ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 82 ገጽ 192-ገጽ 193 ሕ.ጽ. 4
  • የሱስ ኣብ ጴርያ ዝገበሮ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ኣብ ጴርያ ዝገበሮ ኣገልግሎት
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንደገና ናብ የሩሳሌም ገጹ የምርሕ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ‘ግዜኡ ኣይበጽሐን’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • “ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “እታ ጊዜ በጺሓ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 82 ገጽ 192-ገጽ 193 ሕ.ጽ. 4
ሓንቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ትእክቦም

ምዕራፍ 82

የሱስ ኣብ ጴርያ ዝገበሮ ኣገልግሎት

ሉቃስ 13:22–14:6

  • በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ተጋደሉ

  • የሱስ ኣብ የሩሳሌም ኪመውት ነበሮ

የሱስ ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን መሃረን ኣሕወየን። ድሕሪኡ፡ ፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊሩ ኣብ ኣውራጃ ጴርያ ኣብ ከከተማኡ ይምህር ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ናብ የሩሳሌም ኪምለስ ነበሮ።

ሓደ ሰብኣይ ብጸባብ ኣፍ ደገ ኺኣቱ ይጋደል

የሱስ ኣብ ጴርያ ኸሎ፡ ሓደ ሰብኣይ፡ “ጐይታይ፡ እቶም ዚድሕኑ ሒደት ድዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ እቲ፡ ነቲ ብዙሓት ድዮም ዚድሕኑ ወይስ ሒደት ዚብል ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃይማኖት ዝነበረ ክርክር ይፈልጥ ነይሩ ይኸውን። የሱስ ግና ኣብ ብዝሒ እቶም ዚድሕኑ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንምድሓን ኪግበር ዜድሊ ነገር ኣተኰረ። ጻዕሪ ወይ ቃልሲ ኸም ዜድሊ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ፡ ስለ ዘይኰነሎም፡ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ተጋደሉ” በለ።—ሉቃስ 13:23, 24።

የሱስ ገድሊ ኸም ዜድሊ ንምንጻር እዚ ዚስዕብ ምሳሌ መሰለ፦ “ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢልኩም፡ ‘ጐይታይ፡ ኣርሕወልና’ እናበልኩም ክትኵሕኵሑ ኢኹም። . . . ንሱ ግና፡ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጥን እየ። ካባይ ርሓቑ!’ ኺብለኩም እዩ።”—ሉቃስ 13:25-27።

እዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ደንጕዩ ዝመጸ፡ ማለት ኣብ ዚጥዕሞ እዋን ዝመጸ እሞ ማዕጾ ተዓጽዩን ተሸጒሩን ዝጸንሖ ሰብ እንታይ ከም ዚጽበዮ እተነጽር እያ። ዋላ እኳ እንተ ዘይጠዓሞ፡ ኣቐዲሙ ኺመጽእ ነይርዎ። እቶም ካብ ትምህርቲ የሱስ ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም። ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐንዲ ዕላማ ህይወቶም ናይ ምግባር ኣጋጣሚ ኣይተጠቕሙሉን። እቶም የሱስ ኬገልግሎም ተላኢኹ ዝመጾም ሰባት፡ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ድሕነት ኣይተቐበልዎን። ስለዚ፡ የሱስ ናብ ወጻኢ ምስ ተደርበዩ፡ ‘ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን’ ምዃኖም ተዛረበ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ “ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን፡” እወ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ኪመጹ፡ “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ” ምዃኖም ገለጸ።—ሉቃስ 13:28, 29።

የሱስ ቀጺሉ፡ “እንሆ ኸኣ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት [ኣይሁድ ዘይኰኑን ውጹዓት ኣይሁድን] ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞት [ዘርኢ ኣብርሃም ብምዃኖም ዚሕበኑ ብሃይማኖታዊ መዳይ ሓለፋታት ዝነበሮም ኣይሁድ] እውን ኣለዉ” በለ። (ሉቃስ 13:30) እቶም ዘየመስግኑ “ዳሕሮት” ይዀኑ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከቶ ቦታ ኣይህልዎምን ማለት እዩ።

ገለ ፈሪሳውያን ናብ የሱስ መጺኦም፡ “ሄሮድስ [ኣንቲጳስ] ኪቐትለካ ይደሊ ስለ ዘሎ፡ ውጻእ፡ ካብዚ እውን ኪድ” በልዎ። ንጉስ ሄሮድስ ንየሱስ ካብቲ ኸባቢ እቲ ከም ዚሃድም ኪገብሮ ኢሉ ነዚ ወረ እዚ ባዕሉ ጀሚርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሄሮድስ ከምቲ ንዮሃንስ መጥምቕ ዝቐተሎ፡ ካልእ ነብዪ ኣምላኽ ኣብ ምቕታል ኢዱ ኸየእቱ ፈሪሁ ነይሩ ይኸውን። የሱስ ግና ነቶም ፈሪሳውያን፡ “ኬድኩም ነቲ ወኻርያ፡ ‘እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ አውጽእን ሕሙማት አሕውን ኣለኹ፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ክውድእ እየ’ በልዎ” በሎም። (ሉቃስ 13:31, 32) የሱስ ንሄሮድስ “ወኻርያ” ኢሉ ምጽዋዑ፡ ወኻርያ ጐራሕ ምዃና እዩ ዚእምት ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ሄሮድስ ኰነ ኻልእ ሰብ ንየሱስ ኪጻወተሉ ወይ ኪህውኾ ኣይክእልን እዩ። ኣቦኡ ዝሃቦ ዕዮ ኺፍጽም፡ ነዚ ድማ ሰብ ኣብ ዝበሎ ግዜ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኺገብሮ ቘሪጹ ነበረ።

“ነብዪ ብዘይካ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ወጻኢ ኪቕተል ዘይከውን ስለ ዝዀነ” ድማ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ገጹ ተጓዕዘ። (ሉቃስ 13:33) መሲሕ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኪቕተል ከም ዘለዎ ዚሕብር ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዘየሎ ኽነሱ፡ የሱስ ኣብኣ ኪቕተል ከም ዘለዎ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ የሩሳሌም እቶም 71 ኣባላት እቲ ዋዕላ ዚብሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዚርከቡላን ናይ ሓሶት ነብያት ተባሂሎም እተኸስሱ ዚፍረዱላን ርእሲ ኸተማ እያ ነይራ። ብተወሳኺ፡ መስዋእቲ እንስሳታት እውን ኣብኣ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። ስለዚ፡ የሱስ ኣብ ካልእ ቦታ ኪቕተል ግቡእ ኣይነበረን።

ሓንቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ትእክቦም

የሱስ ቀጺሉ፡ “የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትልን ናብኣ ንእተላእኩ ብዳርባ እምኒ እትጭፍጭፍን፡ ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕ ኰን እየ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣቢኹም። እንሆ፡ ቤትኩም ክትጥንጠነልኩም እያ” ኢሉ ሓዘኑ ገለጸ። (ሉቃስ 13:34, 35) እቶም ህዝቢ ንወዲ ኣምላኽ ኣይተቐበልዎን፣ ስለዚ ድማ፡ ሳዕቤናቱ ኺዓጽዱ ምዃኖም ተገልጸሎም።

የሱስ ናብ የሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ፡ ብሰንበት ሓደ ሓለቓ ፈሪሳውያን ዓደሞ። እቶም እተዓደሙ ኸኣ ንየሱስ ይከታተልዎ ነበሩ፣ ኣብኡ ድማ ሓደ ኣካላቱ ዝሓበጠ (ማለት፡ ብሰንኪ ምልኣት ማይ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣእጋር ዚኽሰት ሕበጥ ዘለዎ) ነበረ። የሱስ ነቶም ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን፡ “ብሰንበት ምሕዋይሲ ተፈቒዱ ድዩ ኣይፋልን፧” ኢሉ ሓተቶም።—ሉቃስ 14:3።

ዋላ ሓደ ኣይመለሰሉን። የሱስ ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣሕወዮ እሞ፡ “ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዒላ እንተ ወዲቑ፡ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ሉቃስ 14:5) ነዚ ረዚን ዘረባኡ እውን ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን።

  • የሱስ ንድሕነት እንታይ ከም ዜድሊ እዩ ዝገለጸ፧ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ኸለዉ ማዕጾ እተሸጐሮምከ ስለምንታይ እዩ፧

  • እቶም “ቀዳሞት” ዚዀኑ “ዳሕሮት” መን እዮም፧ እቶም “ዳሕሮት” ዚዀኑ “ቐዳሞት”ከ መን እዮም፧

  • ንንጉስ ሄሮድስ ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ዚኽእል እንታይ እዩ፧

  • የሱስ ኣብ የሩሳሌም ከም ዚቕተል ዝሓበረ ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ