ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/6 ገጽ 26-29
  • ቅኑዕ ፍትሒ መዓስን ብኸመይን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅኑዕ ፍትሒ መዓስን ብኸመይን፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ግጉይ ፍትሒ
  • ሰብኣዊ ናይ ፍርዲ ኣገባባት —⁠ምስ ሰብኣዊ ድኽመታት
  • ‘ኣነ እግዚኣብሄር ፍትሒ ኤፍቅር ኢየ’
  • ፍትሒ ንምርካብ ዚቐርብ ጥርዓንሲ ተሰማዕነት ኪረክብ ድዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ፍትሕን ጽድቅን ብምዝውታር ንየሆዋ ምሰልዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • የሆዋ ምንጪ ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/6 ገጽ 26-29

ቅኑዕ ፍትሒ መዓስን ብኸመይን፧

እቲ ንጹህ ሰብ ካብ ቅኑዕ ፍትሒ ዘፍርሕ ዋላ ሓደ ነገር ክህልዎ ኣይግባእን ኢዩ። ብርግጽ: ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከቡ ዜጋታት ሃገሮም ፍትሒ ንምንጋስ ዝጽዕር ሕጋዊ ኣገባብ እንተድኣ ኣለዋ መመስገንቲ ክዀኑ ምኽንያት ኣለዎም። ከምዚ ዝበለ ኣገባብ ሓደ ዓይነት ናይ ሕግታት ስርዓት: ንዕኡ ዘተግብር ሓይሊ ፖሊስ: ከምኡውን ፍትሒ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ኣብያተ⁠-ፍርዲ ዘጠቓልል ኢዩ። ሓቀኛታት ክርስትያናት ምስቲ ‘ንዝለዓሉ ስልጣናት ተገዝኡ’ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕዶ ብምስምማዕ: ንፍርዳዊ ኣገባብ ናይቲ ዝነብርሉ ሃገር የኽብርዎ ኢዮም።​—⁠ሮሜ 13:​1⁠-7

ይኹን እምበር: ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ ፍርዳዊ ኣገባባት ጐዳእን ዘሕፍርን ጌጋታት ፈጺሙ ኢዩ።a ንገበነኛ ቀጺዕካ ነቲ ንጹህ ኣብ ክንዲ ምክልኻል: ሓድሓደ ግዜ ንጹሃት ሰባት ብዘይ ወዓልዎ ገበናት ተቐጺዖም ኢዮም። ካልኦት ውልቀ⁠-​ሰባት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ዓመታት ከሕልፉ ድሕሪ ምጽናሕ: ገበነኛታት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን: ብይኖም ምኽኑይ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ምጥርጣር ዝሓዘ ፍርዶም ክውድኡ ቁሩብ ምስ ተረፎም ጥራይ ካብ ማእሰርቲ ይወጹ። ስለዚ ድማ: ብዙሓት ሰባት ንዅሉ ሰብ ዝጠቅም ቅኑዕ ፍትሒ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ ክመጽእ እንተድኣ ኰይኑኸ: መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧ ነቶም ንጹሃት ይከላኸለሎም ኢዩ ኢልና ክንውከሎ እንኽእል ንመን ኢና፧ ነቶም ኣደዳ ምጕዳል ፍትሒ ዝዀኑ ሰባትከ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧ ብምባል ይሓቱ ኢዮም ዘለዉ።

ግጉይ ፍትሒ

ኣብ 1980ታት: ኣብ ጀርመን ሓንቲ ኣደ ንኽልተ ደቃ ዝዀና ኣዋልድ ቀቲልኪ ተባሂላ ንሕልፈት ክትእሰር ኣብ እተፈርደትሉ እዋን: “ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ እተመሓላለፈ ፍርድታት ኣዝዩ ዘደንጹ ሕጋዊ መስርሕ” ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ዓመታት ጸኒሑ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ መርትዖ ከም ብሓድሽ ተመምየ: ሓድሽ መጋባእያ ነቲ ጕዳይ ክሳዕ ዝርእዮ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸት። ብ1995 ዲ ሳይት እተባህለ ጋዜጣ (ጀርመን) እቲ ናይ መጀመርታ ውሳነ “ናይ ፍርዲ ጌጋ ከም ዝነበሮ ክረጋገጽ ተኻኢሉ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ክሳዕ እተጻሕፈትሉ ግዜ: እዛ ሰበይቲ እዚኣ ገበነኛ ድያ ወይ ንጽህቲ ርግጽ ስለ ዘይነበረ: በቲ ዅነታት ሰንፈላል ተሰሪሓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትሽዓተ ዓመታት ኣሕለፈት።

ሕዳር 1974 ሓደ ምሸት: ማእከል ከተማ በርሚንሃም: ዓዲ እንግሊዝ: ብናይ ክልተ ቦምብታት ተዅሲ ተናወጸት: 21 ሰባት ድማ ተቐትሉ። ኣባል ባይቶ ዝዀነ ክሪስ ምለን “ኣብ በርሚንሃም ዝርከብ ዋላ ሓደ ሰብ ጨሪሱ ዘይርስዖ” ፍጻመ ኢዩ ነይሩ ብምባል ጸሓፈ። ጸኒሑ: “በቲ ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ እተፈጸመ ዝዓበየ ቅትለት ሽዱሽተ ንጹሃት ሰብኡት ገበነኛታት ተባሂሎም ተፈርዱ።” ጸኒሑ ኸኣ ፍርዶም ግጉይ ብምንባሩ ተሓከ​—⁠እዚ ግን እቶም ሰብኡት ኣብ ቤት ማእሰርቲ 16 ዓመታት ድሕሪ ምሕላፎም ኢዩ!

ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ዝዀነ ኬን ክሪስፐን: ብዛዕባ “ኣብ መዛግብቲ ናይ ኣውስትራልያ ሕጋዊ ታሪኽ ብኣዝዩ እተፈልየ መገዲ ኣቓልቦ ህዝቢ ዝማረኸ” ሓደ ጕዳይ ጸብጻብ ሃበ። ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ጥቓ አርዝ ሮክ ዝበሃል ከረን ድንኳን ተኺላ ክትዘናጋዕ ከላ ውሉዳ ጠፍአ: ፈጺሙ ድማ ኣይተረኽበን። እታ ኣደ ቀቲልክዮ ተባሂላ ተኸሰት: ገበነኛ ተባሂላ ተፈርደት: ንሕልፈት ክትእሰር ድማ ተወሰነ። ብ1987 ንሰለስተ ዓመታት ምስ ተኣስረት: ሓደ ወግዓዊ መርማሪ እቲ ኣንጻራ ዝቐረበ መርትዖ ገበነኛ ንኸብላ ብቑዕ ክኸውን ከም ዘይክእል ፈለጠ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸት ምሕረት ድማ ረኸበት።

ኣብ ደቡባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ሓንቲ 18 ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ብ1986 ተቐትለት። ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ሓደ ሰብኣይ ተኸሰ: ገበነኛ ተባህለ: ንሞት ድማ ተፈርደ። ኣብቲ ገበን ኢድ ከም ዘይብሉ ክሳዕ ዝረጋገጽ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣክል ንሞት ይጽበ ነበረ።

እዚ ናይ ፍርዲ ጌጋታት እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ኣብነታት ድዩ፧ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፔንሲልቫንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕጊ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ዴቪድ ሩዶፍስኪ ከምዚ ይብል:⁠- “ኣብ ፍርዳዊ ኣገባብ ዳርጋ ን25 ዓመታት ሰሪሐ ኢየ: ብዙሕ ሕጋዊ ጕዳያት ድማ ርእየ ኢየ። እቶም ብሓቂ ንጹሃት ክነሶም ገበነኛታት ተባሂሎም ዝኽሰሱ ሰባት . . . ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ 10% ይበጽሑ ኢዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ።” ክሪስፐ ድማ “ኣብ ክፍልታት ኣብያተ⁠-​ማእሰርቲ ኮፍ ኢሎም ዝትክዙ ካልኦት ንጹሃት ሰባት ይህልዉ ደዀን ይዀኑ፧” ብምባል ኣእምሮ ዝርብሽ ሕቶ ይሓትት። ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን ጌጋታት ከመይ ኢሉ ኢዩ ክፍጸም ዝኽእል፧

ሰብኣዊ ናይ ፍርዲ ኣገባባት —⁠ምስ ሰብኣዊ ድኽመታት

ናይ ብሪጣንያ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ብ1991 “ፍጹም ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ሰብኣዊ ኣገባብ የለን” ብምባል ተሪር ሓሳብ ሃበ። ፍርዳዊ ኣገባብ ልክዕ ከምቶም ዝነድፍዎን ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎን ሰባት ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ኣብኣቶም እተመርኰሰ ድማ ኢዩ። ሰባት ክጋገዩ: ዘይእሙናት ክዀኑ: ከምኡውን ኣቐዲምካ ናብ ምፍራድ ክዘዝዉ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ: ናይ ሰብ ፍርዳዊ ኣገባባት ልክዕ ከምኡ ዝኣመሰለ ጌጋታት እንተ ተረኽቦ ዘገርም ኣይኰነን። ነዚ ዝስዕብ ርአ።

ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሮልፍ ቤንደር እተባህለ ዳኛ ከም ዝበሎ: ካብ ኵሉ ናይ ገበን ጕዳያት ነቲ 95 ሚእታዊት ዝቐርበሉ ናይ መሰኻኽር ቃል: ልክዕ ከም መርትዖ ወሳኒ ኢዩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ከምዚኦም ዝበሉ መሰኻኽር ግን ኵሉ ግዜ ትውክልቲ ዝግበረሎም ድዩ፧ ዳኛ ቤንደር ከምኡ ዝብል ሓሳብ የብሉን። ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ መሰኻኽር ፍርቆም ከም ዝሕስዉ ኢዩ ዝግምት። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሙኒክ: ጀርመን: ናይ ገበናዊ ሕጊ ምሉእ ፕሮፌሰር ዝዀነ በርንት ሹነማን ድማ ተመሳሳሊ ትዕዝብቲ ኢዩ ዘለዎ። ሹነማን ምስ ጋዜጣ ዲ ሳይት ኣብ ዝገበሮ ቃለ⁠-መጠይቕ: መሰኻኽር ዝህብዎ ቃል ሽሕኳ ዘይእመን እንተዀነ ከም ቀንዲ መርትዖ ዝውሰድ ምዃኑ ተሰማሚዕሉ ኢዩ። “ፍትሒ ኣብ ምሃብ ንምግጋይ ምኽንያት ዝኸውን ልሙድ ነገር እቲ ዳኛ ኣብቲ ዘይእመን ቃል መሰኻኽር ስለ ዝምርኰስ ኢዩ በሃላይ ኢየ።”

መሰኻኽር ክጋገዩ ይኽእሉ ኢዮም፣ ፖሊስ እውን። ብፍላይ ናይ ህዝቢ ቍጥዓ ዘልዕል ገበን ምስ ዝፍጸም: ፖሊስ ሰብ ክኣስሩ ይግደዱ ኢዮም። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: ውልቃውያን ፖሊስ መርትዖ ክፈጥሩ ወይ ነቶም ተጠርጠርቲ ሰባት ክናዘዙ ንኸገድድዎም ይፍተኑ ኢዮም። እቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ በርሚንሃም እተተኰሰ ቦምብታት ገበነኛታት ተባሂሎም እተፈርዱ ሽዱሽተ ሰብኡት ምስ ተፈትሑ: እቲ ዘ ኢንዲፐንደንት እተባህለ ናይ ብሪጣንያ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) “በቲ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት እተወሰነ ፍርዲ ዝሕተቱ ብልሹዋት ፖሊስ ኢዮም” ዝብል ርእሰ⁠-ዓንቀጽ ኣውጺኡ ነበረ። ዘ ታይምስ እተባህለ (እንግሊዝኛ) ጋዜጣ ከም ዝበሎ ድማ “ፖሊስ ሓስዮም: ውዲት ኣሊሞም: ከምኡውን ኣታሊሎም ኢዮም።”

ኣብ ገሊኡ ጕዳያት: ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ንፖሊስን ህዝብን ንገለ ኣባላት ናይ ሓደ ዓሌት: ሃይማኖት: ወይ ዜጋታት ካልእ ሃገር ዝዀኑ ውልቀ⁠-​ሰባት ከም ዝጥርጥሩ ክገብሮም ይኽእል ይኸውን። ዩ. ኤስ. ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት (እንግሊዝኛ) ንሓደ ገበን ክትፈትሖ ኢልካ ምጽራይ “ብቑዕ ምኽንያት ናይ ምርካብ ጕዳይ ዘይኰነስ ናይ ዓሌትነት ጕዳይ” ኣብ ናይ ምዃን ደረጃ ክወርድ ይኽእል ኢዩ።

ሓደ ጕዳይ ሓንሳእ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ: ውሳነታት በቲ መሰኻኽር ዝህብዎ ቃል ጥራይ ዘይኰነስ ብስነ⁠-ፍልጠታዊ መርትዖ እውን ክጽሎ ይኽእል ይኸውን። ብስነ⁠-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዝካየድ ፍርዳዊ ኣገባብ እናተሓላለኸ ይኸደሉ ኣብ ዘሎ እዋን: ዳኛ ወይ ክፈርዱ እተመዘዙ ጕጅለ ሰባት ኣብቲ ናይ ኣተዃዅሳ ኣገባብ መጽናዕቲ ብምግባር: ወይ ድማ ኣሰር ኣጻብዕቲ: ጽሕፈት ኢድ: ዓይነት ደም: ሕብሪ ጸጕሪ: ናይ ጨርቂ ኣፍትልቲ: ወይ ናይ ዲ.ኤን.ኤ. መርኣዪታት ብምልላይ ውሳነ ንምሃብ ይሕተቱ ይዀኑ። ሓደ ጠበቓ: ኣብያተ⁠-​ፍርድታት “ዘደንጹ ምትሕልላኽ ዝሓዘ ኣገባባት ዝገልጹ ናይ ሊቃውንቲ ጕጅለታት” የጋጥምዎ ከም ዘለዉ ተዛረበ።

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ነቸር እተባህለ መጽሔት (እንግሊዝኛ) ነቲ ብስነ⁠-ፍልጠታዊ ኣገባብ እተረኽበ መርትዖ ዝሰማምዕሉ ኵሎም ሊቃውንቲ ከም ዘይኰኑ ይገልጽ። “ኣብ መንጎ እቶም ብስነ⁠-ፍልጠታዊ መገዲ ንዝካየድ ፍርዳዊ ኣገባብ ዘጽንዑ ሊቃውንቲ ካብ ቅንዕና እተላዕለ ዘይምስምማዕ ክህሉ ይኽእል ኢዩ።” እቲ ዘሕዝን ግን: “ብስነ⁠-ፍልጠታዊ ኣገባብ እተረኽበ ግጉይ ናይ ፍርዲ መርትዖ ድሮ ግጉይ ፍርዲ ንምሃብ ምኽንያት ኰይኑ ኢዩ።”

ኣበየናይ ሃገር ከም እንነብር ብዘየገድስ: ኣብዚ ግዜ እዚ ዝዓዪ ዘሎ ኵሉ ፍርዳዊ ኣገባብ ሰብኣዊ ድኽመት ዘንጸባርቕ ኢዩ። ስለዚ ነቶም ንጹሃት ይከላኸለሎም ኢዩ ኢልና ክንውከሎ እንኽእል ንመን ኢና፧ ቅኑዕ ፍትሒ ክህሉ ኢዩ ኢልና ተስፋ ክንገብር ንኽእልዶ፧ እቶም ኣደዳ ግጉይ ፍርዲ ዝዀኑ ሰባትከ እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

‘ኣነ እግዚኣብሄር ፍትሒ ኤፍቅር ኢየ’

ንስኻ ወይ ኣባል ስድራቤትካ ኣደዳ ግጉይ ፍትሒ እንተድኣ ዄንካ: የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስን ነቲ ዘጋጥመካ ዘሎ ይፈልጥዎ ኢዮም። ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘጋጠመ ምጕዳል ፍትሒ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ክርስቶስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ክመውት ከሎ ዝነበረ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ የሱስ ‘ሓጢኣት ኣይገበረን’ ብምባል ይነግረና። እንተዀነ ግን: ብናይ ሓሶት መሰኻኽር ተኸሲሱ: ገበነኛ ተባሂሉ: ከምኡውን ተቐቲሉ ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:22፣ ማቴዎስ 26:3, 4, 59-62

ወዱ ከምዚ ዝበለ ምክልባት ከጋጥሞ ኸሎ የሆዋ ከመይ ተሰሚዕዎ ክኸውን ከም ዘለዎ እሞ ገምቶ! ፍትሒ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ባህርያት የሆዋ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:⁠- “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] እዩ።”​—⁠ዘዳግም 32:4፣ መዝሙር 33:5

የሆዋ ንእስራኤላውያን ብሉጽ ፍርዳዊ ኣገባብ ሂብዎም ነበረ። ቀታሊኡ ናይ ዘይተረኽበ ምዉት ጕዳይ: እቲ ሞት ብመስዋእቲ ይዕረቕ ነበረ። ንነፍሲ ወከፍ እተፈጸመ ገበን መፍትሒ ንምርካብ ንሓደ ንጹህ ሰብ ቀታሊ ከም ዝዀነ ገይርካ ኣብ ናይ ምፍራድ ሓደጋ ዘእቱ ጸቕጢ ኣይነበረን። ኣብ ተዘዋዋሪ ወይ ስነ⁠-ፍልጠታዊ መርትዖ ብምምርኳስ ቀታሊ ተባሂሉ ክፍረድ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን፣ እንተ ወሓደ ክልተ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር የድልዩ ነበሩ። (ዘዳግም 17:6፣ 21:​1⁠-9) እዚ ኣብነታት እዚ የሆዋ ዝለዓለ መዐቀኒታት ከም ዘለዎን ፍትሒ ብግቡእ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ከም ዘገድሶን ዝገልጽ ኢዩ። አረ: ባዕሉ እውን ‘ኣነ እግዚኣብሄር ቅንዕና [“ፍትሒ:” NW ] ኤፍቅር ኢየ’ ኢዩ ዝብል።​—⁠ኢሳይያስ 61:8

ርግጽ ኢዩ: ናይ እስራኤል ፍርዳዊ ኣገባብ ኣብ ኢድ እቶም ምስ ናትና ዝመሳሰል ድኽመታት ዝነበሮም ሰባት ኢዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ ብጌጋ ኣብ ግብሪ ዝወዓለሉ ጕዳያት ነይሩ ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:⁠- “ድኻ ኺጥቃዕ ኣብ ሃገር ከኣ ፍርድን ጽድቅን ኪዕመጽ እንተ ርኤኻ: ኣይትገረም።”​—⁠መክብብ 5:8

የሆዋ ነቲ ንወዱ ዘጋጠሞ ምጕዳል ፍትሒ ከዐርዮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እዚ ርግጽ ምዃኑ ድማ ነቲ ‘ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ’ የሱስ ጽኑዕ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ኣብ ሓንቲ ቅኑዕ ፍትሒ ዝሰፍነላ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ መሲሕ እትህሉ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምንባር ዘሐጕስ ተስፋ: ብዛዕባ ምጕዳል ፍትሒ ክንሰምዕ ወይ ከጋጥመና ኸሎ ንኽንጽመም ከሐይለና ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከቕንዖ ዘይክእል ጕድኣት ወይ ማህሰይቲ የለን። እቶም ብሰንኪ ግጉይ ፍርዲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት እውን ከይተረፈ ክትንስኡ ኢዮም።​—⁠እብራውያን 12:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ኣደዳ ምጕዳል ፍትሒ ብምዃን ንሳቐ እንተድኣ ኣሊና: ነቲ ኵነታት ንምዕራይ ዘኽለና ሕጋዊ መትረባት ዝሓዘ ብዙሕ ፍርዳዊ ኣገባባት ስለ ዘሎ መመስገንቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ክርስትያናት ንኸምዚ ዝበለ መትረባት ክጥቀምሉ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ዝዝክርዎ ሓደ ሓቂ ኣሎ:⁠- ዘይፍጹም ፍርዳዊ ኣገባባት ነጸብራቕ ናይቲ ንርእሱ ገዚፍ ምትዕርራይ ዘድልዮ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢዩ። እዚ ምትዕርራይ እዚ ድማ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ብኢድ ኣምላኽ ክግበር ኢዩ።

የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነዚ ፍትሒ ዘይብሉ ኣገባብ ኣጥፊኡ ብሓደ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ሓድሽ ኣገባብ ክትክኦ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ፈጣሪና በቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ፍትሒ ከም ዘንግስ ምሉእ እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅኑዕ ፍትሒ ዝረኽበሉ እዋን ቀሪቡ ኢዩ! እዚ ተስፋ እዚ ስለ ዘሎናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ክንከውን እንኽእል።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:​13

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዚ ቀጺሉ ተጠቒሱ ዘሎ ጕዳያት: ግምቢ ዘብዐኛ ዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ገበነኛ ወይ ንጹህ ኢዩ ብምባል ኣይኰነን ርእይቶ ዝህብ ዘሎ: ወይ ድማ እዚ መጽሔት እዚ ናይ ሓንቲ ሃገር ፍርዳዊ ኣገባብ ካብ ናይ ካልእ ሃገር ዝሓሸ ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይድግፍን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እዚ መጽሔት እዚ ንሓደ ዓይነት መቕጻዕቲ ምስ ካልእ ብምውድዳር ዝጣበቕ ኣይኰነን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብሕጽር ዝበለ ኣብቲ እተጻሕፈሉ እዋን ይፍለጥ ንዝነበረ ጭብጥታት ኢያ እትገልጽ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ዘይፍጹም ፍርዳዊ ኣገባባት ​—⁠ምስቲ ብልሹው ምምሕዳር: ሕሱር ሃይማኖት: ከምኡውን ፍኑው ንግዲ​—⁠ነጸብራቕ ናይቲ ንርእሱ ዓቢ ምትዕርራይ ዘድልዮ ሕብረተሰብ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ መጸናንዒ

ኣብ ሕዳር 1952 ዴሪክ ቤንትሊን ክሪስተፈር ክራግን እተባህሉ ኣብ ክርዮደን: ጥቓ ለንደን: ኢንግላንድ ዝርከብ ሓደ መኽዘን ሰይሮም ኣተዉ። ቤንትሊ ወዲ 19 ዓመት ክኸውን ከሎ ክራግ ድማ ወዲ 16 ዓመት ኢዩ። ፖሊስ ተጸውዑ: ክራግ ድማ ንሓደ ካብቶም ፖሊስ ተኲሱ ቐተሎ። ክራግ ንትሽዓተ ዓመታት ተኣስረ: ቤንትሊ ግን ቀታሊ ኢኻ ተባሂሉ ጥሪ 1953 ብማሕነቕቲ ተቐትለ።

ሓብቱ ንቤንትሊ: ኣይረስ: ስም ሓዋ ካብቲ ዘይወዓሎ ናይ ገበን ቅትለት ንምጽራይ ን40 ዓመታት ተማጐተት። ብ1993 እቲ ንጉሳዊ ስልጣን: ዴሪክ ቤንትሊ ብማሕነቕቲ ክቕተል ከም ዘይነበሮ ብምእማን: ነቲ እተመሓላለፈ ውሳነ ይቕረታ ሓተተሉ። ኣይረስ ቤንትሊ ኣብታ ለት ሂም ሃቭ ጃስቲስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጽሒፋ ኣላ:⁠-

“ቅድሚ እቲ ቕትለት ዓመት ይገብር ኣብ መገዲ ምስ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺቡ ነበረ። . . . ሓብትና ለይን ኣብ ጐደና ፈየርቪው ካባና ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኢያ እትቕመጥ: ንዴሪክ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ክሰምዕ ንገዝኣ ዓዲማቶ ነበረት። . . . እቲ ጽቡቕ ነገር ድማ ሓብትና ለይን ብካሴት እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ነበራ: ንዴሪክ ድማ ኣለቀሓቶ [ዴሪክ ናይ ምንባብ ድኽመት ስለ ዝነበሮ ኢዩ]። . . . ከም ምስ ሞትና ኵልና እንደገና ክንትንስእ ምዃንና ዝኣመሰለ ነገራት: ዝነገረቶ ዘበለ ንገዛ መጺኡ ይነግረኒ ነበረ።”

ኣይረስ ቤንትሊ ሓዋ ቀቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክቕተል ይጽበይሉ ኣብ ዝነበረ እዋን በጽሓቶ። ከመይ ተሰምዖ፧ “እቲ ሓብትና ለይን ዝነገረቶ ነገራት ነተን ናይ መወዳእታ ሒደት መዓልትታት ክዋጽኣለን ሓጊዘናኦ ኢየን።”​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ብሰንኪ ግጉይ ፍትሒ መከራ ተሕልፍ እንተድኣ ኣሊኻ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ምንባብን ብእኡ ምስትንታንን ክጠቕመካ ኢዩ። እዚ ዓቢ ምጽንናዕ ክህብ ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ኣምላኽ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን . . . ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።”​—⁠2 ቈረንቶስ 1:​3, 4

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ክርስቶስ ክቕተል ከሎ ዘስካሕክሕ ምጕዳል ፍትሒ ኢዩ ተፈጺሙ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ