ሕጋዊ ዓወት
ኣብ ሚያዝያ 1995: ሓደ ኣገዳሲ ናይ ቤት ፍርዲ ዓወት ተረኽበ። እቲ ጕዳይ ብ28 ጥሪ 1992: ጓል 24 ዓመት ዝዀነት ሉስ ኔረዳ ኣሴቭዶ ክዊለስ: ምርጫዊ መጥባሕቲ ክትገብር ናብቲ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ዝርከብ ኤል ቡዋን ፓስቶር እተባህለ ሆስፒታል ምስ ኣተወት ኢዩ ጀሚሩ። ክትኣቱ ኸላ: ብኽልቲኡ ማለት ብቓልን ብጽሑፍን: ከም ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ናይ ደም ምትሕልላፍ ከም ዘይትቕበል ገሊጻ ኢያ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) እቲ ዝሓከማ ዶክተር ሓዊስካ: እቶም ናይ ሆስፒታል ናይ ፐርሰነል ኣባላት እውን ንድሌታ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡ ኢዮም።
ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ክልተ መዓልትታት ጸኒሑ: ሉስ ብምኽንያት ምድማይ ብዙሕ ደም ስለ ዝፈሰሳ ኣስጋኢ ዝዀነ ኣነምያ (ዋሕዲ ደም) ኣጥረየት። እቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሓኪም ዶር. ሆሰ ሮዘርገዝ ሮዘርገዝ: እቲ ንምሕጋዛ ክግበር ዝኽእል ነገር ደም ምሃባ ጥራይ ምዃኑ ኣመነ። ስለዚ: ንሳ ከይፈለጠት ወይ ከይተሰማመዐት ንሉስ ደም ክዋሃባ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ክመሓላለፍ ደለየ።
ሽሕ’ኳ ሉስ ምሉእ ብምሉእ ሃለዋታ እትፈልጥ ክትዛረብ ድማ እትኽእል እንተ ነበረት: ዶክ. ሮዘርገዝ ሮዘርገዝ ብምኽንያት ህጹጽነት ናይቲ ጕዳይ ምስ ዝዀነ ሰብ ንኽሰማማዕ ግዜ ከም ዘየሎ ኣትሪሩ ተዛረበ። እቲ ናይ ኣውራጃ ኣኽባር ሕጊ: ኤድዋርዶ ፐረዝ ሶቶ ነቲ ቕጥዒ ፈረመሉ: ከምኡውን እቲ ናይ ኣውራጃ ዳኛ ክቡር ኣንክል ሉዩስ ሮዘርገዝ ራሞስ ናይ ደም ምትሕልላፍ ክግበር ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።
ስለዚ: ብ31 ጥሪ 1992: ሉስ ናብቲ ደም እተመሓላለፈላ ናይ መጥባሕቲ ክፍሊ ተወስደት። ኣብ እዋን እቲ ምትሕልላፍ ደም ገለ ካብቶም ናይ ሆስፒታል ፐርሰነላት ክስሕቁ ሰምዐት። ካልኦት እቲ እተገብረ ንጥቕማ ተባሂሉ ከም እተገብረ ብምዝራብ ገንሕዋ። ክሳዕ ዝከኣላ ተቓለሰት—ግናኸ ኵሉ ከንቱ ነበረ። እታ መዓልቲ ክትውዳእ ከላ: ሉስ ኣርባዕተ ኣሃዱ ደም ተቐበለት።
ብዛዕባ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ምትሕልላፍ ደምን ናይ ሉስ ጕዳይ ናይ መጀመርታ ወይ ናይ መወዳእታ ኣይነበረን። ቅድሚ እዚ ናይ ሉስ ተመኵሮ: ኣንጻር ድሌት እኹላት ናይ የሆዋ መሰኻኸር ደም ክመሓላለፍ ብውሕዱ 15 ዝዀኑ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዛት ተመሓላሊፎም ነይሮም ኢዮም: ድሕሪኡ ድማ ብዙሓት ክመሓላለፉ ጸኒሖም ኢዮም። ዘሕዝን ግን: ኣብ ሓደ ጕዳይ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣብ ተግባር ወዓለ እሞ: ሃለዋታ ኣጥፊኣ ከላ ድማ ንሓንቲ ሕምምቲ ብሓይሊ ደም ተመሓላለፈላ።
ይኹን እምበር: ናይ ሉስ ቃልሲ ኣብቲ ናይ መጥባሕቲ ክፍሊ ጥራይ ኣየብቀዐን። ኣብ ጥቅምቲ 1993 ኣንጻር ሓባራዊ ሃብቲ ፖርቶ ሪኮ ክሲ ተመስረተ። እቲ ክሲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሰምዐ: ብ18 ሚያዝያ 1995 ድማ ንሉስ ዝድግፍ ውሳኔ ተገብረ። እቲ ቤት ፍርዲ ደም ንኽመሓላለፍ ምእዛዝ “ኣብ ቅዋም ዘየሎ: ሃይማኖታ ሓራ ኰይና ንኽትገልጽ: ብሑትነታን ብዘይ እቲ ግቡእ ናይ ሕጊ መስርሕ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ክትውስን ዘለዋ መሰል ዘሕድግን” ኢዩ ነይሩ በለ።
ንጕዳይ ምትሕልላፍ ደም ዝምልከት: እቲ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ንመጀመርታ ግዜ ንረብሓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምውሳኑ: እቲ ውሳኔ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ፍርዲ ኣገራሚ መልሰ–ግብሪ ኣለዓዒሉ ኢዩ። ምስቶም ቀንዲ ናይ ጋዜጣ: ሬድዮ: ከምኡውን ናይ ተለቪዥን ጋዜጠኛታት: ጋዜጣዊ ዋዕላ ተገይሩ ኢዩ።
ልክዕ በታ ምሸት እቲኣ ሓደ ናይ ሬድዮ ፕሮግራም ምስቶም ናይ ሉስ ጠበቓታት እተገብረ ቃለ-መጠይቕ ፈነወ። እቶም ሰማዕቲ ቴሌፎን ክድውሉን ሕቶታት ክሓቱን ተዓደሙ። ብዙሓት ሓካይምን ጠበቓታትን ደዊሎም ነቲ ጕዳይ ዝነበሮም ጽቡቕ መልሰ-ግብሪ ድማ ገሊጾም ኢዮም። ሓደ ካብቶም ዝደወሉ ከምዚ በለ:- “ሳይንስ ምትሕልላፍ ደም ህይወት ከም ዘድሕን ከረጋግጽ ኣይከኣለን: ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ ድማ ግጉይ ኢዩ።” ወሲኹ ድማ “ድሕሪ ቑሩብ: ምትሕልላፍ ደም ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ከም ሓደ ዝዓበየ ስሕታንን ጌጋን ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ክምዝገብ ኢዩ” በለ።
ሓደ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ ናይ ሕጊ ፕሮፌሶር ጸኒሑ ናብቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብምድዋል በቲ ንሱ “መቓልሕ ዝመልስ ዓወት” ኢሉ ዝሰየሞ: ዓሚቝ ዕግበቱ ገለጸ። ወሲኹ ድማ እቲ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዘመሓላለፈ ቤት ፍርዲ ንቅዋማዊ መሰል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰነስ ንቅዋማዊ መሰል ናይ ኵሎም ዜጋታት ፖርቶ ሪኮ እውን ኣዐዊቱ ኢዩ: ብምባል ተዛረበ።