ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/1 ገጽ 32
  • ንየሆዋ ብጽሩያት ኣእዳው ኣምልኮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ብጽሩያት ኣእዳው ኣምልኮ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/1 ገጽ 32

ንየሆዋ ብጽሩያት ኣእዳው ኣምልኮ

ዳዊት: እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምዃን “ዎ እግዚኣብሄር: ነእዳወይ ብንጽንህና እሐጽበን: . . . ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ” በለ።​—⁠መዝሙር 26:⁠6

ዳዊት ነዘን ቃላት እዚኣተን ከቀናብረን ከሎ: ነቲ ናይ እስራኤል ሌዋውያን ካህናት ናብቲ ናይ መሰውኢ መደያይቦ ክድይቡን ድሕሪኡ ድማ መስዋእትታቶም ኣብቲ ሓዊ ከንብሩን ከለዉ ዝነበሮም ልምዲ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ ዝኸውን። ይኹን እምበር: እቶም ካህናት ከምዚ ዝበለ ናይ ኣምልኾ ተግባር ቅድሚ ምፍጻሞም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ክሕጸቡ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። እዚ ኣገዳስነት ዘይብሉ ዝርዝር ኣይነበረን። ከምዚ ዝበለ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ዘይምውሳድ ንሓደ ካህን ኣብ ሞት ከብጽሖ ይኽእል ነይሩ ኢዩ!​—⁠ዘጸኣት 30:​18-21

ምሳልያዊ ምሕጻብ መንፈሳውን ስነ⁠-​ምግባራውን ንጽህና የምጽእ ኢዩ። (ኢሳይያስ 1:16፣ ኤፌሶን 5:​26) የሆዋ ንዕኡ ብምግልጋል ሎሚ ‘ንመሰውኢኡ ክንዞሮ’ ይደልየና ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ብጽሩይ ኣእዳው​—⁠ከምቲ ዳዊት ገሊጽዎ ዘሎ: ‘ብንጽህና እተሓጽበ‘ ኣእዳው ገይርና​—⁠ክንገብሮ ኢዩ ዝደልየና። እቶም ርኹሳት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይወርሱ ብምዃኖም: እዚ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገር ኣይኰነን። (ገላትያ 5:​19-21) ኣብ ኣምላኻዊ ዕዮታት ዘሎ ህይወት ንሓደ ሰብ ኣብ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ጠባይ ክሳተፍ ፍቓድ ኣይህብን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንኻልኦት እናሰበኽኩ: ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠1 ቈረንቶስ 9:⁠27

እቶም መለኮታዊ ስምረትን ናይ ሓቂ ሓጐስን ዝደልዩ ሰባት ንየሆዋ ብጽሩያት ኣእዳው ከገልግልዎ ይግባእ። ከም ዳዊት: “ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን” ይመላለሱ።​—⁠1 ነገስት 9:⁠4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ