“ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ”
1 የሱስ ክርስቶስ ነቲ ዕዮ ስብከት ብቐረባ ይቈጻጸሮ ኣሎ። (ማቴ. 28:20፣ ማር. 13:10) ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ንጡፋት ኣወጅቲ እታ መንግስቲ ኣብ 234 ሃገራት ይምስክሩ እኳ እንተለዉ: ናይ ምስክርነት ዕዮና ከም እተወድአ ገይርና ክንቈጽሮ የብልናን። ኣምላኽ እቲ ዕዮ ከም እተፈጸመ ክሳዕ ዝሕብረና: ነቲ ዝፈለጥናዮ “ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ።”—ግብ. 4:20
2 ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል:- ሰይጣን ተስፋ ንኸቝርጸና ኢሉ ሓያል ጸቕጢ የውርድ ኢዩ። (ራእ. 12:17) እቲ ዘይፍጹም ስጋና እውን ብዙሕ ጸገማት የምጽኣልና ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንኣቓልቦና ካብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ክሰርቆ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና: መንፈሱ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ክንሰግር ክሕግዘና ኢዩ።
3 እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ከቢድ መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠማ: እቶም ኣሕዋት ነቲ ቓል ኣምላኽ ብትብዓት ምእንቲ ክዛረቡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ደልዮም ጸለዩ። የሆዋ ድማ መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም ብምፍሳስ ከምኡውን ነቲ ስብከት ንምቕጻል ዘድሊ ቅንእን ቈራጽነትን ብምሃብ ንጸሎቶም ምላሽ ሃበሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ነቲ ብስራት ብትብዓት ምስባኽ ኣየብኵሩን ነበሩ።—ግብ. 4:29, 31፣ 5:42
4 ዘጃጁ ዘረባ ምስ እትሰምዕ ኣይትፍራህ:- ኣብ ከባቢና ዝዝረብ ዘረባ ወይ ናይ ጸለመ ወረ ከጃጅወና ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:29-32 ተመዝጊቡ ዘሎ: ጴጥሮስን ሃዋርያትን ኣብ ሳንሄድሪን ብትብዓት እተዛረብዎ ዘረባ ዘክር። ከምቲ መምህር ሕጊ ዝነበረ ገማልኤል እተዛረቦ: ግብሪ ኣምላኽ ብሰባት ክፈርስ ኣይክእልን ኢዩ። ብሓይልና ኣይኰንናን እንፍጽሞ ዘሎና። እዚ ዓቢ ዕዮ እዚ ብደገፍ ኣምላኽ ኢዩ ቈይሙ ዘሎ: ንሱ ጥራይ ኢዩ ኸኣ ኣብ መፈጸምታኡ ከብጽሖ ዝኽእል!—ዘካ. 4:6
5 የሆዋ መንፈሱ ንኸፍስሰልናን ብቕንኢ ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ንኽሕግዘናን መዓልቲ መዓልቲ ንለምኖ። ልክዕ ከም ኤርምያስ: እቲ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዓጻጽምትና ከም ዝነድድ ሓዊ ኢዩ ንበል። (ኤር. 20:9) ትም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና!