ምድርና እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለዋ፧
ወርልድ ሚሊተሪ ኤንድ ሶሻል ኤክስፐንዲቸርስ 1996 እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ብድሑር ሲቪላዊ ዓመጽ: በቲ እተኻየደ ብዝሒ ግጭት: በቲ እተፈጥረ ጭፍራ ስደተኛታት: በቶም ኣብ ውግእ እተቐትሉ ሚልዮናት ሰባት: ከምኡውን በቲ ‘ንምክልኻል’ ተባሂሉ እተገብረ ብዙሕ ወጻኢታት: ንመበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝመዓራረዮ ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ካልእ ክፍለ-ዘበን የለን” ብምባል ትገልጽ። እዚ ኵነታት እዝስ እምበርዶ ኽልወጥ ኢዩ፧
ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት “ንሕና . . . ከምቲ ተስፋኡ [ናይ ኣምላኽ]: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘበናት ዝኣተዎ መብጽዓ ኣዘኻኸሮም። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዘን ቃላት እዚኣተን ክፍሊ ትንቢት ኢሳይያስ ኢየን ነይረን። (ኢሳይያስ 65:17፣ 66:22) ናይ ጥንቲ ህዝቢ እስራኤል ን70 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ምርኮ ባቢሎን ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሖም ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ተመልሱ ቀዳማይ ፍጻሜኡ ተመኲሮሙዎ ኢዮም። ጴጥሮስ ነቲ ናይ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ተስፋ ደጊሙ ብምግላጽ: እቲ ትንቢት እቲ ገና ብዝዓበየ—ብዓለምለኸ —ደረጃ እውን ከይተረፈ ክፍጸም ምዃኑ ኣርኣየ!
ኣብ ምልእቲ ምድሪ ጽድቃዊ ኵነታት ክምስረት ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ: በታ ክርስቶስ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቱ ድማ ክፍጸም ኢዩ። “ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።” (ኢሳይያስ 2:4) እቲ ኣብ ምድሪ ዝመጽእ ከምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ሰላምን ድሕንነትን: እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ነቲ ብብዙሓት ሰባት ኣቡነ ዘበሰማያት ወይ ድማ ናይ ጐይታ ጸሎት ተባሂሉ ዝጽዋዕ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዝብል እናጸለዩ ክጽበይዎ ዝመሃሮም ኢዩ።—ማቴዎስ 6:9, 10
ኣብ ሓንቲ ከምቲ ሰማይ ዘለዎ ዝኣመሰለ ጽድቂ ዘለዋ ዓለም ምንባር ምተሓጐስካሉዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብምሉእ ልቢ ንኣምላኽ ክፈልጦን ብጽድቃዊ መገድታቱ ክነብርን ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣዳልይሉ ዘሎ ተስፋ እዚ ኢዩ።