ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/6 ገጽ 28
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንቑሓት እንዀነሉ ግዜ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ካብ ‘ክፉእ ወለዶ’ ዝደሓኑ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/6 ገጽ 28

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ 1 ሕዳር 1995 “ግምቢ ዘብዐኛ:” ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ “እዚ ወለዶ እዚ” እተዛረበላ ማቴዎስ 24:34 ኢያ ኣትኲራ ነይራ። እዝስ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ብ1914 ከም ዝቘመት ገለ ምጥርጣር ኣሎ ማለት ድዩ፧

እቲ ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ እተዋህበ ሓሳባት ነቲ ብዛዕባ 1914 ዘሎና መሰረታዊ ትምህርቲ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ኣይገበረሉን። የሱስ ነቲ ኣብ መንግስታዊ ስልጣኑ ምህላዉ ዝሕብር ምልክት ገሊጹ ኢዩ። እዚ ምልክት እዚ ካብ 1914 ኣትሒዙ ክፍጸም ከም ዝጸንሐ እኹል መርትዖ ኣሎና። ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን ካልእ መርትዖታት ይርአ ምህላዉ: የሱስ ካብ 1914 ኣትሒዙ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ንጡፍ ኰይኑ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ። እዚ: ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ኣብ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ምህላውና ዝሕብር ኢዩ።

እታ ግምቢ ዘብዐኛ ድኣ እሞ እንታይ ኢያ እተነጽር ነይራ፧ እቲ ቐንዲ ሓሳብ: የሱስ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:34 ዝርከብ “ወለዶ” ዝብል ስያመ እተጠቕመሉ ኣወዓዕላ ኢዩ። እታ ጥቕሲ ከምዚ ትንበብ:⁠- “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” የሱስ “ወለዶ” ክብል ከሎ ኣብቲ ግዜኡን ኣብ ግዜናን እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

የሱስ “ወለዶ” ክብል ከሎ: ንኸም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ወይ እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ዝኣመሰለ ንእሽቶ ወይ እተፈልየ ጕጅለ ኣመልኪቱ ይዛረብ ከም ዘይነበረ ብዙሕ ጥቕስታት የረጋግጽ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ነቶም ንዕኡ ዝነጸግዎ ናይ ኣይሁድ ሓፋሽ ህዝቢ ክዅንን ከሎ “ወለዶ” ዝብል ተጠቒሙ ኣሎ። እቲ ዘሐጕስ ግን: ውልቀ⁠-ሰባት ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ: ተነስሑ ከምኡውን “ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ” ብምባል ዘተባብዖ ክገብሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:40

ጴጥሮስ ብዛዕባ ሓደ እተወሰነ ወለዶ ወይ ንውሓት ግዜ ይዛረብ ከም ዘይነበረ: ነቲ “ወለዶ” ዝብል ድማ ምስ ዝዀነ ይኹን እተወሰነ ዕለት ከም ዘየተሓሓዞ ንጹር ኢዩ። ሰባት ካብቲ የሱስ ዝነበረሉ ዓመት: ማለት ካብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ዝጀመረ ወለዶ ክድሕኑ ኣለዎም ኣይበለን። ጴጥሮስ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ​—⁠ምናልባት ገሊኦም ንኣሽቱ: ካልኦት ድማ ዓበይቲ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ​—⁠ናይ የሱስ ትምህርቲ ዝበጽሖም: ተኣምራቱ ዝረኣዩ: ወይ ብዛዕባ እቲ ተኣምራት ዝሰምዑ: ከም መሲሕ መጠን ግን ንዕኡ ዘይተቐበልዎ ዘይኣመንቲ ኣይሁድ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።

የሱስ ምስ ጴጥሮስን ካልኦት ሰለስተ ደቀ መዛሙርትን ኣብ ደብረ ዘይቲ ከሎ ነታ “ወለዶ” እትብል ቃል በዚ ዝረኣናዮ መገዲ ተጠቒሙላ ምንባሩ ጴጥሮስ ከም እተረድኦ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ​—⁠ኣብቲ የሱስ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሩ​—⁠ናይ ኣይሁድ ኣገባብ መወዳእታ ምቕራቡ ዝሕብር ውግእ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ጥሜት: ከምኡውን ካልእ መርትዖታት ክርእዩ ወይ ክሰምዑ ነይርዎም ኢዩ። አረ እቲ ወለዶ እትስ: እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝመጸ መወዳእታ ቅድሚ ምዃኑ ኣይሓለፈን።​—⁠ማቴዎስ 24:​3⁠-14, 34

ኵልና ነዚ ናይ የሱስ ቃላት: ኵሉ ግዜ በዚ መገዲ እዚ ከም ዘይረኣናዮ ክንእመን ኣሎና። ዘይፍጹማት ሰባት ብዛዕባ መወዳእታ ዝመጸሉ ግዜ ውሱን ነገር ክፈልጡ ናይ ምድላይ ዝንባለ ኣለዎም። እቶም ሃዋርያት እውን ከይተረፈ “በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” ብምባል ክሓቱ ከለዉ ዝያዳ ውሱን ግዜ ክፈልጡ ከም ዝደለዩ ዘክር።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:6 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ቅኑዕ ህንጥዮት ብምግባር: ካብ 1914 ኣትሒዞም ብምጽብጻብ: ካብቲ የሱስ ብዛዕባ “ወለዶ” እተዛረቦ ብምብጋስ ገለ ንጹር ዝዀነ ግዜ ንምርካብ ፈቲኖም ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ወለዶ ንውሓቱ 70 ወይ 80 ዓመታት ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ነቲ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ካልእ ምዕባለታትን ኣገዳስነት ክርድኡ ብዝኽእሉ እኹላት ሰባት ዝቘመ እንተድኣ ኰይኑ ድማ: ናብ መወዳእታ ክሳዕ ክንደይ ቀሪብና ከም ዘሎና ክንጽብጽብ ንኽእል ኢና: ዝብል ምርዳእ ነይሩ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ትርጕም ንኽህልዎስ ምስቲ የሱስ ቀጺሉ ዝሃቦ ምኽሪ ይሰማማዕዶ ኢዩ፧ የሱስ ከምዚ በለ:⁠- “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን። . . . ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ።”​—⁠ማቴዎስ 24:36⁠-42

ስለዚ እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ “እዚ ወለዶ እዚ” ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተዋህበ ሓበሬታ ነቲ ብ1914 እተፈጸመ ነገራት ዝነበረና ምርዳእ ኣይለወጦን። ኣብ ክንድኡ ግን እቲ ናይ የሱስ ኣጠቓቕማ ካብ 1914 ኣትሒዝና ናብ መወዳእታ ክሳዕ ክንደይ ቀሪብና ከም ዘሎና ንምጽብጻብ መሰረት ከም ዘይከውን ንኽንግንዘብ ብምሕጋዝ: ብዛዕባ እቲ “ወለዶ” ዝብል ስያመ ዝነጸረ ምርዳእ ኢዩ ሂቡና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ