹምን እዱባትን ትሑታትን እዮም። ኵሎም ሰራሕተኛታት ብዛዕባኹም ይዛረቡ እዮም፣ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ኵሉ ሳዕ ክትመጹና ንምነ ኢና።”

4. ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ኸባቢ፡ ንትርኢትና እንታይ ቈላሕታ ኽንገብረሉ ይግባእ፧

4 ትሕትና ዜርኢ ኣከዳድና፦ ኣብ እዋን ኣኼባ ኣውራጃ እንኽደኖ ኽዳን ግቡእን ትሕትና ዜርእን ኪኸውን ኣለዎ እምበር፡ ነቲ ኣብ ዓለም ልሙድ ዝዀነ ጠገለ ዘይብሉ ቕድታት ዜንጸባርቕ ኪኸውን የብሉን። (1 ጢሞ. 2:9) ኣብ ሆቴል ክንኣቱ ኸለና ዀነ ኽንወጽእ ከለና፡ ከምኡ እውን ቅድሚ እቲ ኣኼባ ዀነ ብድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ እነሕልፎ ግዜ፡ ጠገለ ዘይብሉ ወይ ወጀሃላይ ትርኢት ክህልወና የብሉን። ከምዚ ዓይነት ጥንቃቐ እንተ ጌርና፡ ባጅ ኣኼባ ኣውራጃና ኸይተሰከፍና ኽንገብሮ፡ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና ኸኣ ምስክርነት ንምሃብ ኣይክንሓፍርን ኢና። እቲ ኣብ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃ ወይ ኣህጕራዊ ኣኼባ ክንእከብ ከለና ዚርአ ትርኢትናን ሰናይ ኣካይዳናን ንቕኑዓት ሰባት ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሰምዕዎ ይማርኾም፡ ንየሆዋ ኸኣ ክብሪ የምጽኣሉ።—ጸፎ. 3:17።

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ 2014

◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ፦ ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ፡ እቲ መእተዊ ሙዚቃ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኺጅምር እዩ። ሽዑ፡ እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅመር፡ ኵላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። ናይ መዛዘሚ ሙዚቃን ጸሎትን እቲ ኣኼባ፡ ዓርብን ቀዳምን 4:55 ድ.ቀ.፡ ሰንበት ድማ 3:50 ድ.ቀ. ኺንገር እዩ።.

◼ ኣህጕራዊ ኣኼባታት፦ ኣብ ገሊኡ ኸባቢ፡ ኣህጕራዊ ኣኼባታት ኪግበር እዩ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ውሱናት ጉባኤታትን ወጻእተኛታት ልኡኻትን ከም ዝዓደመ ኣይትረስዕ። ነዚ መሰናድዎ እዚ ኺገብር ከሎ፡ ኮፍ መበልን ክፍልታት ሆቴልን ኣብ ግምት ብእታው ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ኪዕደሙ ኸም ዘለዎም ብጥንቃቐ ሓሲቡሉ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ዘይተዓደሙሉ ኣህጉራዊ ኣኼባ እንተ ተኻፊሎም ቦታ ኺጸብብ እዩ። ካብቲ እተመደብካሉ ኣኼባ ኣውራጃ ወጻኢ ንኽትካፈል ዜገድድ ኵነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣብ ኣህጕራዊ ኣኼባ ንኽትካፈል ክትመርጽ የብልካን።

◼ መቘም ማካይን፦ ኣብ ኵሉ እቲ ማኪና ደው ከነብል እተፈቕደልና ቦታ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ መኣከቢ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ቐዲሙ ዝመጸ ብዘይ ክፍሊት ማኪና ደው ኬብል ይኽእል እዩ። መቘም ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ውሱን ብምዃኑ፡ ተኣከብቲ ኣብ ሓንቲ ማኪና፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚመጹ ብጕጅለ ኺመጹ ይግባእ።

◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ፦ ንግሆ ማዕጾ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ መአከቢ ኪኽፈት ከሎ፡ በጃኻ ዝመረጽካዮ ቦታ ንምሓዝ ኢልካ ምስቶም ተኣከብቲ ኣይትቀዳደም። እቲ ጥቕሚ ኻልኦት ንኸነቐድም ዚድርኸና ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀንና ዜፍልጠና እዩ፣ ንተዓዘብቲ ኸኣ ንኣምላኽ ንኺውድስዎ ይድርኾም እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35፣ 1 ቈረ. 13:4, 5፣ 1 ጴጥ. 2:12) ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳና ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳና ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ንኣረጋውያንን ንድኹማትን ፍሉይ ቦታ ይሕዝኣሎም እዩ። እዚ ኾፍ መበሊ እዚ ውሱን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣረጋዊ ወይ ነቲ ድኹም ዚሕግዞ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ምስኡ ኾፍ እንተ በሉ ዝሓሸ እዩ።

◼ ምሳሕ፦ ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ፡ በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራ ቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ ዀነ ጠራሙዝ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።

◼ ወፈያታት፦ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ውጽኢት ገንዘብ ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ብቸክ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ናብ ሃገርኩም ናብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ብደቢት/ክረዲት ካርድ እውን ወፈያ ኺግበር ይከኣል እዩ።

◼ መድሃኒት፦ ብሓኪም እተኣዘዘልካ መድሃኒት ክትወስድ ዜድልየካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ስለ ዘይቀርብ፡ ዝኣኽለካ ሒዝካ ምጻእ። ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ዚውግእሉ ስሪንጋን መራፍእን ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ወይ ኣብ ሆቴል ኣብ ዝዀነ ይኹን መደርበዪ ጐሓፍ ዘይኰነስ፡ ንሓደገኛ ነገራት ተባሂሉ ኣብ እተዳለወ መጕሓፊ ብጥንቃቐ ኺድርበ ኣለዎ።

◼ ኣብ ሓደጋ ንኸይትወድቕ ምጥንቃቕ፦ ብፍላይ ነቲ ዜንሻትትን ዚዓናቕፍን ነገራት፡ ሓደጋ ኼስዕብ ስለ ዚኽእል ኣቕልበሉ። ኣብ ዓዓመት ብፍላይ ነዊሕ ታኮ ምስ ዘለዎ ጫማ እተተሓሓዘ ጕድኣት የጋጥም እዩ። ኣብ መደያይቦታትን መሰጋገሪታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ከይተሸገርና ንኽንረግጽ ዜኽእለና ትሕትና ዜንጸባርቕ ምሹእ ጫማ ምውዳይ ዝሓሸ እዩ።

◼ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፦ ኣብ ገሊኡ ቦታታት እቲ ኣኼባ ብኤፍ.ኤም. ናይ ረድዮ ማዕበል ኪፍኖ እዩ። ነዚ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኽትጥቀሙሉ ሓንቲ ንእሽቶ ኤፍ.ኤም. እትቕበል መሳርሒትን መስምዕን ክትማልኡ ኼድልየኩም እዩ።

◼ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፦ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ሒዝኩም ኣይትምጽኡ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጥቓ እቶም ወለዲ ኪቕመጥ ዚኽእል ንድሕንነት ሕጻናት እተዳለወ ፍሉይ መናብር ይፍቀድ እዩ።

◼ ኣታኽልቲ፦ ኣታኽልቲ ኽትተክልን ከተዕብን ጻዕርን ግዜን ስለ ዚሓትት፡ በጃኹም ንደቅኹም፡ ኣብቲ መአከቢ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንዘሎ ዕምባባታትን ኣታኽልትን ከይቅንጥቡ ወይ ከይምሕዉ ምሃርዎም።

◼ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትብሃል ፎርም፦ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ እትብሃል ፎርም፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ፡ ምእንቲ ኺከታተልዎ ንኽፍሊ መጻሕፍቲ፡ ወይ ናብ ጉባኤኻ ምስ ተመለስካ፡ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።

◼ ኣብያተ ምግቢ፦ ኣብ ኣብያተ ምግቢ ብጽቡቕ ጠባይካ ንስም የሆዋ ኣኽብሮ። ንክርስትያናት ኣገልገልቲ ኸም ዚግባእ ጌርና ኽንክደን ኣሎና። ኣብቲ ኸባቢ ልሙድ እንተ ዀይኑ፡ መቝሽሽ ሃብ።

◼ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፦ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከም መደቀሲ ዀይኑ ኼገልግል ኣይንመርጽን ኢና። ዜገድድ ኵነታት እንተ ተፈጢሩ ግና፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚሓድሩ፡ ብጽሬትን ብጽፈትን ንኺሕዝዎ ሓላፍነት ኪስምዖም ይግባእ። እቲ መደቀሲ ብግቡእ ኪዕጸፍ፡ ዝፈሰሰ ነገራት ብኡብኡ ኺውልወል፡ ወረቓቕትን ካልእ ጐሓፍን ከኣ ኣብቲ ንዕኡ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ።

◼ ሆቴላት፦

  1. ብእተኻእለ መጠን ሆቴል እንተ ሓዝኩም ይምረጽ። ካብቲ ብሓቂ ዜድሊ ንላዕሊ ኽፍልታት ኣይትሕዝኡ፡ ካብቲ እተፈቕደ ንላዕሊ ድማ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኣይተሕድሩ።

  2. ኣዝዩ ህጹጽ ኵነታት ኬጋጥመኩም ከሎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ እተሓዝኣልኩም ቦታ ኣይትሰርዝዎ። ክትስርዝዎ ምስ ዜድልየኩም ግና፡ ነቲ ሆቴል ብኡብኡ ኣፍልጥዎ። ከመይሲ፡ ካልኦት መዕረፊ ዜድልዮም ኪጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም።—ማቴ. 5:37።

  3. ሰራሕተኛታት እቲ ሆቴል ባልጃኹም ምስ ዚስከሙልኩም፡ ኣብ ከባቢኹም ልሙድ እንተ ደኣ ዀይኑ መቝሽሽ ሃብዎም። ነታ ኽፍልኹም እተጽርየልኩም እውን በብመዓልቱ መቝሽሽ ግደፉላ።

  4. (ኣብቲ ምግቢ ኽትክሽኑ ዘይፍቀደልኩም ክፍልታት ኣይትኸሽኑ።

  5. ምስ ሰራሕተኛታት ሆቴል ኣብ ዘለኩም ርክብ፡ ኵሉ ሳዕ ፍረ መንፈስ ኣርእዩ። ንሳቶም ንብዙሓት ኣጋይሽ እዮም ዚኣልዩ፣ ንለውሃትናን ንትዕግስትናን ንልእመትናን ከኣ የማስዉሉ እዮም።

  6. ወለዲ ንደቆም ኣብ ከባቢ እቲ ሆቴል፡ ማለት ኣብ መሓምበሲ ጋብላ፡ ኣብ መዛነዪ ቦታታት ኰነ ኣብ ክፍሊ ምውስዋስ ኣካላት ኵሉ ሳዕ ኪቈጻጸርዎም ኣለዎም።

◼ ጽሬት፦ ክፍሊ ጽሬት በብእዋኑ ጽሬት ኪግበር ዚውድብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵላትና እቲ የሆዋ ኻብ ህዝቡ ዚጽበዮ ዝለዓለ ደረጃ ጽሬት ምእንቲ ኺዕቀብ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ፡ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ ይኹን ኣብ እዋን ዕረፍቲ ሕማቕ ትርኢት ምእንቲ ኸይህልዎ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዝወደቐ ወረቓቕቲ ወይ ካልእ ጐሓፍ፡ ኣብ ባይታ እቲ ኣዳራሽ ወይ ኣብ ባይታ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ኺግደፍ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኡብኡ ኣብቲ ንጐሓፍ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ካብ ኮፍ መበሊና ተንሲእና ኽንከይድ ከለና፡ ኣብ ከባቢና ዝወደቐ ነገራት እንተ ኣልዩ ብምርኣይ፡ እናኣልዓልና እንተ ኸድና ዚነኣድ እዩ።

◼ ኣገልግሎት ወለንተኛ፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኼገልግል ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ናብቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ወለንተኛ ኼመልክት ኣለዎ። ዕድሚኦም ትሕቲ 16 ዝዀነ ቘልዑ እውን፡ ምስ ወለዶም ወይ ምስ መጕዚቶም ወይ ከኣ ምስ ካልእ ብወለዶም ወይ ብመጕዚቶም ሓላፍነት እተዋህቦ ሰብ ኰይኖም ኪሰርሑ ይኽእሉ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ