ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ኤፌሶን 3:14, 15: “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት [“ስድራ ቤታት:” ትሓዓ ] ካብኡ [ካብ ኣምላኽ] ዚስመ” ምዃኑ ትዛረብ ኢያ። ኣብ ሰማይ ስድራቤታት ኣለዋ ድየን: ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊት ስድራቤትከ ብገለ መገዲ ስማ ካብ የሆዋ ትረክብ ድያ፧
ከምቲ ኣብ ምድሪ: ኣቦ: ኣደ: ውሉዳት—ኵሎም ኣብ ንሓድሕዶም ብስጋዊ መገዲ እተዛመዱ—ዝሓዛ ስድራቤታት ዘለዋ: ኣብ ሰማይ ከምኡ ዓይነት ስድራቤታት የለዋን። (ሉቃስ 24:39፣ 1 ቈረንቶስ 15:50) የሱስ ብንጹር መላእኽቲ ከም ዘይምርዓዉ ገሊጹ ኢዩ: ከምኡውን ከም ዝወልዱ ዝሕብር ዋላ ሓደ ነገር የሎን።—ማቴዎስ 22:30
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ምስታ ሰማያዊት ማሕበሩ ከም እተመርዓወ ብምሳልያዊ መገዲ ይዛረብ ኢዩ፣ ብመንፈሳዊ መገዲ ድማ ኢዩ ተመርዕዩ። (ኢሳይያስ 54:5) እታ ሰማያዊት ማሕበር: ከም መላእኽቲ ዝኣመሰሉ ውሉዳት ተፍሪ ኢያ። (እዮብ 1:6፣ 2:1፣ 38:4-7) በዚ መገዲ እዚ እምበኣር: ኣብ ሰማይ ሓንቲ ኣደናቒት መንፈሳዊት ስድራቤት ኣላ።
ኣብ ርእሲ እዚ: ብየሱስ ክርስቶስን በቶም 144,000 መርዓቱን ዝቘመት ሓዳስ ምሳልያዊት ስድራቤት ኣብ ሰማይ ትዓቢ ኣላ። (2 ቈረንቶስ 11:2) መብዛሕትኦም ካብዞም ቅቡኣት ሰባት ንሰማያዊ ህይወት ተስፋ ብምግባር ድሮ ሞይቶም ኢዮም። ገሊኦም ጌና ኣብ ምድሪ ብህይወት ኣለዉ። ኵላቶም ነቲ ሰማያዊ “መርዓ እቲ ገንሸል” ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ መርዓ እቲ ዝፍጸመሉ ግዜ: ምስቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ብርቱዕ ጸበባ ግዜ—ናይ ዓባይ ባቢሎን ምጥፋእ: ድሕርዚ ድማ ናይቲ ዝተረፈ ኣገባብ ሰይጣን ምጽናት—ኢዩ ዘተሓሕዞ።—ራእይ 18:2-5፣ 19:2, 7, 11-21፣ ማቴዎስ 24:21
ብዛዕባ ምድራውያን ስድራቤታት ዝምልከት: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 3:15 ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ስድራቤት ብየሆዋ ብቐጥታ ከም እትስመ ኣይኰነን ዝሕብር ዘሎ። ኣብ ክንድኡ: ጳውሎስ ብርግጽ ስም ዝዕቅብ እተናውሐ ናይ ስድራቤት መስርዕ ኢዩ ኣብ ኣእምሮኡ ነይሩ። እያሱ 7:16-19 ሓደ ኣብነት ይህብ ኢዩ። የሆዋ ኣብኡ ነቲ ናይ ኣካን ሓጢኣት ኣቃሊዕዎ ኢዩ። ብመጀመርታ: እቲ ገበን ኣብ ነገድ ይሁዳ ኢዩ ኣተኲሩ ወይ ተሓጺሩ ነይሩ። ድሕርዚ ናብ ስድራቤት ዜራሓውያን ተወሰነ። ኣብ መወዳእታ: ናይ ኣካን ስድራቤት ተቓልዐ: ኣካን ምስ በዓልቲ ቤቱን ውሉዳቱን ከም ክፍሊ ቤተሰብ (ወይ ስድራቤት) ዛብዲ: ኣባሓጎኡ ንኣካን: ኢዮም ተራእዮም ወይ ድማ ከምኡ ምዃኖም ኢዩ ተዘሪቡሎም። እታ ስድራቤት እቲኣ ንገዛእ ርእሳ: ናይቲ ስም ኣባሓጎኦም ዜራሕ ዝዓቀበ እተናውሐ ጕጅለ ኢያ ነይራ።
ኣብ መንጎ እብራውያን ከምዚ ዝበለ ናይ ስድራቤት መስርዕ ዓቢ ኣገዳስነት ኢዩ ነይርዎ: ብዙሓት ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ኣምላኽ ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነሉ: እቶም ወረስቲ ነቲ ናይ ስድራቤት ስም ብውሉድ ወይ ሓሙት: መርዓ: ገይሮም ምእንቲ ከመሓላልፍዎ ምድላዋት ብምግባር ንኽዕቀቡ ደጊፉ ኢዩ።—ዘፍጥረት 38:8, 9፣ ዘዳግም 25:5, 6
ናይ ከምዚ ዝበለ ዝዓበየ ወይ እተናውሐ ስድራቤታት ካልእ ኣብነት: ንየሱስ ከም ወዲ ዳዊት ገይርካ እስከ ርኣዮ። ዳዊት ድሕሪ ሙማቱ ዘበናት ጸኒሑ እውን ስለ ዘይተወልደ: የሱስ ብርግጽ ቀጥታዊ ናይ ዳዊት ውሉድ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣይሁድ ብሓፈሻ ዝፈልጥዎ: ሓደ ካብቲ መሲሕ ምዃኑ መለለዪ ምልክት ካብ ቤት ዳዊት ክውለድ ነበሮ። (ማቴዎስ 22:42) የሱስ ብኽልቲኦም በዲኡን በቲ ዘዕበዮ ኣቦኡን ካብ መስመር ዳዊት ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 1:1፣ ሉቃስ 2:4
ይኹን እምበር: ከምዚኣተን ዝበላ ስድራቤታት ብየሆዋ እተሰምያ ብኸመይ ኢየን፧ እቲ ሓቂ ከምዚ ኢዩ: ኣብ ውሑድ ኣጋጣሚታት—ከም ናይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ዝኣመሰለ—የሆዋ ቃል ብቓሉ ናይ ስድራቤት ርእሲ ዝሰየመሉ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 17:5, 19) እቲኣቶም ፍሉያት ኣጋጣሚታት ኢዮም ነይሮም። ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ናብ ውሉዳታ እተመሓላልፎ ስም ኣይህባን ኢዩ።
እንተዀነ ግን: የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ኢሉ ክእዝዞም ከሎ ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት ጀማሪ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ከምኡውን የሆዋ ነቶም ዘይፍጹማት ኣዳምን ሄዋንን ቈልዑ ክወልዱ ኣፍቀደሎም: በዚ ኸምዚ ድማ ንዅሎም ሰብኣውያን ስድራቤታት ዝኸውን መሰረት ኣንበረ። (ዘፍጥረት 5:3) ስለዚ ኣምላኽ ብብዙሕ መገዲ: ናይ ስድራቤት ኣስማት ጀማሪ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል ኢዩ።
ሎሚ ዘሎ ብዙሕ ባህልታት ናይ ስድራቤት ስም ብህይወቱ ንወሎዶታት ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣይስምዖን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ኵሉ ሃገራት ዘለዉ ክርስትያናት የሆዋ ናይ ስድራቤት ምድላው ብምግባሩ የመስግንዎ ከምኡውን ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ዕውትቲ ክገብርዋ ኣበርቲዖም ብምዕያይ የኽብርዎ ኢዮም።