ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/11 ገጽ 16-21
  • ንቑሓት እንዀነሉ ግዜ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቑሓት እንዀነሉ ግዜ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ተጠንቀቑ”!
  • እቲ ዝሓልፍ “ወለዶ”
  • ‘እታ መዓልትን ሰዓትን’
  • ጽድቂ ዝመልኦ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን”
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ካብ ‘ክፉእ ወለዶ’ ዝደሓኑ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/11 ገጽ 16-21

ንቑሓት እንዀነሉ ግዜ

“ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። . . .እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና: ንሱ ኺድሕን እዩ።”​—⁠ማርቆስ 13:​10, 13

1. ክንጽመምን ክንተብዕን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ⁠፧

ኣብ ማእከል ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ​—⁠ክንጽመም ኣሎና! ካብ 1914 ኣትሒዙ ናይ ሰባት ወለዶ ልክዕ ከምቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ብልሹው ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ሎሚ ድማ እቲ ብልሽውና ብዓለምለኸ ደረጃ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እቲ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተገልጸ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ንደቅሰብ የሳቕዮም ኢዩ ዘሎ። ‘እኩያት ሰባት እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።’ ብርግጽ: “ብዘላ ዓለም” በቲ ሕጂ ንምድሪ ንምዕናው ናይ መወዳእታ ጻዕሩ ዝገብር ዘሎ “እኩይ:” ሰይጣን ድያብሎስ “ተትሒዛ [ኣላ]።” ግናኸ ትባዕ! ንዅሎም እቶም ጽድቂ ዘፍቅሩ ነባሪ ዕረፍቲ ዘምጽእ “ዓቢ ጸበባ” ቀሪቡ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​1⁠-5, 13 ትሓዓ ፣ 1 ዮሃንስ 5:19፣ ራእይ 7:14 ትሓዓ 

2. ብ1914 ትንቢት እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ⁠፧

2 እቲ ዘሐጕስ: ናይ ደቅሰብ ጨቈንቲ ጸላእቲ ንምልጋስ ከም መዳለዊ ክኸውን: ሕጂ የሆዋ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት ኣንጊስዎ ኢዩ ዘሎ። (ራእይ 11:15) ከምቲ ኣብ መጀመርታ ምምጻእ ናይቲ መሲህ: ኣብዚ ዘበን እዚውን ብዳንኤል እተጻሕፈ ጕሉሕ ትንቢት ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብ ዳንኤል 4:​16, 17, 32 ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ን“ሾብዓተ ግዝያት” ዝኣክል እተገብረ ናይ ሕጋዊ ንግስነት ምንዋሕ ተነጊርና ኢና። ኣብቲ ዝዓበየ ፍጻሜኡ እዚ ሸውዓት ግዝያት እዚ ነፍሲ ወከፍ 360 ‘መዓልትታት’ ዝሓዘ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሸውዓተ ዓመታት ወይ ብድምር 2,520 ዓመታት ኢዩ ዝበጽሕ።a እዚ ካብቲ ባቢሎን ንመንግስቲ እስራኤል ክትረግጸሉ ዝጀመረት ብ607 ቅ.ኣ.ዘ.: ክሳዕ እቲ ከም ናይ ደቅሰብ ሕጋዊ ንጉስ ኰይኑ የሱስ ዝነገሰሉ ዓመት 1914 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝበጽሕ። ድሕርዚ “[እቲ ምዱብ ትሓዓ ] ዘመናት ኣህዛብ” ተወድአ። (ሉቃስ 21:24) ይኹን እምበር ህዝብታት ነታ እትመጽእ መስሓዊት መንግስቲ ምቕባል ኣበዩ።​—⁠መዝሙር 2:​1⁠-6, 10⁠-12፣ 110:​1, 2

3, 4. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበንን ኣብዚ ግዜናን ዘለዉ ፍጻመታት ከመይ ዝበለ ምውድዳር ኢዩ ክግበር ዝከኣል⁠፧ (ለ) እንታይ ግቡእ ሕቶታከ ኢዩ ክሕተት ዝከኣል⁠፧

3 እታ ናይ ዓመታት መበል 70 ሰሙንን (29⁠-36 ከ.ኣ.ዘ.) ዓመት ናይ 1914ን ክቐርባ ከለዋ: ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ናይ መሲህ ምምጻእ ይጽበዩ ነይሮም ኢዮም። መጺኡ ድማ ኢዩ! እንተዀነ ግን: ኣብ ነፍሲ ወከፈን: እቲ ናይ ኣመጻጽእኡ ኣገባብ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ እተፈልየ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፈን እውን: ብተዛማዲ ድሕሪ ሓጺር እዋን: ሓደ እኩይ “ወለዶ” ኣብ መወዳእታ ብመለኮታዊ ውሳኔ መቕጻዕቲ የጋጥሞ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠34

4 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽና: እቲ የሱስ ክቕተል ዝሓተተ እኩይ ናይ ኣይሁድ ወለዶ ብኸመይ ናብ መወዳእታኡ ከም ዝበጽሐ ርኢና ኢና። እምበኣር: ብዛዕባ እዚ ሕጂውን ከይተረፈ ንየሱስ ዝጻረር ወይ ዝንዕቕ ዘሎ ሙሽሙሽ ናይ ደቅሰብ ወለዶኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ⁠፧ ኣብ ልዕሊ እዚ ዘይእሙን ወለዶ ፍርዲ ዝወርድ መዓስ ኢዩ⁠፧

“ተጠንቀቑ”!

5. (ሀ) ናይ የሆዋ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ክንፈልጥ ዘየድልየና በየናይ ብቝዕ ምኽንያት ኢዩ⁠፧ (ለ) ብመሰረት ማርቆስ: የሱስ እንታይ ጥዑይ ምኽሪ ብምሃብ ኢዩ ንትንቢቱ ዝደምደሞ⁠፧

5 ናብ ግዜ “ዓቢ ጸበባ” ዝመርሕ ፍጻመታት ድሕሪ ምንባዩ: የሱስ ወሲኹ ከምዚ በለ:⁠- “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን።” (ማቴዎስ 24:​3⁠-36፣ ማርቆስ 13:​3⁠-32) ናይቲ ፍጻመታት ልክዕ ግዜ ክንፈልጥ ኣየድልየናን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ኣተኵሮና​—⁠መዓልቲ ኣብ ምጽብጻብ ዘይኰነስ​—⁠ጥንቁቓት ኣብ ምዃን: ብርትዕቲ እምነት ኣብ ምዅስኳስ: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ኣብ ምዃን: ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ነቲ ዓቢ ትንቢቱ “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ . . . እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ: ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ” ብምባል ደምደሞ። (ማርቆስ 13:​33⁠-37) ኣብቲ ድነ ናይዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ሓደጋ ኣድብዩ ኣሎ። ንቑሓት ክንከውን ኣሎና!​—⁠ሮሜ 13:​11⁠-13

6. (ሀ) እምነትና ኣብ ምንታይ ኢዩ ጸኒዑ ክስረት ዘለዎ⁠፧ (ለ) “መዓልትታትና ኽንቈጽር” እንኽእል ብኸመይ ኢና⁠፧ (ሐ) የሱስ “ወለዶ” ክብል ከሎ ብመሰረቱ እንታይ ማለት ኢዩ⁠፧

6 ነቲ ነዚ እኩይ ኣገባብ ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ዝምልከት መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታት ከነቕልበሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ብቐዳምነት ኣብቲ ክቡር መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስን ኣብኡ እተመስረተ ናይ ኣምላኽ ዘደንቕ ተስፋን: እምነትና ኣጽኒዕና ክንተክል ኣሎና። (እብራውያን 6:​17⁠-19፣ 9:14፣ 1 ጴጥ​ሮስ 1:⁠18, 19፣ 2 ጴጥሮስ 1:​16⁠-19) ህዝቢ የሆዋ ናይዚ እኩይ ኣገባብ መወዳእታ ክርእዩ ስለ ዝህንጠዩ: ንዕድመ ናይቲ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዘሎ ናይ ሓደ ወለዶ ጸብጻብ እውን ምስዚ ብምትሕሓዝ: ሓድሓደ ግዜ እቲ “ዓቢ ጸበባ” ዝባራዓሉ ግዜ ገሚቶም ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ወለዶ ዘቕውም ክንደይ ዓመታት ወይ ክንደይ መዓልትታት ምዃኑ ብምግማት ዘይኰነስ: ንየሆዋ ሕጕስ ምስጋና ኣብ ምምጻእ ብኸመይ ‘መዓልትታትና ከም እንቘጽር’ ብምሕሳብ ኢና ‘ጥበበኛ ልቢ እንረክብ።’ (መዝሙር 90:12) እቲ “ወለዶ” ዝብል ስያመ: ንግዜ መዐቀኒ ዝኸውን ሕጊ ዘይኰነስ: ከምቲ የሱስ እተጠቕመሉ ብቐንዱ ንሓደ ኣብ ገለ ታሪኻዊ እዋን ምስናይ መለለዪ ጠባዮም ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ኢዩ ዘመልክት።b

7. ሓደ ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር ብዛዕባ “ናይ 1914 ወለዶ” እንታይ ኢዩ ዝጸሓፈ: እዚኸ ምስቲ ናይ የሱስ ትንቢት ዝተኣሳሰር ብኸመይ ኢዩ⁠፧

7 ምስ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምስምማዕ: ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር ሮበርት ቮል ኣብታ ዘ ጀነረሽን ኦቭ 1914 (እቲ ናይ 1914 ወለዶ) እትበሃል መጽሓፉ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ሓደ ታሪኻዊ ወለዶ በቲ ዘለዎ ናይ ግዜ መስርዕ ደረት ኣይኰነን ዝግለጽ . . . ኣብ ዕለታት እተኸፋፈለ ኣይኰነን።” ይኹን እምበር ንሱ: ቀዳማይ ውግእ ዓለም “ምስቲ ዝሓለፈ ግዜ ሓደ ዓብላሊ ናይ ምፍንጫል ስምዒት” ከም ዝፈጠረ ኣመልከተ: ወሲኹ ድማ “እቶም ካብቲ ውግእ ዝደሓኑ ሰባት ሓንቲ ዓለም ከም እተወድአት: ኣብ ነሓሰ 1914 ድማ ካልእ ዓለም ከም ዝጀመረት ካብ ምእማን ንርእሶም ፈጺሞም ከግልሉ ኣይክእሉን ኢዮም” በለ። ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! እዚ ኣብቲ ሕመረት ናይቲ ጕዳይ ኢዩ ዘተኵር። እዚ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዘሎ “ወለዶ”: ዘስካሕክሕ ለውጥታት ኣሕሊፉ ኢዩ። ምድሪ ብናይ ሚልዮናት ሰባት ደም ክትጥልቂ ከላ ርእዩ ኢዩ። ውግእ: ጃምላዊ መቕተልቲ: ግብረ⁠-ሽበራ: ገበን: ከምኡውን ዓመጽ ኣብ ምሉእ ዓለም ተላቢዖም ኢዮም። ጥሜት: ሕማም: ከምኡውን ዘይስነ⁠-ምግባር ንዓለምና ኣጕልቢቦምዋ ኢዮም። የሱስ “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም [ደቀ መዛሙርቱ] እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም: መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ተነበየ።​—⁠ሉቃስ 21:​31, 32

8. ነብያት የሆዋ ንኣድላይነት ናይ ምንቃሕ ዘጕልሕዎ ብኸመይ ኢዮም⁠፧

8 እወ: ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ምሉእ ዓወት ቀሪቡ ኢዩ! እምበኣር ንመዓልትታት ብምርኣይ ወይ ናይ ሓደ “ወለዶ” ዕድመ ቃል ብቓሉ ብምግማትዶ ገለ ፋይዳ ይርከብ ኢዩ⁠፧ ፈጺሙ ኣይርከብን ኢዩ! ኣንባቆም 2:3 ብግልጺ ከምዚ ትብል:⁠- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” ናይ የሆዋ መዓልቲ ምጽብጻብ ኣዝያ ብቕልጡፍ ትቐርብ ኢያ ዘላ።​—⁠ኤርምያስ 25:​31⁠-33፣ ሚልክያስ 4:⁠1

9. እንታይ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዝነበረ ምዕባለታት ኢዩ እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ዘርኢ⁠፧

9 ናይ ክርስቶስ መንግስቲ ብ1914 ግዝኣታ ምስ ጀመረት: ሰይጣን ናብ ምድሪ ተደርበየ። እዚ ‘ንምድርን ባሕርን: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪድዎም ስለ ዘሎ: ወይለኦም’ ማለት ኢዩ። (ራእይ 12:12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብርግጽ: ምስቲ ናይ ሰይጣን ናይ ኣሽሓት ዓመታት ግዝኣት ተወዳዲሩ: እቲ ግዜ እቲ ሓጺር ኢዩ። እታ መንግስቲ: ከምኡ ድማ እታ ኣብዚ ክፉእ ወለዶ ፍርዲ ዝወርደላ ናይ የሆዋ መዓልትን ሰዓትን ቀሪበን ኢየን!​—⁠ምሳሌ 3:25፣ 10:​24, 25

እቲ ዝሓልፍ “ወለዶ”

10. “እዚ ወለዶ እዚ” ከምቲ ናይ ኖህ ግዜ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ⁠፧

10 እስከ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:​34, 35 ዘሎ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ: ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ” ዝብል ናይ የሱስ ሓሳብ ዝያዳ ቅርብ ኢልና ንመርምሮ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እተን ቀጺለን ዘለዋ ቃላት የሱስ ‘ነታ መዓልትን ሰዓትን ዝዀነ ሰብ ከም ዘይፈልጣ’ ኢየን ዘርእያ። ዝያዳ ዘገድስ ድማ: ነቲ ኣብዚ ወለዶ እዚ ከቢቡና ዘሎ መፈንጠራታት ከነወግድ ከም ዘሎና ገሊጹልና ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ከምዚ ብምባል ዝወሰኸ:⁠- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅሉ: ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:​36⁠-39) ኣብዚ የሱስ ነቲ ብግዚኡ ዝነበረ ወለዶ ምስቲ ናይ መዓልትታት ኖህ ኢዩ ኣመሳሲልዎ።​—⁠ዘፍጥረት 6:​5, 9፣ እግረ⁠-ጽሑፍ ትሓዓ

11. ከምቲ ብማቴዎስን ብሉቃስን ጸብጻብ ተዋሂብሉ ዘሎ: የሱስ እንታይ ናይ ‘ወለዶታት’ ምውድዳር ኢዩ ዝገበረ⁠፧

11 እቶም ደቀ መዛሙርቲ: የሱስ ናይ “ወለዶታት ” ምውድዳር ክገብር ዝሰምዕሉ ናይ መጀመርታ ግዜ እዚ ኣይነበረን: ከመይሲ ገለ መዓልትታት ኣቐዲሙ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ከምዚ ኢሉ ነበረ:⁠- “ወዲ ሰብ . . . ሓሳረ መከራ ኺጸግብ: በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዐቕ ብግዲ እዩ። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።” (ሉቃስ 17:​24⁠-26 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ከምኡውን ሉቃስ ምዕራፍ 17 ተመሳሳሊ ምውድዳራት ኢየን ዝገብራ። ኣብ ግዜ ኖህ “ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ:” “እዚ ወለዶ እዚ ” ድማ ኢዩ ኣብቲ ማይ ኣይሂ ዝጠፍአ። ኣብ ግዜ የሱስ እቲ ንየሱስ ዝነጸጎ ከሓዲ ህዝቢ ኣይሁድ ኢዩ “እዚ ወለዶ እዚ ” ዝነበረ።​—⁠ዘፍጥረት 6:​11, 12፣ 7:⁠1

12, 13. (ሀ) ሎሚ እቲ ክሓልፍ ዘለዎ “እዚ ወለዶ እዚ” እንታይ ኢዩ⁠፧ (ለ) ህዝቢ የሆዋ ሕጂ ምስቲ “ቔናንን ጠዋይን ወለዶ” ዝጋጠሙ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም⁠፧

12 ስለዚ እምበኣር: ሎሚ ኣብቲ ናይ የሱስ ትንቢት ናይ መወዳእታ ፍጻሜ: “እዚ ወለዶ እዚ” ብግሁድ ነቶም ትእምርቲ ህላዌ ክርስቶስ ዝረኣዩ ግናኸ መገዶም ዘየዐረዩ ናይ ምድሪ ሰባት ዘመልክት ኢዩ። ብኣንጻሩ: ንሕና ከም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መጠን ብኣነባብራ ናይ “እዚ ወለዶ እዚ” ከይንቕረጽ ንኣቢ ኢና። ሽሕ’ኳ ኣብ ዓለም እንተሎና: ‘እቲ [ምዱብ ግዜ ትሓዓ ] ቀረባ ስለ ዝዀነ’ ክፍሊ ናታ ክንከውን የብልናን። (ራእይ 1:⁠3፣ ዮሃንስ 17:16) ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምዕደና:⁠- “ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም: ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ: ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።”​—⁠ፊልጲ 2:​14, 15፣ ቈሎሴ 3:​5⁠-10፣ 1 ዮሃንስ 2:​15⁠-17

13 ‘ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እንበርህ ምዃንና’ ጽፉፍ ክርስትያናዊ ባህርይ ምንጽብራቕ ጥራይ ዘይኰነስ: ልዕሊ ዅሉ ነቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል ናይ የሱስ ትንቢታዊ ትእዛዝ ምፍጻም ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) እቲ መወዳእታ እቲ መዓስ ከም ዝኸውን ክዛረብ ዝኽእል ማንም ሰብ የሎን: ይኹን እምበር ናይ እኩያት ሰባት “ወለዶ” መወዳእታ: እቲ ምስክርነት “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ንኣምላኽ ብዘዕግብ መገዲ ምስ ተዋህበ ክመጽእ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8

‘እታ መዓልትን ሰዓትን’

14. የሱስን ጳውሎስን ክልቲኦም ን“ዘመናትን ጊዜታትን” ብዝምልከት እንታይ ምዕዶ ኢዮም ዝሃቡ⁠፧

14 እቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ክሳዕ እቲ የሆዋ ዝዓለሞ ምስ ተፈጸመ: ነዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣገባብ ንምጥፋእ ‘እታ መዓልትን ሰዓትን’ ክኣኽላ ኢየን። ነታ መዓልቲ ኣቐዲምና ክንፈልጣ ኣየድልየናን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ የሱስ ኣብነት ብምስዓብ ከምዚ ኢሉ ዝመዓደ:⁠- “ግናኸ: ኣሕዋተየ: እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ: ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ: ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ። ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።” ነቲ “ኺብሉ ኸለዉ ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ኣተኵሮ ኣስተብህለሉ። እወ: ብዛዕባ “ሰላምን ደሓንን” ምዝርራብ ክህሉ ከሎ: ንእሽቶ ትጽቢት ክግበረሉ ከሎ: ፍርዲ ኣምላኽ ብሃንደበት ክፍጸም ኢዩ። “ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር: ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ምኽርስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ግቡእ ኢዩ!​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:​1⁠-3, 6፣ ከምኡውን ቍጽሪ 7⁠-11 ርአ፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:7

15, 16. (ሀ) ኣርማጌዶን ካብቲ እንኣምኖ ዝነበርና መሊሳ ርሒቓ ኢያ ኢልና ክንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ⁠፧ (ለ) ናይ የሆዋ ሉዓላውነት ኣብዚ ቐረባ መጻኢ ክዓቢ ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ⁠፧

15 እዚ ብዛዕባ “እዚ ወለዶ እዚ” ዘሎና ዝያዳ ዝነጸረ ኣረኣእያ: ኣርማጌዶን ካብቲ እንሓስቦ ዝነበርና መሊሳ ርሒቓ ኢያ ማለት ድዩ⁠፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! ነታ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ፈጺምና እኳ ዘይንፈልጣ እንተዀንና: የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ይፈልጣ ኢዩ: ኣይልወጥን ድማ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:⁠6) ብርግጽ: ዓለም ናብቲ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት መመሊሳ ትጥሕል ኢያ ዘላ። ኣድላይነት ናይ ንቑሕ ምዃን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። የሆዋ “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ገሊጹልና ኢዩ: ንሕና ድማ ብምሉእ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ክንምልሽ ኣሎና።​—⁠ራእይ 1:1፣ 11:18፣ 16:​14, 16

16 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ናይ ሰይጣን ኣገባብ መዓት ከምጽእ ስለ ዝዀነ: እቲ ግዜ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን: ንቑሕ ኵን! (ኤርምያስ 25:​29⁠-31) የሆዋ ከምዚ ይብል:⁠- “ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክግሀድ: ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ [የሆዋ ትሓዓ ] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። (ህዝቅኤል 38:23) እታ ወሳኒት “መዓልቲ [የሆዋ ትሓዓ ]” ቀሪባ ኢያ!​—⁠ዮኤል 1:15፣ 2:​1, 2፣ ኣሞጽ 5:​18⁠-20፣ ጸፎንያስ 2:​2, 3

ጽድቂ ዝመልኦ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን”

17, 18. (ሀ) ብመሰረት የሱስን ጴጥሮስን: ብኸመይ ኢዩ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝሓልፍ⁠፧ (ለ) ንጠባይን ናይ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ግብርን ብዝምልከት ጥንቁቓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ⁠፧

17 ብዛዕባ “እዚ ዅሉ . . . ዚኸውን” ኣመልኪቱ: የሱስ “ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ: ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:​34, 35) የሱስ ኣብ ኣእምሮኡ “ሰማይን ምድርን”​—⁠እቶም ገዛእትን ተገዛእትን​—⁠ናይ ‘እዚ ወለዶ እዚ’ ኢዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ‘ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ እተሓለወ’ “ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን” ከመልክት ከሎ ተመሳሳሊ ቃላት ኢዩ ተጠቒሙ። ቀጺሉ እታ ‘[መንግስታዊ] ሰማያት ዝሓልፈላ ከም ሰራቒ ዀይና እትመጽእ መዓልቲ [የሆዋ ትሓዓ ]’ ምስቲ ብልሹው ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ወይ “ምድሪ:” ከምኡውን ሓጥእ ግብርታታ: ብኸመይ ከም ‘እትሓልፍ’ ይገልጽ። ድሕርዚ እቲ ሃዋርያ ‘ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ: ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ: ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ: ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤናን እናኣቐልጠፍናን ብቕዱስ ንብረትን [ብናይ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ግብርን ንንበር ትሓዓ ]’ ብምባል የተባብዓና። እንታይከ ይስዕብ⁠፧ ጴጥሮስ ቈላሕታና ናብቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ይመልሶ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:​7, 10⁠-13c

18 እቶም “ሓድሽ ሰማያት:” እታ ብክርስቶስን መናግስቱን እትምራሕ መንግስቲ: ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ደቅሰብ ማሕበረሰብ ዝዀነ ጻድቕ “ሓድሽ ምድሪ” በረኸታት ከውሕዙ ኢዮም። ንስኻኸ ናይቲ ማሕበረሰብ እቲ ተስፋ ዘለዎ ኣባል ዲኻ⁠፧ ከምኡ እንተድኣ ኴንካ: በቲ ተዓቝርልካ ዘሎ ዘደንቕ መጻኢ ክትሕጐስ ምኽንያት ኣሎካ!​—⁠ኢሳይያስ 65:​17⁠-19፣ ራእይ 21:​1⁠-5

19. ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኢና ሕጂ እነስተማቕር⁠፧

19 እወ: ናይ ደቅሰብ ጻድቕ “ወለዶ” ሕጂውን እንተዀነ ይእከብ ኢዩ ዘሎ። ሎሚ እቲ ቅቡእ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ምስቲ ኣብ መዝሙር 78:​1, 4 ዘሎ:⁠- “ዎ ህዝበይ: ንሕገይ ጽን በሎ: ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን . . .: ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገብሮ ተኣምራቱን ደኣ [ንገሩ]” ዝብል ቃላት ብምስምማዕ መለኮታዊ ትምህርቲ ይህብ ኢዩ ዘሎ። (ማቴዎስ 24:​45⁠-47) ኣብ 14 ሚያዝያ ናይዚ ዓመት እዚ: ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኣብ ገለ 230 ዝዀና ሃገራት ኣብ ልዕሊ 75,500 ጉባኤታት: ልዕሊ 12,000,000 ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኻፊሎም ኢዮም። ኣብ መንጎኦምዶ ነይርካ⁠፧ እምነትካ ኣብ ክርስቶስ የሱስ እትገብር ከምኡውን ‘ስም [የሆዋ ትሓዓ ] ጸዊዕካ እትድሕን’ ይግበርካ።​—⁠ሮሜ 10:​10⁠-13

20. “እቲ ዘመን ሓጺር” ስለ ዝዀነ: ብኸመይ ኢና ንቑሓት ክንከውን ዘሎና: ምስ እንታይ ተስፋኸ⁠፧

20 ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ” በለ። ስለዚ እምበኣር: በቲ ናይ ደቅሰብ እኩይ ወለዶ ዝመጽእ ፈተናታትን ጽልእን እናተጸመምና: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እንነቕሓሉን ኣብ ዕዮ የሆዋ ድማ ትሑዛት እንዀነሉን ግዜ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:29፣ ማቴዎስ 10:22፣ 24:​13, 14) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ እተዘርበሉ ኣብ ልዕሊ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝመጽእ ኵሉ ነገራት እናተዓዘብና ንጠንቀቕ። (ሉቃስ 21:​31⁠-34) ካብዚ ነገራት እዚ ብምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ድማ መለኮታዊ ስምረት ረኺብና ደው ብምባልን: ኣብ መወዳእታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዓስቢ ንምርካብ የኽእለና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት “መንግስትኻ ትምጻእ ” እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 127⁠-39, 186⁠-9 ርአ።

b ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ መጽሓፍ ጥራዝ 1, ገጽ 918 ርአ።

c ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት እታ እትመጸልና ናይ ዓለም መንግስቲ​—⁠መንግስቲ ኣምላኽ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 152⁠-6 ከምኡውን 180⁠-1 ርአ።

ናይ ድግማ ሕቶታት:⁠-

◻ ንፍጻሜ ናይ ዳንኤል 4:​32 ብምስትብሃል: ብኸመይ ኢና ሕጂ ‘ክንጥንቀቕ’ ዘሎና⁠፧

◻ ናይ ማቴዎስን ሉቃስን ወንጌላት ‘ነዚ ወለዶ እዚ’ ፈልዮም ዘፍልጥዎ ብኸመይ ኢዮም⁠፧

◻ ‘ነታ መዓልትን ሰዓትን’ ክንጽበ ከሎና: እንታይ ኢና እንዕዘብ: ብኸመይከ ኢና ክንምልሽ ዘሎና⁠፧

◻ እቲ ጽድቂ ዝመልኦ ናይ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ተስፋ እንታይ ንኽንገብር ኢዩ ከተባብዓና ዘለዎ⁠፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እዚ ጨካንን እኩይን ወለዶ ምስ ሓለፈ እዚ ዝሳቐ ዘሎ ሰብኣዊ ፍጥረት ዕረፍቲ ክረክብ ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

Alexandra Boulat/Sipa Press

[ምንጪ ስእሊ]

ጸጋማይን ታሕተዋይን: Luc Delahaye/Sipa Press

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ዘደንቕ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ኣብ ቅድሚ ዅሎም ዓሌታት ደቅሰብ ተነቢሩ ኣሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ