ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/00 ገጽ 2-5
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 10 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 17 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 24 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 31 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 7 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 7/00 ገጽ 2-5

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

10 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ብዛዕባ ናይታ ሃገርን ጉባኤን ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳባት ሃብ። በጃኻ ናይ ጉባኤኻ ጠቕላላ ቍጽሪ ኣስፋሕትን ፓይነራትን ጥቐስ። ክንደይ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከም ዘገልገሉ ጥቐስ። ገምጋም ሰዓታት ኣስፋሕቲ እውን ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ኵሎም ስርዓታውያን ኰይኖም ከገልግሉ ኣተባብዕ። ማዕረ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ክህልወናዶ ይኽእል ኢዩ፧ ናብታ “ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ተመልከት” እትብል ዓንቀጽ ከም ዘቕልቡ ግበር: ካብቲ ተሓቢሩ ዘሎ ኣቀራርባታት ድማ ምስቲ ዞባ ዝኸይድ ሓደ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ።

15 ደቒቕ:- “ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ዕዮ ስብከትና ኣርዚንና እንርእየሉ ምኽንያታት ኣጕልሕ። ካብ ናይ 15 ጥሪ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-4 ዝሰማማዕ ነጥብታት ወሲኽካ ኣቕርብ።

18 ደቒቕ:- ብዛዕባ መጻኢኻ ጥበበኛ ኹን። ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ መንእሰያት ምስቲ ዘፍቅርዎ ሰብ ዘሐጕስ መጻኢ ከሕልፉ ይደልዩ ኢዮም። እዚ ባህርያዊ እኳ እንተ​ዀነ: ዕዉታት ክዀኑ እንተ ደልዮም ኣምላኻዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ኣለዎም። (ምሳ. 19:⁠20) ኣብ ግዜ ንእስነት ብኣንጻር ጾታ ብቐሊሉ ኢኻ እትስሓብ። ነቲ ዝፍጠር ስምዒታት ምቍጽጻር እንተ ዘይተገይሩሉ: ሓደገኛ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ኰተቴታት ምስ ኣንጻር ጾታ ዝገብርዎ ምቅርራብ ስምዒታዊ ስለ ዝዀነን ምስ ኣንጻር ጾታ ናብ ምቍጻር ክመርሖም ስለ ዝኽእልን ብዛዕባ እቲ መንእሰያት ዘለዎም ጥበብ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል ኢዩ። ኣብታ ያንግ ፒፕል ኣስክ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 231-5 ዝርከብ ማዕዳ ግለጽ። ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-23 ዝርከብ መንእሰያት ንኣምላኽ ዘለዎም ምሉእ ግዴታ ክፍጽሙ ኣድላዪ ምዃኑ ዘርኢ ቀንዲ ነጥብታት ኣጕልሕ። ኰተቴታት ነዚ ምኽሪ እዚ ከስተንትኑሉ: ሕቶ እንተለዎም ከኣ ምስ ወለዶም ክመያየጡሉ ኣተባብዕ።

መዝሙር 15ን መዕጸዊ ጸሎትን

17 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 23

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ በታ መለኮታዊ ስም እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ብኸመይ ከም እትሕግዞ ግለጽ።​—⁠መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 196-7 ርአ። ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና 10/99 ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ከም እተድልየና ጥቐስ።

10 ደቒቕ:-  እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ጽቡቕ ናይ ምምሃር ክእለት ዘለዎ ሓው ነዚ ዝስዕብ ኵነታት ብመርኣያ ንምቕራብ ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ወይ ፓይነር ይጥቀም። በዓል ቤት ኣብ መንጎ ዝርርብ ብምዅላፍ “ትዛረቦ ዘሎኻ ብዛዕባ ሃይማኖት ድዩ፧” ኢሉ ይሓትት። ‘ብዛዕባ ሃይማኖት ኣይኰናን ንዛረብ ዘሎና’ ምባል ንምንታይ ሓቂ ከም ዘይኰነ ግለጽ። ድሕርዚ በቲ ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ገጽ 9 ‘ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገዳስነት የብለይን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ካብ ዘሎ ሓሳባት ብምውሳድ: እቲ ኣስፋሒ ከመይ ገይሩ ብሜላ ግን ከኣ ሓቀኛ መልሲ ከም ዝህብ ኣርኢ። ክልተ ክትጥቀመሉ እትኽእል መልስታት ኣርኢ:- እታ ኻልኣይቲ እተመስረተት ኣብ ትሕቲ እቲ ኣርእስቲ ዝርከብ ካልኣይ ሓሳብ ኰይና ኣብ ርትዓውነት ከተኵር ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ዝቐርብ ካልኣይ መርኣያ እቲ ኣስፋሒ ኣብ መዓልቲ መጽሔት መጽሔታት የበርክት ከም ዘሎ ይኸውን። ካብ 30-60 ካልኢት ብዝወስድ ኣቀራርባ ሓንቲ መጽሔት ብምጕላሕን ነቲ ብወፈያ ዝሽፈን ኣሰራርሓ ብምጥቃስን ክልተ መጽሔታት ነቲ በዓል ቤት የበርክተሉ። (ነቲ ኣብ ናይ 8 ሕዳር 1999 ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝቐረበ ጽሑፍ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።) ድሕርዚ እቲ በዓል ቤት “ከንብበን ምደለኹ: ሕጂ ግን ገንዘብ የብለይን” ይብል። እቲ ኣስፋሒ ነቲ መጽሔታት ገንዘብ ከም ዘይክፈሎ: እቲ በዓል ቤት ብሓቂ ከንብበን እንተ​ድኣ ደልዩ ክወስደን ከም ዝኽእል ይነግሮ። ወሲኹ ድማ ሓድሓደ ግዜ ወፈያ ክገብሩ ባህጊ ዘለዎም ግን ከኣ ገንዘብ ዘይብሎም ሰባት ከም ዘጋጥሙና: እዚ እውን ከም ዝርድኣና ይገልጽ። ገንዘብ ምስ ረኸበ ካልእ መዓልቲ ወፈያ ክገብር ከም ዝኽእል ይሕብሮ: እቲ ጽሑፍ ዝጠቕሞ ንኽኸውን ድማ ተስፋኡ ይገልጽ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣስፋሒ ብዛዕባ ስላሴ ክሕተት ከሎ እንታይ ጽሑፍ ከም ዝጥቀም ሕተቶ። ኣብቲ ኵነታትን ዕምቈት ናይቲ ሕቶን ብምምርኳስ ካብ ምምርማር (እንግሊዝኛ): ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ንዘለኣለም ምንባር: ወይ ስላሴ ዝበሃል ጽሑፋት ክንጥቀም ከም እንኽእል ግለጽ። በቲ ኣብ ቈሎሴ 4:⁠6 ዘሎ ቃላት ገይርካ ደምድም።

20 ደቒቕ:- ከም ኣብነት ገይርካ እትቐድሖ መን ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ሓደ ኣቦ ምስ ሓደ ወይ ክልተ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘለዉ ደቁ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ይመርሕ ከም ዘሎ ይኸውን። ኣብ ቀረባ እዋን ዕላሎም ብዛዕባ ህቡባት ስፖርተኛታት: ውሩያት ተዋሳእቲ: ኣብ ቲቪ ዝርኣዩ ገጸ⁠-​ባህርያት: ከምኡውን ብዛዕባ ሙዚቀኛታት ከም ዝዀነ ይግንዘብ። እዚ መርኣያ ናይ ዓለም መንፈስ ስለ ዝዀነ በዚ ተሳሒቦም ምርኣዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ይገልጽ። ነቲ ኣብ ናይ 22 ግንቦት 1998 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 12-14 ዘሎ ይመያየጥሉ። እቶም መንእሰያት ንውሩያት ዓለማውያን እተወፈኻ ምዃን ሓደገኛ ምዃኑ ይግንዘቡ: ዓለማዊ ዝና ንክርስትያናት ዋላ ሓንቲ ከም ዘይጠቕሞም ድማ ይሰማምዑሉ። ንወለዲ: ሽማግለታት: ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣብነታውያን ኣሕዋት: ብፍላይ ድማ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ኣብነቶም ገይሮም ምስ ዝቐድሕዎ ዘምጽኦ ረብሓ ይዘራረቡሉ።

መዝሙር 34ን መዕጸዊ ጸሎትን

24 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 45

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ። ክልተ ኣገልገልቲ ጉባኤ ነቲ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-20 ተዋሂቡ ዘሎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ይመያየጥሉ። ብቕዓት ናይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ብግቡእ ዝምርመር ምዃኑ የማስዉሉ: ነቲ እተዋህቦም መዝነት ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ንምርኣይ ብብሕቶም እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ድማ ይመያየጡ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ሰናይ ኣብነት ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ የተኵሩሉ: ንኻልኦት ብሕታዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ንሽማግለታት ክድግፍሉ ዝኽእሉ መገድታት ከኣ ይመያየጥሉ። እታ ጉባኤ ንህጹጽነት ናይዚ ግዜ እዚ ከምኡውን ብመንፈስ ምዕባይን ምብልጻግን ኣድላዪ ምዃኑ ንኽትርድኦ ዝከኣሎም ክገብሩ ከም ዝደልዩ ይሰማምዑ።

10 ደቒቕ:- ነታ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 1999 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትርከብ “ካብዚ ዘለኻሉ ከባቢ ናይ ምግዓዝ መደብ ኣለካ ድዩ፧” እትብል ዓንቀጽ ኣቕርብ። ካብታ ኣብ ናይ ግንቦት 1999 ሕታም ዘላ ሕቶ ሳጹን ኣብ ሕጡብ⁠-​ጽሑፍ 3ን 4ን ዝርከብ ዝሰማማዕ ሓሳባት እውን ወሲኽካ ኣቕርብ። ብዛዕባ እቶም ናብ ካልእ ቦታ ምስ ገዓዙ ብዘይ​ጠቅም ምኽንያት ዘይስርዓታውያን ዝዀኑ ወይ ዝዝሕትሉ ንጭነቕ ምዃንና በጃኻ ኣጕልሕ። ንየሆዋን ነቲ ህይወት ዝህብ ሓቅን ዘሎና ፍቕሪ ምስቶም ኣብቲ እንኸዶ ቦታ ዘለዉ ኣሕዋት ብኡንብኡ ንምሕባር ብግቡእ ንኽንዳሎ ክድርኸና ኣለዎ።

15 ደቒቕ:- ውጽኢታዊ መእተዊታት ተጠቐም። ካብቲ ኣብ ገጽ 2-7 ናይታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ክልተ ወይ ሰለስተ መእተዊታት ምረጽ: ኣብ ዞባ ናይታ ጉባኤ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ክትጥቀሙሉ ከም እትኽእሉ ድማ ግለጽ። ንሰማዕቲ “ኣብ መገዲ: ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት: ወይ ኣብ ካልእ መዳያት ኣገልግሎት ንሓደ ሰብ ከተዘራርቡ ክትቀርቡ ከለኹም እንታይ መእተዊታት ኢኹም እትጥቀሙ፧” ኢልካ ሕተቶም። ግዜ ከም ዝፈቕዶ ሓደ ወይ ክልተ መእተዊታት ብመርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 54ን መዕጸዊ ጸሎትን

31 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 66

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኵሎም ናይ ሓምለ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብሮሹራት ክዕድሉ ኸለዉ ዝረኸብዎ ተመክሮታት ከዘንትዉ ንሰማዕቲ ዓድሞም።

12 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

18 ደቒቕ:- “ንትዕግስቲ የሆዋ ተማስወሉዶ ኢኻ፧ ” ሕቶን መልስን። የሆዋ ዓቃል ምዃኑ ዘርኢ ዝሰማማዕ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።​—⁠ኢንሳይት ጥራዝ 2 (እንግሊዝኛ) ገጽ 263-4 ርአ።

መዝሙር 75ን መዕጸዊ ጸሎትን

7 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 88

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

17 ደቒቕ:- “ሓናኽ ዲኻ፧” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 43-4 ዝርከብ ዘተባብዕ ተመክሮታት ኣዘንቱ።

18 ደቒቕ:- “ንኣምላኽ ዘኽብር ጽቡቕ ጠባይ ይሃልኹም።” ሕቶን መልስን።

መዝሙር 101ን መዕጸዊ ጸሎትን

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ስእሊ]

(ናብ 3ይ ገጽ ይቕጽል )

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ኣገልግሎት . . . (ካብ ገጽ 2 ዝቐጸለ )

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ