ዓንቀጽ መጽናዕቲ 46
መዝሙር 17 “እደሊ እየ”
ናብቲ ዚድንግጸልና ሊቀ ኻህናትና ዝዀነ የሱስ ነስተብህል
“ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን።”—እብ. 4:15።
ኣትኵሮ
የሱስ ደንጋጽን ርሕሩሕን ስለ ዝዀነ፡ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ብቑዕ ምዃኑን እዚ ንዓና ብኸመይ ከም ዚጠቕመናን።
1-2. (ሀ) የሆዋ ንወዱ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (እብራውያን 5:7-9)
ቅድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ፍቑር ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ስለምንታይ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት፡ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኼውጽእን ንግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስን እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 3:8) እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ህይወት፡ ደንጋጽን ርሕሩሕን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪዀነልና ኸም ዜዳልዎ የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሱስ ድማ ብ29 ድ.ክ. ምስ ተጠምቀ፡ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ።a
2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ህይወት፡ ብዝያዳ ዚድንግጸልና ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ኽንምርምር ኢና። የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ‘ፍጹም ኪኸውን’ ዝኸኣለ ብኸመይ ምዃኑ ርድኢትና ምስ እነስፍሕ፡ ዋላ እውን ብሰንኪ ሓጢኣትናን ድኽመታትናን እንተ ተደቘስና፡ ናብ የሆዋ ምቕራብ ዝቐለለ ኪዀነልና እዩ።—እብራውያን 5:7-9 ኣንብብ።
እቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ መጸ
3-4. የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ከመይ ዝበለ ዓበይቲ ለውጥታት እዩ ኣሕሊፉ፧
3 መብዛሕትና ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ለውጢ፡ ካብ ዓድና ናብ ካልእ ዓዲ ግዒዝና፡ ካብ እንፈትዎም ቤተ ሰብናን ፈተውትናን እውን ተፈሊና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ናይ የሱስ ዓይነት ለውጢ ዘሕለፈ የልቦን። የሱስ ኣብ ሰማይ ካብቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ እቲ ዝለዓለ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ብየሆዋ ፍቱው እዩ ነይሩ፣ “ኣብ የማን” ኣምላኽ ኰይኑ ምግልጋል ከኣ የሐጕሶ ነይሩ እዩ። (መዝ. 16:11፣ ምሳ. 8:30) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ፊልጲ 2:7 እነንብቦ፡ “ገዛእ ርእሱ ባዶ” ብምግባር ነቲ ልዑል ሰማያዊ ቦታኡ ሓዲጉ ምስ ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንምንባር ፍቓደኛ ዀነ።
4 ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ልደት የሱስን ኣብ መጀመርታ ምድራዊ ህይወቱን ዝነበረ ዅነታት እስከ ንመርምር። እቲ ወለዱ ድሕሪ ልደቱ ዘቕረብዎ መስዋእቲ፡ ድኻታት ከም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ። (ዘሌ. 12:8፣ ሉቃ. 2:24) እዚ ኸይኣክል ድማ፡ እቲ እኩይ ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ ብዛዕባ ልደት የሱስ ምስ ሰምዐ ኪቐትሎ ፈተነ። ስለዚ ኸኣ ስድራ ቤት የሱስ ካብ ሄሮድስ ሃዲሞም ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ግብጺ ብስደት ነበሩ። (ማቴ. 2:13, 15) ህይወት የሱስ ካብቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ሕይወት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተቐዪሩ!
5. የሱስ ኣብ ምድሪ እንታይ እዩ ተዓዚቡ፧ እዚኸ ሊቀ ኻህናት ንምዃን ዘዳለዎ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
5 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ከባቢኡ ብዙሕ ስቓይ ርእዩ እዩ። ሞት ሰብካ ዜስዕቦ ሓዘን እውን ኣብ ህይወቱ ርእይዎ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ ሞይትዎ እዩ። ኣብ ኣገልግሎቱ ድዉያትን ዕዉራትን ልሙሳትን ዝሓዘኑ ወለድን ኣጓኒፎምዎ እዮም፣ ንሱ እውን ራሕሪሑሎም እዩ። (ማቴ. 9:2, 6፣ 15:30፣ 20:34፣ ማር. 1:40, 41፣ ሉቃ. 7:13) ርግጽ እዩ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ እውን ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስቓይ ይርእዮ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ንስቓይ ደቂ ሰብ ብሓድሽ መልክዕ ኪዕዘቦ ጀመረ። (ኢሳ. 53:4) እቲ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ግዜ ንስምዒትን ንጭንቀትን ንስቓይን ደቂ ሰብ ኪርዳእ ሓጊዝዎ እዩ። ንሱ ንባዕሉ ኸም ጭንቀትን ድኻምን ሓዘንን ዝኣመሰለ ደቂ ሰብ ዚስምዖም ስምዒታት ኣሕሊፉ እዩ።
የሱስ ብዛዕባ ስምዒትን ስቓይን እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ኣጸቢቑ ይሓሊ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)
የሱስ ንሰባት ደንጊጹሎም
6. እቲ ነብዪ ኢሳይያስ እተጠቕመሉ ስእላዊ ቓላት፡ ብዛዕባ ድንጋጸን ርሕራሐን የሱስ እንታይ ይምህረና፧ (ኢሳይያስ 42:3)
6 የሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ንድኹማትን ንግፉዓትን ኣዝዩ ይድንግጸሎም ነበረ። ከምዚ ኺገብር ከሎ፡ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ እዩ ዚፍጽም ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ብልጽግናን ብርታዐን ዘለዎም ሰባት ምስ ልምሉም ስፍራ ኣታኽልቲ ወይ ምስ ዓበይቲ ኣእዋም ተመሳሲሎም ኣለዉ። (መዝ. 92:12፣ ኢሳ. 61:3፣ ኤር. 31:12) እቶም ድኻታትን ጭቁናትን ግና፡ ምስቲ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ዘይብሉ ጭፍሉቕ ሻምብቆን ዚተክኽ ፈትሊ መብራህትን ተመሳሲሎም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 42:3 ኣንብብ፣ ማቴ. 12:20) ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ የሱስ ነዞም ከም ዘይረብሑ ጌርካ ዚርኣዩ ሰባት ፍቕርን ድንጋጸን ከም ዜርእዮም ተነብዩ ነበረ።
7-8. የሱስ ንትንቢት ኢሳያይስ ዝፈጸሞ ብኸመይ እዩ፧
7 ማቴዎስ እቲ ጸሓፊ ወንጌል ነቲ ኢሳይያስ፡ “ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ” ዝበሎ ቓላት ኣብ የሱስ ኣውዒልዎ ኣሎ። እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ነቶም ከም ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጠቕሙ ዀይኑ ዚስምዖም ጭቁናትን ነቶም ከም ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ ዚስምዖም ሰባትን ብዙሕ ጠቒምዎም እዩ። ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ደዌ ዝመልኦ ሰብኣይ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ካብ ሕማሙ ሓውዩ ምስ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ኪሓብር መሸም ተስፋ ኣይነበሮን። (ሉቃ. 5:12, 13) ብተወሳኺ እውን፡ እቲ ጸማምን ለኻትን ሰብኣይ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ካልኦት ተኣኪቦም ብውዕዉዕ መንፈስ ኬዕልሉ ኺርእዮም ከሎ ከመይ ይስምዖ ከም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ማር. 7:32, 33) እዚ ጥራይ ግና ኣይኰነን።
8 ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ፡ ሕማም ወይ ስንክልና ዝነበሮም ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣቶም ወይ ብሰንኪ ሓጢኣት ወለዶም ይቕጽዑ ኸም ዝነበሩ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። (ዮሃ. 9:2) ብሰንኪ እዚ ግጉይ እምነት እዚ ኸኣ፡ እቶም ውጹዓት ሰባት ከም ዘይረብሑ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ። የሱስ ግና ነቶም ዚሳቐዩ ዝነበሩ ብምሕዋይን ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም ተስፋ ዳግም ብምብራህን፡ ነቲ ኢሳይያስ እተነበዮ ትንቢት ፈጺምዎ እዩ። እዚ ንዓና እንታይ ምትእምማን እዩ ዚህበና፧
9. እቲ ሰማያዊ ሊቀ ኻህናትና ንዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ብሓቂ ኸም ዚድንግጸሎም እብራውያን 4:15, 16 ብኸመይ ተጕልሕ፧
9 እብራውያን 4:15, 16 ኣንብብ። የሱስ ኵሉ ግዜ ኸም ዚድንግጸልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ግና እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ ሰብ ደንጋጺ ዚብሃል፡ ንስቓይን ንስምዒትን ካልእ ሰብ ዚርዳእ እንተ ዀይኑ እዩ። እታ “ድንጋጸ” ዚትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ካልእ ሰብ ንዜሕልፎ ነገርን ንዚስምዖ ስምዒትን ክትርድኦ ምፍታን ተመልክት። (እብራውያን 10:34 እውን ርአ፣ ኣብኣ ጳውሎስ ነታ ናይ ግሪኽኛ ግሲ እቲኣ ተጠቒሙ ኣሎ።) እቲ ብዛዕባ ተኣምራት የሱስ ዚገልጽ ዛንታታት፡ የሱስ ብስቓይ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ልቡ ይትንከ ኸም ዝነበረ የረጋግጸልና። ግቡኡ ስለ ዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን ንሰባት ዜሕውዮም ነይሩ። ብሓቂ ይሓልየሎምን ኪሕግዞም ይደልን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ድዉይ ሰብኣይ ካብ ርሑቕ ብተኣምር ኬሕውዮ ምኸኣለ ነይሩ፣ ከምኡ ኣብ ክንዲ ዚገብር ግና፡ ተንክዩ እዩ ኣሕውይዎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እቲ ድዉይ ብሰብ ካብ ዚትንከ ነዊሕ ዓመታት ኣሕሊፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ! ብዘይካዚ፡ የሱስ ንሓደ ጸማም፡ ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ብምሕዋይ ሓልዮት ኣርኣዮ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ፈሪሳውያን ንሓንቲ ኻብ ሓጢኣታ እተነስሐት ሰበይቲ፡ ንኣእጋር የሱስ ብንብዓታ እናኣጠልቀየት ብጸጕራ ምስ ደረዘቶ ብዓይኒ ንዕቀት ጠመትዋ፣ የሱስ ግና ተጣበቐላ። (ማቴ. 8:3፣ ማር. 7:33፣ ሉቃ. 7:44) የሱስ ንዝሓመሙ ዀነ ኸቢድ ሓጢኣት ንዝገበሩ ኣይፍንፍኖምን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብርሕራሐ እዩ ዚቕበሎም ነይሩ። ስለዚ፡ ንዓና እውን ከም ዚድንግጸልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ሎሚ ንሊቀ ኻህናትና ብኸመይ ንመስሎ ኣለና፧
10. ንጽሙማንን ንዓይነ ስዉራንን ንምሕጋዝ እንታይ መንፈሳዊ መሰናድዎ ኽንጥቀም ንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
10 እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ስለ ዝዀንና፡ ፍቕርን ድንጋጸን ርሕራሐን ብምርኣይ ንየሱስ ክንመስሎ ንጽዕር ኢና። (1 ጴጥ. 2:21፣ 3:8) ንጸማማት ወይ ንዕዉራት ከነሕዊ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ግና ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብልዕሊ 100 ቛንቋ ምልክት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣዳሊና ኣለና። ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎም ንምሕጋዝ ድማ ብልዕሊ 60 ቛንቋ ብብረይል እተዳለወ ሕታማት፡ ብልዕሊ 100 ቛንቋ እውን ድምጻዊ መግለጺ ዘለዎ ቪድዮታት ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ዅሉ መሰናድዎ እዚ፡ ንጽሙማንን ንዓይነ ስዉራንን ናብ የሆዋን ናብ ወዱን ምእንቲ ኪቐርቡ ኺሕግዞም ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ይርከብ
ጸጋም፦ ልዕሊ 100 ቛንቋ ምልክት
የማን፦ ብብረይል እተዳለወ ልዕሊ 60 ቛንቋ
(ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)
11. ውድብ የሆዋ ነቲ የሱስ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ዝነበሮ ስምዒት እተንጸባርቕ ዘላ ብኸመይ እያ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-7, 33) (ስእልታት እውን ርአ።)
11 ውድብ የሆዋ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ክትሕግዝ ትጽዕር እያ። የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ኵሎም እቶም ኣብ በዓል ጰንጠቈስጠ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ በብቛንቋኦም ነቲ ብስራት ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሲሱ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-7, 33 ኣንብብ።) ሎሚ ድማ ውድብ የሆዋ መሪሕነት የሱስ ብምስዓብ፡ ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ተዳሉ ኣላ፣ ገሊኡ ቛንቋታት ከኣ ሒደት ተዛረብቲ ጥራይ እዮም ዘለውዎ። ንኣብነት፡ ገለ ኻብቲ ናይ ኣመሪካውያን ህንዳውያን ቋንቋታት ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ዚርከቡ ሒደት ተዛረብቲ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ይኹን እምበር፡ እቶም ነዚ ቛንቋታት እዚ ዚጥቀሙ ሰባት ነቲ ብስራት ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ ብልዕሊ 160 ካብዚ ቛንቋታት እዚ ጽሑፋትና ተሓቲሙ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ጽሑፋትና ብልዕሊ 20 ናይ ሮማኒ ቛንቋታት ተዳልዩ ኣሎ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ተዛረብቲ እዚ ቛንቋታት እዚ ድማ፡ ንሓቂ ጽቡቕ ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ።
ጸጋም፦ ልዕሊ 160 ቋንቋ ኣመሪካውያን ህንዳውያን
የማን፦ ልዕሊ 20 ቛንቋ ሮማኒ
(ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)
12. ውድብ የሆዋ እንታይ ግብራዊ ሓገዝ እያ እትህብ፧
12 ውድብ የሆዋ ነቲ ብስራት ንምስፋሕ ጥራይ ኣይኰነትን እትጽዕር፣ ነቶም ብባህርያዊ ሓደጋ እተጐድኡ እውን ትሕግዝ እያ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ብወለንታ ንኣሕዋቶም ይሕግዙ እዮም። እታ ውድብ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምምሃር ዜገልግል መአከቢ ዚኸውን ቦታታት ኣምልኾ እውን ትሃንጽ እያ።
ሊቀ ኻህናትና ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ
13. የሱስ በየናይ መገድታት እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧
13 እቲ ሕያዋይ ጓሳዪና የሱስ ነቲ ብውልቂ ዜድልየና መንፈሳዊ ነገራት እውን የቕልበሉ እዩ። (ዮሃ. 10:14፣ ኤፌ. 4:7) ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ዅነታት፡ ከም ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ ወይ ከም ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ምናልባት፡ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ወይ ብዝፈጸምናዮ ጌጋ ወይ ምስ ክርስትያን ብጻይና ብዘጋጠመና ዘይምስምማዕ ኣዚና ኽንድቈስ ንኽእል ኢና። ብሰንኪ ህሉው ኵነታትና ናብቲ ናይ መጻኢ ተስፋና ምትኳር የጸግመና ይኸውን። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቲ እተሕልፎ ዘለኻ ጸገማትን ንውሽጣዊ ሓሳባትካን ከም ዚርድኦ ኣይትረስዕ። የሱስ ርሕሩሕ ስለ ዝዀነ፡ ኪሕግዘካ ይደሊ እዩ። ንኣብነት፡ ክትደክም ከለኻ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ኬሐይለካ ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 16:7፣ ቲቶ. 3:6) ብተወሳኺ፡ ብ“ውህበት ሰባት”ን ብኻልኦት ክርስትያናት ብጾትን ኣቢሉ ኼተባብዓካን ኪሕግዘካን ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 4:8።
14. ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
14 ብርሃንካ ጭልምልም እንተ ኢሉ ወይ መንፈስካ እንተ ተደቚሱ፡ የሱስ ሊቀ ኻህናትና ምዃኑ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚጸልወካ ኣስተንትነሉ። የሆዋ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኸሉ ዕላማ፡ ህይወቱ በጃ ምእንቲ ኼሕልፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ዜሕልፍዎ ሽግር ብዝያዳ ምእንቲ ኺርዳእ እውን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ብሰንኪ ሓጢኣትና ወይ ድኽመትና ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና፡ የሱስ “ብግዜኡ” ሓገዝ ኪህበና ድሉውን ፍቓደኛን እዩ።—እብ. 4:15, 16።
15. ሓደ ኻብ መጓሰ የሆዋ ዝጠፍአ ሰብ ናብ ጉባኤ ምእንቲ ኺምለስ እንታይ ከም ዝሓገዞ ዚገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።
15 የሱስ ንህዝቡ፡ ኣብቲ ነቶም ካብ መጓሰ የሆዋ ዝጠፍኡ ንምድላይን ንምሕጋዝን ዚገብርዎ ጻዕሪ ይመርሖም እዩ። (ማቴ. 18:12, 13) ንኣብነት፡ ተመክሮ ስተፋኖb ዚብሃል ሓው እስከ ንርአ። ን12 ዓመት ካብ ጉባኤ ተወጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ኣኼባ ኺእከብ ወሰነ። ንሱ ኸኣ፡ “ከምዚ ምግባር ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ናብቲ ፈቃር ስድራ ቤት የሆዋ ኽምለስ ደልየ” ብምባል ስምዒቱ ይገልጽ። ወሲኹ እውን ከምዚ ይብል፦ “እቶም ዝረኸቡኒ ሽማግለታት ሓንጐፋይ ኢሎም እዮም ተቐቢሎምኒ። ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ ክሓድጎ እብል ነይረ። እቶም ኣሕዋት ግና፡ የሆዋን የሱስን ጸኒዐ ክቕጽል ከም ዚደልዩኒ ኣዘኻኺሮምኒ። ካብ ውገዳ ምስ ተመለስኩ፡ ኵሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ንዓይን ንስድራ ቤተይን ብጽቡቕ ተቐቢሎምና። ድሕርዚ፡ ብዓልቲ ቤተይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚራ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ፡ ብስድራ ቤት ንየሆዋ ነገልግሎ ኣለና።” እቲ ፈቃር ሊቀ ኻህናትና፡ እቶም ዚንስሑ ሓጥኣን ናብ ጉባኤ ምእንቲ ኺምለሱ ዜድልዮም ሓገዝ ኪግበረሎም ከሎ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ!
16. ዚድንግጸልና ሊቀ ኻህናት ስለ ዘሎና እተማስወሉ ስለምንታይ ኢኻ፧
16 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ግቡእ ግዜ ሓጊዝዎም እዩ። ሎሚ እውን ንዓና ኣብቲ ዜድልየና እዋን ከም ዚሕግዘና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣብታ ኣብ ቀረባ ግዜ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እውን፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ፡ ካብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ምእንቲ ኪዀኑ ኺሕግዞም እዩ። የሆዋ ኣምላኽና ብዓብዪ ፍቕርን ምሕረትን ተለዓዒሉ ንወዱ ዚድንግጸልና ሊቀ ኻህናት ገይሩ ስለ ዝሸመልና ኣዚና ኢና እነመስግኖ!
መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና
a ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሊቀ ኻህናት ኣይሁድ ብምትካእ ሊቀ ኻህናትና ዀይኑ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2023 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ነቲ ኣብ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰልካ ኣኽቢርካ ርኣዮ” እትብል ዓንቀጽ፡ ኣብ ገጽ 26፡ ሕ.ጽ. 7-9 ርአ።
b ስም ተቐዪሩ እዩ።