ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/04 ገጽ 5
  • ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • መንፈሳዊ በረኸት ዚርከበለን ሰለስተ መዓልትታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንየሆዋ ተጸበዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣርኣያ ኹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 8/04 ገጽ 5

ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ

1. በካይዳና ዅሉ ቕዱሳት ክንከውን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

1 ኣገልገልቲ እቲ ቕዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና: ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ንጽዕር ኢና። (1 ጴጥ. 1:15, 16) እዚ ማለት ድማ ስርዓታት የሆዋ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኽንጽዕር ኣሎና። ናይዛ ዓመት ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ እንገብሮ ዅሉ ቕድስና ኸነርኢ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ።

2. ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ጽቡቕ ኣካይዳ ብኸመይ ነርኢ፧

2 ኣአንገድቲ ኣብ ማካይን ደው መበልን ኣብ ኣደራሽን መምርሒ ምስ ዚህቡኻ በጃኻ ተሓባበሮም። (እብ. 13:17) ወለዲ ንደቆም ዋላ እውን ኰተቴታት እንተዀኑ: ምስ መሳቱኦም ኮፍ ኪብሉ ኣብ ክንዲ ዜፍቅድሎም: ምስኦም ኮፍ ኬብልዎም ይግባእ። ዝዀነ ይኹን ናይ መቕድሒ መሳርሒታት ምስቲ ዚዝርጋሕ ናይ ኤሌክትሪክን ድምጽን ገመዳት ኪተሓሓዝ የብሉን: ንኻልኦት ድማ ዚርብሽ ኪኸውን የብሉን። ስእሊ ኽትስእል እንተ ደሊኻ: ኣብ እዋን ኣኼባ ማሕታ ኽትጥቀም ኣይፍቀድን እዩ። ኣቓልቦ ኻልኦት ምእንቲ ኸይትሰርቕ ድማ ሞባይል ኪጠፍእ ይግባእ። ወለዲ ደቆም ስዲ ምእንቲ ኸይከዱ: ጠባዮም ድማ ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽእ ምእንቲ ኪኸውን ኪቘጻጸርዎም ይግባእ።—ምሳ. 29:15

3. እቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት እነርእዮ ጠባይ ብኸመይ ንኣምላኽ ክብሪ የምጽኣሉ፧

3 ጠባይና ኻብ ካልኦት እተፈለና ይገብረና ንኣምላኽና ድማ ክብሪ የምጽኣሉ። (1 ጴጥ. 2:12) ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር የተኵርሎም እዮም። ስለዚ እምበኣር: ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ንምዃን ቈራጻት ኩኑ።

በካይዳኻ ቕዱስ ኩን

◼ ንደቅኻ ብቐረባ ተኸታተሎም

◼ ንኻልኦት ሕለ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ