ስድራቤት—ንወድሰብ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር!
ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክብልጽግ ዝኽእል ስድራቤታት እንተድኣ በልጺገን ጥራይ ምዃኑ ተዘሪቡሉ ኢዩ። ስርዓት ስድራቤት እናተበላሸወ እንተድኣ ከይዱ: ናይ ማሕበረሰባትን ሃገራትን ጽንዓት ከኣ ብእኡ መጠን ከም ዝዳኸም ታሪኽ ይሕብር ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ናይ ስነ-ምግባር ብልሽውና ንስድራቤታት ምስ በታተነን: ስልጣነኣ ወደቐ: እዚ ድማ ብሮማውያን ከም እትሰዓር ገበራ። ግዝኣት ሮሜ ጽኑዕ ኰይኑ ዝቐጸለ ስድራቤታት ጽኑዓት ክሳዕ ዝነበራሉ ግዜ ጥራይ ኢዩ። ዘበናት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ናብራ ስድራቤት ተዳኸመ ጽንዓት ናይቲ ግዝኣት ከኣ ላሕልሐ። ቅድሚ ሕጂ ናይ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ፕረዚደንት ዝነበረ ቻርለስ ዳብሊው ኢልየት “ናይ ስድራቤት ከምኡውን ናይ ናብራ ስድራቤት ድሕንነትን ልዕልነትን ናይ ስልጣነ ቀንዲ ሸቶታት ኢዮም: ዝለዓለ ዕላማ ናይ ኵሉ ጻዕርታት ከኣ ኢዮም” በለ።
እወ: ስድራቤት ንወድሰብ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር ኢዩ! ኣብ ጽንዓት ሕብረተሰብ ከምኡውን ኣብ ናይ ቈልዑን ናይ መጻኢ ወለዶታትን ድሕንነት ቀጥታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ብሉጻት ቈልዑ ንምዕባይ ኣጸቢቐን ዝጽዕራ ኣዝየን ብዙሓት ንጽል ኣዴታት ከም ዘለዋ ኣየጠራጥርን ኢዩ: በቲ ትግሃት ዝመልኦ ዕዮአን ከኣ ክነኣዳ ይግብአን። ይኹን እምበር: ቈልዑ ኣብቲ ክልቲኦም ወለዲ ዘለውዎ ስድራቤት ክነብሩ ከለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዮም ዝበለጹ ከም ዝዀኑ ብመጽናዕትታት ተራእዩ ኢዩ።
ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ 2,100 ኣባጽሕ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘርኣዮ “ካብ እተዘናበላ ስድራቤታት ዝመጹ ኮተቴታት: ዝያዳ ሓፈሻዊ ናይ ጥዕና ግድላት ነይርዎም: ስምዒታዊ ጸገማት ዝሕብር ምልክታት ዝያዳ ተራእይዎም: ከምኡውን ካብተን ዘይተዘናበላ ስድራቤታት ዝመጹ መንእሰያት ዝያዳ ናይ ጾታዊ ርክብ ድፍኢት ኣለዎም።” ብናይ ሕ.መ.ኣ. ሃገራዊ ትካላት ናይ ጥዕና ስታትስቲክስ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝገልጾ: ካብ እተበታተና ኣባይቲ ዝመጹ ቈልዑ “20-30 ሚእታዊ ንሓደጋ ዝያዳ እተቓልዑ ኢዮም: 40-75 ሚእታዊ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብ ካልኦት ዝያዳ ይደግሙ: 70 ሚእታዊ ድማ ዝያዳ ካብ ቤት ትምህርቲ ይስጐጉ።” ሓደ ናይ ፖሊሲ ተንታኒ ድማ “ካብቶም ኣብ ንቡር ኣባይቲ ዝዓበዩ ቈልዑ: እቶም ብንጽል ወለዲ ኣብ ዝእለያ ኣባይቲ ዝዓበዩ ቈልዑ ዝያዳ ኣብ ገበን ይጽመዱ” ዝብል ጸብጻብ ኣቕረበ።
ቤት መዕቈቢ ቦታ ኢያ
ናይ ስድራቤት ስርዓት ንዅሎም እተሐጕስን እትሃንጽን ባህ እተብልን ቤት ኢዩ ዝቕርበሎም። ሓደ ናይ ሽወደን በዓል ስልጣን “እቲ ናይ ሓጐስን ድሕንነትን ቀንዲ ምንጪ: ሞያ: ነገራት: እትፈትዎ መሕለፍ ግዜ: ወይ ከኣ ኣዕሩኽ ዘይኰነስ ስድራቤት ኢዩ” በለ።
የሆዋ ኣምላኽ: ስርዓት ስድራቤት ዝመስረተ ስለ ዝዀነ ኵሉ ስድራቤታት በዚ ዓቢ ፈጣሪ እዚ ስም ከም ዝዋሃቦ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:27, 28፣ 2:23, 24፣ ኤፌሶን 3:14, 15) ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ብመንፈስ እተጻሕፈ ቅዱሳት ጽሑፋት: ካብ ወጻኢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ስነ-ምግባርን ናይ ሕብረተሰብን ውድቀት ዘስዕብ ሕሱም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ክወርድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣብቶም “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም” እውን ከይተረፈ ብጥልመት: ‘ፍቕሪ ስድራቤት’ ብዘይምህላው: ንወለዲ ብዘይምእዛዝ: ክልለያ ምዃነን ገለጸ። ንክርስትያናት ከኣ ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርሕቁ ይምሕጸኖም። የሱስ እቲ ንናይ ኣምላኽ ሓቂ ዝርአ ምጽራር ንስድራቤታት ክፈላለየን ምዃኑ ተነብዩ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ማቴዎስ 10:32-37
ይኹን እምበር: ኣምላኽ ብዘይሓገዝ ኣይገደፈናን። ብዛዕባ ርክብ ስድራቤት ዝምልከት ኣብ ቃሉ ብዙሕ ትምህርትታት ተዋሂቡ ኣሎ። ንስድራቤት ብኸመይ ዕውቲ ክንገብራ ከም እንኽእል ንቤት ድማ ብኸመይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ኣብቶም ካልኦት ዝፍጽሞ ሓላፍነት ዘለዎ ደስ እተብል ስፍራ ከም እንገብራ ይነግረና ኢዩ።a—ኤፌሶን 5:33፣ 6:1-4
ኣብዘን ስድራቤት ኣዝዩ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ወዲቑለን ዘሎ መዓልትታት ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጕስ ርክብሲ ክብጻሕ ይከኣል ድዩ፧ እወ: ብርግጽ! ንስድራቤትካ ኣብዛ ንቕጽትን ምድረ በዳን መሲላ ዘላ ዓለም እተሐድስን እተሐጕስን ለምለም ኣብ ምግባራ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። እዚ ግን ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ስድራቤት ዘሎ ሰብ ክገብሮ ዘለዎ ነገር ይሓትት ኢዩ። ቀጺሉ ገለ ርእይቶታት ቀሪቡ ኣሎ።
ስድራቤትካ ክትቅጽል ምሕጋዛ
ሓደ ካብቲ ስድራቤት ብሓድነት ክትቅጽለሉ እትኽእል ዝበለጸ መገድታት ብሓደ ሓቢርካ ግዜ ምሕላፍ ኢዩ። ኵሎም ኣባላት ነቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ብፍታው ምስታ ስድራቤት ከሕልፍዎ ይግባእ። እዚ መስዋእቲ ምግባር ዝሓትት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ንስኻትኩም ኰተቴታት ገለ እትፈትውዎ ናይ ቲቪ ፕሮግራም: ናይ ስፖርት መደብ: ወይ ከኣ ምስ ኣዕሩኽ ምዝዋር ዝኣመሰለ ነገራት መስዋእቲ ምግባር የድልየኩም ይኸውን። ኣቱም መብዛሕትኡ ግዜ ጠወርቲ ዝዀንኩም ኣቦታት: ነቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኹም ባህ ኣብ ዘብለኩም መሕለፍ ግዜ ወይ ብብሕቲ ኣብ ዘገድሰኩም ካልእ ነገራት ኣይተሕልፍዎ። ምስታ ስድራቤት ኴንኩም ንጥፈታት መድቡ: እዚ ድማ ምናልባት ቀዳመ-ሰንበት ወይ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ብኸመይ ሓቢርኩም ከም እተሕልፍዎ ክኸውን ይኽእል። ነፍሲ ወከፍ ብሃንቀውታ ዝጽበዮን ዝሕጐሰሉን ነገር ክትምድቡ ከም ዘሎኩም እተረጋገጸ ኢዩ።
ንቘልዑ ካብቲ ቁም ነገር ዘለዎ ዝበሃል ግዜ ንላዕሊ: ማለት በብግዜኡ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ ዝኸውን ምስኣቶም ግዜ ካብ ምሕላፍ ንላዕሊ ኢዩ ዘድልዮም። ሓደ ናይ ሽወደን መዓልታዊ ጋዜጣ ኣዳላዊ ዓምዲ: ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብቲ ከም ጋዜጠኛ ኰይነ ዘሕለፍክዎ 15 ዓመታት: ምስ ብዙሓት ዓዋሉ መንእሰያት ተራኺበ ኢየ . . . እቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ኰይኑ ዝረኸብክዎ ድማ ወለዲ ኣብ ኣተዓባብያኦም ኣብቲ ቁም ነገር ዘለዎ ኣዝዩ ሒደት ግዜ ጥራይ ምሕላፍ እተወሰነ ኢዩ ዝመስል። ‘ወለደይ ግዜ ኣይነበሮምን።’ ‘ጽን ኢሎም ኣይሰምዑንን ኢዮም ነይሮም።’ ‘ወትሩ ኢዩ ዝገይሽ ነይሩ።’ . . . ከም ወላዲ መጠን ንውሉድካ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም እትህቦ ወትሩ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝገበርካዮ ምርጫ ድሕሪ 15 ዓመት ብሓደ ምሕረት ዘይብሉ ወዲ 15 ዓመት ክግምገም ኢዩ።”
ኣብ ገንዘብ ግቡእ ኣመለኻኽታ ምህላው
ኵሎም ኣባላት ናይ ገንዘብ ግቡእ ኣመለኻኽታ እውን ከማዕብሉ ኣለዎም። ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዘበለ ነቲ ናይታ ስድራቤት ወጻኢታት ንምሽፋን ክጥቀምሉ ድሉዋት ክዀኑ ይግባእ። ብዙሓት ኣዴታት ንመናባበሪ ዝኸውን ስራሕ ክረኽባ የድልየን: ይኹን እምበር ኣትን ኣንስቲ ብዛዕባ እቲ ከጋጥመክን ዝኽእል ሓደጋታትን ፈተናታትን ክትጥንቀቓሉ ከድልየክን ኢዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ናይ ገዛእ ርእስኽን ድሌት “ከተማልኣ” ከምኡውን “ድላይክን ክትገብራ” ኢያ እተተባብዓክን። ብርእስኽን ክትሓድራ: በቲ ኣምላኽ ዝሃበክን ናይ ኣደን ኣላይት ቤትን ግደ ኸኣ ዘይዕጉባት ክትኰና ከተለዓዕለክን ትኽእል ኢያ።—ቲቶስ 2:4, 5
ኣትን ኣዴታት ኣብ ቤት ብምዃን ንውሉዳትክን መሪሕን መሓዛን ክትኰና እንተድኣ ክኢልክን: ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ንስድራቤትክን ብሓድነት ክጥርንፋ ዝኽእል ጽኑዕ ማእሰር ንምፍጣር ብዓቢኡ ኣበርክቶ ከም ዝገብር እተረጋገጸ ኢዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ንቤት ሕጕስትን መዕቈቢትን ንጥፍትን ንምግባራ ብዙሕ ከተበርክት ትኽእል ኢያ። ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ሓደ ናይ ፖለቲካ ሰብ “ድንኳን ክትተክል ሚእቲ ሰብኡት የድልዩኻ: ሓንቲ ሰበይቲ ግን ቤት ክትሃንጽ ትኽእል” በለ።
ኣብታ ስድራቤት ዘለዉ ኵሎም በቲ ጠቕላላዊ እቶት ናይታ ስድራቤት ክነብሩ ዝተሓባበሩ እንተድኣ ኰይኖም: ንመብዛሕትኡ ናይታ ስድራቤት ግድላት የቃልሎ ኢዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ብቕልል ዝበለ ናብራ ንምንባርን መንፈሳዊ ረብሓታት ንምቕዳምን ክሰማምዑ ኣለዎም። ቈልዑ ነታ ስድራቤት ዓቕማ ዘየፍቅደላ ነገራት ከይሓቱ: ዕግበት ክማሃሩ ይግባእ። ንፍትወት ኣዒንቲ ተጠንቀቕሉ! ዓቕምኻ ዘየፍቅዶ ነገራት ናይ ምዕዳግ ፈተናን ኣብ ዕዳ ምእታውን ንብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ድኽነት ከም ዝወድቃ ገይርወን ኢዩ። ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ንገንዘቦም ብሓባር ኣብ ዝጥቀምሉ ነገራት ማለት ንምዝዋር: ገለ ነታ ቤት ዝኸውን ጠቓምን ዘሐጕስን ኣቕሓ: ወይ ከኣ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምድጋፍ ዝኸውን ውጽኢት ንምግባር ዘውዕልዎ እንተድኣ ኰይኖም ንሓድነት ስድራቤት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ክካፈልዎ ዘለዎም ሕጕስ ናይ ስድራቤት መንፈስ ንምህናጽ ዝሕግዝ ካልእ ናይ “ውጽኢት” ዓይነት ከኣ: ኣብ ናይ ጽሬትን ናይ ምጽጋን ዕዮን—ነታ ቤት: ኣታኽልቲ: ማኪና ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ኣብ ምእላይ—ምስታፍ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቘልዑውን ከይተረፉ ኣብ ገለ ክፍሊ ዕዮ ክምደቡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣቱም ቈልዑ ግዜኹም ንኸይተባኽኑ ጽዓሩ። ኣብ ክንድኡ ግን ናይ ምትሕግጋዝን ናይ ምትሕብባርን መንፈስ ኣማዕብሉ፣ እዚ ድማ ሓድነት ስድራቤት ዝሃንጽ ናይ ሓቂ ምሕዝነትን ዕርክነትን ኢዩ ዘፍሪ።
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ጥቕሚ
ኣብ ሓንቲ ሓድነት ዘለዋ ክርስትያናዊት ስድራቤት: ኣድላይነት ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ እውን ተጸቒጡሉ ኣሎ። ናይ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምይይጥን ሰሙናዊ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መጽናዕትን ንሓንቲ ሓድነት ዘለዋ ስድራቤት መሰረት ዘዳሉ ኢዩ። መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታትን ስርዓታትን ንዅሎም ኣብታ ስድራቤት ዘለዉ ብዝምስጥ መገዲ ሓቢርካ ምይይጥ ክግበረሉ ይግባእ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ስድራቤት መደባት ትምህርቲ ዝህብ ኰይኑ ባህ ዘብልን ዘተባብዕን ድማ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ሰሜን ሽወደን እትነብር ሓንቲ ስድራቤት እቶም ቈልዑ ኣብ መንጎ እቲ ሰሙን እቲ ዘዝመጾም ሕቶታት ወትሩ ከም ዝጽሕፍዎ ትገብር። እቲ ሕቶታት ከኣ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምይይጥ ይግበረሉ ነበረ። እቲ ሕቶታት እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዕምቈት ዘለዎን ዘመራምርን ኣብ ርእሲ ምንባሩ ናይቶም ቈልዑ ናይ ምሕሳብ ክእለትን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ዘለዎም ሞሳን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። ገለ ካብቲ ሕቶታት ከኣ እዚ ዝስዕብ ነበረ:- “የሆዋ ንዅሉ ነገር ኵሉ ግዜ ድዩ ከም ዝዓቢ ዝገብር: ወይስ ሓንሳእ ጥራይ ኢዩ ከምኡ ገይርዎ፧” “ኣምላኽ ሰብ ዘይኰነ ክነሱስ ስለምንታይ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንሰብ ‘ብመልክዑ’ ፈጠሮ ዝብል፧” “ኣዳምን ሄዋንን ጥራሕ እግሮም ስለ ዝነበሩ ክዳን ዝበሃል ከኣ ስለ ዘይነበሮም: ኣብ ገነት ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣይቈሩን ድዮም ነይሮም፧” “ምሸት ጸልማት ክኸውን ካብ ተፈጥረ ወርሒ ዘድለየትና ስለምንታይ ኢዩ፧” ሕጂ እቶም ቈልዑ ዓብዮም ንኣምላኽ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብምዃን የገልግልዎ ኣለዉ።
ኣቱም ወለዲ ናይ ስድራቤት ግድላት ክትፈትሑ ከሎኹም ኣወንታውያንን ምቕሉላትን ንምዃን ምስ እትጽዕሩ ሰናይ ኢዩ። ሓለይትን ተዓጻጸፍትን ኩኑ: ኣድላዪ ዝዀነ ስርዓታት ብምስዓብ ዝመጸ ግን ጽኑዓት ኩኑ። ንኣምላኽን ነቲ ቅኑዕ ስርዓታቱን ዘሎኩም ፍቕሪ ኵሉ ግዜ ንውሳነታትኩም ከም ዝጸልዎ እቶም ቈልዑ ከም ዝግንዘቡ ግበርዎም። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ሃዋሁ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ዝደቁስን ጭንቀት ዘምጽእን ኢዩ: እቶም ቈልዑ ኸኣ ነዚ ጽልዋ እዚ ንኽዋጽእሉ ኣብ ቤት ዝያዳ መተባብዒ ክረኽቡ የድልዮም ኢዩ።
ወለዲ: ፍጹማት መሲልኩም ክትርኣዩ ኣይትፈትኑ። ጌጋታትኩም ተኣመኑ: ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ከኣ ንደቅኹም ይቕረታ ሕተቱ። መንእሰያት: ኣቦኹምን ኣዴኹምን ጌጋኦም ምስ ዝእመኑ: ፍቕርኹም ኣዕብዩሎም።—መክብብ 7:16
እወ: ሓድነት ዘለዋ ስድራቤት ሰላምን ድሕንነትን ሓጐስን ዘለዎ ቤት ኢያ እትምስርት። ጎቴ እተባህለ ጀርመናዊ ገጣሚ ሓደ እዋን ከምዚ በለ:- “እቲ ኣብ ቤቱ ሓጐስ ዝረክብ ንጉስ ወይ ከኣ ሓረስታይ: ካብ ኵሉ ሰብ ዝያዳ ሕጕስ ኢዩ።” ነቶም መማሰውቲ ዝዀኑ ወለድን ቈልዑን: ካብ ቤት ንላዕሊ ዝዀነ ካልእ ቦታ ክህሉ የብሉን።
ሓቂ ኢዩ: ሎሚ ስድራቤት ካብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ብዝመጽእ ጸቕጥታት ኣብ ከቢድ ስግኣት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ስድራቤት ዝፈጠረ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ህላወኡ ክቕጽል ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ንሕጕስ ናብራ ስድራቤት ዘዳለዎ መምርሒታት እንተድኣ ስዒብካዮ ንስኻን ስድራቤትካን እውን ክትድሕኑ ኢኹም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት 192 ገጽ ዘለዋ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ርአ።