ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/11 ገጽ 21-24
  • ዝተክኽ ፈትሊ ተጥፍእዶ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝተክኽ ፈትሊ ተጥፍእዶ ኢኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ትንቢት ምምርማር
  • ናይ ነቐፌታ ሳዕቤናት
  • ምውድዳር ብዛዕባ ምግባርከ⁠፧
  • ንምህናጽ ዝዀኑ ገለ መገድታት
  • ኵሉ ግዜ ሃናጺ ኵን
  • መፈጸምታ ትንቢት ኢሳይያስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ትንቢት ኢሳይያስ ፈጸመ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ናብቲ ዚድንግጸልና ሊቀ ኻህናትና ዝዀነ የሱስ ነስተብህል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ እተወሰኸ ሓድሽ መሰናድዎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/11 ገጽ 21-24

ዝተክኽ ፈትሊ ተጥፍእዶ ኢኻ፧

የሱስ ክርስቶስ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኢዩ ኣዊጅዎ። ብዙሓት ካብኣቶም እተደቝሱን ተስፋ ዝቘረጹን ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: የሱስ ዘተባብዕ መልእኽቲ ሃቦም። ንዝሳቐዩ ሰባት ድማ ድንጋጽ ነይርዎ ኢዩ።

ማቴዎስ: እቲ ጸሓፍ ወንጌል: ናብ ሓደ ብኢሳይያስ እተጻሕፈ ትንቢት ቈላሕታ ብምግባር ንድንጋጽ የሱስ ኣጕሊሕዎ ኢዩ። ማቴዎስ: ብየሱስ እተፈጸመ ቃላት ብምጥቃስ “ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ: ጭፍሉቕ [ሰልሰላ ትሓዓ ] ኣይሰብርን: ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ማቴዎስ 12:⁠20፣ ኢሳይያስ 42:⁠3) እዚ ቃላት እዚ እንታይ ማለት ኢዩ: የሱስከ ነዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ፈጸሞ⁠፧

ነቲ ትንቢት ምምርማር

ሰልሰላ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓዘቕቲ ኢዩ ዝበቍል: ተሪርን ጽኑዕን ተኽሊ ድማ ኣይኰነን። “ጭፍሉቕ [ሰልሰላ ትሓዓ ]” ድማ ብርግጽ ድኹም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ከምቲ የሱስ ብሰንበት ዘሕወዮ ኢዱ ዝነ​ቐጸት ሰብኣይ ንዝኣመሰሉ እተደቝሱ ወይ ዝሳቐዩ ሰባት ዘመልክት ኢዩ። (ማቴዎስ 12:​10⁠-14) ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ ንፈትሊ ቐንዴል ዝምልከት ትንቢታዊ ጥቕሲኸ⁠፧

ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ልሙድ ናይ ገዛ ቐንዴል: ካብ መሬት እተሰርሐ ጥውይ ዝበለ ለዓት ዘለዎ ንእሽቶ ዕትሮ ዝመስል ኣቕሓ ኢዩ። እቲ ቐንዴል ኵሉ ግዜ ዘይቲ ኣውሊዕ ኢዩ ዝመልእ ነይሩ። ካብ እንጣጢዕ እተሰርሐ ፈትሊ ድማ ካብቲ ዘይቲ እናመጸየ ነቲ ሃልሃልታ ይምግቦ። ብርግጽ: “ዚተክኽ ፈትሊ” ዳርጋ ክጠፍእ ዝደለየ ኢዩ።

የሱስ ነቲ ዘጸናንዕ መልእኽቱ ንብዙሓት ብምሳልያዊ መገዲ ከም ጭፍሉቕ ሰልሰላ: ዝጐበጡን ድርቡያትን ዝነበሩ ሰባት ኢዩ ኣዊጅዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ ናይ መወዳእታ ዕምሪ ህይወቶም ዳርጋ ኣብ ምጥፍኡ ስለ ዝነበረ ከም ዝተክኽ ፈትሊ እውን ኢዮም ነይሮም። ብሓቂ እተደቝሱን ተስፋ ዝቘረጹን ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: የሱስ ምሳልያዊ ጭፍሉቕ ሰልሰላ ኣይሰበረን ወይ ምሳልያዊ ዝተክኽ ፈትሊ ኣየጥፍአን። እቲ ፈቃርን ለዋህን ናይ ድንጋጽን ቃላቱ ንዝሳቐዩ ሰባት መሊሱ ተስፋ ኣየቝረጾምን ከምኡውን ኣየጨነቖምን። ኣብ ክንድኡ: ሓሳባቱን ምስኣቶም ዝነበሮ ምምልላስን ሞራል ክብ ዘብል ሳዕቤን ነበሮ።​—⁠ማቴዎስ 11:​28⁠-30

ሎሚውን: ብዙሓት ሰባት ተስፋ ዘቝርጽ ግድላት ይጋጠሙ ብምህላዎም ድንጋጽን ምትብባዕን ይደልዩ ኢዮም። ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ሓያላት ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ዝተክኽ ፈትሊ ይመስሉ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ክርስትያናት መተባባዕቲ​—⁠ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ሃልሃልታ ዘንበድብዱ​—⁠ብምዃን ኣብ ንሓድሕዶም ክበራትዑ ኣለዎም።​—⁠ሉቃስ 22:32፣ ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠23

ከም ክርስትያናት መጠን ሃነጽቲ ክንከውን ኢና እንደሊ። መንፈሳዊ ሓገዝ ንዝደሊ ዝዀነ ሰብ ደይ መደይ ኢልና ከነዳኽሞ ኣይንፍትንን ኢና። ብርግጽ: ንኻልኦት ብምትብባዕ ዝመጸ ናይ የሱስ ኣብነት ክንቀድሕ ኢና እንብህግ። (እብራውያን 12:​1⁠-3፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) ካባና ምትብባዕ ንዝጽበ ዝዀነ ሰብ ከይተፈለጠና ክንሰብሮ ስለ እንኽእል ግን: ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ምምልላስ ኣኽቢድና ክንሓስበሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኢዩ ዝዀነና። ብርግጽ ‘ዝተክኽ ፈትሊ ከነጥፍእ’ ኣይንደልን ኢና። ነዚ ብዝምልከት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ክሕግዘና ምኽኣለ⁠፧

ናይ ነቐፌታ ሳዕቤናት

ሓደ ክርስትያን ‘ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: [እቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ትሓዓ ] ብህዱእ መንፈስ [ገይሮም ከቕንዕዎ ክፍትኑ ኣለዎም ትሓዓ ]።’ (ገላትያ 6:⁠1) ይኹን እምበር: ካብ ካልኦት ጕድለት ክንደልን ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ድማ ንምእራሞም ክንጥቀመሉንሲ ግቡእ ድዩ⁠፧ ወይ ከኣ እዚ ሕጂ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት እኹል ከም ዘይኰነ ብምእማት ዝሓሸ ክገብሩ ምድፍፋኦም: ምናልባት ናይ ገበን ስምዒታት ከም ዝስምዖም ምግባርከ ቅኑዕ ድዩ⁠፧ የሱስ ከምዚ ዓይነት ከም ዝገበረ ዝሕብር ዝዀነ ነገር የሎን። ሽሕ’ኳ ዕላማና ካልኦት ንኽመሓየሹ ምሕጋዝ እንተዀነ: እቶም ዘይግቡእ ነቐፌታ ዝቕበሉ ዘለዉ ሰባት ኣብ ክንዲ እተበራትዑ እተዳኸሙ ዀይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ሃናጺ ነቐፌታ እውን ኣዝዩ እንተድኣ በዚሑ ፈጺሙ ተስፋ ዘቝርጽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ሓደ ብምሉእ ልቡ ዝዓዪ ክርስትያን ዝበለጸ ጻዕርታት ተቐባልነት እንተድኣ ዘይረኺቡ: ብሓቂ ተስፋ ክቘርጽን ‘ስለምንታይከ ዝጽዕር⁠፧’ ክብልን ይኽእል ኢዩ። ብርግጽ ድማ: ምሉእ ብምሉእ ኢዱ ክህብ ይኽእል ኢዩ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምሃብ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ናይቶም ኣብታ ጉባኤ እተመዘዙ ሽማግለታት ወይ ናይ ካልኦት መንፈስ ዘርኢ ክኸውን ግን የብሉን። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብቐዳምነት ምኽሪ ንምሃብን ንምቕባልን ኣይኰነን ዝግበር። ኣብ ክንድኡ: ስርዓታውያን ኴንና እንእከብ ኣብ ንሓድሕድና ንኽንትሃናነጽን ክንተባባዕን እሞ: በዚ ኸኣ ኵላቶም ንሕብረቶምን ነቲ ናብ ኣምላኽ ዘቕርብዎ ቅዱስ ኣገልግሎቶምን ክሕጐስሉ ምእንቲ ክኽእሉ ኢዩ። (ሮሜ 1:​11, 12፣ እብራውያን 10:​24, 25) ኣብ መንጎ ከቢድ ጕድለት ከምኡውን ሸለል ክትብሎ ጥበባውን ፍቕራውን ዝዀነ ዘይፍጽምና ዘሎ ፍልልይ ክንርድኦስ: ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!​—⁠መክብብ 3:​1, 7፣ ቈሎሴ 3:⁠13

ሰባት ካብ ንነቐፌታ ዝያዳ ንምትብባዕ ኢዮም ቐልጢፎም ዝምልስሉ። ብሓቂ እኳ: ውልቀ⁠-ሰባት ብዘይግቡእ ከም እተነቕፉ ኰይኑ ምስ ዝስምዖም: ናብቲ ዝንቀፍ ዘሎ ጠባይ ዝያዳ ክለግቡ ይኽእሉ! ብቕንዕና ምስ ዝንኣዱ ግን ይተባብዑ: ንኽመሓየሹ ድማ ይለዓዓሉ። (ምሳሌ 12:18) ስለዚ እምበኣር: ከም የሱስ እነተባብዕ ንዅን ፈጺምና ድማ ‘ዝተክኽ ፈትሊ ኣይነጥፍእ።’

ምውድዳር ብዛዕባ ምግባርከ⁠፧

ናይ ካልኦት ክርስትያናት ጽቡቕ ተመኵሮታት ምስማዕ ኣዝዩ ዘለዓዕል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ንገዛእ ርእሱ ደቀ መዛሙርቱ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ኣብ ምስባኽ ዝገበርዎ ዓወት ምስ ሰምዐ ተሓጒሱ ኢዩ። (ሉቃስ 10:​17⁠-21) ብተመሳሳሊ: ብዛዕባ ናይቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ካልኦት ሰባት ዓወት: ጽቡቕ ኣብነት: ወይ ንጽህና ክንሰምዕ ከሎና ንተባባዕ: ኣብቲ ክርስትያናዊ ጕዕዞና ብዝያዳ ክንቅጽል ድማ ንቘርጽ።

እንተዀነ ግን: ሓደ ጸብጻብ ‘ንስኻ ከምዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ንፉዕ ኣይኰንካን: ካብቲ እትገብሮ ዘሎኻ ድማ ዝያዳ ክትገብር ኣሎካ’ ዝብል ርእይቶ ዘቕርብ ምስ ዝኸውንከ⁠፧ እቲ ሰማዒ ናይ ምምሕያሽ ህርኩት መደብ ይጅምርዶ⁠፧ ብፍላይ ኵሉ ግዜ ምውድዳር ዝግበር እንተዀይኑ ወይ ምስ ዝእመት: ተስፋ ክቘርጽን ኢዱ ክህብን ኢዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ንውሉዱ ‘ስለምንታይ ከም ሓውካ ክትከውን ዘይከኣልካ⁠፧’ ኢሉ ዝሓትት ወላዲ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ርእይቶ ቅሬታን ተስፋ ምቝራጽን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ: ዝሓሸ ጠባይ ከማዕብል ግን ዘይመስል ኢዩ። ምውድዳር ነቶም መወዳድርቶም ዝዀኑ ሰባት ዳርጋ ኣብ ምቕያም እውን ከይተረፈ ብምብጻሕ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ድማ ተመሳሳሊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

ኵላቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓደ ዓይነት ብዝሒ ክገብሩ ክንጽበ ኣይንኽእል ኢና። ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይ የሱስ ምሳሌታት: ሓደ ጐይታ ንባሮቱ ሓንቲ: ክልተ: ወይ ሓሙሽተ ናይ ብሩር መክሊት ሃቦም። እዚ “ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም” ኢዩ ተዋሂብዎም ነይሩ። ሽሕ’ኳ እቶም ነቲ መክሊቶም ብጥበብ ዝነገድሉን ዝወሰኹሉን ክልተ ባሮት ስርሖም እተፈላለየ ውጽኢት እንተ ኣፍረየ: እሙናት ብምንባሮም ተናኢዶም ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 25:​14⁠-30

ምስዚ ዝሰማማዕ ሃዋርያ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 6:⁠4) ንኻልኦት ብሓቂ እነተባብዕ ምእንቲ ክንከውን እምበኣር: ኣሉታዊ ምውድዳራት ምግባር ከነወግድ ክንጽዕር ኣሎና።

ንምህናጽ ዝዀኑ ገለ መገድታት

ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ምእንቲ ክንሃንጾምን ‘ዝተክኽ ፈተሊ ምጥፋእ’ ድማ ከነወግድን እንታይ ክንገብር ምኸኣልና። ልክዕ ኢዩ: ምትብባዕ ምሃብ ማለት እተወሰነ ስርዓት ናይ ምስዓብ ጕዳይ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት እንተድኣ ስዒብና ቃላትና ንኻልኦት ክሃንጾም ኢዩ። ገለ ካብዚኣቶም እንታይ ኢዮም⁠፧

ትሑት ኵን። ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ 2:⁠3 ‘ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ከይንገብር’ ምዒዱና ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ብትሕትና ክንዛረብን ክንዓይን ኣሎና። ‘ብ[ናይ ኣእምሮ ትሕትና ትሓዓ ] ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና ክንርእዮም ኣሎና።’ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ገለ’ኳ ክንሓስብ የብልናን ኣይበለን። እንተዀነ ግን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካባና ብገለ መገዲ ይበልጽ ምዃኑ ክንግንዘብ ኣሎና። እታ ኣብዚ “ኣብሊጹ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ኣዒንቱ ካብቲ ናቱ መሰላት ምልስ ኣቢሉ: ናብቲ ካልእ ሰብ ካብኡ ዝበልጸሉ ክእለታት ተጠንቂቑ ዘስተብህል” ሰብ ዝብል ሓሳብ ኢያ እትህብ። (ኒው ተስታመንት ዎርድ ስታዲስ: ብጆን ኣልበርት በነል: ጥራዝ 2: ገጽ 432) ከምዚ እንተ ገይርና ንኻልኦት ድማ ኣብሊጽና እንተድኣ ርኢናዮም: ምስኣቶም ብትሕትና ክንመላለስ ኢና።

ኣኽብሮት ኣርኢ። ንኣምላኽ ከሕጕሱ ዝብህጉ ውልቀ⁠-ሰባት ከም ዝዀኑ ብምርኣይ: ገዛእ ርእስና ብቕንዕና እናገለጽና: ኣብ እሙናት ኣመንቲ ብጾት ዘሎና ተኣማንነት ንጹር ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ግናኸ መንፈሳዊ ሓገዝ ይደልዩ ኢዮም ንበል። እምበኣር ኣኽብሮትን ዋጋን ብዘለዎ ኣገባብ ደገፍ ንሃብ። ጳውሎስ ነቲ ነገር ብኸምዚ ይገልጾ:⁠- ‘ንሓድሕድኩም ንምክብባር ተቓዳደሙ።’​—⁠ሮሜ 12:​10

ጥንቁቕ ሰማዒ ኵን። እወ: ነቶም ተስፋ ዘቝርጽ ግድል ዝጋጠሙ ዘለዉ ምእንቲ ከነጸናንዕ: መደርቲ ዘይኰነስ ጥንቁቓት ሰማዕቲ ክንከውን ኢዩ ዘድልየና። ኣብ ክንዲ ህዉኽ: ናይ ላዕለ ላዕሊ ርእይቶ እንህብ: ብሓቂ ነቲ ሽዑ ዘድሊ ዝኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ምእንቲ ክንህብ ግዜ ንውሰድ። እንታይ ከም እንብል ዘይንፈልጥ እንተድኣ ኴንና: መጽሓፍ ቅዱስ ምምርማር ብዘጸናንዕ ክንዛረብን ንኻልኦት ከነተባብዕን ክሕግዘና ኢዩ።

ፈቃር ኵን። ነቶም ከነተባብዖም እንደሊ ሰባት ፍቕሪ ክስምዓና ኣለዎ። ኣብቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዀኑ ብጾት ክውዕል ከሎ: ፍቕርና ክንዮ እቲ ንዕ⁠ኦም ዝበለጸ ምዕያይ ክሓልፍ ኣለዎ። ዓሚቝ ስምዒት ከጠቓልል ኣለዎ። ንዅሎም ህዝቢ የሆዋ ከምዚ ዝበለ ፍቕሪ እንተድኣ ኣልዩና: ቃላትና ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ክዀኖም ኢዩ። ንምምሕያሽ ዝኸውን ርእይቶ ክንህብ እንተድኣ ደሊና እውን: ድራኼና ፍቕራዊ ሓገዝ ንምሃብ ድኣምበር ናትና ሓሳባት ንምግላጽ ምስ ዘይከውን: እቲ እንብሎ ጌጋ ምርዳእ ክረክብ ወይ ጕድኣት ከስዕብ ዘይመስል ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ብልክዕ ዝበሎ:⁠- “ፍቕሪ . . . ይሀንጽ” ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 8:⁠1፣ ፊልጲ 2:​4፣ 1 ጴጥሮስ 1:22

ኵሉ ግዜ ሃናጺ ኵን

ኣብዘን ጽንኩራት “ዳሕሮት መዓልትታት:” ህዝቢ የሆዋ ብዙሕ ፈተናታት ይጋጠሙ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1⁠-5) ሓድሓደ ግዜ ትዕግስቶም ዝወዳእ ክሳዕ ዝመስል እንተ ተጸመሙስ ዘገርም ኣይኰነን። ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ብርግጽ ንክርስትያን ኣምለኽቲ ብጾትና ከም ክጠፍእ ዝደለየ ዝተክኽ ፈትሊ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዝገብር ዝዀነ ነገር ክንዛረብ ወይ ክንገብር ኣይንደልን ኢና።

ኣብ ንሓድሕድና ክንተባባዕ እምበኣር ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ! ተስፋ ንዝቘረጹ ኣምለኽቲ ብጾት: ትሑታትን ኣኽበርትን ብምዃን ሃነጽቲ ምእንቲ ክንከውን ዝከኣለና ዘበለ ንጽዓር። ምስጢሮም ከካፍሉና ኸለዉ ብጥንቃቐ ንስምዓዮም: ናብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ቈላሕታ ብምግባር ድማ ኵሉ ግዜ ክንሕግዞም ንድለ። ልዕሊ ዅሉ ፍቕሪ ነርኢ: ከመይሲ እዛ ፍረ መንፈስ የሆዋ እዚኣ ኣብ ንሓድሕድና ክንበራታዕ ክትሕግዘና ኢያ። ብዝዀነ መገዲ ‘ዝተክኽ ፈትሊ ከጥፍእ’ ዝኽእል ፈጺምና ኣይንዛረብ ወይ ኣይንግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ