ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/11 ገጽ 10-15
  • ካብ ‘ክፉእ ወለዶ’ ዝደሓኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ‘ክፉእ ወለዶ’ ዝደሓኑ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “መወዳእታ”​—⁠መዓስ⁠፧
  • “እዚ ወለዶ እዚ”​—⁠ኣየናይ ኢዩ⁠፧
  • ‘እዚ ክፉእ ወለዶ እዚ’
  • “እዚ ወለዶ እዚ” ተፈልጠ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንቑሓት እንዀነሉ ግዜ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/11 ገጽ 10-15

ካብ ‘ክፉእ ወለዶ’ ዝደሓኑ

“ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ: ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ⁠፧”​—⁠ሉቃስ 9:⁠41

1. (ሀ) እዚ ዘሎናዮ ሓደገኛ ግዜ እንታይ ኢዩ ዝእምት⁠፧ (ለ) ቅዱሳት ጸሑፋትከ ብዛዕባ ደሓንቲ እንታይ ይብሉ⁠፧

ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ምጥልቕላቕ ማይ: ጥሜት: ሕማም: ዓመጻ: ናይ ቦምብ ደብዳብ: ዘርዕድ ውግእ​—⁠እዝን ካልእ ተወሳኺ ነገራትን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበንና ንደቅሰብ ዓብሊልዎም ይርከብ። ይኹን እምበር: እቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መዓት ኣብዚ ቐረባ መጻኢ ኣንጸላልዩ ኣሎ። እዝስ እንታይ ኰን ኢዩ⁠፧ እዚ እቲ “[ዓቢ ጸበባ ትሓዓ ] . . . ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:21) እንተዀነ ግን መብዛሕትና: ንሓደ ዘሐጕስ መጻኢ ብተስፋ ንጽበ ንኸውን! ስለምንታይ⁠፧ ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል [ዓቢ ጭፍራ ትሓዓ ] . . . እዚኣቶም ካብቲ [ዓቢ ጸበባ ትሓዓ ] ዝመጹ እዮም . . . ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ: ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም” ብምባል ስለ ዝገልጽ ኢዩ።​—⁠ራእይ 7:​1, 9, 14⁠-17

2. እቲ ናይ ማቴዎስ 24: ማርቆስ 13: ከምኡውን ሉቃስ 21 መእተዊ ቍጽርታት እንታይ ናይ መጀመርታ ትንቢታዊ ፍጻሜ ኢዩ ዝነበሮ⁠፧

2 እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:​3⁠-22: ማርቆስ 13:​3⁠-20: ከምኡውን ሉቃስ 21:​7⁠-24 ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ: ብዛዕባ “መወዳእታ [ኣገባብ ትሓዓ ]” ዝምልከት ናይ የሱስ ትንቢታዊ መግለጺ የቕርብ።a እዚ ትንቢት እዚ በቲ ሃንደበት ኣብ ኣይሁድ ዝወረደ “ዓቢ ጸበባ” ብምዝዛም: ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ብልሹው ኣገባብ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ነበሮ። ብምሉኡ እቲ ማእከሉ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝነበረ: ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መዋቕር: እንደገና ፈጺሙ ከም ዘይምለስ ኰይኑ ተጸርገ።

3. ሎሚ ነቲ ናይ የሱስ ትንቢት ከነቕልበሉ ህጹጽ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ⁠፧

3 ሕጂ እምበኣር ነቲ ናይ የሱስ ትንቢት ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ክረክብ ከሎ: ዝነበረ ኵነታት ንርአ። እዚ: ነቲ ሎሚ ምስኡ ዝመሳሰል ፍጻሜ ዝያዳ ንኽንርድኦ ክሕግዘና ኢዩ። ካብቲ ንዅሎም ደቅሰብ ኣንጸላልይዎም ዘሎ: ካብ ኵሉ ጸበባ ዝዓበየ ምእንቲ ክንድሕን ሕጂ ኣወንታዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ከርእየና ኢዩ።​—⁠ሮሜ 10:​9⁠-13፣ 15:4፣ 1 ቈረንቶስ 10:11፣ 15:⁠58

“መወዳእታ”​—⁠መዓስ⁠፧

4, 5. (ሀ) እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ንኣምላኽ ዝፈርሁ ኣይሁድ ኣብቲ ናይ ዳንኤል 9:​24⁠-27 ትንቢት እተገደሱ ስለምንታይ ኢዮም⁠፧ (ለ) እዚ ትንቢት እዚኸ ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ⁠፧

4 ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ: ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዳንኤል ካብተን ናይ ዓመታት ‘ሰብዓ ሰሙናት’: ኣብታ ናይ መወዳእታ “ሰሙን” ክፍጸም ዝነበሮ ናይ ፍጻመታት ራእይ ተዋህቦ። (ዳንኤል 9:​24⁠-27) እዘን ‘ሰሙናት’ እዚኣተን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ከተማ የሩሳሌም እንደገና ክትህነጽ ምስ ኣዘዘ ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. ጀመራ። እታ ናይ መወዳእታ “ሰሙን” ምስ ምቕልቃል ናይ መሲህ: የሱስ ክርስቶስ: ኣብቲ ጥምቀቱን ምቕብኡን ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ጀመረትb። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ንኣምላኽ ዝፈርሁ ዝነበሩ ኣይሁድ ነቲ ግዜ ናይ ትንቢት ዳንኤል ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም። ንኣብነት: ነቶም ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ንስብከት ዮሃንስ መጥምቕ ኽሰምዑ ዝመጹ እኩባት ሰባት ኣመልኪታ ሉቃስ 3:15 ከምዚ ትብል:⁠- “እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ: ኵሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፣ ክርስቶስ ኰን ይኸውን⁠፧ ኢሎም በብልቦም [ይሓስቡ ነበሩ።]”

5 እታ መበል 70 “ሰሙን” ንኣይሁድ ፍሉይ ስምረት እተዘርግሓለን ሸውዓተ ዓመታት ክትከውን ነበራ። ካብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚራ: ናይ የሱስ ጥምቀትን ኣገልግሎትን: “ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን” ብ33 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ መስዋእታዊ ሞቱ: ከምኡውን ካልእ ክሳዕ 36 ከ.ኣ.ዘ. ዝበጽሕ ‘ፈረቓ ሰሙን’ ዘጠቓለለት ኢያ። ኣብዛ “ሰሙን” እዚኣ: ናይ የሱስ ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ: ምሉእ ብምሉእ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ኣይሁድን ናይ ኣይሁድ ጵሮሰሊትን ኢዩ ተዘርጊሑ ነይሩ። ድሕርዚ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣቐዲማ ዘይተፈልጠት መዓልቲ: ኣብ ትሕቲ ቲቱስ ዝነበሩ ናይ ሮማ ክፍለ ሰራዊት ነቲ ከሓዲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ኣጽነትዎ።​—⁠ዳንኤል 9:​26, 27

6. (ሀ) እቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ዝጀመረ “ጸበባ” ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣዕናዊ ዝነበረ⁠፧ (ለ) መን ኢዮም ዝደሓኑ: እንታይ ህጹጽ ስጕምቲ ስለ ዝወሰዱኸ⁠፧

6 በዚ ኸምዚ እቲ ንቤተ⁠-መቕደስ የሩሳሌም ዘርከሰን ንወዲ ኣምላኽ ንምቕታል ውዲት ዝገበረን: ናይ ኣይሁድ ክህነት ተጸርገ። ምስኡውን እቲ ሃገራውን ናይ ነገዳትን መዛግብቲ ተጸርገ። ድሕርዚ: ዝዀነ ኣይሁዳዊ ብሕጊ ናይ ክህነት ወይ ናይ ንግስነት ውርሻ ኣሎኒ ክብል ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን: መንፈሳውያን ኣይሁድ ከም ናይ መንግስቲ ክህነት መጠን ናይ የሆዋ ኣምላኽ ‘ደግነት [ኣስፊሖም ትሓዓ ] ክነግሩ’ ተፈልዮም ነበሩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠9) ናይ ሮማ ሰራዊት መጀመርታ ንየሩሳሌም ምስ ከበቡዋን ነቲ ናይ ቤት መቕደስ ከባቢ ኸኣ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተቘጻጸርዎን: ክርስትያናት ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ “እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ [ዝቘመ]” ከም ዝዀነ ፈሊጦምዎ ኢዮም። ነቲ ናይ የሱስ ትንቢታዊ ትእዛዝ ብምሕላው: እቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት ዕቝባ ንኽረኽቡ ናብቲ ኣኽራን ሃደሙ።​—⁠ማቴዎስ 24:​15, 16፣ ሉቃስ 21:​20, 21

7, 8. እቶም ክርስትያናት እንታይ “ትእምርቲ” ኢዮም ዝረኣዩ: እንተዀነ ግን ዘይፈለጥዎ እንታይ ነበረ⁠፧

7 እቶም እሙናት ክርስትያናት ኣይሁድ ንፍጻሜ ትንቢት ዳንኤል ርእዮምዎ ኢዮም ከምኡውን ነቲ የሱስ ከም ክፍሊ ናይቲ “ትእምርቲ . . . [ናይ] መወዳእታ [ኣገባብ ትሓዓ ]” መጠን ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ዘሰምብድ ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን ዓመጻ: ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 24:⁠3) ይኹን እምበር: የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ብልሹው ኣገባብ መዓስ ፍርዲ ከም ዘውርድ: የሱስ ብልክዕ ነጊርዎም ድዩ⁠፧ ኣይነገሮምን። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ንጉሳዊ ህላዌኡ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ምብጻሕ እተነበዮ: ብርግጽ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን “ዓቢ ጸበባ” እውን ውዒሉ ኢዩ:⁠- “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን።”​—⁠ማቴዎስ 24:​36

8 ኣይሁድ ነቲ የሱስ ከም መሲህ ኰይኑ ዝመጸሉ ግዜ: ካብ ትንቢት ዳንኤል ክጽብጽብዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (ዳንኤል 9:25) እቲ ኣብ መወዳእታ ነቲ ከሓዲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ዘባደመ “ዓቢ ጸበባ” ዝፍጽመሉ ዕለት ግን ኣይተዋህቡን። ድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ጥራይ ኢዮም እታ መዓልቲ 70 ከ.ኣ.ዘ. ከም ዝነበረት እተረድኡ። ይኹን እምበር: ነቲ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ” ዝብል ናይ የሱስ ትንቢታዊ ቃላት ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:34) ብግልጺ: እቲ ኣብዚ ዘሎ ኣወዓዕላ ናይ “ወለዶ” ካብቲ ኣብ መክብብ 1:​4 ዘሎ ብዛዕባ ንነዊሕ እዋን ዝመጽእን ዝሓልፍን ተኸታታሊ ወለዶታት ዝዛረብ እተፈልየ ኢዩ።

“እዚ ወለዶ እዚ”​—⁠ኣየናይ ኢዩ⁠፧

9. ነታ ጀ·ኔ·ኣʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል መዝገበ⁠-ቃላት ብኸመይ ኢዮም ዝገልጽዋ⁠፧

9 እቶም ምስ የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣርባዕተ ሃዋርያት: ነቲ ን“መወዳእታ ኣገባብ” ዝምልከት ትንቢቱ ምስ ሰምዑ: ነቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝብል መግለጺ ብኸመይ ኢዮም እተረድእዎ⁠፧ ኣብቲ ወንጌላት እታ “ወለዶ” እትብል ቃል ካብታ ጀ·ኔ·ኣʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ ተተርጕማ። እዋናውያን መዝገበ⁠-ቃላት ድማ በዚ ዝስዕብ ስያመታት ይገልጽዋ:⁠- “ቃል ብቓሉ ካብ ሓደ ኣባሓጎ ዝመጹ” (ዋልተር ባወር’ስ ግሪክ⁠-ኢንግሊሽ ለክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት) “እተወልዱ: ስድራቤት፣ . . . ናይ ትውልዲ ተኸታተልቲ ኣባላት . . . ወይ ናይ ህዝቢ ዓሌት . . . ወይ ኣብ ሓደ እዋን ዝነብሩ ኵሎም ሰባት: ማቴ. 24:34፣ ማር. 13:30፣ ሉቃ. 1:48፣ 21:32፣ ፊል. 2:​15: ከምኡውን ብፍላይ እቶም ኣብ ሓደ እዋን ዝነበሩ ዓሌት ኣይሁድ።” (ናይ ዳብሊው. ኢ. ቫይን ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ዎርድስ) “እተወልዱ: ሓደ ምንጪ ዘለዎም ሰባት: ስድራቤት፣ . . . ብምሉኦም ኣብ ሓደ እዋን ዝነብሩ ሰባት:⁠- ማቴ. xxiv. 34፣ ማር. xiii. 30፣ ሉቃ. i. 48 . . . ብፍላይ እቶም ኣብ ሓደ እዋን ዝነበሩ ዓሌት ኣይሁድ ኢያ ውዒላ።”​—⁠ጀይ. ኤች. ታየር’ስ ግሪክ⁠-ኢንግሊሽ ለክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት።

10. (ሀ) ንማቴዎስ 24:34 ክጠቕሱ ከለዉ ክልተ ጸሓፍቲ እንታይ ተመሳሳሊ መግለጺታት ኢዮም ዝሃቡ⁠፧ (ለ) ሓደ ስነ⁠-ሃይማኖታዊ መዝገበ⁠-ቃላትን ገለ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማትንከ ነዚ መግለጺ እዚ ዝድግፍዎ ብኸመይ ኢዮም⁠፧

10 ስለዚ ቫይን ከምኡውን ታየር “እዚ ወለዶ እዚ” (ሀ ጀ·ኔ·ኣʹ ሃውʹተ) “ብምሉኦም ኣብ ሓደ እዋን ዝነብሩ ሰባት” ኢሎም ክገልጽዋ ከለዉ ክልቲኦም ማቴዎስ 24:34 ኢዮም ጠቒሶም። እቲ ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት (1964) “እቲ ‘ንወለዶ’ ዝምልከት ናይ የሱስ ኣጠቓቕማ ሓፈሻዊ ዕላማኡ ዝገልጽ ኢዩ:⁠- ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኢዩ ዘመልከተ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓጢኣት ዝነበሮም ሓድነት ድማ ይፈልጥ ኢዩ” ብምባል: ነዚ መግለጺ እዚ ይድግፍ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ልክዕ ከምዚ ሎሚ ነዚ ናይ ዓለም ኣገባብ መለለይኡ ኰይኑ ዘሎ: ብሓቂ ‘ኣብ ሓጢኣት ሓድነት ምህላው’ ኣብ ህዝቢ ኣይሁድ ግሁድ ኢዩ ነይሩ።c

11. (ሀ) ነታ ሀ ጀ·ኔ·ኣʹ ሃውʹተ እትብል ብኸመይ ከም እንጥቀመላ ንኽንውስን እንታይ ስልጣን ኢዩ ብቐዳምነት ክመርሓና ዘለዎ⁠፧ (ለ) እዚ ስልጣን እዚኸ ነታ ስያመ ብኸመይ ኢዩ ተጠቒሙላ⁠፧

11 ሓቂ ኢዩ: እቶም ነዚ ነገር እዚ ዘጽንዑ ክርስትያናት: ብቐዳምነት በቲ እቶም መንፈስ ዝነፈሶ ወንጌል ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ ብዛዕባ ናይ የሱስ ቃላት ጸብጻብ ክህቡ ከለዉ ነቲ ሀ ጀ·ኔ·ኣʹ ሃውʹተ ወይ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝብል ናይ ግሪኽ መግለጺ እተጠቕመሉ ኣገባብ ኢዮም ንኣተሓሳስባኦም ዝመርሑዎ። እቲ መግለጺ ብተደጋጋሚ ብኣሉታዊ መገዲ ኢዩ ተዘውቲሩ። በዚ ኸኣ ኢዩ: የሱስ ነቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት “ኣቱም ኣትማን: ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን” ኢሉ ዝጸውዖምን ቀጺሉ ድማ ፍርዲ ገሃነም ‘ነዚ ወለዶ እዚ’ ክወርዶ ኢዩ ዝበለ። (ማቴዎስ 23:​33, 36) ይኹን እምበር: እዚ ፍርዲ እዝስ ነቶም ግቡዛት ካህናት ጥራይ እተወሰነ ድዩ ነይሩ⁠፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ስያመ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ትርጕም ብምውዓል ብዛዕባ “እዚ ወለዶ እዚ” ክዛረብ ከሎ ሰሚዖምዎ ኢዮም። ንሱኸ እንታይ ነበረ⁠፧

‘እዚ ክፉእ ወለዶ እዚ’

12. ከምቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝሰምዕዎ: የሱስ ነቶም “እኩባት ሰባት” ምስ “እዚ ወለዶ እዚ” ዘተሓሓዞም ብኸመይ ኢዩ⁠፧

12 ብ31 ከ.ኣ.ዘ.: ኣብ እዋን እቲ ኣብ ገሊላ ዝነበረ ናይ የሱስ ዓቢ ኣገልግሎትን ድሕሪ ፋስጋ ኣብ ዝነበረ ሓጺር ግዜን: ደቀ መዛሙርቱ “ነቶም እኩባት ህዝቢ” ከምዚ ክብሎም ከሎ ሰሚዖምዎ ኢዮም:⁠- “ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ⁠፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል። እሞ ዚብልዎም፤ እምብልታ ነፋሕናልኩም: ኣይሳዕሳዕኩምን: ኣልቀስናልኩም: ኣይበኼኹምን። ዮሃንስ [መጥምቕ] እማ መጸ: ኣይበልዕ ኣይሰቲ: ጋኔን አለዎ: ይብሉ። ወዲ ሰብ [የሱስ] መጸ፤ ይበልዕ ይሰቲ: እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን: ይብሉ።” ነቶም ስርዓት ዘይነበሮም “እኩባት ህዝቢ” ዘሐጕሶም ነገር ኣይነበረን!​—⁠ማቴዎስ 11:​7, 16⁠-19

13. ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ: የሱስ ከም ‘ክፉእ ወለዶ’ ፈልዩ ዘፍለጦምን ዝዀነኖምን ንመን ኢዩ⁠፧

13 ጸኒሑ ብ31 ከ.ኣ.ዘ. የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ነቲ ናይ ገሊላ ካልኣይ ናይ ስብከት ጕዕዞኦም ምስ ጀመሩ: “ኻብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን” ንየሱስ ትእምርቲ ሓተትዎ። ንዕኦምን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ “እኩባት ህዝብ”ን ከምዚ በሎም:⁠- “ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሀቦን። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ: ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። . . . ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ።” (ማቴዎስ 12:​38⁠-46) ብርግጽ: ‘እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ’ ነቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ከምኡውን ነቶም ነቲ ኣብ ሞትን ትንሳኤን የሱስ: ፍጻሜ ዝረኸበ ትእምርቲ ፈጺሞም ዘይተረድእዎ “እኩባት ህዝቢ” ዘጠቓለለ ኢዩ።d

14. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቶም ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን እንታይ ኢሉ ክዅንኖም ከሎ ኢዮም ዝሰምዕዎ⁠፧

14 ድሕሪ እቲ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ፋስጋ: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብቲ ናይ ገሊላ ከባቢ መግደላ ምስ መጹ: ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን ንየሱስ እንደገና ትእምርቲ ሓተትዎ። ከምዚ ብምባል ድማ ደገመሎም:⁠- “ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ: ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሀቦን። ሐዲግዎም ከኣ ኸደ።” (ማቴዎስ 16:​1⁠-4) እቶም ግቡዛት ሃይማኖታውያን እቲኣቶም ኣብ መንጎ እቶም የሱስ ‘እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ’ ኢሉ ዝዀነኖም ዘይእሙናት “ብዙሓት ህዝቢ” ከም መራሕቲ መጠን ብርግጽ ዝያዳ ክውቀሱ ዝግብኦም ኢዮም ነይሮም።

15. ቀቅድሚ ምልዋጡን ድሕሪኡን የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ምስ ‘እዚ ወለዶ እዚ’ እንታይ ርክባት ኢዩ ዝነበሮም⁠፧

15 ኣብ ጥቓ መወዳእታ ናይቲ ኣብ ገሊላ ዝነበረ ኣገልግሎቱ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱን ነቶም እኩባት ህዝብን ናብኡ ጸዊዑ ከምዚ በሎም:⁠- “ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ: ወዲ ሰብ ድማ: ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ: ብእኡ ኺሐፍር እዩ።” (ማርቆስ 8:​34, 38) ስለዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ዘይተናስሑ ናይ ኣይሁድ ሓፋሽ ኢዮም ብርግጽ ነቲ “ዘማውን ሓጥእን ወለዶ” ኣቝሞም ዝነበሩ። ገለ መዓልትታት ጸኒሑ: ድሕሪ ናይ የሱስ ምልዋጥ: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብቲ “እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ:” ሓደ ሰብኣይ ድማ ንወዱ ከሕውየሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ “ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ: ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ⁠፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ⁠፧” በለ።​—⁠ማቴዎስ 17:​14⁠-17፣ ሉቃስ 9:​37⁠-41

16. (ሀ) የሱስ ነየናይ ምዅናን ናይቲ “እኩብ ህዝቢ” ኢዩ ኣብ ይሁዳ እንደገና ዝደገሞ⁠፧ (ለ) “እዚ ወለዶ እዚ” ካብ ኵሉ ገበናት እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዝፈጸመኸ ብኸመይ ኢዩ⁠፧

16 ድሕሪ እቲ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ዳስ: ምናልባት ኣብ ይሁዳ ኢዩ ዝኸውን: “እቶም ህዝቢ” ናብ የሱስ “ምስ ተኣከቡ . . . እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ: ትእምርቲ ይደሊ: ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሀቦን” ብምባል ንእኦም ዝነበሮ ኩነኔ ደገሞ። (ሉቃስ 11:29) ኣብ መወዳእታ: እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንየሱስ ናብ ፍርዲ ምስ ኣቕረብዎ: ጲላጦስ ናጻ ክሓድጎ ደለየ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:⁠- “እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉ: የሱስ ግና ኪቕተል: ሕራይ ኣበልዎም። . . . ጲላጦስ፣ እምበኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚበሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ⁠፧ በሎም። ኵሎም፤ ይሰቐል በሉ። እቲ ሹም፤ እንታይ ክፉእከ ገበረ⁠፧ በሎም። ንሳቶም ግና: ይሰቐል: እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ።” እቲ ‘እኩይ ወለዶ’ እቲ: የሱስ ክቕተል ኢዩ ዝሓትት ነይሩ!​—⁠ማቴዎስ 27:​20⁠-25

17. ገለ ካብቶም “ቄናን ወለዶ” ነቲ ጴጥሮስ ኣብ ጴንጠቆስጠ ዝሃቦ ስብከት ብኸመይ መለስሉ⁠፧

17 ስለዚ ሓደ “ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ” ብሃይማኖታውያን መራሕቱ ተደፋፊኡ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምቕታል ኣገዳሲ ግደ ነበሮ። ሓምሳ መዓልትታት ጸኒሑ: ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ.: እቶም ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ: ብእተፈላለየ ቋንቋታት ድማ ክዛረቡ ጀመሩ። ነቲ ደሃይ ምሰ ሰምዐ “ብዙሕ ህዝቢ ተአከበ”: ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ “[ነዚ ሰብኣይ እዚ ትሓዓ ] [የሱስ] . . . ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን” ብምባል ንእኦም “ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ” ኢሉ ጸውዖም። ገለ ካብቶም ሰማዕቲ ብኸመይ መለሹ⁠፧ “ልቦም ተወግኤ።” ድሕርዚ ጴጥሮስ ክናስሑ ጻውዒት ኣቕረበሎም። “ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ: እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን።” ከም ምላሽ ናይዚ ድማ: ሰለስተ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት “ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:​6, 14, 23, 37, 40, 41

“እዚ ወለዶ እዚ” ተፈልጠ

18. የሱስ ነታ “እዚ ወለዶ እዚ” እትብል ስያመ ብተደጋጋሚ ክጥቀመላ ከሎ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት⁠፧

18 እቲ የሱስ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ብተደጋጋሚ ዝጠቕሶ ዝነበረ “ወለዶ” እምበኣር: ኣየናይ ኢዩ⁠፧ ብዛዕባ እተን “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሓልፍ” ዝብላ ቃላቱ እንታይ ኢዮም ተረዲኦም⁠፧ ብርግጽ: የሱስ ካብቲ ኣብቶም ምስ ‘ዕዉራት መራሕቶም’ ብምዃን ንህዝቢ ኣይሁድ ዘቝሙ ዝነበሩ እሞ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሓፋሽ ብተደጋጋሚ ዘውዓሎ: “እዚ ወለዶ እዚ” ዝብል ስያመ: ይልውጥ ኣይኰነን ነይሩ። (ማቴዎስ 15:14) “እዚ ወለዶ እዚ” ንዅሉ እቲ ብየሱስ ኣቐዲሙ እተነግረ ሽግር ተመኲርዎ: በቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ መወዳድርቲ ዘይብሉ “ዓቢ ጸበባ” ድማ ተጸሪጉ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:​21, 34

19. መዓስን ብኸመይን ኢዩ እቲ “ሰማይን ምድርን” ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ዝሓለፈ⁠፧

19 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን: የሆዋ ንህዝቢ ኣይሁድ ኢዩ ዝፈርድ ነይሩ። ኣብቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝቐርብ ናይ የሆዋ ምሕረት ዝመልኦ ምድላዋት እምነት ዘርኣዩ እተናስሑ ሰባት: ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” እቲ ድሒኖም ኢዮም። ልክዕ ከምቲ የሱስ እተዛረቦ: ኵሉ እቲ ብትንቢት እተነግረ ነገራት ተፈጸመ: ድሕርዚ ድማ እቲ “ሰማይን ምድርን” ናይ ኣይሁድ ኣገባብ​—⁠ ብምልኡ እቲ ህዝቢ: ምስ ሃይማኖታውያን መራሕቱን ናይ እኩያት ሰባት ማሕበረሰቡን​—⁠ሓለፈ። የሆዋ ፍርዲ ኣውሪዱ ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 24:35፣ ምስ 2 ጴጥሮስ 3:⁠7 ኣረኣእዮ።

20. እንታይ እዋናዊ መጠንቀቕታ ኢዩ ብህጹጽ ንዅሎም ክርስትያናት ዝምልከት⁠፧

20 እቶም ነቲ ናይ የሱስ ትንቢታዊ ቃላት ዘቕለብሉ ኣይሁድ: ድሕነቶም ናይ ሓደ “ወለዶ” ወይ ድማ ናይ ገለ እተመደበ ‘ዘመንን ጊዜን’ ንውሓት ክጽብጽቡ ኣብ ምፍታን እተመርኰሰ ዘይኰነስ: ካብቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ እኩይ ወለዶ ኣብ ምፍላይን ብቕንኢ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባርን እተመርኰሰ ምዃኑ ተረዲኦም ኢዮም። ሽሕ’ኳ እተን ናይ የሱስ ትንቢት መወዳእታ ቃላት: ዝዓበየ ፍጻሜአን ኣብ ግዜና እንተዀነ: ናይ መጀመርታ ክፍለ⁠-ዘበን ክርስትያናት ኣይሁድ እውን ነቲ “ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ” ዝብል መጠንቀቕታ ከቕልብሉ ነበሮም።​—⁠ሉቃስ 21:​32⁠-36፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:​6⁠-8

21. ኣብዚ ቐረባ መጻኢ ከመይ ዝበለ ሃንደበታዊ ምዕባለ ኢና ክንጽበ እንኽእል⁠፧

21 ሎሚ: “መዓልቲ [የሆዋ ትሓዓ ] ቀሪባ: . . . እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።” (ጸፎንያስ 1:​14⁠-18፣ ኢሳይያስ 13:​9, 13) ብሃንደበት: ኣብታ የሆዋ ዝመደባ ‘መዓልትን ሰዓትን:’ ኣብ ልዕሊ ናይዛ ዓለም ሃይማኖታዊ: ፖለቲካዊ: ከምኡውን ንግዳዊ ነገራት: ምስቶም ስዲ ዝኸዱ ነዚ ሕጂ ዘሎ “ክፉእን ዘማውን ወለዶ” ድማ ኣቚሞም ዘለዉ ሰባት ሓዊስካ: ቝጥዓ የሆዋ ክፍኖ ኢዩ። (ማቴዎስ 12:39፣ 24:36፣ ራእይ 7:​1⁠-3, 9, 14) ካብዚ “ዓቢ ጸበባ” ብኸመይ ኰን ትድሕን ትኸውን⁠፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽና ክትምልሰልና ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ዓቢ ተስፋ ድማ ክትነግረና ኢያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይዚ ትንቢት እዚ ጹማቕ ዝርዝር ንምርካብ: በጃኻ ነቲ ኣብ ናይ ለካቲት 1994 ግምቢ ዘብዐኛ: ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።

b ነተን ናይ ዓመታት ‘ሰሙናት’ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ናይ ሰብ⁠፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 130⁠-2 ርአ።

c ገለ መጽሓፍ ቅዱሳት ነታ ኣብ ማቴዎስ 24:34 ዘላ ሀ ጀ·ኔ·ኣʹ ሃውʹተ ከምዚ ዝስዕብ ገይሮም ይትርጕምዋ:⁠- “እዞም ሰባት እዚኣቶም” (ዘ ሆሊ ባይብል ኢን ዘ ላንጔጅ ኦቭ ቱደይ [1976]: ብ ዳብልዩ. ኤፍ. ቤክ)፣ “እዚ ሃገር እዚ” (ዘ ኒው ተስታመንት​—⁠ኣን ኤክስፓንድድ ትራንስለሽን [1961]: ብ ከይ. ኤስ. ወስት)፣ “እዚ ህዝቢ እዚ” (ጂውሽ ኒው ተስታመንት [1979]: ብ ዲ. ኤች. ስተርን)።

d እዞም ዘይእሙናት “እኩባት ህዝቢ” ምስቶም የሱስ ‘ዝደንገጸሎም’ ‘ኣም⁠-ሃ·ʼኣʹረትስ ወይ “ሓመድ ሓፋሽ”: እቶም ትዕቢተኛታት መራሕቲ ሃይማኖት ምስኦም ምሕባር ዝኣበዩ: ማዕረ ገይርካ ክረኣዩ የብሎምን።​—⁠ማቴዎስ 9:⁠36፣ ዮሃንስ 7:49

ብኸመይ ምመለስካ⁠፧

◻ ካብ ናይ ዳንኤል 9:​24⁠-27 ፍጻሜ: እንታይ ኢና እንማሃር⁠፧

◻ እዋናውያን መዝገበ⁠-ቃላት “እዚ ወለዶ እዚ” ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣጠቓቕማ: ብኸመይ ኢዮም ዝገልጽዎ⁠፧

◻ የሱስ ነቲ “ወለዶ” ዝብል ስያመ ብተደጋጋሚ ብኸመይ ኢዩ እተጠቕመሉ⁠፧

◻ ማቴዎስ 24:​34, 35 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ብኸመይ ተፈጺማ⁠፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ‘ነዚ ወለዶ እዚ’ ምስ ስርዓት ዘይብሎም ቈልዑ ኢዩ ኣመሳሲልዎ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ነታ ኣብቲ እኩይ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ፍርዲ ዘውረደላ ሰዓት ኣቐዲሙ ዝፈለጣ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ነይሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ