ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
የሱስ “ብዙሓት ኪአትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም: እብለኩም አሎኹ እሞ: በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ ” ብምባል ተማሕጸነ። (ሉቃስ 13:24) ከምዚ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ: ሎሚ ኣብ ግብሪ ዝውዕልከ ብኸመይ ኢዩ፧
እዛ ኣገዳሲት ጥቕሲ እዚኣ እተባህለትሉ ግዜን ቦታን ኣብ ግምት ብምእታው ብዝበለጸ ክንርድኣ ንኽእል ኢና። የሱስ ገለ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቅድሚ ሞቱ: ኣብ ዝኽሪ ዓመት ናይ በዓል ምሕዳስ ቤት መቕደስ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። ጓሳ ናይ ኣባጊዕ ኣምላኽ ምዃኑ ተዛረበ: እቶም ኣይሁድ ብሓፈሻ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ ግን ኣብ መንጎ እዘን ኣባጊዕ እዚኣተን ከም ዘይነበሩ ገለጸ። ንሱ ምስ ኣቡኡ “ሓደ” ከም ዝነበረ ምስ ተዛረበ: እቶም ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ እምኒ ኣልዓሉ። ናብ ፐርያ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ሃደመ።—ዮሃንስ 10:1-40
ኣብኡ ሓደ ሰብኣይ “ጐይታይ: ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ሉቃስ 13:23) እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ሒደት ጥራይ ኢዮም ድሕነት ዝረኽቡ ኢሎም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ: ንኽሓትት እትሰማማዕ ሕቶ ኢያ ነይራ። በቲ ዘርኣይዎ ኣመለኻኽታ: እቶም ሓሲቦምዎም ዝነበሩ ሒደት በዓል መን ምዃኖም ንምግማት ኣየሸግርን ኢዩ። ከምቲ ደሓር እተራእየ ምዕባለታት ዝሕብሮ: ክሳዕ ክንደይ ግጉያት ኰን ኢዮም ነይሮም!
ንገለ ክልተ ዓመታት: የሱስ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ይምህር: ተኣምራት ይገብር: ከምኡውን ወረስቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ንምዃን ኣጋጣሚ ይኸፍት ነበረ። እንታይ ፍረኸ ረኸበ፧ ንሳቶም: ብፍላይ ድማ እቶም መራሕቶም: ዘርኢ ኣብርሃም ብምዃኖምን ሕጊ ኣምላኽ ብሕድሪ ስለ እተዋህቦምን ዕቡያት ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 23:2፣ ዮሃንስ 8:31-44) ንድምጺ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ግን ኣፍልጦን ምላሽን ኣይሃብሉን። ኣባላት ናይታ መንግስቲ ብምዃን ኣብቲ ዝለዓለ ዓስቢ ንምእታው ኣብ ቅድሚኦም ከም ክፉት ደገ ኢዩ ነይሩ: ንሳቶም ግን ምእታው ኣበዩ። ነቲ ናይ የሱስ መልእኽቲ ሓቂ ዝሰምዑ: ምላሽ ሂቦም ከኣ ምስኡ ዝጠበቑ ብተዛማዲ ሒደት: መብዛሕትኦም ከኣ ካብቶም ትሑት ደረጃ ዝነበሮም ጥራይ ኢዮም ነይሮም።—ሉቃስ 22:28-30፣ ዮሃንስ 7:47-49
ብመዓልቲ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ንኽቕብኡ ዝበቕዑ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ እቶም ዳሕሮት ኢዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-38) ንሳቶም ካብቶም ነቲ ተኸፊቱሎም ዝነበረ ኣጋጣሚ ንምውሳድ ስለ ዝሰነፉ ዝበኽዩን ኣስናኖም ዝሓርቀሙን ብየሱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገበርቲ ዓመጻ ኣይኰኑን።—ሉቃስ 13:27, 28
ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እቶም “ብዙሓት” ተባሂሎም ዘለዉ ብሓፈሻ ኣይሁድ: ብፍላይ ድማ እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኢዮም ነይሮም። እዚኣቶም ስምረት ኣምላኽ ከም ዝደልዩ ይዛረቡ ነበሩ —ስምረት ኣምላኽ ዝደልዩ ዝነበሩ ግን ብናይ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓታትን መገድታትን ኢዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ድማ: እቶም ክፍሊ ናይታ መንግስቲ ንምዃን ልባዊ ተገዳስነት ብምርኣይ ዝመለሱ ብተዛማዲ “ሒደት” ዝዀኑ ሰባት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቅቡኣት ኣባላት ኰኑ።
ሕጂ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዝፍጸም ብዝያዳ ዝዓበየ ኣወዓዕልኡ ርአ። ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ዝካፈሉ ማእለያ ዘይብሎም ውልቀ-ሰባት ንሰማይ ከም ዝኸዱ ተማሂሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: እዚ ሓያል ባህጊ እዚ ኣብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ርጡብ ትምህርትታት እተመርኰሰ ኣይኰነን። ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ኣይሁድ: እዚኣቶም ስምረት ኣምላኽ ዝደልዩ ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ጥራይ ኢዮም።
ይኹን እምበር: ኣብ ግዜና ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ብትሕትና ዝመለሽሉ: ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ: ከምኡውን ስምረቱ ንኽረኽቡ ብቑዓት ዝዀኑ ብተዛማዲ ክረአ ኸሎ ሒደት ዝዀኑ ኣለዉ። እዚ ድማ “ደቂ መንግስቲ” ንኽዀኑ መሪሕዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 13:38) ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቅቡኣት “ደቂ” ካብ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም ክዕደሙ ጀመሩ። እቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ርክብ ከም ዝገበረ ዝገልጽ መርትዖ: ብመሰረቱ እቶም ኣባላት ናይቲ ሰማያዊ ክፍሊ ከም እተጸውዑ ዝገልጽ ምዃኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ፈሊጦም ኢዮም። ስለዚ ኸኣ: እቶም ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተማህሩ ሰባት: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሕጂ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ተረዲኦም ኢዮም። እዚኣቶም ነቶም ንሰማይ ናይ ምኻድ ተስፋ ዘለዎም እናጐደሉ ዝኸዱ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያን ቍጽሪ ሓሊፎሞ ኢዮም። ሉቃስ 13:24 ብቐንዳ ኣብቶም ንሰማይ ክኸዱ ዘይጽበዩ ሰባት ዘይትውዕል እኳ እንተዀነት: ንዕኦም ዝኸውን ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ግን ሒዛ ኣላ።
የሱስ ክንጋደል ክመኽረና ኸሎ: ንሱ ይኹን ኣቡኡ ምእንቲ ክንዕንቀፍ ኣብ መገድና ጸገማት ከም ዘንብሩ ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ነቶም ዘይበቕዑ ሰባት ይኽልክሎም ምዃኑ ካብ ሉቃስ 13:24 ክንርዳእ ንኽእል ኢና። “ተጋደሉ” ክበሃል ከሎ ክንቃለስን ክንጽዕርን ከም ዘሎና ዝሕብር ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ‘እጽዕርዶ ኣሎኹ ኢየ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ሉቃስ 13:24 ከምዚ ተባሂላ ብኻልእ ቃላት ክትግለጽ ትከኣል ኢያ:- ‘ብዙሓት ክኣትዉ እናደለዩስ ኣይኰነሎምን ኢዩ እሞ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ክጋደል ኣሎኒ። ስለዚ ብሓቂዶ እጋደል ኣሎኹ ኢየ፧ ከምቲ ምእንቲ ኽዕወት ዝከኣሎ ዘበለ ዅሉ ዝገብር ኣብ ጥንታዊ ስታድዩም ዘሎ ተቐዳዳማይ ድየ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ተቐዳዳማይ ጐቦ ልቡ: ንነገራት ኣቕሊሉ ዝርኢ ኣይከውንን ኢዩ። ኣነኸ ንነገራት ኣቕሊለ ዝርኢዶ ኢየ፧’
ገለ ሰባት ኣብቲ ንዕኦም ዝጥዕሞም ግዜ: ከምቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ቀሊል ኣካይዳ ገይሮም ‘በታ ጸባብ ደገ ክኣትዉ’ ከም ዝደልዩ ኢዩ ናይ የሱስ ቃላት ዘመልክት። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ንመሰኻኽር ኣሕዋት ክትንክፎም ይኽእል ኢዩ። ገሊኦም ከምዚ ኢሎም ክሓስቡ ይኽእሉ ኢዮም:- ‘ሓያሎ መስዋእትታት ብምግባር ንዓመታት ዝኣክል እተቓለሱ ውፉያት ክርስትያናት እፈልጥ ኢየ፣ እንተዀነ ግን: መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ገና ኣብ እዋን ሞቶም ኣይመጸን። ስለዚ ቀስ እንተ በልኩ: ልሙድ ኣነባብራ እንተ ነበርኩ ይሕሸኒ።’
ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ ቀሊል ኢዩ: ብሓቂ ግን ጥበባዊ ድዩ፧ ንኣብነት: እቶም ሃዋርያት ከምኡ ኢሎም ሓሲቦምዶ ይዀኑ፧ ፈጺሞም ኣይሓሰቡን። ክሳዕ ዕለተ ሞቶም ዘለዎም ኵሉ ንሓቀኛ ኣምልኾ ሃቡ። ንኣብነት: ጳውሎስ ከምዚ ክብል ከኣለ:- “[ብዛዕባ ክርስቶስ] ንነግር አሎና። ነዚ ድማ ኣነ: ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ: እጽዕር አሎኹ።” ደሓር ድማ “በቲ ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ንኣመንቲ: ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዐይን እንጽዕርን ዘሎና” ብምባል ጸሓፈ።—ቈሎሴ 1:28, 29፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:10
ጳውሎስ ብምግዳሉ ብሓቂ ቅኑዕ ግብሪ ከም ዝገበረ ንፈልጥ ኢና። ነፍሲ ወከፍና ከምቲ ጳውሎስ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ” ዝበሎ ክንብል ምኽኣልሲ ክሳዕ ክንደይ ዕግበት ዘምጽእ ኰን ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:7) ስለዚ ምስቲ ኣብ ሉቃስ 13:24 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሱስ ብምስምማዕ: ነፍሲ ወከፍና ‘ብትግሃትን ብጻዕርን ድየ ዝዓዪ ዘሎኹ፧ እወ: ነቲ “በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ” ዝብል ናይ የሱስ ማዕዳ: ኣብ ልበይ ከም ዘሕደርክዎ ዘርኢ እኹል ስርዓታዊ መርትዖ እህብ ድየ፧’ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና።