ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/11 ገጽ 22-25
  • ‘ድርቡይ: ግናኸ ኣይጠፋእኩን’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ድርቡይ: ግናኸ ኣይጠፋእኩን’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቂ ዕንቅፋት
  • ሕጕስቲ ስድራቤት
  • ነቲ መንፈሳዊ መልመስቲ ምስዓር
  • ምስ ካልእ ዕንቅፋት ምግጣም
  • እቲ ዝኽእሎ ምግባር
  • ካብ ድኻመይ በርታዕኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ተስፋ ረኺበ
    ንቕሑ!—2014
  • ምሱን ክነሰይ ብሓጐስ አገልግል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሸሞንተ ቘልዑ ብመገድታት የሆዋ ምዕባይ ኣጸጋምን ዜሐጕስን እዩ ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/11 ገጽ 22-25

‘ድርቡይ: ግናኸ ኣይጠፋእኩን’

ብኣልፍ ሄልግሰን እተዘንተወ

ብሓምለ 1983: ሓካይም ኣብ ልዕለይ ደኒኖም “ተበራቢሩ!” እናበሉ ጨርሑ። 15 ሰዓታት ብዝወሰደ እተሓላለኸ መጥባሕቲ ካብ ዓንዲ ሕቖይ 12 ሰንቲ ሜተር ዝምንውሑ ጥረ ኣልገሰ። ምሉእ ብምሉእ ለመስኩ።

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ድማ ካብቲ ብወገን ደቡብ ሽወደን ዝርከብ ሄልሲንቦርግ ዓደይ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ኣብ ናይ ተሃድሶ ፕሮግራም ኣቶኹ። እቶም ፊዝዮቴራፒስትስ ኣዝዩ ብዙሕ ዝሓትት ምዃኑ ነገሩኒ: እንተዀነ ግን: ኣነ ክጅመረለይ ኣዝየ ህዉኽ ኢየ ነይረ። ብሓቂ እንደገና ብእግረይ ክኸይድ ኢየ ዝደሊ ነይረ። ብትግሃት ድማ ኣብ መዓልቲ ናይ ሓሙሽተ ሰዓት ፕሮግራም ምንቅስቓስ እናገበርኩ ቅልጡፍ ለውጢ ገበርኩ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ: እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ንጉባኤና ክበጽሓ ከሎ: ንሱን ካልኦት ክርስትያን ሽማግለታትን ነቲ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኣኼባ ኣብ ናይ ሆስፒታል ክፍለይ ኰይኖም ክገብርዎ ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም መጹ። ከምዚ ዝበለ ናይ ሕውነታዊ ፍቕሪ መረጋገጺ ምርኣየይ ከመይ ተሓጒሰ ይመስለኩም! እተን ኣብቲ ክፍሊ ዝነበራ ኣለይቲ ሕሙማት ድማ ነቲ ኣኼባ ምስ ወዳእና ንዅላትና ሻህን እምቦቲቶን ቀረባልና።

ኣብ መጀመርያ እቶም ሓካይም በቲ ዘርኣኽዎ ለውጢ ተገሪሞም ኢዮም። ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ኣብ ዓረብያይ ኮፍ ክብልን ንገለ ግዜ ከይተረፈ ድማ ደው ክብልን ከኣልኩ። ተሓጒሰ ኢየ: እንደገና ብእግረይ ክኸይድ ድማ ምሉእ ብምሉእ ቈረጽኩ። ስድራቤተይን ክርስትያናት ብጾተይን ኣብ ግዜ ምብጽሖም ብዙሕ መጸናንዒ ሃቡኒ። ንሓጺር እዋን እኳ ንገዛ ክኸይድ ክኢለ ነይረ ኢየ።

ናይ ሓቂ ዕንቅፋት

ይኹን እምበር: ድሕሪ እዚ ምንም ተወሳኺ ለውጢ ኣይገበርኩን። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ እቲ ፊዝዮቴራፒስት “ካብዚ ንደሓር ምንም ምምሕያሽ ኣይክትገብርን ኢኻ!” ዝብል ዘሐዝን መልእኽቲ ነገረኒ። እቲ ዕላማ ባዕለይ ብዓረብያ ክንቀሳቐስ ንምብርታዕ ኢዩ ነይሩ። እንታይ ኰን ከጋጥመኒ ኢዩ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። በዓልቲ ቤተይ ከመይ ኢላ ኢያ ክትክእሎ⁠፧ ንገዛእ ርእሳ ከቢድ መጥባሕቲ ገይራ ነይራ ኢያ: ስለዚ ድማ ሓገዘይ የድልያ ነይሩ ኢዩ። ቀዋሚ ዝዀነ ናይ ሓደ ትካል ክንክን ከድልየኒ ድዩ⁠፧

ኣዝየ ተጨነቕኩ። ብርታዐይ: ትብዓተይ: ከምኡውን ሓይለይ ኵሉ ሃሰሰ። መዓልትታት ሓሊፉ: ዘይንቀሳቐስ ኰይነ ድማ ተረፍኩ። ብኣካል ጥራይ ኣይኰንኩን ለሚሰ: ብስሚዒትን መንፈስን እውን ደንዚዘ ኢየ። ‘ድርቡይ’ ኢየ ነይረ። ኵሉ ግዜ ንነፍሰይ ብመንፈስ ብርትዕቲ ገይረ ኢየ ዝወስዳ ነይረ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ እምነት ነይሩኒ ኢዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10) ኵሉ ሕማምን ጕድለታትን ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ጻድቕ ሓድሽ ዓለም ክሓዊ ምዃኑ ኣብኡ ድማ ኵሎም ደቅሰብ ናብ ፍጹም ዝዀነ ናብራ ክምለሱ ምዃኖም ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ይኣምን ነይረ ኢየ። (ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ሕጂ: ብኣካል ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈስ እውን ዝለመስኩ ኰይኑ ተሰመዓኒ። ‘ዝጠፋእኩ’ ኰይኑ ተሰመዓኒ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠9

ናብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታወይ: ብዛዕባ ታሪኽ ህይወተይ ቍሩብ ክነግረኩም።

ሕጕስቲ ስድራቤት

ብ1934 ኢየ ተወሊደ: ጥዕናይ ድማ ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ መጀመርያ 1950ታት ምስ ኢንግረድ ተፋለጥና: ብ1958 ተመርዒና ድማ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ኦስተርሳንድ ተቐመጥና። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ምስ ጀመርና ድማ: 1963 ናይ ናብራና ነጥበ⁠-መቐይሮ ኰነት። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ሰለስተ ቈልዑ​—⁠ኤቫ: ቢዮረን: ከምኡውን ሌና​—⁠ነበሩና። ምልእቲ ስድራቤትና ድማ ቐልጢፋ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ሓቂ ምጽናዕን ጽቡቕ ዕቤት ምግባርን ጀመረት።

ምጽናዕ ምስ ጀመርና ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ ናብ ሄልሲንበርግ ገዓዝና። ኣብኡ ኸኣ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ህይወትና ንየሆዋ ወፈና: ብ1964 ድማ ተጠመቕና። ቦዅሪ ጓልና ኤቫ ብ1968 ምስ ተጠመቐት ድማ ሓጐስና ወሰኸ። ድሕሪ ሾውዓተ ዓመት: ብ1975 ድማ ቢዮረንን ሌናን ተጠምቁ: ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ድማ ኣብታ ክርስትያት ጉባኤ ሽማግለ ክኸውን ተመዘዝኩ።

እቲ ዝነበረኒ ዓለማዊ ስራሕ ንስድራቤተይ ዘድሊ ስጋዊ ነገራት ከማልእ የኽእለኒ ነይሩ ኢዩ። ቢዮረንን ሌናን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምስ ጀመሩ ድማ ሓጐስና ዓበየ። ብዙሕ ከይጸንሐ ቢዮረን ኣብቲ ኣብ ኣርቡጋ ዝነበረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይኑ ከገልግል ተዓደመ። ናብራና ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርያ ናይ 1980 እቲ ጥረ ኣብ ኣካላተይ ዘሕደሮ ሳዕቤን ክስመዓኒ ጀመረ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብ1983 ብከቢድ መጥባሕቲ ሰደድክዎ።

ነቲ መንፈሳዊ መልመስቲ ምስዓር

እንደገና ብእግሪ ክኸይድ ከም ዘይክእል ምስ ተነግረኒ: ህይወት ተስፋ ዘይብላ ኰይና ተራእየትኒ። ነቲ ዝነበረኒ መንፈሳዊ ብርታዐ ከመይ ገይረ ኢየ እንደገና ዝረኽቦ⁠፧ ካብቲ ዝሓሰብክዎ ዝቐልል ኢዩ ነይሩ። ብቐሊሉ መጽሓፍ ቅዱሰይ ኣልዒለ: ከንብብ ጀመርኩ። ዝያዳ ብዘንበብኩ መጠን ድማ ዝያዳ መንፈሳዊ ሓይሊ ረኸብኩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ የሱስ ኣብቲ ከረን ዝገበሮ ዝርርብ ከማስወሉ ክኣልኩ። ደጊመ ደጋጊመ ኣንበብክዎ: ኣስተንተንክሉ ድማ።

እቲ ኣብ ህይወት ዝነበረኒ ሕጕስ ኣረኣእያ ድማ ተመልሰ። ብንባብን ምስትንታንን ገይረ ኸኣ: ኣብ ክንዲ ዕንቅፋታት ኣጋጣሚታት ክርኢ ጀመርኩ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ንኸካፍል ዝነበረኒ ባህጊ ተመልሰ: ነቶም ናይ ሆስፒታል ኣባላትን ንኻልኦት ዝረኸብክዎምን ብምምስካር ድማ ነዚ ባህጊ እዚ አዕግቦ ነበርኩ። ስድራቤተይ ምሉእ ብምሉእ ደጊፎምኒ ኢዮም: ብኸመይ ክኣልዩኒ ከም ዘለዎም ድማ ልምምድ ረኺቦም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ሆስፒታል ክወጽእ ከኣልኩ።

ኣብ መወዳእትኡ ንገዛ ተመለስኩ። ኣየ እዚኣስ ንዅላትና ከመይ ዝበለት እተሐጕስ መዓልቲ ኰን ኢያ ነይራ! ስድራቤተይ ንዓይ ምእላይ እውን ዘጠቓለለ መደብ ኣውጽኡ። ቢዮረን ወደይ ንዓይ ኣብ ምእላይ ምእንቲ ክሕግዝ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምስራሕ ንኸቋርጽ ወሰነ። ካብ ስድራቤተይ ኣዝዩ ብዙሕ ፍቕርን ሓልዮትን ክረክብ ምኽኣለይ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘጸናንዕ ኢዩ ነይሩ።

ምስ ካልእ ዕንቅፋት ምግጣም

ይኹን እምበር: ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን: ጥዕናይ ድማ እናጐደለ ኸደ: ክንቀሳቐስ ድማ ጸገም ኰነኒ። ኣብ መወዳእታ: ስድራቤተይ ውፉይ ጻዕሪ እኳ እንተገበሩ: ኣብ ገዛ ኰይኖም ክኣልዩኒ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ በጽሑ። ስለዚ ኸኣ ኣብ መእለዪ ስፍራ እንተ ኣቶኹ ዝበለጸ ኰይኑ ተሰማዓኒ። እዚ እውን እንደገና ለውጥታትን ሓድሽ ዑደትን ምጅማር ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ መንፈሳዊ ዕንቅፋት ክኸውን ኣየፍቀድኩሉን።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምርምርን ፈጺመ ኣቋሪጸ ኣይፈልጥን። ነቲ ክገብሮ ዘይክእል ዘይኰነስ: ነቲ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ምሕሳብ ቀጸልኩ። ብዛዕባ እቲ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም መንፈሳዊ በረኸታት ኣስተንተንኩ። ብጸሎት ናብ የሆዋ እጠብቕ ኢየ ነይረ: ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ድማ ንኻልኦት ንምስባኽ እጥቀመሉ ነበርኩ።

ሕጂ: ለይትን ገለ ክፍሊ ናይ መዓልትታትን ኣብ መእለዪ ስፍራ ኢየ ዘሕልፎ ዘሎኹ። ድሕሪ ቀትርን ምሸትን ድማ ወይ ኣብ ገዛ ወይ ከኣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኢየ ዘሕልፎ። እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህብ ክፍሊ ካብ መደቀስየይ ናብ ኣኼባታትን ገዛን: ካብ አኼባታትን ገዛን ድማ ናብ መደቀስየይ ስርዓታዊ መጓዓዝያ ክግበረለይ መደብ ሰርዐ። ውፉያት ስድራቤተይ: እቶም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት: ከምኡውን ናይቲ መእለዪ ስፍራ ፐርሶነል ብፍሉይ ኣገባብ ኢዮም ዝኣልዩኒ።

እቲ ዝኽእሎ ምግባር

ንገዛእ ርእሰይ ከም ዘይጠቅም ኣይቈጽራን ኢየ: ብስድራቤተይ ኰነ ብክርስትያናት ኣሕዋተይ እውን ከም ዘይጠቅም ኣይተራኣኹን። ከም ሽማግለ ኰይነ ብዓወት ምግልጋል ክቕጽል ዘኽእለኒ ፍቕራዊ ክንክን ኢዩ ዝግበረለይ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ከምኡውን ሰሙናዊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ ኣብ መንግስቲ ኣደራሽ እመርሕ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጻት ክግንጽል ስለ ዘሸግረኒ ድማ: ኣብቲ ኣኼባታት ዝግንጽለለይ ሰብ ተመደበለይ። ኣብ ዓረብያይ ኰይነ ድማ ኣኼባታት እመርሕ ከምኡውን ዝርርባት እህብ።

በዚ ኸምዚ ነቲ ናይ ጕስነት ምብጻሓት ሓዊስካ: ካብቲ ቅድም ክገብሮ ዝሐጕሰኒ ዝነበረ ነገራት ጌና ብዙሕ ክገብር እኽእል ኢየ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠2) ነዚ ድማ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓገዝ ወይ ምኽሪ ደልዮም ናባይ ክመጹ ከለዉ ኢየ ዝገብሮ። ናብ ካልኦት ክድውል ተበግሶ ብምውሳድ ድማ: ቴሌፎን እውን እጥቀም ኢየ። እቲ ዝርከብ ምትብባዕ ድማ ሓባራዊ ኢዩ። (ሮሜ 1:​11, 12) ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደ ዓርከይ ከምዚ በለ:⁠- “ከም እተደቘስኩ ኰይኑ ክስማዓኒ ከሎ ከተበራትዓኒ ኢልካ ደዊልካ።” እንተዀነ ግን: የሆዋ ንጻዕርታተይ ይባርኾ ከም ዘሎ ብምፍላጠይ ኣነውን ተተባቢዐ ኢየ።

ቕድሚ እቲ ኣኼባን ድሕሪኡን: ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ቈልዑ ጽቡቕ ሕብረት ኢዩ ዘሎኒ። ኣብ ዓረብያይ ኮፍ ስለ ዝብል ድማ ዓይኒ ንዓይኒ እናተረኣኤና ኢና እንዛረብ። ቅንዕናኦምን ግልጺ ምዃኖምን አማስወሉ ኢየ። ሓደ ግዜ ሓደ ንእሽቶ ወዲ “ንስኻ እተፈለኻ መልክዐኛ ስንኩል ኢኻ!” በለኒ።

ኣብ ክንዲ በቲ ክገብሮ ዘይክእል ነገራት ዝጭነቕ: ኣብቲ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ብምትኳር: ንየሆዋ ምግልጋል አስተማቕሮ ኣሎኹ። ካብቲ ዝወረደኒ ብዙሕ ተማሂረ ኢየ። በቲ እነሕልፎ ፈተናታት ንለማመድን ንብርትዕን ምዃንና ክግንዘብ ክኢለ ኢየ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠10

ብዙሓት ጥዕና ዘለዎም ሰባት: ናይቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣምልኾ ኵሉ ግዜ ኣኽቢድና ክንርእዮ ከም ዘሎና ካብ ምርዳእ ከም ዝሰንፉ ተገንዘብኩ። ከምኡ እንተ ዘይገይርና: ናይ መጽናዕትና መደብ: ኣኼባታት: ከምኡውን ግራት ኣገልግሎት ዝደጋገም ነገር ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዞም ምድላዋት እዚኣቶም ካብዚ መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ድሒንካ ናብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ገነታዊት ምድሪ ንምእታው ኣድለይቲ ከም ዝዀኑ ኢየ ዝሓስቦም።​—⁠መዝሙር 37:​9⁠-11, 29፣ 1 ዮሃንስ 2:17

ኣብታ ናይ ኣምላኽ መጻኢት ሓዳስ ዓለም ዘሎ ናይ ህይወት ተስፋ ኣብ ልብና ኵሉ ግዜ ህያው ገይርና ክንሕዞ ኣሎና። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠8) ከምኡውን ኣብቲ ኣንጻር ዝዀነ ዓይነት ተስፋ ምቝራጽ ዝገብሮ ቃልሲ ኢደይ ክህብ ከም ዘይብለይ ተማሂረ ኢየ። ንየሆዋ ከም ኣቦይ ንማሕበሩ ድማ ከም ኣደይ ገይረ ክርኢ ተማሂረ ኢየ። ጻዕሪ እንተድኣ ገይርና: የሆዋ ንዝዀነ ካባና ዕዉት ኣገልጋሊኡ ገይሩ ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል ክግንዘብ ክኢለ ኢየ።

ሽሕ’ኳ ከምቲ ቀደም ዝነበርክዎ ሓድሓደ ግዜ ‘ድርቡይ’ ዝዀንኩ ኰይኑ እንተ ተሰማዓኒ: ግናኸ ‘ኣይጠፋእኩን።’ ብየሆዋን ብማሕበሩን: ወይ ድማ ብስድራቤተይ ይኹን ብክርስትያናት ኣሕዋተይ ፈጺመ ተደርብየ ኣይፈልጥን ኢየ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣልዒለ ከነንብባ ምኽኣለይ አመስግን: መንፈሳዊ ብርታዐ እንደገና ክረክብ ክኢለ ኢየ። ነቲ ናብኡ ምስ እንውክል “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ዝህብ የሆዋ ኣምላኽ አመስግን።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠7

ኣብ የሆዋ ምሉእ ተኣማንነትን ምሉእ ትውክልትን ብምግባር ንመጻኢ ብሃንቀውታ ኢየ ዝጥምት ዘሎኹ። ኣብ ሓጺር ግዜ: የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ እታ ምስቲ ኵሉ ዘደንቕ በረኸታት ኣብ ምድሪ እትምለስ ገነት ዝሃቦ መብጽዓ: ከም ዝፍጽሞ እተኣማመን ኢየ።​—⁠ራእይ 21:​3, 4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ