ናይ ምፍራይን ውግእን ኣንስተይቲ ኣምላኽ
ሓደ እዋን ኣብ ኢብላ: ሶርያ: ወፍሪ ኩዕታ መሬት ክግበር ከሎ: ንኢሽታር: ባቢሎናዊት ኣንስተይቲ ኣምላኽ ምፍራይን ውግእን: ዝገልጽ ቅርሲ ተረኽበ። ናይ ስነ-ጥንቲ ምሁር ፓውሎ ማቲየ ነዚ “ሓንቲ ኣንስተይቲ ካህን ኣብ ቅድሚ ሓደ እተፈልየ መለኮታዊ ምስሊ . . . ርእሳ ድማ ምስ ሓደ ነዊሕ ቀጢን መደገፊ እተተሓሓዘ: ከም ዝነበረት ዘርኢ ትርኢት ኣምልኾ ዝሓዘ: ናይ መጕእ ቅርጺ ዘለዎ ማሕተም” ከም ዝዀነ ይገልጾ።
እቲ ምስሊ ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ስለ እተገብረ: እቲ ብዅዕታ እተረኽበ ነገር ኣገዳሲ ኢዩ። ብመሰረት ማቲየ ዝበሎ: እዚ ነገር እዚ: ናይ ኢሽታር ኣምልኾ ን2,000 ዓመታት ዝኣክል ከም ዝጸንሐ “ምሉእ መረጋገጺ” ዝህብ ኢዩ።
ናይ ኢሽታር ኣምልኾ ኣብ ባቢሎን ኢዩ ጀሚሩ: ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዘበናት ድማ ኣብ ምሉእ ግዝኣት ሮሜ ኣስፋሕፈሐ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብታ ምድሪ ተስፋ ነፍሲ ወከፍ ኣሰር ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከጥፍኡ ኣዚዝዎም ኢዩ: ከምዚ ካብ ምግባር ስለ ዝሰነፉ ግን: ናይ ኣስታርቴ ኣምልኾ (ከንኣናዊት መማሳስልቲ ኢሽታር) መፈንጠራ ኰኖም።—ዘዳግም 7:2, 5፣ መሳፍንቲ 10:6
ሽሕ’ኳ ኢሽታርን መማሳስልታ ኣስታርቴን እንተ ዘየለዋ: እቲ ንሳተን ወኪለናኦ ዝነበራ መለለዪ ጠባይ—ርኽሰትን ዓመጽን—ግን ገኒኑ ኢዩ ዘሎ። ዘመናዊ ማሕበረሰብ ካብቲ ነዘን ኣንስትዮ ኣማልኽቲ ምፍራይን ውግእን ዘምልኽ ዝነበረ ጥንታዊ ስልጣኔታት ብሓቂ ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎዶ የብሉን ኢልና ክንሓትት ጽቡቕ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ቈልዑ እውን ከይተረፈ ንታኒት ይስውኡ ነይሮም ኢዮም
[ምንጪ ስእሊ]
Ralph Crane/Bardo Mueseum