ፎቶግራፋትን ስእልታትን ደሃይ ኣልቦ ቪድዮታትን እተፈላለየ ኣኒሜሽንን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ብዛዕባ ዘሎ ነገራት ዝርዝር ሓበሬታ ኺህበና እዩ።
ቤት-ፋጌን ደብረ ዘይቲን የሩሳሌምን
እዛ ሓጻር ቪድዮ እዚኣ፡ ንየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ፡ ማለት ካብታ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢት-ቱር እትብሃል፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ቤት-ፋጌ ኸም ዝዀነት እትሕሰብ ቍሸት ተበጊሱ ናብ ጫፍ ደብረ ዘይቲ ዚወስድ መገዲ እያ እተርእየና። ቢታንያ ብሸነኽ ምብራቕ ቤት-ፋጌ፡ በቲ ኻብ ደብረ ዘይቲ ንምብራቕ ዚወርድ ቍልቍለት ትርከብ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፡ ኣብ ቢታንያ እዮም ዚሓድሩ ነይሮም። ቢታንያ ኣብዚ ግዜና፡ ብዓረብኛ ኣል-ዓዘርያ (ኣል-ዒዘርያ) ትብሃል፣ ትርጉሙ ድማ፡ “ዓዲ ኣልኣዛር” ማለት እዩ። የሱስ ኣብ እንዳ ማርታን ማርያምን ኣልኣዛርን ይሓድር ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴ 21:17፣ ማር 11:11፣ ሉቃ 21:37፣ ዮሃ 11:1) የሱስ ካብ ገዛኦም ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ በታ ኣብ ቪድዮ ዝረኣናያ መገዲ እዩ ተጓዒዙ ኪኸውን ዚኽእል። ብ9 ኒሳን 33 ድ.ክ. ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ኻብ ደብረ ዘይቲ ናብ የሩሳሌም ኣብ ዝወረደሉ እዋን፡ ካብ ቤት-ፋጌ ተበጊሱ በዚ ናብ የሩሳሌም ዚወስድ መገዲ ኣቢሉ ሓሊፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ካብ ቢታንያ ናብ ቤት-ፋጌ እትወስድ መገዲ
ቤት-ፋጌ
ደብረ ዘይቲ
ስንጭሮ ቄድሮን
ከረን እታ ቤተ መቕደስ
ኣብ ሸዀና እተሰመረ መስማር
እዛ ስእሊ እዚኣ፡ 11.5 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓታ መስማር ሓጺን፡ ሸዀና ሰብ ኣብ ዚመስል ስርሓት ኢድ ተሰሚራ ኸላ እያ እተርኢ። እቲ መበቈላዊ ስርሓት ኢድ፡ ብ1968 ኣብ ሰሜናዊ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ስነ ጥንታዊ ፍሕረት እዩ ተረኺቡ፣ ብግዜ ሮማውያን ዝነበረ ድማ እዩ። ሰባት ኣብ ጕንዲ ብመስማር ተሸንኪሮም ይስቀሉ ኸም ዝነበሩ ዜረጋግጽ ስነ ጥንታዊ መርትዖ ኸኣ እዩ። እዚ መስማር እዚ፡ ምስቲ ወተሃደራት ሮሜ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጕንዲ ንምሽንካር እተጠቕሙሉ መስማር ተመሳሳሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ እተሰመረት ሸዀና እተርኢ ስርሓት ኢድ፡ ስጋኡ መሽሚሹ ኣዕጽምቲ ጥራይ ዝተረፎ ሬሳ ኣብ እተቐመጠሉ ኻብ እምኒ እተሰርሐ ሳጹን ሬሳ እያ ተረኺባ። እዚ ድማ፡ ሓደ ኣብ ጕንዲ እተሰቕለ ሰብ፡ ድሕሪኡ ኪቕበር ከም ዚኽእል ይሕብረና።—ማቴ 27:35።