ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/1 ገጽ 22-27
  • የሆዋ ብቲኦክራሲ ይገዝእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ብቲኦክራሲ ይገዝእ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቲኦክራሲ ተወሊዳ
  • ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ ዘሎ ስልጣን
  • ቲኦክራቲካዊ ዘይኰነ ተግባራትን ኣረኣእያታትን
  • መወዳእታ ናይ ቲኦክራሲ
  • ሓደ ሓድሽ ቲኦክራሲ
  • ምስ ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ተሰማሚዕካ ንበር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣብ ቲኦክራሲ ዘለዉ ጓሶትን ኣባጊዕን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ኣገዛዝኣ የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ተረጋጊጹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/1 ገጽ 22-27

የሆዋ ብቲኦክራሲ ይገዝእ

“እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ንዘለኣለም ይነግስ። — መዝሙር 146:10።

1, 2 (ሀ) ብምምሕዳር ዝመጸ: ሰብኣዊ ጻዕርታት ዘይተዓወተስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) እቲ ሓደ ዕዉት ኮይኑ ዝተረኽበ ዓይነት ምምሕዳር ናይ መን ኢዩ?

ሰባት፣ ካብ ግዜ ኒምሮድ ጀሚሮም: ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምምሕዳር ዝተፈላለየ መገዲ ፈቲኖም ኢዮም። ምልካዊ ስርዓት: ንጉሳዊ ምምሕዳር: ምልከ–ውሁዳን ከምኡውን ዝተፈላለየ ዓይነት ዲሞክራሲ ተራእዮም ኢዮም። የሆዋ ድማ ንኹሎም ኣፍቀደሎም። እወ: ብሓቂ የሆዋ ምንጪ ናይ ዝኾነ ዓይነት ስልጣን ስለ ዝኾነ: ነዞም ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ: ኣብቲ ዘለዉዎ ቦታ ንኽኮኑ ፍቓዱ ኢዩ። (ሮሜ 13:1) ይኹን እምበር: እቲ ኩሉ ናይ ሰብ ጻዕሪ: ኣብ ምምሕዳር ፈሺሉ ኢዩ። ሓደ ነባርን ርጉእን ቅኑዕን ሕብረተሰብ ከፍሪ ዝኸኣለ ሰብኣዊ ገዛኢ ሓደ እኳ የለን። ኩሎም ነቲ “ሰብ ንሰብ እንተገዝኦስ ንጉድኣቱ ኢዩ” ዝብል ጥራይ ኢዮም ዝደጋግምዎ ዘለዉ። — መክብብ 8:9 (ት.ሓ.ዓ.)

2 እዚስ ክገርምዶ ይግብኦ? ፈጺሙ ክገርመና የብሉን: ከመይሲ እዚ ዘይፍጹም ሰብ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ክመሓደር ከም ዝኽእል ኮይኑ ኣይተፈጥረን: “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ከም ዘይኮነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ: ኬቕንዕ ዓቕሚ ከም ዜብሉ: እፈልጥ ኣሎኹ።” (ኤርምያስ 10:23) በዚ ኢዩ እምበኣር: ኣብ ኵሉ ዛንታ ናይ ወዲ ሰብ ሓደ ዓይነት ምምሕዳር ጥራይ ዕዉት ኮይኑ ዝተረኽበ። መንከ ኢዩ እዚ? እዝስ ኣብ ትሕቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝርከብ ቲኦክራሲ ኢዩ። ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ግሪኽ “ቲኦክራሲ” ማለት ምምሕዳር [ክራቶስ] ናይ ኣምላኽ [ቲኦስ] ማለት ኢዩ። ካብቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ዝበልጽሲ: እንታይ ዓይነት ምምሕዳር ኢዩ እሞ ክህሉ ዝኽእል? — መዝሙር 146:10።

3. ቲኦክራሲ ኣብ ምድሪ ተራእዩ ከም ዝነበረ ዝሕብሩ ከመይ ዝበሉ ናይ ቀደም ኣብነታት ኢዮም ዘለዉ?

3 ቲኦክራሲ: ኣዳምን ሄዋንን ካብ የሆዋ ክሳዕ ዝዓልዉ ንሓጺር ግዜ ኣብ ኤደን ገዚኣ ኢያ። (ዘፍጥረት 3:1–6, 23) ኣብ ግዜ ኣብርሃም: ኣብ ከተማ ሳሌም: መልከጼዴቕ ከም ንጉስን ካህንን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ቲኦክራሲ ተቐልቂላ ከም ዝነበረት ኢና እንርዳእ። (ዘፍጥረት 14:18–20። እብራውያን 7:1–3) እንተኾነ ግና: ሃገራዊ ቲኦክራሲ ኣብ ትሕቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝተመስረተ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ በረኻ ሲናይ ኢዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል? እዛ ቲኦክራቲካዊት መንግስቲኸ ብኸመይ ትሰርሕ ነበረት?

ቲኦክራሲ ተወሊዳ

4. የሆዋ ነቲ ቲኦክራቲካዊ ህዝቢ እስራአል: ከመይ ገይሩ ተኸሎ?

4 ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ነቲ ዝስዕቦም ዝነበረ ሰራዊት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደምሲሱ: ካብ መቑሕ ባርነት ግብጺ ሓራ ገበሮም። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ናብ ከረን ሲናይ መሪሑ ወሰዶም። ኣብ እግሪ እቲ ከረን ክሰፍሩ ምስ ጀመሩ: ኣምላኽ ብሙሴ ገይሩ ከምዚ በሎም “እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎን: በኽናፍ ንስሪ ጸይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም። ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተሓሎኹም: ኩላ ምድሪ ናተይ ኢያ እሞ: ሓለፋ ኹሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም።” እስራኤላውያን ድማ ከምዚ እናበሉ መለሽሉ: “እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ዝብሎ ኹሉ ንገብር።” (ዘጸኣት 19:4, 5, 8) ኣብዚ ግዜዚ ኪዳን ተገብረ: በዚ ድማ እቲ ቲኦክራቲካዊ ህዝቢ እስራኤል ከም ሃገር ተወልደ። — ዘዳግም 26:18, 19።

5. ብኸመይ ኢዩ የሆዋ ንእስራኤላውያን ይገዝኦም ነይሩ ክበሃል ዝከኣል?

5 እቲ ብዓይኒ ሰብ ዘይርኤ የሆዋ ደኣ: ከመይ ገይሩ ንህዝቢ እስራኤል የመሓድሮም ነበረ? (ዘጸኣት 33:20) እቲ ሕግን ክህንነትን ናይቲ ህዝቢ ብየሆዋ ዝተዋህበ ኢዩ ነይሩ። ኩሎም ነቲ ሕጊ ዝእዘዙን በቲ መሎኮታዊ ኣገባብ ገይሮም ድማ ዘምልኹን ዝነበሩ: ነቲ ዓቢ ቲኦክራቲክ ዝኾነ የሆዋ ኣምላኽ ኢዮም ዘገልግሉ ዝነበሩ። ብተወሳኺውን: ኣብ ግዜ ህጹጽ ኩነታት: የሆዋ በቶም በቲ ሊቀ–ካህን ዝተሓዙ ዝነበሩ ኡሪምን ቱሚምን ገይሩ መምርሒ ይህቦም ነበረ። (ዘጸኣት 28:29, 30) ከምኡውን: ኪኢላታት ሽማግለታት ኣብቲ ቲኦክራቲካዊ ስርዓት ከም ወኪላት ናይ የሆዋ ኮይኖም ኣዋዓዕላ ናይቲ ሕጊ ኣምላኽ ይዕዘቡ ነበሩ። ንገለ ጸብጻብ ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት እንተመርሚርና: ሰባት ከመይ ገይሮም ንርእሶም ኣብ ግዝኣት ኣምላኽ ከግዝእዋ ከም ዝግብኦም ብዝበለጸ ክንርዳእ ኢና።

ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ ዘሎ ስልጣን

6. ኣብ ቲኦክራሲ ናይ ሓላፍነት ቦታ ምሓዝ ስለምንታይ ኢዩ ከቢድ ግድል ዝነበረ? ንኸምዚ ዝበለ ሓላፍነት ዝበቕዑኸ: ከመይ ዝበሉ ሰባት ኢዮም?ኦ

6 ኣብ እስራኤል እቶም ቦታ ሓላፍነት ሒዞም ዝነበሩ ሓደ ዓቢ መሰል ነይሩዎም ኢዩ: እንተኾነ ግና ሚዛኖም መታን ክሕልዉ ብርቱዕ ጻዕርን ቆራጽነትን ይሓቶም ነበረ። ካብቲ ምቕዳስ ስም ናይ የሆዋ: እቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ልዕልና ክብ ኣቢሎም ከይርእዩ ክጥንቀቑ የድልዮም ነበረ። ከምቲ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኮነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ከም ዜብሉ” ዝብሎ ኣብ ካልኦት ሰባት ዝዋዓለ ከምኡውን ኣብ እስራኤላውያን ዝውዕል ሓቂ ኢዩ ነይሩ። እስራኤል ክትዕምብብ ትኽእል ዝነበረት: እቶም ሽማግለታት እስራኤል ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ እትመሓደር ሃገር ብምዃና ፍቓድ የሆዋ ደኣ እምበር ፍቓዳ ክትገብር ከም ዘይግብኣ ምስ ዝዝክሩ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እስራኤል ከም ሃገር ምስ ተመስረተት ነዊሕ ከይጸንሐ የትሮ ዝበሃል ሓሙ ሙሴ: እንታይ ዓይነት ሰባት ክሽየሙ ከም ዘለዎም ገሊጽዎ ኢዩ። ከምዚ ይብል: “ከኣልቲ: ንእግዝኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት: እሙናት: ረብሓ ዓመጻ ዝጸልኡ ሰባት።” — ዘጸኣት 18:21።

7. ካብቶም ኣብ ትሕቲ የሆዋ ኣምላኽ ስልጣን ዝሓዙ: በየናይ መገዲ ኢዩ ሙሴ ሰናይ ኣብነት ክኸውን ዝኽእል?

7 ኣብ እስራኤል እቲ ናይ መጀመርታ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ: ሙሴ ኢዩ ነይሩ። ንሱ ኣብቲ ቲኦክራቲካዊ ደረጃ ስልጣን: ሓደ ሰናይ ኣብነት ዝኾነ በዓል ስልጣን ኢዩ ነይሩ። ሓቂ’ዩ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሰብኣዊ ድኻም ኣብኡ ተራእዩ ኢዩ። እንተኾነ ግና: ሙሴ ኩሉ ግዜ ትውክልቱ ኣብ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚኡ መልሲ ዘይተዋህበሎም ሕቶታት ክለዓሉ ከለዉ ናይ የሆዋ መሪሕነት ይሓትት ነበረ። (ምስ ዘሁልቍ 15:32–36 ኣነጻጽርዎ) ሙሴ ነቲ በቲ ዓቢ ስልጣን ሒዝዎ ዝነበረ ተጠቒሙ ንኽብሪ ርእሱ ክሰርሕ ዝነበሮ ፈተና ከመይ ገይሩ ተዋጽኣሉ? ይገርም ኢዩ: ሽሕኳ ብምልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝነበርዋ ሃገር ይመርሕ እንተነበረ: ንሱስ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ካብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።” (ዘሁልቍ 12:3) ናይ ብሕቱ ፍሉይ ህርፋን ኣይነበሮን: ኣብ ክንድኡስ እቲ ንኡኡ ዘገድሶ ዝነበረ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 32:7–14) ብተወሳኺ ሙሴ ጽኑዕ እምነት ነበሮ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕብኡ ክዛረብ ከሎ ሙሴ ቅድሚ ሃገራዊ መራሒ ምዃኑ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዝርእዮ ኾይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ” ይብሎ። (እብራውያን 11:27) ብዘይጥርጥር እምበኣር: ሙሴ: እቲ ዘይርአ ገዛኢ ናይቲ ህዝቢ: የሆዋ ምዃኑ ፈጹሙ ዘንጊዑ ኣይፈልጥን። (መዝሙር 90:1, 2) ኣየ እዝስ ሎሚ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣርኣያ ኰን ኢዩ ዝኾነና!

8. የሆዋ: ንእያሱ ከመይ ዝበለ ትእዛዝ ሃቦ? ስለምንታይከ ኢና ነዚ ከነስተብህለሉ ዝግብኣና?

8 እቲ ዕዮ ናይ ምምሕዳር: ሙሴ ንበይኑ ዘይኽእሎ ኮይኑ ምስ ተረኽበ: የሆዋ ን70 ካልኦት ሽማግለታት ሰባት መንፈሱ ብምሃብ ኣብቲ ናይ ፍርዲ ዕዮ ከም ዝሕግዝዎ ገበረ። (ዘሁልቍ 11:16–25) ዳሕራይ ጸኒሑ ግና: ነፍሲ ወከፍ ከተማ: ናታ ሽማግለታት ከም ዝህልዉዋ ተገብረ። (ምስ ዘዳግም 19:12። 22:15–18። 25:7–9 ኣነጻጽሮ) ሙሴ ምስ ሞተ: የሆዋ ንኢያሱ መራሒ ናይቲ ህዝቢ ገበሮ። ኢያሱ በቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ዓቢ መሰል: ብዙሕ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ከም ዝነበሮ ክንግምት ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: የሆዋ ግና ሓንቲ ክርስዓ ዘይብሉ ነገር ከም ዘላ ተላበዎ: ከምዚ እናበለ “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ: መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር: እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ።” (እያሱ 1:8) እስከ ነዚኣ ኣስተብህለላ: ኢያሱ ናይ ልዕሊ 40 ዓመት ናይ ኣገልግሎት ተመኩሮ ዘለዎ ክነሱ: ከየቋረጸ ነቲ ሕጊ ከንብቦ የድልዮ ነበረ። ንሕናውን እንተኾነ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖን: ንኽንደይ ዓመታት ከም ዘገልገልና ወይ ክንደይ ዝኣክል ናይ ኣገልግሎት መሰላት ከም ዘሎና ብዘየገድስ: ንኣእምሮና ብሕግታትን ስርዓታትን ናይ የሆዋ ኩሉ ግዜ ከነነቓቕሖ የድልየና። — መዝሙር 119:111, 112።

9. ኣብ ዘበነ–መሳፍንቲ ኣብ እስራኤል እንታይ ተፈጸመ?

9 ድሕሪ እያሱ ብዙሓት መሳፍንቲ ኢዮም ተኸታቲሎም መጺኦም። እቲ ዘሕዝን ግና ኣብ ግዜኦም እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ክፉእ ገበሩ።” (መሳፍንቲ 2:11) እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ዘመነ–መሳፍንቲ ከምዚ ይብል: “በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ: ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ይገብር ነበረ።” (መሳፍንቲ 21:25) ነፍሲ ወከፍ: ብዛዕባ ስነ–ምግባርን ኣምልኾን ዝመጸ: ንርእሱ ዝሕሾ ባዕሉ ይውስን ነበረ: ዛንታ ከም ዝሕብሮ ድማ ናይ መብዛሕትኦም እስራኤላውን ውሳኔ ቅኑዕ ኣይነበረን። ናብ ኣምልኾ ጣኦት ወደቑ: ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ገበናት ይፍጸሙ ነበሩ። (መሳፍንቲ 19:25–30) ገሊኦም ግና ኣዝዩ ዝነኣድ ኣብነታዊ ዝኾነ እምነት ኣርእዮም ኢዮም። — እብራውያን 11:32–38።

10. ኣብ ግዜ ሳሙኤል: ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብ እስራኤል: ኣብ ምምሕዳር መሰረታዊ ለውጢ ዝተኻየደ? ናብዚ ለውጢ’ ዚ ዘምርሔኸ እንታይ ነበረ?

10 ኣብ ግዜ እቲ ናይ መጨረሻ መስፍን ሳሙኤል: ኣብ እስራኤል ናይ ምምሕዳር ቅልውላው ተራእየ። ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበራ ጸላእቲ ሃገራት ብነገስታት ይመሓደራ ነበራ: በዚ ነገር እዚ ስለ ዝተተንከፉ እስራኤላውያን ዘመሓድሮም ንጉስ ክህልዎም ደለዩ። እቲ ናቶም ምምሕዳር ቲኦክራሲ ስለ ዝነበረ ንጉስ ከም ዘለዎም ፈጺሞም ረስዕዎ። የሆዋ ንሳሙኤል ከምዚ በሎ:- “ኣነ ኸይነግሶም ንኣይ ኢዮም ዝነዐቑ እምበር: ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ።” (1 ሳሙኤል 8:7) እዚ ናቶም ኣብነት ብቐሊሉ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታና ከነጥፍእ ከም እንኽእልን ከምኡውን ክሳዕ ክንደይ በዛ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ክንጽሎ ከም እንኽእልን የዘኻኽረና። ምስ 1 ቈረንቶስ 2:14–16 ኣነጻጽሮ።

11. (ሀ) ሽሕኳ ኣብ ምምሕዳር ለውጢ ተገይሩ እንተነበረ: ብኸመይ ኢያ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ነገስታትውን ኣብ ቲኦክራሲ ትቕጽል ነይራ ክበሃል ዝከኣል? (ለ) የሆዋ ንነገስታት እስራኤል፣ ከመይ ዝበለ ትእዛዝ ሃቦም? ምስ ከመይ ዝበለ ዕላማኸ?

11 ይኹን እምበር: የሆዋ ንእስራኤላውያን ድልየቶም ክረኽቡ ፈቐደሎም: ነቶም ቀዳሞት ነገስታት: ንሳኦልን ንዳዊትን ድማ ባዕሉ መረጸሎም። በዚ ድማ እስራኤል ኣብ ምምሕዳር ናይ የሆዋ ማለት ብቲኦክራሲ ምምሕዳራ ቀጸለት። ስለ ዝኾነ ድማ ነገስታታ ነዚ ነገርዚ ክዝክርዎን: ነፍሲ ወከፎም ናቱ ቅዳሕ ናይቲ ሕጊ ክህልዎን መዓልቲ መዓልቲ ከንብቦን ነበሮ: ከመይሲ “ፍርሃት እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሃር: ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ከይልዓል።” (ዘዳግም 17:19, 20) እወ: የሆዋ ድሌቱ: ኩሎም ኣብቲ ናቱ ቲኦክራሲ ስልጣን ዝሕዙ ዘበሉ: ርእሶም ከየልዕሉን እቲ ተግባራቶም ድማ ነቲ ናቱ ሕጊ ዘንጸባርቕ ክኸውንን ኢዩ።

12. ንጉስ ዳዊት ከመይ ዝበለ ናይ ተኣማንነት መዝገብ ኢዩ ዝሓደገ?

12 ንጉስ ዳዊት ሓለፍ ዝበለ እምነት ኣብ የሆዋ ነበሮ: ኣምላኽ ድማ ናይ ዘልኣለም ንግስነት ዘለዎ ትውልዲ ኣቦ ክኸውን ኪዳን ኣተወሉ። (2 ሳሙኤል 7:16። 1 ነገስት 9:5። መዝሙር 89:29) እቲ ዳዊት ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትሑት ተኣዛዝነት: ክንስዕቦ ዝግብኣና ግሩም ኣብነት ኢዩ። ንሱ ከምዚ ይብል:- “ዎ እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ንጉስ ብሓይልኻ ይሕጐስ: ብምድሓንካኸ ክንደይ ኣዝዩ ዘይፍሳህ።” (መዝሙር 21:1) ሽሕኳ: ዳዊት ከም ሰብ መጠን ሓደ ሓደ ግዜ ይጋገ እንተነበረ: ንሱ ግና ኩሉ ግዜ ኣብ ሓይሊ የሆዋ ደኣ እምበር ኣብ ሓይሉ ይውከል አይነበረን።

ቲኦክራቲካዊ ዘይኰነ ተግባራትን ኣረኣእያታትን

13, 14. ከመይ ዝበሉ ቲኦክራቲካዊ ዘይኰኑ ተገባራት ኢዮም: በቶም ድሕሪ ዳዊት ዝመጹ ዝተፈጸሙ?

13 እስራኤላውያን መራሕቲ ኩሎም ከም ሙሴን ዳዊትን ዝበሉ ኣይነበሩን። መብዛሕትኦም መዘና ዘይብሉ ንዕቀት ናብቲ ቲኦክራቲካዊ ስርዓት ስለ ዝነበሮም: ናይ ሓሶት ኣምልኾ ናብ እስራኤል ኣተኣታተዉ። ገለ እሙናት ዝነበሩ መራሕቲ እውን እንተኾኑ ሓደ ሓደ ግዜ ብቲኦክራቲካዊ ዘይኰነ መገዲ ተመላሊሶም ኢዮም። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን: እቲ ዓቢ ጥበብን ብልጽግናን ተዓዲሉዎ ዝነበረ: ናይ ሰሎሞን ነገር ኢዩ። (1 ነገስት 4:25, 29) ንሕጊ የሆዋ ነጺጉ: ብዙሓት ኣንስቲ ተመርዓወ: ኣምልኾ ጣኦት ድማ ኣብ እስራኤል ኣፍቀደ። በዚ ኢዩ እምበኣር ሰሎሞን: ኣብተን ናይ መጨረሻ ዓመታት ግዝኣቱ ጨቋኒ ኰይኑ ዝነበረ። — ዘዳግም 17:14–17። 1 ነገስት 11:1–8። 12:4።

14 ሮብዓም: ወዲ ሰሎሞን: ካብቶም ተገዛእቱ ሸኽሞም ከፍኩሰሎም ጥርዓን ቀረቦ። ንሱ ድማ ኣብ ክንዲ ብህድኣት ዝምልሸሎም ብቁጥዓ ስልጣኑ ስለ ዘርኣየ: ካብቶም 12 ነገድ እቶም 10 ነገድ ሓዲጐሞ ኸዱ። (2 ዜና መዋእል 10:4–7) እቲ ናይ መጀመርያ ንጉስ ናይቶም ዝተፈንጨሉ 10 ነገድ የሮብዓም ነበረ። እታ መንግስቱ ምስታ ሓብታ ዝኾነት ሃገር መታን ከይትሓብር: ናይ ምራኽ ኣምልኾ ኣታኣታተወ። እዚ ምናልባት ውሕሉል ፖለቲካዊ ስጉምቲ ይመስል ይኸውን: እንተኰነ ግና ንቲኦክራሲ ዓቢ ንዕቀት ምርኣይ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። (1 ነገስት 12:26–30) ጸኒሑ ድማ: ንጉስ ኣሳ ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ከገልግል ድሕሪ ምጽንሑ: ኣብ መወዳእታ ዕድሚኡ: ትዕቢት ነቲ ጽቡቕ ሽሙ ከተባላሽዎ ኣፍቀደላ። ነቲ ካብ የሆዋ ዝተላእከ ምኽሪ ሒዙ ዝመጾ ነቢ: ኣዋሪዱ ሰደዶ። (2 ዜና መዋእል 16:7–11) እወ: እቶም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉውን እንተኾኑ ሓደ ሓደ ግዜስ ምኽሪ የድልዮም ኢዩ።

መወዳእታ ናይ ቲኦክራሲ

15. የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ብኸመይ ኢዮም ናይ ቲኦክራሲ ሰበ–ስልጣን ካብ ምዃን ዝሰነፉ?

15 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: እስራኤል ገና ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ ዝነበረት ሃገር ኢያ ነይራ። ዘሕዝን ግና: መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ቦታ ሓላፍነት ዝነበሩ ሽማግለታታ: መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ኣይነበሮምን። ንሳቶም ብርግጽ ከምቲ ኣብ ሙሴ ዝነበረ ዓይነት ዓቕሊ ኰስኲሶም ዘየማዕበሉ ኢዮም ነይሮም። የሱስ ነቲ መንፈሳዊ ውድቀቶም ኣመልኪቱ ከምዚ በሎም: “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዚ ዚብሉኹም ኩሉ ግበሩን ሓልዉን: ግናኸ: ይብሉ ደኣ እምበር ኣይገብሩን ኢዮም እሞ: ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ።” — ማቴዎስ 23:2, 3።

16. እቶም ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን መራሕቲ: ኣብ ቲኦክራሲ ኣኽብሮት ከም ዘይነበሮም ብኸመይ ኣርኣዩ?

16 ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ክሳዕ ክንደይ ካብቲ ቲኦክራቲካዊ ተኣዛዝነት ርሒቖም ከም ዝነበሩ ዘግሃዱ: እቲ ንየሱስ ኣሕሊፎም ናብ ጶንጢዮስ ጲላጦስ ድሕሪ ምሃቦም ዝገበሩዎ ኢዩ። ጲላጦስ ንየሱስ ምስ መርመሮ: ንጹህ ሰብ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ንየሱስ ናብ ቅድሚ ኣይሁዳውያን ኣምጺኡ: ጲላጦስ ከምዚ በሎም:- “እንሆ ንጉስኩም።” አይሁዳውያን ሓቢሮም የሱስ ንኽመውት ምስ ጨደሩ ጲላጦስ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ?” ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህን ትቕብል ኣቢሉ “ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” ኢሉ መለሸ። (ዮሃንስ 19:14, 15) ነቲ ‘ብስም የሆዋ ዝመጸ’ የሱስ ዘይኮነስ: ንቄሳር ኢዮም ንጉሶም ምዃኑ ዝተኣመኑ። — ማቴዎስ 21:9።

17. ስጋውያን እስራኤላውያን ቲኦክራቲካዊ ህዝቢ ካብ ምዃን ዘቋረጹስ ብኸመይ ኢዩ?

17 የሱስ ኣብቲ ዝመጽእ ኣብ ቲኦክራቲካዊ ስርዓት እቲ ቀንዲ በዓል ስልጣን ክኸውን ስለ ዝነበሮ: ንኡኡ ብምንጻጐም: ኣይሁዳውያን ንቲኦክራሲ ከም ዝነጸጉ ኢዩ ዝቑጸር ነይሩ። የሱስ ከም ንጉሳዊ ወዲ ዳዊት ንዘልኣለም ክገዘእ ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7። ሉቃስ 1:33። 3:23, 31) በዚ ድማ ህዝቢ እስራኤል: ከም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣቋረጹ። — ሮሜ 9:31–33።

ሓደ ሓድሽ ቲኦክራሲ

18. ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን: ከመይ ዝበለ ሓድሽ ቲኦክራሲ ኢዩ ዝተወልደ? ግለጽ።

18 ኣምላኽ ንስጋውያን እስራኤላውያን ነጺግዎም ማለት ግና: ደጊም ቲኦክራሲ ኣብ ምድሪ ኣብቂዑ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ: ብየሱስ ኣቢሉ ሓደ ሓድሽ ቲኦክራሲ ተኺሉ ኢዩ። እዚኣቶም እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ጉባኤ ናይ ክርስትያናት ኢዮም። እወ ንሳቶም ብሓቂ ሓደ ሓድሽ ህዝቢ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:9) ሃዋርያ ጰውሎስ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኢሉ ጸውዖም: እቶም ኣበላት ግና ኣብ መጨረሽታኡ “ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ዝመጹ ኰይኖም ተረኽቡ። (ገላትያ 6:16። ራእይ 5:9, 10) ምንም እኳ ኣብታ ዘለውዋ ሃገር ንዘሎ መንግስቲ ዝግዝኡ እንተኾኑ: እዞም ኣበላት ናይዛ ሓዳስ ቲኦክራሲ ዘበሉ: ገዛኢኦምሲ ብሓቂ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። (1 ጴጥሮስ 2:13, 14, 17) እዛ ሓዳስ ቲኦክራሲ ምስ ተመስረተት ብኡንቡኡ: እቶም ናይ ስጋውያን እስራኤል መራሕቲ: ንገለ ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ትእዛዝ ናይ የሱስ ንኸይፍጽሙ ኸገድድዎም ፈቲኖም ኢዮም። እንታይ ኢሎም መለሹሎም? “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ ዝግባእ።” በሉዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ብሓቂ እዚስ ከመይ ዝበለ ቲኦክራቲካዊ ኣረኣእያ ኢዩ!

19. እታ ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ እያ ነይራ ክንብል እንኽእልሲ ብኸመይ ኢዩ?

19 እንተኾነ ግና: እዛ ሓዳስ ቲኦክራሲ ብኸመይ ትዓዪ ነበረት? የሱስ ክርስቶስ: ነቲ ዓቢ ቲኦክራቲካዊ ዝኾነ የሆዋ ኣምላኽ ወኪሉ ከም ንጉስ ኮይኑ ይኣልያ ነበረ። (ቆሎሴ 1:13) ሽሕኳ እዚ ንጉስ እዚ ብዓይኒ ዘይርኤ እንተነበረ: ነቶም ተገዛእቱ ግና ናይ ሓቂ ህያው ኢዩ ነይሩ: እቲ ቃላቱ ድማ ንህይወቶም ይመርሖ ነበረ። ከም ዝረኣዩ ኣመሓደርቲ ድማ: ብመንፈስ ቡቑዓት ዝኾኑ ሰብኡት ተሸይሞም ነበሩ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰብኡት ኣብ የሩሳሌም ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ይዓዩ ነበሩ። ከም ጳወሎስ: ጢሞቴዎስ: ቲቶስ ዝኣመሰሉ ዘወርቲ ሽማግለታት ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ወኪሎም ምብጻሕ ይገብሩ ነበሩ። (ቲቶስ 1:5) ክብድ ዝበለ ግድል ክለዓል ከሎ: እቶም ሽማግለታት ነዚ ኣመሓዳሪ ኣካል ወይ ንሓደ ካብቶም ወኪላቱ ከም እኒ ጳውሎስ ይውከሱ ነበሩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 15:2። 1 ቈረንቶስ 7:1። 8:1። 12:1 ኣነጻጽርዎ) ብተወሳኺ: ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይታ ጉባኤ ንቲኦክራሲ ንምድጋፍ እጃሙ የበርክት ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ነቲ ጽሑፋዊ ስርዓት ኣብ ህይወቱ ንኽሰርሓሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲ ኢዩ ነይሩ። — ሮሜ 14:4, 12።

20. ኣብቲ እዋን ድሕሪ–ሃዋርያት ዝነበረ ዘበናት: ብዛዕባ ቲኦክራሲ እንታይ ክበሃል ይከኣል?

20 ጳውሎስ: ድሕሪ ሞት ናይ ሃዋርያት ዓቢ ክሕደት ክምዕብል ኢዩ ኢሉ ኣጠንቂቑ ነበረ: ከምቲ ዝበሎ ድማ ብሓቂ ተፈጺሙ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:3) ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ እቲ ቑጽሪ ናይቶም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ኣብ ሚልዮን በጽሔ ጸኒሑ ድማ ኣብ ኣማእታት ሚልዮናት ደየበ። ንሳቶም ድማ ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ቤተ ክርስትያን መንግስቲ ወይ ምምሕዳር ከም እኒ ቤተ ክህነታዊ ደረጃ ማዕርጋት: ግዝኣት ቤተ–ክርስትያን ከምኡውን ክልላዊ ቤተ ክርስትያናዊ ምምሕዳር ዝበሃሉ ኣተኣታተዉ። እንተኾነ ግና እቲ ተግባራተን ይኹን እቲ ትምህርትታተን ነቲ ምምሕዳር ናይ የሆዋ ዘንጸባርቕ ኣይነበረን። ንሳቶም ቲኦክራቲካውያን ኣይነበሩን።

21, 22. (ሀ) ኣብዚ ግዜ መወዳእታ: የሆዋ ከመይ ገይሩ ንቲኦክራሲ ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ መለሶ? (ለ) ከመይ ዝበሉ ንቲኦክራሲ ዝምልከቱ ሕቶታት ኢዮም ኣብ ዝመጽእ ዝምለሹ?

21 ኣብ ግዜ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ካብቶም ናይ ሓሶት ክርስትያን ክፍለዩ ነበሮም። (ማቴዎስ 13:37–43) እዚ ኣብታ: ኣብ ታሪኽ ቲኦክራሲ ኣዝያ ወሳኒት ዝነበረት ዓመት ናይ 1919 ተፈጸመ። ኣብቲ ግዜቲ: እቲ ግርማዊ ትንቢት ናይ ኢሳያስ 66:8 ፍጻሜኡ ረኸበ። “ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዐ? ከምዚ ዝበለኸ መን ረኣየ? ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ ኢያ? ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ግዜ ይውለድ ኢዩ?” መልሲ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም መቓልሕ ብዝመልስ ብርቱዕ ድምጺ: እወ: ኢዩ። ብ1919 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንደገና ከም ሓደ ፍሉይ “ህዝቢ” ኰይና ተመስረተት። ሓንቲ ቲኦክራቲካዊት “ሃገር” ብሓቂ ብሓንቲ መዓልቲ ተወልደት። እቲ ግዜ መወዳእታ እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ እታ ማሕበር ናይዚ ሓድሽ ህዝቢ: ናብቲ ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝነበረ ኣገባብ ዝቐረበት መታን ክትከውን ምትዕርራያት ተገይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:17) ይኹን እምበር ኩሉ ግዜ እታ ማሕበር ኣብ ትሕቲ ቲኦክራሲ ኢያ ነይራ። ኣብ ስነ–ምግባርን ትምህርትታትን ኩሉ ግዜ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ሕግን ስርዓትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ: ኣንጸባሪቓቶ ኢያ። ከምኡውን ኩሉ ግዜ ነቲ ድሮ ኣብ ዝፋኑ ኮፍ ኢሉ ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ: ትግዝኦ እያ። — መዝሙር 45:17። 72:1, 2።

22 ንስኻኸ: ምስዚ ቲኦክራሲ እዚ ሓቢርካዶ ኣሎኻ? ኣብኡኸ ገለ ቦታ ሓላፍነትዶ ሒዝካ ኣሎኻ? እንተደኣ ቦታ ዝሓዝካ ኰይንካ: ብቲኦክራቲካዊ መገዲ ምምልላስ: እንታይ ማለት ምዃኑስ: ይርድኣካዶ? ከመይ ዝበሉ መፈንጠራታት ከተወግድ ከም ዝግበኣካስ ትፈልጥዶ? እዘን ክልተ ናይ መወዳእታ ሕቶታት: ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠለን ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ

◻ ቲኦክራሲ እንታይ ኢዩ?

◻ እስራኤል ብኸመይ ኢያ ቲኦክራሲ ዝነበረት?

◻ እስራኤል ቲኦክራሲ ምዃና መታን ክዝክሩ: የሆዋ ንነገስታት እንታይ ምድላዋት ገበረሎም?

◻ በየናይ መገዲ እያ እታ ክርስሰትያናዊት ጉባኤ ቲኦክራሲ ዝነበረት? ብኸመይ ዝበለ መገዲኸ ተወዲባ ነበረት?

◻ ከመይ ዝበለት ቲኦክራቲካዊት ማሕበር ኢያ ኣብ ግዜና ዝተተኽለት?

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣይሁዳውያን መራሕቲ ነቲ ብየሆዋ ብቲኦክራቲካዊ መገዲ ዝተቐብኤ ንጉስ ዘይኮነስ ንቄሳር ኢዮም ከም ንጉሶም ኣፍልጦ ዝሃብሉ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ